All updates

ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ። ካልኣይ ክፋል

13/06/2019
ዋዕሮ ኤርትራ፡ / ጉዐይ።
ብደብረ
 
ካልኣይ ክፋል

“ገዛይ፡ ሰበይ ኣብዘይብሉ ምስ መን እየ ክስሕቀሉ፧ መንደቕ ዚውሰድ እንተዚኸውን ነይሩ፡ ጥልያን ንኣስመራ ሒዙዋ ምኸደ ነይሩ።” - ወ/ሮ ጉዐይ።

ወ/ሮ ጉዐይ፡ ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገዛን ንብረትን ኣነኣኢሳ ንሰባ ዘለዋ ክብሪ ከኣ ላዕሊ ሰቒላ ኢያ ገሊጻቶ። ገዛ ይዅን ንብረት ብዘይ ሰብካ፡ ኣይትስሕቀሉ ኣይትድሰተሉ ባዶ ዑና ከምዚዀነ ኢያ ገሊጻቶ። ብዙሓት ኣብ ዳያስፖራ ዚነብሩ፡ ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ከም ንብረት ኪትህልዎም እትኽእል ኣብ ልዕሊ መሬት ዘላ ገዛ ኢያ። ነታ ኣብ ትሕቲ ገዛ ዘላ መሬት ከማን ኣይውንዋን ኢዮም። ምኽንያቱ መሬት፡ መሬት መንግስቲ ተባሂሉ ድሮ  ብመንግስቲ ተሃጊሩ ኢዩ። ምውናን ፋብሪካ፡ኢንደስትሪ፡ ንግዳዊ ትካል ዚበሃል ፈጺምካ ዚሕሰብ ኣይኰነን። እሞ ነዛ መሬታ እኳ ዘይትውንና ገዛ ኪበሃል ካብቲ ሓቂ ምርሓቕ ቅኑዕ ከምዘይኰነ ኢያ ሓቢራ። ወ/ሮ ጉዐይ እዚ ነፍሰ ምፍታው ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓንቃፊ ቃልሲ ምዃኑ እያ ኣብሪሃ። ወ/ሮ ጉዐይ ከምዚ በለት፡ “ኣነ ኣብ ኣስመራ ንብረት (ገዛ) ኣሎኒ ። ገዛይ፡ ሰበይ ኣብዘይብሉ ምስ መን እየ ክስሕቀሉ፧” ኢላ እያ ትሓትት። ገንዘብ፡ ንብረት፡ ንዋይ ዘይኰነስ፣ ንዓይ ሰበይ ይዓብየኒ በለት። ሓቃ፡ ሰብካ ይዓቢ ካብ ንብረት።

ድሕር ኢላ ከም ዚገለጸቶ፡ ገዛ ኣብ ዚኸዶ ከም ዘይብሉን ኣብቲ ዘተከልካዮ ቦታ ዚጸንሕ ከም ዚዀነ፡ ምስ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን ኣተሓሒዛ ገሊጻቶ። “ገዛ፡ መንደቕ ከይውሰደክን ኢልክን ኣብ እዛ ሰዓት እዚኣ ንህግደፍ እትድግፋ ዘለኽን ተጋጊኽን፣ መንደቕ ዚውሰድ እንተዚኸውን ነይሩ፣ ጥልያን ንኣስመራ ሒዚዋ ምኸደ ነይሩ።” ክትብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላለፈት። ወ/ሮ ጉዐይ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ መልእኽቲ እዚ ኤርትራዊ ምዃን ፍሉይ ናይ ዜግነት ዕዳ ተሰካማይ ምዃኑ እያ እትሕብር ። ነዚ ዕዳ ኪስከሙ ዘይከኣሉ ናይ ጠልጠል ተዓዘብቲ ከም “ክሳብ ዘይተተንከፍኩ እንታይ ገደሰኒ” ንዚብሉ “ንስኻ ሙተለይ ኣነ ክነብር” ንዚጭርሑ (ነቲ ጕዳዮም ካልኦት ኪዓሙሎም ዓማዕድዮም ዚጽበዩ) ጐረሓት ተበለጽቲ፣ ናይ ነፍሰ ፍትወት ፖሊሲ ዚኽተሉ፣ ተጸበይቲ ውልቃዊ ረብሓ ከም በዓል “ንነብሰይ ይጥዓመኒ‘ምበር፡ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ” ንዚብሉ፣ ሕማም፡ ጭንቀት ህዝቢ ዘይስምዖም ድኹማት ከኣ ሰፍ ዘይብል መጠንቀቕታ ኢዩ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ኪቃለሱ ንዚደልዩ ከኣ “መንደቕሲ እንታይ ኪዀነና ኢዩ፡ ዋላ ይፍረስ።” ኢላ ከኣ ትውስኸሉ ወ/ሮ ጉዐይ። እዚ ኣደኣዊን ሕውነታዊን ምኽሪ እዚ፡ ሕልፈት ሓንቲ ኢያ፣ ንዘለኣለም ዚነብር ሰብ የለን። ከብዲ ከኣ ሓንቲ ኢያ፤ ልዕሊ ዓቐን ዚበልዕ ሰብ የለን። ንገዛ፡ ንመንደቕ ኢልካ ኣብ ቀረባ ከለኻስ ናይ ርሑቕ ተዓዛባይ ኣይትኹን፣ ንመንደቕ ኢልካ ምኽንያት ጥፍኣት ሃገርካ ኣይትኹን ዚብል እዩ እቲ መልእኽቲ።  

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተመሳሳሊ ተግባር ይገብሩ ንዘለዉ እውን ኒሓፋቶም ዲያ! ናይ እዚኦም ከማን ይኸፍእ ትብል ወ/ሮ ጉዐይ። ሰብኡት ኣብ ምቅዋም ይነጥፉ ኣንስቶም ከኣ ኣብ ኣስመራ፡ ገዛን ንብረትን የመሓድራ። ነዚኦም ማዕረ ማዕረ ዓንቀፍቲ ቃልሲ ንለውጢ ሰሪዓቶም። ንሳ “ገዛይ ከይውረሰኒ፡ ከይውሰደኒ ኢልኩም” ምስ በለት ናብ ገለ ገለ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ቍሊሕ ቍሊሕ ኢላ ምስ ጠመተት ዘረበኣ ቀጸለት፣ “ኣብዚ ብዙሓት ኣለዉ ኣነ ዝፈልጦም። ኣንስቶም ኣስመራ ከይደን ንገዝኦም ከመሓድራ ንሳቶም ኣብዚ ተቓወምቲ ኰይኖም ዚነብሩ ኣለዉ።” ኪትብል ምስጢሮም ደርጐሓቶ። ጣቕዒት ህዝቢ ስዒቡ። እቲ ካልእ፡ ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምቲን ኣብ ሓደ ገዛ ምህላዎም እዩ። ወ/ሮ ጉዐይ ዘጋጠማ ብኸምዚ ትገልጾ፡ “ካብ መሓዙተይ ሓንቲ ካብኣተን ናይ ሃማደኤ ኢያ ኔራ። ካብ እዚ ዘለናዮ ፍራንክፈርት ንኮለን ከይዳ ተመርዕያ። እቲ ሰብኣያ ከኣ ዲቕ ዚበለ ተቓዋማይ። ንዓይ ተቓዊምኪ ኢላ ተባኢሳትኒ፣ ኣብ ዓራት፡ ነቲ ተቓዋማይ ሓቚፍኪዮ እናሓደርኪሲ ንዓይ ከመይ ጌርኪ ትእውድኒ ኢለያ።” ብማለት ነዚ ዘለናዮ ዚተዘበራረቐ ሃዋህው ገልጻቶ።  

ወ/ሮ ጉዐይ ብጸጋማይ ኢዳ ንድሕሪት እናኣመልከተት፡ ብዛዕባ እቶም ዚሓለፉ ስዉኣት፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ጓል ኣንስተይቲ ስውእቲ እናኣስትማሰለት ኢያ ዘረባኣ ዚቐጸለት። “እቲ ዚተሰወአ፣ እታ ዚተሰወአት ዋዕሮ፡ ስድራ ነይሮማ፣ ሓዳር ነይርዋ፣ ኪትምርዖ፡ ኪትነብር ትደሊ ነይራ ኢያ። ንዓይ ከምዚ ከማኻትኩም ነጻ ከተውጽእ ግን ሂወታ ሂባ። ኤርትራዊት፣ ኤርትራዊ ተባሂልና ንክንጽዋዕ  ሓሊፋ። እቶም ሓቀኛ ኤርትራዊያን ጀጋኑ ኢዮም ሓሊፎም።” ኪትበኪ እናደለየት፡ ከይትነብዕ ምስ ዓይና ትቃለስ ነይራ። ዘረባኣ ወንን ስምዒትን ዘበራብር ሓይሊ ነይርዎ።

ነዚ ክቡር ህያብ ስዉኣት ዘመራስሑን ዚረገጹን ደገፍቲ ህግደፋውያን፡ ኤርትራዊያን ከምዘይኰኑ ኢያ ገሊጻ ወ/ሮ ጉዐይ። ነቲ ክዉንነት እቲ ኪትገልጾ እንከላ፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኢሳይያስ ንኣብይ ስልጣኑ ከረክብ እየ ኣብ ዚበለሉ፣ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ‘ውሻጠይ፡ ዓደይ’ ኢሉ እናእወየ እንከሎ፣ ዜጋታት መንእሰያት ኣብ ሊብያ መዓንጠኦም እናተዘቈ እንከሎ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ናይ እንቋዕ ሓጐሰና ዘስምዕ ቃና ኪስዕስዓ ቀኒየን። “ኣየነይቲ ኤርትራዊት ኣደ ኢያ ከምዚ ትገብር፧” ኪትብል ትሓትት ወ/ሮ ጉዐይ። ቀጸለት ብትሪ፡ “ኣነ ከም ኣደ ኤርትራዊት” በለት ትርር ኢላ፤ ቀጺላ “ደቀይ ኣሕዋተይ እናተዘልዘሉ ከምኡ ኣይገብርን‘የ።” በለት ዓው ኢላ ብርእሰ ተኣማንነት። ብዙሕ ሰብ ተሃሚሉ ነቲ ተግባር ኪውዕሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ዚነቕሓሉ እዋን ግን፡ ከም ወ/ሮ ጉዐይ ኪነጽጎ ኪኽእል ኣለዎ። ወ/ሮ ጉዐይ ከም ዚበለቶ ‘ዚነገሰ ንጉሰይ፡ ዚበረቐ ጸሓየይ’ ዚብሉ፡ እቲ ብሂል ካብ መንግስትኻ ምእማን ስለዚብገስ ኣብ ዚግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይህልዎምን ይኸውን። ኣተሓሳስብኦም ንዅሉ ፖለቲካዊ ጸዋታ ዕጹው ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ይዅን እምበር፡ ኤርትራዊያን ወለዲ፡ ብደቆምን ሃገሮምን ንዚመጾም ኣይጻወሩን እዮም። ንእንደገና መግዛእቲ ዚጻወር መንኩብ የብሎምን። ንብዓት ብዚሓዘለ ኣዒንታ፣ ሕርቃን ብዚሰፈኖ ገጻ፣ ዓውታን ቍጠዐን ብዘለዎ ቃና፡  “ኣምሓራይ መጺኡ ኪገዝኣና ዘይሕሰብ ኢዩ!” ኪትብል ነዲራ ነቲ ህዝቢ ኣበራቢራቶ። ቀጺላ ድማ፡ “ንምንታይ ደኣ ጠፊኦም እቶም ኣሕዋተይ፧” ኢላ ትሓትት። መልሲ ኪህባ ንዚኽእል፡ እቲ መልሲ ቀሊል ኢዩ። እቶም ኣሕዋታ ዚተሰውኡ ንባንዴራ፡ ንናጽነትን ንሓርነትን ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ እቲ ስግኣት፡ ኢሳይያስ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዚነበረ መግዛእቲ ገጹ መሪሑ ከይእትወና ዚብል ኢዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተገብረ ንህዝቢ ኤርትራ ምስጢርን ሕቡእን ኢዩ ዘሎ። ብዛዕባ እዞም ናይ ውዕል ስምምዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብተዘዋዋሪ ካብ ኢትዮጵያ ብዚናፈሱ ወረታት ኢዩ ዚረኽቦ እምበር ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤሪትራ ዚሓበሮ ዚዀነ ይዅን ወግዓዊ መግለጺ የለን። እዚ ሕጂ ወ/ሮ ጉዐይ ሰጊኣቶ ዘላ ስግኣት፡ ስግኣት ኵሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እቲ ስግኣት፡ “ያዕ” ዚብሎ ዘይብሉ ኢሳይያስ፡ ነዛ ከም ናይ ውልቂ ዋኒኑ ዚርእያ ኤርትራ፡ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ከይድምራ ኢዩ። እዚ ምድማር ዘምጽኦ ሳዕቤን ከም ስግኣት ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን ዚገልጽዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይተደልየ ካልኣይ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ኪኣቱ ከይግደድ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ቃል ብቓሉ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ዚብል እንተሎ፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ፤ ሓደ ህዝቢ ኢዮም”ኪብል እንከሎ፡ ኣይሓነኸን ስኽፍ ኣይበሎን። ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኪትሕወስ ምዃና ብዘይ ወለንታ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ፓፓጋሎ ሚኒስትራቱን ጀነራላቱን ከየማኸረ ብግልጺ ኣዊጁ‘ዩ። ንሱ ንክብርን ንልዑላውነትን ኤርትራ ዘመራስሑ፡ ኣጸየፍቲ ተግባራት ገይሩን ይገብርን ከኣ ኣሎ።

እዞም ደገፍቲ ህግደፍ እምበኣር ነዚ ሓሳብ ኢሳይያስ ደጊፎም ኢዮም ዚስዕስዑ ዘለዉ። ሓቃ ኢያ ወ/ሮ ጉዐይ፡ እዚኦም ኤርትራውያን ኣይኰኑን ዚበለቶም። “ሃደምቲ” ኢሎም ከኣ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ይጻረፉ። እቲ ጸርፊ ጸገም የብሉን፡ እቲ ጸርፊ ትኽክል እዩ፡ ይጽረፉ። ኣብቲ ሓቂ እንተበጺሕና ግን እቲ ጸርፊ ንዐኦም እውን ይምልከት ምዃኑ ረሲዖሞ ኢዮም። እቲ ምህዳም ደለይቲ ፍትሒ ግን ምኽንያት ኣለዎ። ወ/ሮ ጉዐይ ናይ ኣደነት ኢዳ ዘርጊሓ ናብቶም መንእሰያት እናኣመልከተት፡ “እዞም ኵሎም መንእሰያት እዚኦም እንተዚጥዕሞም ምወጹ ዶ ነይሮም፧” ኢላ ብጥቕልሉ ትሓትት። “ኤርትራ እኮ ጸጋ ዘለዋ ሃብታም ሃገር’ያ። ኤርትራ እኮ ዓዲ ምሁራት’ያ” ክትብል ጸገም እንተዘይህሉ ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ከምዘይስደድ ነቶም ዚጻረፉ መልሲ ሂባቶም። ቀጺላ’ውን፡ ናብቶም ስእሎም ተሰቒሉ ዘሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት እናኣመልከተት፡ “እዞም ኵሎም እዚኦም ኣለዉ ኢልኩም ትሓስቡ ዶ፧ የለዉን” ትብል ወ/ሮ ጉዐይ። ምስኡ ኣተሓሒዛ ከኣ  “ንሓንቲ ለይቲ እስኪ ፈትንዋ እታ ዘለዉዋ መሬት። ን27 ዓመት ኣብ ጸልማት እሞ ከኣ ፊኒስትራ ኣብ ዘይብሉ፣ መተንፈሲ ኣብ ዘይብሉ እሱራትና ይውጽኡ ኢልና ክንዛረብ፡ ክንሓፍር ኣሎና። ንሳቶም (እቶም እሱራት) የለዉን።” ኢላ ብጓሂን ምስቍርቋርን ናይ ህላወኦም ተስፋ ከም ዚጸልመተ ትገልጽ።

ምስ እዚ ዚተተሓዘ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ስርዓት ኢሳይያስ ኰይና፡ ኤርትራ ብሕጂ ውሽጣዊ ጕዳያታ ኪትፈትሕ ዘለዋ ተኽእሎ ዜሮ ኢዩ። እዚ ስርዓት፡ ኵሉ ህዝቢ ኤርትራ ዚጠልቦን ዚሓቶን ሕቶታት ከማልእ ይኽእል ኢዩ ዚብል ተስፋን ሞራልን የብሉን። ህዝቢ ተጠሊሙ’ዩ። ናይ 1997 ሃገራዊ ቅዋም ከም ዚሞተ ተሓቢሩ። ካብ መሬትና ከይወጽኡ ዚዀነ ርክብ ይዅን ዝርርብ ዚበሃል የሎን ኪበሃል ጸኒሑ ከብቅዕ፣ ሕጂ ግን ድሕሪ እዚ ኵሉ ዚተኸፍለ ዋጋ ጕዳይ ዶብ፡ ‘ንተዓረቕ ንተዓረቕ’ ጥራሕ ኪበሃል ንርኢን ንሰምዕን ኣሎና። ልዑላውነት ኤርትራ ብግሁድ ተጣሒሱ ኢዩ፤ ሂወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ተኸፊሉን፣ ን20 ዓመታት መመላእታ መንእሰያት ግዜኦም ኣባኺኖምን። ነባሪ ፍታሕ ካብ ኢሳይያስ ምጽባይ ኣብቂዑ እዩ። እቲ ዅሉ ብምኽንያት ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት’ ተዓጊቱ ዚጸንሐ፡ ከም ትግባረ ቅዋም፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ምምላስን ምጥያስን፡ ምቛም ሃገራዊ ባይቶ ዚኣመሰሉ ጕዳያት ኪትግበሩ ትጽቢት ኤርትራዊያን እንተዀነ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ኢሳይያስ ኪመጽእ ትጽቢት ዚገብር ኣካል ሕጂ የለን። እሱራት ፖለቲካ ንነዊሕ ጊዜ ንዓመታት ደሃይ ስለዘይብሎም፡ ብሂወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ስለዘይፍለጥ ዚፍታሕ እሱር የለን። ብሂወት እንተሃሊዮም ከኣ ኢሳይያስ ነዚኦም ኪፈትሕ ሞራል የብሉን። ቅዋም ከይትግበር ስርዓተ ሕጊ ከይትከል፡ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት እዚ ቅዋም ከይተተግበረ ከም ዚሞተ ኢሳይያስ ኣርዲኡና ኢዩ። በቲ ዚተዋህበ ዓለምለኻዊ ብይን ዶብ ኪሕንጸጽ ይጥለብ እንተሎ፡ ኢሳይያስ ካብዚ ዝiሓሸ መመሳመሲ ስለዘይረክብ ብቕልጡፍ ኪሕንጸጽ ኣይደልዮን ኢዩ።   

ወ/ሮ ጉዐይ እቲ ፍታሕ ናብ ሓደ መንገዲ ጥራይ ከም ዘምርሕ ኢያ ኣተንቢሃ። ወ/ሮ ጉዐይ “ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኢዩ ነጻ ከውጸኦ ዚኽእል፡ ምሽ ንሕና” ትብል። ብረት ዚዓጠቐ ብረቱ ኣልዒሉ እምቢ ንምልኪ፡ ይኣክል ናብራ ሓሶት ኢሉ ንኪለዓል እንኮ ኣማራጺ ኢዩ። ኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንኮላይ ካብ ገጽ ምድሪ ብዚዀነ መንገዲ ምስ ሕማቕ ታሪኹ ኪእለ ኣለዎ።  

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል።

ደብረ