All updates

ዓረም፡ ፈውሲ ደግሲ (Relapse)

19/02/2019

ዓረም፡ ፈውሲ ደግሲ (Relapse)

ሕማም ደግሲ ህይወት ብዙሓት ዝቐዝፍ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ናይ ቀዳማይ ኣብ ዳሕራይ ዝኽሰት ተርእዮ እዩ። እቶም ነዚ ሕማም`ዚ ዘምጽኡ ህዋሳት ኣብ ሰብነት ተደጊሎም ስለ ዝጸንሑ ነቲ መድሃኒት ይለምድዎ። ናይ ምክልኻል (immunity) ብቕዓት ድማ በቲ ቀዳማይ መጥቓዕቲ ተዳኺሙ ስለ ዝጸንሕ፡ ምስ ተኸስአ ክድሕን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣቐዲሙ ተፈዊሱ ዝነበረ ዝመስል ግን ከኣ፡ ተላሒጉ ዝጸንሐ ክብገስ ከሎ ፡ ንበይኑ ዘይኮነ ካልኦት ዓቕሚ ብምስኣን ተኸዊሎም ምቹእ ግዜ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣሰንዩ እዩ ዘጥቅዕ። ሕማም ደግሲ`ምበኣር ብኸምዚ ተርኒዑ ብዘይ ንሕስያ ዕምሪ ሰብነት የሕጽሮ።

እዚ ኣብ ስነ-ህይወት ብግብሪ ዝረአ ጒዳይ፡ ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት`ውን ብተምሳሌቱ ብዝሰፍሐን ብዝኸፍአን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ዘኸትል ተርእዩ እዩ። ዓለምና ብሕጊ`ምበር ብሓይሊ ስለ ዘይትነባበር ቅልጽም ዘሕበጠ ፊን ኣብ ዘዝበሎ ግዜ ዓመጽ ከካይድ ኣይክእልን። ናይ ሓጺርን ነዊሕን ሳዕቤን ጎስዩ፡ ብስምዒት ተገዚኡ ብሓዊ ምስ ዝጻወት፡ ኣብታ ዝኣጎዳ ሓዊ እዩ ዝጥበስ። ሎሚ ናይ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ውጽኢት፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም እንታይ ሳዕቤን ከም ዘኸተለ ዘይርዳእ እንተልዩ ኣብዲ እዩ። ኣብዲ፡ ኣይኮነን ናይ እኩብ ናይ ውልቁ`ውን ክሓስብ ስለ ዘይክእል፡ ከሎ ጌና እቲ ዝህሰ ሓፋሽ ክነቕሓሉ ይግባእ።

ንደቂ ሰባት ሰላም ከሊኡ ንዓለምና ዝህውጽ ዘሎ ፖለቲካ እዩ። ፖለቲካ ከም ኣካል ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት መጠን ቀጥታዊ ትርጒሙ ብዝቐለለ ክንርእዮ እንከሎና `ኣብ ሸቶኻ ንምብጻሕ እትጥቀመሉ መሳርሒ` እዩ። ቊንቊኛ ፖለቲካ ከምዚ ካብ ኮነ፡ ዕላማ ፖለቲከኛታት ድሌት ስልጣን እዩ። ቀጺሉ ክበርህ ዘለዎ ነገር፡ ስለምንታይ ፖለቲከኛታት ስልጣን ዝደልዩ ዝብል ሕቶ ይመጽእ። ፖለቲካ ንፖለቲከኛታት ህይወቶም ዝመርሕሉ ናይ መነባበሪኦም ሞያ ስለ ዝኾነ እዩ። ልክዕ ከም ንግዲ፡ ማሕረስ፡ ሽቅለት ወዘተ። ንዝኾነ ግሩህ ሰብ ግን፡ እቲ ከም መሳርሒ ዝጥቀምሉ፤ መሰል፡ ዲሞክራሲ....ወዘተ ዝብል ንዔረ ዝጎልበበ መዓር`ዩ ዝረኣዮ።

ነዚ ሓደገኛ ሞያ`ዚ ኣብ ምትግባር ፖለቲከኛታት ደም እናፍሰሱን ህይወትን እናጥፍኡን እዮም ስርሖም ዘሰላስሉ። ኣብ ትግባሬኡ ድማ ንሃገሮምን ህዝቦምን ቀዳምነት ብምሃብ ፍልጠቶምን ህይወቶምን ዘወፍዩ መሲሎም፡ በቲ ፍሉይ ናይ ምምዳር ክእለቶም ገይሮም፡ ነቲ ምስኪን ተራ ህዝቢ ብምእማን ንሓድሕዱ የናቊትዎ። ቊርቊስ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኲናትን ጎነጽን ከም ዝስነ መጠን፡ መክሰብን ክሳራን ናይቶም ኣጎድቲ ሓዊ፡ ኣብ ገንዘብን ሃብትን ዘይኮነ ዝረአ፡ ሞትን ጥፍኣትን`ዩ ዘኸትል። እቲ ግዳይ ናይዚ ዝኸውን ከኣ ተራ ህዝቢ ደኣ`ምበር፡ ኣይኮነን መራሕቲ፡ መቕርቦምን መሻርኽቶም ዝኾኑ ሃብታማት`ውን ኣይትንከፉን እዮም። ፖለቲከኛታት ኣብቲ ክህንጠይሉ ዝጸንሑ ኮረሻ ስልጣን ምስ ተወጥሑ፡ ቀንዲ ተጠቀምቲ ናይቲ ዝረኸብዎ ዓወት፤ ንሶም፡ መቕርቦም፡ መሻርኽቶም ዝኾኑ ሃብታማት እምበር እቶም ግምባር ቀደም ኮይኖም ኣብቲ ለውጢ ዝተሳተፉ ኣይኮኑን። ንከምዚ ዝሕሉ ስርዓተ ሕጊ ብምእዋጅ ድማ ንኩሉቲ ድሌቶም ካብ ምትግባር ዝቃወሞም ዘበለ ዝደቊስ ሕጊ ዘጽድቚ።

ቊንቊነ ህግደፍ፡ ኣብቶም ብሕማም ደግሲ ናይ ባሕረ ዘጒርዑ ዘሎዉ ተጸጊዑ ዕድምኡ ከናውሑ ምእንቲ፡ መድሃኒት እንተኾኖም ዘላህይዎም ዓረም ልኢኹሎም ኣሎ` እንተይኮን የውቂ ይኸውን?

እንሆ እቲ ቅድሚ 27 ዓመት ልዕሊ 150 ሽሕ ኢትዮጲያውያን ዝበልዐ ኣሰቃቂ ኩናት በሰልኡ ከይሓወየ እንከሎ፡ እቶም ውቃበ ባሕሪ ዘራስኖም በለጸኛታት ደቂ መሃል ሃገር፡ ተደጒሉ ዝጸንሐ ሕማሞም ደጊስዎም የቕለሉዎም ኣሎ። እዚ ደግሲ`ዚ ምስቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ናይ ዓሌትነት ምፍላስ፡ ድኻማቶምን ፈርከሽከሾምን ተጸጊዑ ዝመጸ እዩ። እቶም ብልሓተኛታት ፖለቲካውያን ኢና በሃልቲ፡ ማይጨሎት ቀይሕ ባሕሪ መድሃኒት ሕማሞም ጌሮም ክልፍልፉ እንከለዉ፡ ጸገሞም ጠፊኡዎም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ መሸፈኒ ነቲ ገጢምዎም ዘሎ ሕንፍሽፍስ ንምርጋእን ተቐባልነት ንምርካብን እዩ።

ኣብ ዓለም 49 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኣለዋ፡ እዚ ማለት 1/5 ጠቕላላ ናይ ሃገራት ዓለም ዝሓቈፈ እዩ። ብብዝሒ ህዝቢ እንተርኢናዮ`ውን 7% ካብ መላእ ህዝቢ ዓለም ኣብዘን ሃገራት እዚአን ይነብር። እታ ካብ ኩለን ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዘይብለን ሃገራት ዝዓበየት ካዛኪስታን ኮይና 2.724.900 ትርብዒት ስኴር ኪሎሜተር ትውንን። እዚ ማለት ካብ ኢትዮጲያ ብ 1.624.900 ትርብዒት ስኴር ኪሎሜትር ስለ ትዓቢ ብስፍሓት ዳርጋ ዕጽፋን ፈረቓን እያ ክትበሃል ትከኣል። ኩለን እዘን ኣብ ዓለምና ዘለዋ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዘይብለን ሃገራት ምስ ከባቢአን ተሳንየን ይነብራ፡ ካብ ዝተረፈኦ ቊጠባዊምዕባለ`ውንየሎን።መሰልርእሰውሳኔናይህዝቢኤርትራምስተረጋገጸ፡ ኢትዮጲያ ኣብዝሓለፈ27 ዓመታት ብቊጠባዊ ምዕባለ ሰጒማ ድያ ንድሕሪት ተመሊሳ፡ ትንታነ ዘድልዮ ኣይኮነን። እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉን ናብ ኮረሻ ኣብ ምምጥጣር ዝርከቡን ቦዱ ፖለቲካ መሲልዎም`ዩ። እንተኾነ ግን፡ ብኣንጻሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ ንዖም ቦዱ ዘይኮነ ባዶ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝመሽመሸ ስርዓት ነቲ መሰል፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ሕጊ ዝብል መደናገሪ ቃላት መቐረቱ ወዲኡ ጡፍ ዝበሎ ማስቲካ ቀይሩ፡ ንልኡላውነት ከም መሳርሒ ንነዊሕ ግዜ ክጥቀመሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ግዜኡ ኣኺሉ ብሰላም ብሓባር ምንባር፡ ዝብል መታለሊ ሜላ ይጥቀም ምህላዉ ካብ ኲሉ ዝተኸወለ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ተኸዊሉ ዕድምኡ ዘናውሕ`ምበር ብዝፈጸሞ ገበን ኣብ እዋን ሰላም ክሕተት ኣይደልን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እዞም `ዓረም` ስነ-ጥበባውያን ኤርትራ ብሓቂ ነዚ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ሕማም ደግሲ ክፍውስዎ ድዮም ተላኢኾም ከይዶም ዘለዉ ንዝብል ሕቶ ንማንም ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ደግሲ ሕማም ባሕሪ፤ ምስ ዓሌትነት፡ ናይ ዘመናት ሕድሕዳዊ ቅርሕንቲ፡ ቅንኢ፡ ስስዕቲ፡ ቀይዲ በተኽነት...ወዘተ ተጐዝጒዙ ስለ ዝመጸ ብቀሊሉ ዝምሕር ኣይመስልን። ኣብኡ ከይበጻሕካውን ኩሎም እዞም ኣብ ሽምግልናኦም ነቒሎም ዘለዉ ልኡኻት ፈትዮም ተሓጊሶም ድዮም ተበጊሶም? ኣይከይድን እየ ናይ ምባል ዓቕሚኸ ኣለዎም ድዩ? ካልእ ክገብርዎ ዝነበሮም ኣማራጺታት ነይሩዶ? ኲሎምከ ሓደ ድዩ ኣረኣእየኦም ዝብል ሕቶ ሰብ በብናቱ ክምልሶ ዝኽእል እዩ። እቲ ኣብኡ ከይዶም መዝሙር ሰላም ዘይኮነ ናይ ዘይተጸዓድነትን ጀግንነትን ኤርትራውያን ዝደርፉዎ ዘለዉ`ውን ካልእ ምልክት ይመስል። ዘመን ተፈራረድ ምስ ኮነ፡ ገለ ከም ወርቒ ብሓዊ ተፈቲና ታሪኻ ትዂልዕ፡ ገለ ድማ በቲ ንመዋእል ዝሃነጸቶ ጽቡቕ ስምን ዝናን ክትጣላዕ ንርኢ ኣሎና።

በቲ ኮይኑ በቲ ከምቲ `ባቡር ኢገበይካ` ዝተባህለ፡ ከም ስሞም ልኡኻት ሰላም እንተኾይኖም ናብ ባህር ዳርን ኣዋሳን ዘይኮነ ናብቲ ደም ዝተኻዕዎን ህይወት ዝሓለፎን ከባቢ እዮም ክኸዱ ዝነበሮም። ናብ ጐሮቤቶም ከተማታት ትግራይ ዘይከድሉ ምኽንያትስ ሰላም ብዝረሓቀ ጫፍ ክጅመር ስለ ዝተመርጸ ድዩ? ቋንቋኻ ዝዛረቡ ህዝቢ ገዲፍካ ናብ ኣምሓርኛ፡ ኦሮሞን ጒራጌን ነጢርካ ምኻድ ዕላምኡ ንመን ይጠፍኦ? ህጻውንቲ ደቆም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸመልባ፡ ሕንጻጽ፡ እንዳ`ባ ጉና፡ ዋዕላ ንህቢ ዝተባህለ ቦታታት ትግራይ ግዳይ ዓበቕ፡ ውጸኣትን ዓሶን ኮይኖም ኣለዉ። ልዕሊ ዝኾነ ንዕኦም ከይዶም ክኣባብድዎም ምተገበአ። ግን ብዓይኒ`ቲ ዝለኣኾም እንታይ ዝብል ስም ከም ዝተጠመቚ ኩልና ስለ ንፈልጦ ምግዳፉ ይምረጽ።

ግዜ ዘይፈርዶ ስለ ዘየሎ፡ እቲ ዝቈንቈነ ስርዓት ህግደፍ ነዞም ደግሲ ባሕሪ ዘንፈርፍሮም ዘሎ ብዓረም ፈዊሱ ኣብኦም ተጸጊዑ ዕድመ እንተ ለቂቡ ክንርእዮ ኢና። ንልኡላውነት ሃገረ ኢርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱን መልሓሱ ዘይዓጽፍን ዝፈላሊ መድረኽ ምኽሳቱ፡ `ንእሽቶ ውራይ`ሞ ግበር ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከተለሊ` ዝብል ብሂል ናይ ኣቦዋት፡ ምስቲ `ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ` ዝብል ምስላ እንተኣቋሪንካዮ ንርሑቕ ክትጥምት ዝድርኽ ኲነት ይቀላቐል ምህላዉ ዝእምት እዋን ተበጺሑ ምህላዉ የመልክት።

ልዕመት

ፍትሒ ይንገስ፡ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ይከበር