All updates

ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ። (ቀዳማይ ክፋል)

07/06/2019
ዋዕሮ ኤርትራ፡ / ጉዐይ።
ብደብረ 
(ቀዳማይ ክፋል)

ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ደለይቲ ፍትሕ ናይ ይኣክል ኣኼባ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኣኼባ እዚ ሓንቲ ወ/ሮ ጉዐይ ትበሃል ኤርትራዊት ኣደ ተሳቲፋ ነይራ። ወይዘሮ ጉዐይ፡ ምዕሩግ ክዳን ሃገር ሽፎን ምስ ነጸልኡ ተኸዲና ርእሳ ብወርቂ ተሰላሊማ ነበረት። ኣብቲ ዘለዋ ግርማ ሞጎስ ተወሳኺ ግርማ ከኣ ኣልበሳ። ኣብ መድረኽ ወጺኣ ናይ ይኣክል መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፈትሉ እዋን፡ እተን ካብ ኣፏ ይወጹ ዝነበሩ ቃላት ሓሲባ ተዳልያ ዘይኮነስ ትዛረቦም ዝነበሩ ቃላት ካብ ማዕሙቕ ልቧ ዝፈልፊሉ፡ ፈንጢሖም ዝወጹ ‘ዮም ነይሮም። እቶም ቃላት፡ ቅንዕነኣን፣ ሓይሏን፣ ገርህነቷን የንጸባርቁ ነበሩ። ከምኡ ስለዝነበሩ ከኣ ይመስለኒ ናይ ብዙሓት ሰባት  ቀልቢ ኣብ ዩ ቱዩብ ዝሰሓበት። ኣነ ብወገነይ ደጋጊመ ሰሚዐያ። ደጋጊመ ክሰምዓ ከለኹ እዛ ናይ ሱዳን ኑብያን ንግስቲ ኢሎም ዝሰመይዋ፡ ኣላኣ ሳላሓ ትበሃል፡ ነቲ ኣንጻር ፕረሲደንት ዖማር ኣልበሽር ዝግበር ዝነበረ ለውጢ ትመርሕ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ እየ ዝዝኽር ዝነበርኩ። ልበይ ከኣ ብተስፋ ተመልአ። ንሕናም ደቂሰን ሃልየን እምበር ኣሽሓት ዋዕሮ ኤርትራውያን ኔራናን ኣለዋናን። ኣብዚ ቃልሲ ብንጥፈት ክቃለሳ ዝጸንሓ ንበዓል ኤልሳ ጭሩም፣ ሰላም ኪዳነ፣ ኣበባ ተስፋገርጊሽ፣ ኣክቲቪስት ሳልዋ ኑር ወ.ዘ.ተ. እንቋዕ ሓጎሰክን፡ ሓንቲ ደፋር ሓያል ዋዕሮ ተሓዊሳትክን ክብለን እፈቱ። እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ምሉእ ብሙሉእ ክገልጾ ዝኽእል ኣይመስለንን። ወ/ሮ ጉዐይ ንዓኺ ዝገልጽ ክህሎት የብለይን። ግን ከኣ ናይ ዓቅመይ ክፍትን ኢለ እየ ዝጭሕትር ዘለኹ። ኣይትሓዝለይ። 

ናብ ወ/ሮ ጉዐይ ክምለስ። ብሓንቲ ኢዳ ማይክራፎን በቲ ሓደ ኢዳ ሓንሳእ ወገቧ ደጊፋ፣ ሓንሳእ ናብቲ ሕዝቢ እንዳወናጨፈትን እንዳ ኣመልከተትን፣ ሙሉእ ብሙሉእ ገጿ ናብ ህዝቢ ጌራ፡ ኣብ ‘ዚ እርእየኩም ዘለኹ፡ ኣበይ ደኣ ኣለዋ ኣንስትኹም፧ ክትብል እያ ብሓያል ቃና ዘለዎ ዘሰንብድ ቃል ዘረበኣ ዝፈለመቶ። ዓይኒ ተሳተፍቲ ብምሉእ ቋሕ ኢሎም ናብኣ ጠሚቶም። ገሊኦም ከኣ  ሚስጢሮም ዘቃለሓትሎም ይመስል ኣፎም ከፊቶም ነበሩ። ድሕሪ ምግራም፣ ምስንባድን ምዕዝምዛምን፡ ጣቂዒት ‘ዩ ሲዒቡ። ሰላም ኪዳነ ሓፍ ኮፍ ብዝመስል ምንቅስቃስ ንነዊሕ ጊዜ ኣጣቂዓ። “ኣንስትኹም  ኣበይ ኣለዋ፧ መሓዝትኩም ኣበይ ኣለዋ፧ የዕርኽትኩም ኣበይ ኣለዋ፧ ኩሉኹም የዕረኹት ኣለዋኹም። ብዘይ ሰበይቲ ዝሓድር ሰብኣይ የለን።”  ክትብል ኢዳ ናብቶም ተኣከብቲ እንዳመልከተት  ነቲ ሓቂ ኣርጊጻ ‘ያ ነጊራቶም። ብፍላይ ኣንስትኹም ኣበይ ኣለዋ ትብል ሓረግ፡ ኣስሚራትለን እያ። ኣግራሞት ናይ ተጋባእቲ ብምዕዝምዛም ድምጺ ይስማዕ ነይሩ። ድሕሪኡ ጠርበሽበሽ ጣቕዒት ከኣ ሲዒቡ። ከም እቲ ኣብ እቲ ዩ ትዩብ ዝረአ ዝነበረ፡ ምልኣተ ጉባኤ ተኣከብቲ ምሉእ ኣይነበረን። ከም እቲ ዝድለ ተሳተፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበራን። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ዝበዝሑ ሰብኡትን መንእሰያት ኣወዳትን እዮም ነይሮም ማለት እዩ። ቀጸላ ሰፍ ዘይብል ዳንጉላ መልእኽቲ እያ ሰው ኣቢላቶ። “ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣይትጽረፍዎ። ናቱ ይገብር ኣሎ፡ ስርሑ።” በለት ህድእ ኢላ። ኢሳይያስ ጥፍኣት እንተኮይኑ ስርሑ፡ ነጢፉ፣ ሰላሕ ኢሉ የጥፍእ ኣሎ። ንሕና ግን ናትና ኣይገበርናን፣ ደቂስና ጸኒሕናን ኣሎናን፡ ኣይነቅሓንናን ወይ ከኣ ፈሊጥና ኣስቂጥና ኣሎና፡ ዝብል መልእክቲ ኣመሓላሊፋ። ህዝቢ፡ “ኣበይ ነይራ፧ በየን ደኣ በሪቃ፧” ዝብል ይመስል ኣብ ነንሕድሕዱ ምጥምማት ኣትዩ። ሰላም ኪዳነ፡ ፊቷ በሪሁ ፍልቕልቕ ኢላ ብዘይምቁራጽ ተጣቕዕ ነይሯ።

ወ/ሮ ጉዐይ ድሕሪ ባይታኣ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰለስተ ክፋል ከምተከፋፈለ ገሊጻ። ከምዚ ደቂ ኣስመራ ዝብልዎ ሓቀኛ ህዝቢ፣ ድጸናጸኖ ህዝብን ጸማም ህዝብን። ጸማም ህዝቢ ፈሊጡ ይኹን ከይፈለጠ ንስርዓት ኢሳይያስ ዝድግፍ፣ ድጸናጸኖ ህዝቢ ከኣ ካብትን ካብዝን ዘይብሉ ኣብ ጠልጠል ዘሎ ክኸውን ከሎ እቲ ሓቀኛ ህዝቢ ዝበሃል ከኣ ነገራት ብስሩ ዝተረድኦን ሓገር ገዲፉ ዝተሰደን እዩ። ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ታሪዃ ኣብቶም ጸማማትን ድጸናጸኖም መደብ እያ ኣቀሚጣታ። እሷ፡ “ኣነ ንባዕለይ ደጋፊት ኣይነበርኩን፡ ተቃዋሚትም ኣይነበርኩን። መንግስተይ ኣሚነ ግን እነብር ነይረ። ንምንታይ ኤርትራዊት እየ።” ትብል።  ኤርትራዊት ብምዃና ዘይቅየር ትማሊ፣ ሎሚን ጽባሕን ሕብንቲ ‘ያ። ኤርትራዊት ብምዃና ስኽፍ ዝብላ ነገር የብላን።

ብዙሕ ህዝቢ ንመንግስቱ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢሳይያስ ኣብ መለኮታዊ ደረጃ ዝበጽሐ እምነት ስለዘሕደረ እዩ ነይሩ እቲ ጌጋ። ህዝቢ ከም ወ/ሮ ጉዐይ ብምእማኑ ከም ጸማም ተሓሲቡ።  ወ/ሮ ጉዐይ ኣሚና ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ንመንግስቲ ገዲፋ ኣብ ናብራኣ ኣተኪራ ኣብ ምዕባይ ደቃ ተዋፊራ። ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን እውን ምጥርጣር ኣይነበራን። ናታ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዓዲ ከሎ መን ከምዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሕማቕ ክገብር ኢሉ ክጥርጥር ይኽእል። እቶም መራሕቲ የሕዋትካን ደቅኻን ከመይ ኢሉ ይጠርጠር።  “ዝእመንካዮ ኣይጥለምካ” ይብሉ ኣበው። “ከምህዝበይ ኣድሚጸ፣  ዓድ ዓረብ ነይረ። ድሕሪኡ ኣብዚ ኣብ ጀርመን መጺኤ ከኣ ኣብ ደቀይ ምዕባይ ነይረ። እንታይ ይስራሕ ኣሎ፡ እንታይ ይግበር ኣሎ፡ ዓደይ እንታይ ትኸውን ኣላ ኣነ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።” እያ ኢላ ገርሂ ልቧ ወ/ሮ ጉዐይ። ከምተጠልመት ኣረጋጊጻ።

ሕጂ ደኣ ብምንታይ ካብ ድቃሳ ተበራበረት፧ ዲሒራ ከምዝገለጸቶ ምምጻእ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ነገር እዩ ኣግሂዱ። ምብጽጻሕ ኢሳይያስን  ኣብይን ኣብ ኣስመራን ኣብ ኣዲስ ኣበባን፡ ኢሳይያስ ኣብ ክሊቲኡ ህሞት ደጋጊሙ ኣብ ዝገበሮ መደረ  ኣይከሰርናን፡ ገንዘብና ተመሊሱልና ኣሎ  ዝብል ወ/ሮ ጉዐይ ኣይተቀበለቶን። ካብ ድቃሳ ከኣ ኣበራቢርዋ። ነቲ ዝነበረቶ ህሞት፡ ሓፍ (ሰፍ) ዘይብል እምኒ ኣብ ርእሰይ ጸኒሑኒ። ክትብል እያ ገሊጻቶ። ማይ ኣብ እምኒ እንተኣፍሲስካዮ ወይ ነጢሩ ይምለስ ወይ ከኣ ኮለል ኮለል እሉ ብላዕሊ ላዕሊ እዩ ዝፈስስ እምበር ኣብ’ቲ ውሽጢ እምኒ ዘሪቁ ኣያትን’ዩ። ወ/ሮ ጉዐይ ሽዑ እቲ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ሃዋሁ ቧዕ ኢሉ ግልጺ ኮይኑ ተራኢዋ። ምስምስ ዶባዊ ውግዕ ሓሶት ምዃኑ በሪሁላ።

ብምስምስ ውግእ ከምኡ እውን ካብኡ ብዝቀጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ሃዋሁ፡ ዝሃለቀ ሰብ፣ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ዝጠፍአ ንብረት፣ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ፣ ዝለመሰ ዓቅሚ ሰብ እንዳሃልወ እዚ ብከመይ ተረሲዑ ‘ዩ፡ ኢሳይያስ ዓው ኢሉ  ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዋላ ሓንቲ ኣይከሰርና ክብል ደረቱ ገቲሩ መዲሩ፧ ከመይ ኢሉ ነፍሱ ጌርሉ፧  እቲ መልእኽቲ ብግልጺ ንኢትዮጵያውያን “ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም” መልእኽቲ እዩ ነይሩ። ከም ዘረባ ኢሳይያስ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ነብሳ ክትኸላኸል ኣብዘይትኽእለሉ ደረጃ ኣብጺሔያ ኣለኹ’ሞ፡  “ሃየ ዶ/ር ኣብይ ዝተረፈ ዕማም ናባኹም ገዲፈዮ ኣለኹ።” ዝብል ነይሩ።

ንምዃኑ ንወ/ሮ ጉዐይ እንታይ ዓይነት እምኒ እዩ ጸቂጥዋ ነይሩ፧ ክሕደት ኢሳይያስ መፈረካከሲ ማሳ ኮይንዋ። ሓሲባቶ ዘይትፈልጥ ክሕደት ኢሳይያስ ካብ ዝነበረቶ ድቃስ ኣበራቢርዋ። ነቲ ኣብ ርእሲ ወ/ሮ ጉዐይ ዝጸንሐ ዝፈረካክስ ዓቢ ሰፍ ዘይብል ማሳ የድልየካ።  እቲ ክሕደት ማሳ ኮይኑ ኣብ ርእሳ ዝጸንሐ ዓቢ እምኒ ፈረካኪስላ። ሰብ ብፍላይ ከኣ ስዋኣት ካብ ገንዘብ ፎኺሶም ሪኣቶ። ገንዘብ ሊዕሊ ኤርትራዊ ከቢሩ። እቲ ገንዘብሲ ተመሊሱ እቶም ስዋኣት ከ፧ እቶም ኣፈቀዶ በረኻ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡን ድራር ባሕሪ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ከ፧ እዚ ክሕደት ንወ/ሮ ጉዐይ ኣይተዋሓጠላን። ከም ዋዕሮ ነብሪ ኣንጢሩ ኣተሲእዋ። ስዋኣት የሕዋተይ ንቅድሚት፡ ንብረት ባዕሉ ይፈልጥ ኢላ ነዲራ ተሲኣ።

ካልኣይ ክፋል ይቅጽል

     ደብረ