All updates

ጎባልል መንእሰያትና ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሶም፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣሐቢኖም

28/03/2022

ጎባልል መንእሰያትና ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሶም፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣሐቢኖም

ቢንያም ግርማይ ኣብቲ ኣብ ጌንት-ወቨልገም (Gent-Wevelgem); በልጁም፡ ዚተኻየደ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ኣብቲ 128 ኪሜ ዚንውሓቱ ቅድድም፡ እቲ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ብምዃን ንዅሉ ኤርትራዊ ኣሐቢኑ፡ ጸባ ኣስቲዩ። ቅድሚ ሳልስቲ ናይቲ ፍጻሜ ድማ ሓሙሻይ ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ብወገኑ ኣብቲ ኣብ ሻርም ኤል ሸይኽ (Sharm el-Sheikh)፡ ምስሪ፡ ዚተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣሐቢኑና፡ ጸባ ኣስትዩና።   

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ውድድር ብሽክለታ ኣብ ክልቲኡ ፍጻሜታት ሸውዓተ (7) ወርቂ፡ ሽዱሽተ (6) ብሩር፡ ክልተ ኣስራዚ፡ ብድምር 15 መዳልያታት ተሸሊሞም።

ወርቂ ንወርቂ! ምዉቕ ዮሃና ንጎባልል መንእሰያትና።

 

[:swvar:text:838:]