20 ሰነ 2026
ዘልኣለማዊ ሓበን፡ ክብርን መጐስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ዓመት-ዓመት 20 ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ንኤርትራ ናጻ ንምውጻእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንምግባር፡ ናጽነት ኤርትራ ንምዕቃብ ኰነ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ንምጕንጻፍ፣ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታት ብዓቢ ኣኽብሮት ዚዝክረላ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ።
ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብመዘና-ኣልቦ መስዋእቲ ዚተነድቀ ታሪኽ ናይ ዘይሕለል ጅግንነታዊ ቃልሲ ኢዩ። ዕላማ ናይቲ ዅሉ ዚተኻየደ ቃልስን ዚተኸፍለ መስዋእትን፣ ሃገራዊ ናጽነት ብምጭባጥ፣ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ክዉን ንምግባር፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተኸታተልቲ ወለዶታት ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ንእስነቶም ወፊዮም፣ ህይወቶም ከፊሎም፣ ስንኪሎም። ብመስዋእቶም ናጽነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም፤ ሰረት ናይ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣንጺፎም፣ ብደሞም ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ ጽሒፎም።
ክንድ ዚዀነ፡ 20 ሰነ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን ዚተሰውኡ ሰማእታት ብልዑል ኣኽብሮት ዚዝክረላ፣ ነቶም ጀጋኑ ስንኩላን ኲናት ዘመጕሰላ፣ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተኣሲሮም፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ደረት-ኣልቦ መቑሕ ብህይወቶም እንከለዉ ተቐቢሮም ዘለዉ ኣርካናት ብረታዊ ቃልሲ፡ ጋዜጠኛታትን ተራ ዜጋታትን ፍትሒ እንጠልበላ፡ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ።
ብግብሪ፡ መስዋእቲ ሰማእታትና ንምድባስን ህዝብና ጻማ ቃልሱ ከም ዚረክብ ንምግባርን፣ ነቶም ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ተገላጊላ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ኰይኑ መታን ብሰላም፡ ብድሕነት፡ ብራህዋ ኪነብር፡ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩሉ ዕላማ ክዉን ንምግባር ምቅላስ ይሓትት።
ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘኽብር፣ ፍትሒ ዘስፍን፣ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ሰብኣዊ ጸጋታትን ንዋታዊ ዓቕምን ሃገርና፣ እንተላይ ጸጋታት ሓይሊሰብና፡ ባሕርና፡ ወደባትና፡ ማዕድናትና፣ ኣብ መዓላ ሃገራዊ ልምዓትን ምምሕያሽ ደረጃ መነባብሮ ህዝብን ዘውዕል፤ ግሉጽን ተሓታትን ቅዋማዊ መንግስቲ ዚትከለሉ ሓድሽ መዋእል ንምምጻእ ዘይሕለል ተስፋ ተዓጢቕና ምቅላስ ይጠልብ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ሓበን፡ ክብርን መጐስ ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!
