All updates

ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ገዳማትን ሕክምናዊ ትካላትን።

21/06/2019
ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ገዳማትን ሕክምናዊ ትካላትን።

  1. ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ኣሲሮም
  2. መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝውነና ትካላት ጥዕና ክህገራ ወሲኑ
  3. ATV: ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣብ ንግደት ሰገነይቲ ትማሊ 16 ሰነ ዘመሓላለፉዎ ተሪር መልእኽቲ
  4. Letter from the Eritrean Catholic Church


ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ኣሲሮም
Radio Erena: 13 June 2019

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ከምዝኣሰሩ ተሓቢሩ።

እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኩሳት፣ ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን፣ ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ፣ ኣባ ኪዳነ ማርያም ተኸስተ፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደመድህን ምዃኖም ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣባ ክብራብ ተኪኤ ኣቐዲሞም’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዮም።

ጠንቂ ምእሳር እዞም፣ ሰለስተ ካብ ኣቶም ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 70ታት ዝርከቡ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን፣ ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኣብ ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታውን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ብቴሌፎን ዝሃቡና ዝርዝራዊ መብርሂ ስዒቡ ይቐርብ።

(Original Source)


መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝውነና ትካላት ጥዕና ክህገራ ወሲኑ

Radio Erena: 18 June 2019

መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ክመሓደራ ዝጸንሓ ክሊኒካት ክህግረን ምውሳኑ፣ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ቁጠዐ ፈጢሩ።

እተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ክሊኒካት 22 ኮይነን፣ ኣብአን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ሕሙማት ብሓይሊ ነንገዝኦም ክፋነዉ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐሰቡ ይግለጽ።

መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝለኣኹዎ ጥርዓን፣ ሕጊ ኣብ ዘለዋ ሃገር፣ ብኢደ ዋኒን ትካላት ጥዕና ምዕሻግ ዝግባእ ከምዘይኮነ ገሊጾም።

እተን ኣብ ገጠራትን ሓውሲ ከተማታትን ተደኲነን ንህዝቢ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህባ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ብምዕጻወን፣ ኣብ ህዝቢ ድሮ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዘን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ዝዓጸወሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ መራሕቲ ሃይማኖት’ታ ትካል ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ኢድ ብምእታዎም ምዃኑ’ዩ ብሰፊሑ ዝውረ ዘሎ።

እንተኾነ ካብቲ መንግስቲ ዝተዋህበ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ከምዝፍለጥ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ዝገልጽን መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ጨካን ኣተሓሕዛን ዝነቅፍ ተደጋጋሚ መልእኽታት ብምትሕልላፍ፣ ህዝቢ ክብደል እንዳረኣና ዓይንና ኣይዕምትን ኢሎም’ዮም።

(Original Source)



ATV: ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣብ ንግደት ሰገነይቲ ትማሊ 16 ሰነ ዘመሓላለፉዎ ተሪር መልእኽቲ