All updates

ዘይሞተ ኣይትቕበር! – ኣክሊል ሃይሉ

11/03/2019
ዘይሞተ ኣይትቕበር!
ኣክሊል ሃይሉ

ሕማም መናብርቲ ወዲ ሰብ’ዩ። ካብታ ካብ ገነት ኤደን ዝተሰጎላ መዓልቲ ጀሚሩ ብዘሎ ፍጥረት ኣዳም፡ ሓመድ ምዃኑ ከይተርፎ እዞም ብዓይኒ ዘይርኣዩ ረቀቕቲ ተሃዋስያን ከይተረፉ ይድንድንዎ። እንሓንሳብ ንእዲ የትሕዝዎ፡ ኣብ ኻልእ እዋን ዓዲ ውዒል ይገብርዎ። እቲ ሕሙም ተደኒሱ፡ ንውሕ ዝበለ ጊዜ እንተወሲዱ፡ ብፍላይ ከኣ ሓካይም ከይተረፈ ረብሪቦም ተስፋ ምስዝጽንቀቕ ቤተሰብ ዘበለ መዓልቲ ምፍናዉ’ዩ ዝጽበ። ወለድና ነዚ ኩነት፡ ዘይሞተ ኣይትቕበር ይብልዎ።

ኣብ ቤቱ ሬሳ ሒዙ ዝቕመጥ፡ ክሳብ ዝብድብድን ዝጽይእን፡ ፍልሖ’ውን ክሳብ ዝወርዎ ዝጽበ ግን የልቦን። ሬሳ ቦትኡ መቓብር’ዩ። ሰለስተ ሜትሮ ትሕቲ መሬት።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብተኸታታሊ ረጊጾሞ’ዮም። ብቱርኪ፡ ምስሪ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ኢትዮጵያ በብተራ ሰፍ ዘይብል ማህሰይትን መድቆስትን ወሪድዎ እዩ። ኣብ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝሓደግዎ በሰላ’ውን ቐሊል ኣይነበረን። እቲ ምረት፡ ጭቆናን ግፍዕን ዝወለዶ ተቓውሞ ዓዂኹ፡ ተወዲቡ፡ ተቓሊሱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ። ህዝቢ ኤርትራ በቶም ናብዚ ዓብዪ ክብሪ ዘብጽሕዎ ተጋደልቲ ደቁ ሓበኑ ዓሪጉ። ነቲ ሓብሒቡ፡ ዓንጊሉ፡ ተኸናኺኑ ዘዕበዮ ውድቡ’ውን ፈተዎን ኣዕበዮን። ናብ ዓወት ስለ ዘብጽሖ ኣብ ምቑማል ጉድለታት እዚ ናተይ ዝበሎ ውድቡ – ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ- ብዙሕ ኣየድሃበን፡ እምብዛ ደኣ ሸለል በለ።

ርግጽ’ዩ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ፈታውን ጸላእን ኣሉ ዘይብሎ፡ ወጻእተኛን ወዲ ዓድን ክኽሕዶ ዘይኽእል፤ ኣዝዩ ዓቢ፡ ሓያል፡ ተፈራሂ ውድብ ነበረ። ብዙሓት’ውን ዓይኖም ኣውደቑሉ። እቶም ተዋጋእቲ ሰራዊት ዘመስከሩ ጀጋኑ፡ እቶም ኣዋጋእቲ መራሕቱ’ውን በላሕቲ ነበሩ። እቶም ምሁራት፡ ሓካይም፡ መሃንዲሳት፡ ክኢላታት ዘበሉ ነቲ ውድብ ፖለቲካዊ፡ ሲቪላዊ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ቅርጺ ኣትሓዝዎ። ምስናይ’ዚ ኹሉ ዓቕሞም እቲ ኣውራኦም ስንክያ ምዃኑ ግን ኣየለለዩን። ነቶም ካብኡ ዘዝበለጹ ቀያሕቲ፡ ብሰላሕታን ካልእ ረቂቕ መገድታትን ንሓድሕዶም እናኣጣፍኤ፡ እናባልዔ ሓይሎም ኣላሕልሖ። እናተሞኽለየ ኣጓደሎም፡ ኣዳኸሞም፡ ኣውደቖም። ንሱ ግን በይኑ እናሸፈጠ ሰወደ። እቲ ኣዝዩ ዝሓመቐ፡ ካብ ኩሎም መዘናታቱ ዝደቐቐ፡ ንሱ ፈርዚኑ ተራእየ።

ነቲ ህዝባዊ ግንባር ንዓመታት ተሰኪምዎ ዝጉዓዝ ዝነበረ ኣተል ይትረፍዶ ኣብ ግዳም ዘሎስ እቲ ዝበዝሕ ተጋዳላይ’ውን ኣይፈልጦን ነበረ። እቲ ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ፡ ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ – ዘይድገም ዝዓይነቱ ከይተረፈ – ብልጫታት ዘርኣየ ኤርትራዊ ትካል’ዩ። ኣብቲ ጊዚኡ ኩልና ተሓቢንናሉ። እቲ ዓወታት’ውን ዘነይት ነበረ፡ ባህታውን ፈጠረልና። መዓስ ንሕና ጥራይ ብዘላ ውጽዕቲ ኣፍሪቃን ዓለምን ዓቢይ ተስፋ ዘንበሩሉ ውድብ’ዩ ዝነበረ። ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ተሰኪምዎ ዝመጸ ኣበሳ ኣመት ዝገበረ ግን ኣይነበረን። ጉዳይ ዕርቂ ኸኣ’ሞ ከም ኣምር’ውን ኣይተላዕለን። ኣይተደልየን።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ብኣጋ ተቖጽየ’ምበር፡ ኣይጠጥዔን። ምስ ሕሉፍ ታሪኹ’ውን ኣይተዓርቀን። ለካስ ነቲ ሕሉፍ ጸገማቱ ክኣሊ እዚ ውድብ “ይገዘር” (ማለት እቶም ገዳይም ሓለፍቲ በቲ ውዑይ ደም ይተክኡ) ዝትባህለስ ምእንቲ ከይፈሪ ክስለብ ተዓሊሙ ስለዝነበረ እዩ። ዓንቀሩ ዝኸልእዎ መሲሎም ሓኒቖም ክቐትልዎ ዝኣለምዎ ውዲት ምንባሩ እናሓደረ በርሀ። እቶም ትርፎፍያ ኣራሑ ከምታ ማሕስእ ኣውደኣመት ዓይኖም እናርኤ፡ እዝኖም እናሰምዔ ሰለቦም፡ ድምጾም’ውን ከቶ ኣየስምዑን። ብብዙሕ ኣውያት ተመሊስካ ዘይርከብ ዕድል ኣሕለፉ። ኩሉ መፋትሖም ካብ ኢዶም ሞሎቖ። ነቶም ቅድሚኦም ዝሓለፉ ኣያታቶም፥ መንካዕ፡ የሚን ወዘተ መሰሉ። በብሓደ ሰዓብዎም። ኢሰያስ፡ እቲ መልኣከ ሞት ኣየላበዎምን።

እቶም ብዕድል ተሪፍኩም ዘሎኹም ሎሚ ምረጹ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ወሊዳ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ በቶም ኣቐዲሞም ዝተሰርዑ ሃሱሳት ጥሮታ ምስ ወጸት ነዊሕ ከይጸንሐት ተቓበጸት። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ግን እቲ ክፋል ስማ ዝወረሰ እንኮ ውሉዳ ጌና ብዕሸሉ ተቐቲሉ ክነሱ ዛጊት መርድእ ኣይተነግረሉን፡ ንቡር ሂቡ ዝቐብሮ’ውን ኣይተረኽበን። ኣቱም ኩልኹም ዘይሞተ ኣይትቕበር ኢልኩም ዘይቀበጽኩም፥ ‘ህግደፍ’ሲ ካብ ዘሕቅቕዎ ድሮ 15 ዓመት ኣቑጺሩ’ሎ። መርድእ ቅባጸት’ዩ። ጽንዓት ይሃብ። እዚኦም ሕጂ እንርእዮም ዘሎና ኢሰያስን ተለኣኣኽቱን ግና፡ ሰሊኾም ኣብ መሳርዕና ዝኣተዉ ኣባላት ሓሙሻይ መስርዕ’ዮም። ኣብ ውሽጥና ዓሪዶም ከም ቑርዲድ ደምና ዝመጽዩ፡ ምሳና ተመሲሎም ህዝብና ዘድከዩ ንሶም’ዮም። ናትና ኣይነበሩን፡ ካባና’ውን ኣይኮኑን። ሕጂ ኸኣ’ሞ ነቲ ታሪኽኩም ክብርዙ፡ ቅያታትኩም ከህስሱ፡ ብቓልዕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ይብሉ’ሎዉ። ኢደይ ኢድካ ኢልና ካብቲ ተኾይጦምሉ ዘሎዉ ክንድንክሎም ይግባእ።

እምብኣር ኩሉኹም ንናጽነት ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልኩም ተጋደልቲ፡ ሎሚ እቲ ብድሆ ንኣኹም’ዩ። እቲ ዘመንኩም ዘሕለፍኩምሉ፡ ዕድሜኹም ዘብለኹምሉ፡ ኣካልኩም ዝኸፈልኩምሉ፡ ነቲ ብሕርያ ዘርኢ ዝኣምን ንግስነት ኢሰያስን ቤተሰቡን ድዩ ኔሩ፧ እቶም ኣብ ቅድሜኹም ሕድሪ ሓዲጎምልኩም ዝወደቑ ብጾትኩም ዝተሰውኡሉ ዓላማኸ ሃገርና ኤርትራ ናብ ሓራጅ ንምውራድ ድዩ፧ ነዚ ስርዓት ኢሳይያስ ወጊድ ንኽትብሉ ኣብ ጐኒ ህዝብኹም ተሰሊፍኩም፡ ግብኣተ መሬት እዚ ዝበስበሰ፡ ዝቦኽቦኸ፡ ዝኣረገ ስርዓት ኣቀላጥፉ። ንጠላም ክተገልግሉ ዕዳ የብልኩምን።

ነቶም ተዓዚሞም፡ ብተእማንነት ዘገልገሉ’ውን ዘይምሕር ኣረመኔ ስርዓት ምዃኑ ኣስተብህሉ። ዕጻ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ተመልከቱ።

ጊዜ ከለኩም፡ ካብዛ ብዘይ ዝኾነ ብሶላ ዘንብብ ወይ ኣንፈት ዝርዳእ ክኢላ፡ ጋንጽላታታ ተቐዳዲዱ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ እትጭነቕን፡ እትጥሕልን ዘላ ጃልባ ስርዓት ኢሰያስን ኣጫፈርቱን ሎሚ እምልጡ።

እዚ ሕጂ ተቐልቂሉ እትርእይዎ ሓይሊ ሓርነት፡ በቲ ካብ ኣያታቱ – ካባኹም – ዝወረሶ ታሪኽ ጅግንነት ዝንየት፡ ሰፊሕ ልቦናን ዓቢ ራእይን ዝውንን፡ ዕርቅን ሕውየትን ዝኣምን ወለዶ እዩ። ክዓግቶ ዝኽእል ሓይሊ’ውን የልቦን። 

ንሃገርና ኤርትራን ህዝብናን ሎሚ ኩልና ብሓበራ ኣሎናልካ ንበሎ። ድምጽና ነስምዕ። ብፍቕርን ሕውነትን፡ ዕርቅን ይቕረበሃልነትን፡ ሕድገትን ለውሃትን፡ ንሃገርና ነዕብያ። ብጻዕርን ሓርኮትኮትን ኒሕን ሓቦን ተወፋይነትን ሃገርና ክነማዕብላ ኢና። ኤርትራ ሃብታም ሃገር’ያ፡ እቶም ደቀባት ከኣ ንሕና ኢና።