All updates

ጀጋኑ ሰማእታትና ንዘልኣለም ብሓበን ይዘከሩ!

20/06/2021

ጀጋኑ ሰማእታትና ንዘልኣለም ብሓበን ይዘከሩ!

ሎሚ 20 ሰነ 2021 መዓልቲ ሰማእታት ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዘለዎ ሃልዩ፡ ነቶም መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ሃገር፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ንምጭባጥ ኰነ ልዑላውነት ሃገር ንምውሓስ ክቡር ህይወቶም ዚወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታትና ብሓበን ዚዝክረላ ፍልይቲ ዕለተ ዝኽሪ ኢያ። ጀጋኑ ሰማእታትና ብክቡር መስዋእቶም ምስረታን ቀጻሊ ህላወን ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣረጋጊጾም። ህይወቶም ከፊሎም፡ ብቐይሕ ደሞም ጅግንነታዊ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ ጽሒፎም።

ሰማእታትና ኣብ መሬት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት፡ ሓርነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ጥራይ ኣይኰኑን ወዲቖም። ክንየው ኤርትራ፡ ንሓርነት ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ዓቢ እጃም ኣበርኪቶም ኢዮም። ደሞም ኣብ ኢትዮጵያ - ኣብ ትግራይ፡ ኣብ በገምድር፡ ኣብ ወሎ፡ ኣብ ሽዋ፡ ኣብ ወለጋ፡ ወዘተ. - ፈሲሱ፣ ኣዕጽምቶም ተኸስኪሱ። ምልካዊ ግዝኣት ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኣብቂዑ ኣብ ኢትዮጵያ ባና ሓርነት ንኪዅላዕ ወሳኒ ኣበርኪቶ ወፍዮም።

ምስረታ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ልዑላዊት ሃገር ይመስርት እምበር፡ ዛጊት ብትግባረ ቅዋም ዚረጋገጽ ልዑላዊ ስልጣን ኪጐናጸፍ ኣይከኣለን። እቲ እቶም ጀጋኑ ሰማእታትና ክቡር ህይወቶም ብምውፋይ ዚተበጀዉሉ ብጹእ ዕላማ ናይ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዚሰፈና ሃገረ ኤርትራ ምህናጽ ዛጊት ክዉን ኣይኰነን ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ናይ ምሉእ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላቱ ንምዃን፡ ተወሳኺ ጻዕሪ ዚጠልብ ጕዳይ ኰይኑዎ ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረሉ ዘለና ዕዙዝ ኣጋጣሚ፣ መስዋእቶም ንምድባስ፡ ክንየው ብምስትንታን ምዝካር ክንሓሳብ ህጹጽ እዋናዊ ሓላፍነት ኣለና። ነቲ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ተገላጊላ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓራ ህዝቢ ኰይኑ መታን ብሰላም፡ ብክብረት፡ ብቅሳነት፡ ብራህዋ ኪነብር ክቡር ህይወቶም ዚወፈዩሉ ብጹእ ዕላማ ክዉን ንምግባር ብግዝኣተ-ሕጊ ዘመሓድር ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ብምሉእ ዓቕምና ንምቅላስ መብጽዓና ከነሐድስ ይግባእ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!