All updates

ጥልመት ኣብ መዓልቲ ሰማእታት!

17/08/2018

ጥልመት ኣብ መዓልቲ ሰማእታት!

 

ኣብ መዓልቲ ዝኽርኹም፡ ኣብቲ መካነ መቓብርኩም

ሃገር ኣብ ዓሚቚ ትዝታ፡ እናዘከረት ሰማእታታ

ንብዓታ ንውሽጢ ኣዝሪቛ፡ ብዓይኒ ሕልና እናረኣየት ስዉኣታ

እወ! ዘኪራ ብንእስነትኩም፡ ኣብ መሬታ ዝተደፈንኩም

ዝመከትኩም ወራራት ባዕዲ፡ ምእንቲ ናጽነት ሓለዋ ዶባታ

ኣብ ነባሪ ሰላም ተኸቢራ ኪትነብር ብልዑላውነታ።

 

ሕልሙ ዚተጋህዱሉ፡ ብደምኩም ዚሰወደ ደማሒ

ንዚተወፈየ ምስ ኣስፈረ ትሕቲ ባይታ ዘይርእየሉ ጸሓይ ወርሒ

ሃገር ምስ ጣሕሰሰት ሂባ ቦኽርን ሕሳስ ልደን መራሒ

ዚጐዪ ምስ ተሓምሸሸ ኰይኑ ተመራሒ

መንእሰይ ወለዶ ምስ ተበተነ ስኢኑ ገራሒ

ዓገብ ዚበለ ምስ ኣተወ ካርሸሊ፡ ዘይብሉ ፈታሒ።

 

ሓቂ ዚዛረብ ምስ ተዓብሰ፡ ወይ ከ ብሒም ስጒሚ

ዝርኢ ምስ በሎ ጽልግልግ፡ ኰይኑዎ ብርሃን ሕርሚ

ዝሓስብ ኰይኑዎ ድንግርግር፡ ህልም ኣብ ጸላም ሕልሚ።

 

እቲ ኣብ ምዝላቕ ባረንቱ ህጣሙ ዘጥፈአ ናይ ጥፍኣት መራሒ

ብስራት ዚሕርሙ ጸይቀዕሉል ዘግሒ

ደላይ ሰላም ኪመስል፡ መደረ በቲ ልሙድ እከይ ጕርሒ

በለኩም ከኣ መሳኪን ዝዘራእኩሞ ከም ዚወደቐ ኣብ ከውሒ

‘ጸወታ ተወዲኡ’ ብናተይ ሽርሒ።