All updates

ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ። ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

15/06/2019
[:swvar:text:838:]
ዋዕሮ ኤርትራ፡ / ጉዐይ።
ብደብረ
 
ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

ማሕዘል፡ ቅድመይ ተደፋእ!!

ምልኩዕ ባህላዊ ማሕዘል ኤርትራ ካብ ቆርበት በጊዕ ወይ ጤል ዝስራሕ ይመስለኒ። ብዛዕጎል ከኣ ይመላኻዕ። ኣዴታት ኤርትራ ኣብ ሕቆአን እየን ንደቀን ዝሓዝላ። ትርጉሙ ‘‘ቅድሜኻ ይድፋኣኒ።” ዝብል ትርጉም ክህባ ይደሊ። ዘመኑ ዘምጽኦ ማሕዘል ካብ ሸራ ወይ ጨርቂ ዝስራሕ ኮይኒ “ቅድመይ ተደፋእ።” ዝብል ትርጉም ክህባ ይደሊ። ምኽንያቱ ድንገት ነታ ዝሓዘለት ኣደ ዕንቅፋት ሃሪምዋ ንቅድሚት እንተወዲቃ፡ ኣብ ናይ ቀዳማይ ማሕዘል ኣደ እያ ቀዲማ ትህሰ፡ ኣብ እቲ ናይ ካልኣይ ከኣ እቲ ውሉድ እዩ ዝህሰ።

ደገፍቲ ሕግደፍ ብፍላይ ከኣ ኣደታት ክስዕስዓ ከለዋ ማሕዘል፡ ቅድመይ ተደፋእ እዩ ዝመስል። ነፍሰ-ፍታው ልዕሊ ውሉድካ። ከም ህልቂት ላምፔዱዛ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ እንዳኾኑ፣ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ፈቀዶ በረኻታት፡ ኣውያት ኣብዘይብሉ ንቡር ቀብሪ ከይረኸቡ ወዲቆም ዝተረፉ ኣሻሓት ከለዉ፣ ደቀን ንሞት ኣረኪበን፣ ደም ደቀንን የሕዋተንን ረጊጸን፡ ሓጎሰን ዘስተማቕራ ዘለዋ እየን ዝመስላ። ኣብ እቲ ውሽጢ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዘለዉ ይኹኑ ዘየለዉ፡ ውሩያት ሰባት በብሓደ ብዕባራ ምኽንያታት እንዳሃለቁ እንዳረኣያ፣ ስላቀ ከበሮአን፡ ናይ እንቋዕ ሓጎስና ሳዕሲዒተን ድኹም ኣተሓሳስባ ወይ ከኣ ኤርትራዊ ባህሪ ከምዘየብለን እዩ ዘርኢ። ኤርትራውያን እንተኮይነን፡ ጽባሕ ተራ ናተን ከም ዘሎም ኣየስተብህላን ኣለዋ።           

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ሓደ ጽቡቅ ኣብነት ጉዳይ ጀነራል ስብሃት ኤፍሬም እዩ። በዓል ኣርባዕተ ኮኸብ ጀነራል ስብሃት ኤፍሬም እንታይ ከምዝረኸቦ ኩላትና ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ‘ዩ። ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ፡ ብጥይት ተሃሪሙ ወዲቁ ዝብል ዜና ተሰሚዑ። ይኹን ደኣ እምበር ብሂወት ይሃሉ ይሙት ክሳብ ሒጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ጀነራሉ ኣብ ናይ ገድሊ ሂወቱ፡ ኣብ ናይ ሩባ ሑጻ ወተሃደራዊ ፕላን እንዳሓንጸጸ፡ ብጸብለልታ ገድሊ ዝመርሐ ተጋዳላይ፡ ሕጂ ድሃዩ ሃንደበት ጠፊኡ ተባሂሉ።  ዋላ እኳ ኢስይያስ ካብ ስልጣን ከይወርድ ኣብርቲዑ ሰሪሑ (ካብ ሰባዓታት ጀሚሩ ኣንጻር ኢሳይያስ ዘዝተበገሱ ለውጥታት ዘኽሰመን ህልውና ኢሳይያስ ክናዋሕ ዝገበረን ሰብ እዩ።) ተባህሉ እንተተሓምየ፡ እዚ ናይ ሕጂ ፈተነ ቅትለት፡ “ዩዝ ኣንድ ስሮው” (ተጠቂምካ ደርብዮ) ዝብል ፖሊሲ ኢሳይያስ ኣርኪብዎ ዶ ይኸውን፧ ዝብል ሕቶ እዩ ዘልዕል። እዚ ድሕሪ መጋረጃ ዝኾነ ብውጥን ዝኸደ ክሕደት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። እምበርኣከስ ጀነራል ስብሃት ኤፍሬም፡ ሓደጋ ረኺቡ ተባሂሉ ኣብ’ዚ ኣሎ ተባሂሉ ድሃዩ ተሳኢኑ ኣብዘለወሉ እዋን፡ ደገፍቲ ህግደፍ  “እዚ ትማሊ ምሳና ዝነበረ ብጻይና ጀነራል ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ደሃዩ ኣይሓተቱን። ኢሳይያስ ኣብ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “እንዳመመና ኢና መጺእና።” ዝበሎ “ተመሚዩላና” ኢለን ዝሳዕስዓ ዝመስላ። ከም እቲ ማሕዘል ቅድመይ ተደፋእ፡ እሱ ቅድሚኦም ይደፋእ፡ ኣይግድሶምን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለዉ እዮም ተጨኒቆም ድሃዩ ዝሓትሉ ዘለዉ። ንሶም እዮም ከም እቶም ዝጠለሞም ቀደምት ብጾቱ ማዕረ ክብሪ ዝሃብዎ። ደገፍቲ ህግደፍ ግን ተረአን ክሳብ ዝበጽሕ ንሰን ሳዕሲዒተን ክቅጽላ እየን። ጥልመት፡ ካብ እዚ ንላዕሊ ጥልመት የለን፡ ጻዕዳ ጥልመት።

እዘን ኣብ ኣስመራ ዘለዋ እሞ ዝስዕስዓ ዘለዋ ግን ፈትየን ኣይኮናን። ብምምሕዳራት ብናይ መቝነን መግቢ ብኸብደን ተታሒዘን (ኩፖነን ስለዝሕደጋ) እየን ተገዲደን ዝስዕስዓ። ወ/ሮ ጉዐይ ክትገልጸን ኮላ፡ “ኣብ ዓዲ ዘለዋ ኣደታት ይበኽያ ኣለዋ። እዘን ትማሊ (ኣብ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት) ክስዕስዓ ዝረኣኽምወን ኣዴታት ፈትየን ዲየን መሲሊኩም ሳዕሲዐን፧ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ተገዲደን፥ ብኣፍንጫ!!” ክትብል እያ ጸገመን ነጊራትለን። መልእኽታ ግልጺ እዩ ነይሩ። መንእሰያት ኤርትራ ንኣደታቶም  ብጽሑለን፣ ኣለናልኪ በልወን ዝብል እዩ። እዛ ሃገር ብድሕሪ ሕጂ ናይ ማንም ኣይኮነትን። ናይ መንእሰያት እያ። ስለዝኾነ ከኣ መንእሰያት ቶባእ ኢሳይያስ! ቶባእ ህግደፍ! ኢሎም ክብገሱን ሃገሮም ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ክሕደግዋን ተማሕጺና። ወ/ሮ ጉዐይ ኢዳ ናብቶም መንእሰያት እንዳመልከተት፡ “ነዓኻትኩም እያ እዛ ሃገር። ንዓይ እውን ኣይኮነትን ንዓበይቲ እውን ኣይኮነትን። ደቀይ ኣብ ጀርመን ስለዝዓበዩ ንዕዖም እውን ኣይኮነትን፡ ሃየ ሃገር ኣድሕኑ ሃገር ናትኩም እያ።” ኢላ እያ ተሪር መጸዋዕታ ዝገበረት።

ወ/ሮ ጉዐይ፡ ህግደፍ የፈራርህዋ ከምዘለዉ ኣይሓብአትን። “ሓንቲ ካብ ጎረቤተይ ደጋፊት ህግደፍ ዝኾነት ንደቀይ፡ ‘ክቀትልኹም እዮም፣ ክሓርድኹም እዮም።’ እንዳበለት ኣጃጂያቶም።” ክትብል ዝኣረገን ዝነበረን ናይ ህግደፍ መፈራርሂ ሜላ ኣቃለዐት። ፕሮፌሰር ኣርኣያ እውን ምስ ናዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ ነዚ ሜላ ድሕሪ ጂ 13  ከምዚ ዓይነት መፈራርሂ ይበጽሖ ከምዝነበረ ኣብሪሁ እዩ። እንተኾነ ወ/ሮ ጉዐይ ቀሰይ እንዳበለት ንደቃ ተረድኦም ከምዘላ ኣብሪሃ። ብፍርሂ ተዋሒጣ ንድሕሪት ኣይበለትን። ንሷ እምነቷ ኣብ ፈጣሪኣ ጌራ ኣላ። እሷ ትብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖትና ዝብለና፡ እግዚእብሄር ዝሃበና ትእዛዝ ሓቂ ተዛረብ እዩ ዝብል። ኣነ ብኣቦ ሓጎታተይ ክወራረስ ዝመጸ ጓል ኣቅሽሽቲ እየ። ስለዝኾንኩ ከኣ ሓቂ ተዛሪበ ክመውት ኢየ ዝደሊ።” ክትብል ካብዚ ሒጂ ዘላቶ ቃልሲ ሓርነት ንድሕሪት ገጻ ከምዘይትጥምት ብቆራጽነት ገሊጻ። “ኣነ እንድሕር ክቃወም ኮይነ፡ ብሕብእብእ ዘይኮነስ ብግልጺ ክቃወም ኣሎኒ። ኣነ ዝቃወም ዘለኹ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእቲ እታ ስንክልቲ፣ ምእንቲ እታ ኣደ ስውእ እዩ።” ክትብል ነቲ ቆራጽነቷ ትብዓት ትውስኸሉ። “ኣነ ኣክንዲ ህዝበይን መሬይተይ ከእዊ ደልየ። ኤርትራ ሽማ ጥራሕ ‘ዩ ዘሎ። ኤርትራ የላን፡ መሬታ የለን መኺኑ እዩ።’ ከኣ ትብል ንኽትበኪ ሕንቅንቅ እንዳበለት። ብዛዕባ እዚ ከተብርህ ኮላ፡  ሓረስቶት ሓሪሶም ከይበልዑሉ ጣፍ ኣይትዘርእዎን፣ ዳጉሳ ኣይትደግምዎን ኢኹም እንዳተባህሉ በቲ ስርዓት ብኢዶም ተታሒዞም ከም ዘልዉ ትገልጽ። “እንታይ ኢና ንርኢ ዘሎና፡ ስለምንታይ ኢና ንፈርሕ፧” ኢላ ትሓትት ብሕርቃን። ቀጺላ “ስለዚ ኣንቱም የሕዋተይ፡ ኩሉኹም የዕርኽት ኣለዋኹም፣ ኣንስቲ ኣለዋኹም። ኣምጽእወን ኣንስትኹም፣ ኣምጽእወን የዕርኽትኹም፡ ብሓባር ኡ ይበላ፣ ይዛረባ፣ ብሓባር ነእዊ” ክትብል ንተሳተፍቲ ብወኒ ሞሊኣቶም።

ሃማድኤ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝቃለስ፡ ብህዝባዊ ግንባር ዝቆመ ካብ ጊዜ ቃልሲ ጀሚሩ ነዊሕ ዝገበረ ትካል እዩ። እዚ ሒጂ ዘሎ ኣገልግሎት ሃማድኤ ግን ንዝቆመሉ ዒላማ ሲሒቱ ንምልካዊ ስርዓት ምጥባቕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እታ ናጽነት ከተምጽእ ዝሰንከለት ህላዌኣ ከመይ ኣሎ፣ እታ ኣደ ስውኣት ብኸመይ ትነብር ኣላ ዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ዓቅሚ ኣብዘይህልወሉ ደረጃ በጺሑስ ንኽፋእ ምልኪ ኣብ ምክልኻል ድሮ ኣትዩ ኣሎ። መልእኽቲ ወ/ሮ ጉዐይ፡ “ዎ!!! ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለኽን ሃማደአ፡ ንዓና ‘ዝነገሰ ንጉሰይ ዝበረቀ ጸሓየይ’ ንብል ዝነበርናስ ገድፍክን፡ እታ ኣደ ስውእቲ ኣብ ፈቀዶ ሃገር ትልምን ዘላ፡ እንታይ ክትብለክን እያ፣ እታ ስንክልቲ ሕፍረታ ክትከድን ዘይትኽእል ኣእዳዋ ዝቆረየት፣ ብእግራ ክትከይድ ዘይትኽእል ኣእጋራ ዝሰንከለት ተጋዳሊት፡ እንታይ ክትብለክን እያ። እታ ሓቀኛ ንኤርትራ ቅድሚት ሓሊፋ ዝተሰወአት፣ እታ ኣደ ስውእቲ ከም በዓል ኣደይ ቁዱሳን (ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርገሐት) ኣብ ፈቀዶ ጽርግያ ገበነኣ ቀሊዓ ትልምን ዘላ፡ እንታይ ክትብለክን እያ፧” ክትብል ተሪር መልእኽታ ዘመሓላለፈት።

ኤርትራዊ ዝጭፍጭፎን፣ ዝድህኾን ክምዝፈቱ ህግደፋውያን ከኣ ለቅልቅቲ ከምዝኾኑ ገሊጻ። ብዛዕባ ኤርትራ ሓንቲ ሕቶ ሓቲቶማ ክትምልስ ዘይትኽእል ትፋኒ ትበሃል ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዋ ኣመሪካዊት ኮመድያን፡ ነቲ ከይተጠራጠረ ሂወቱ ዝሰወአ ስውእ ተጋዳላይ ዝየቆሙሉ ሃወልቲ ንሩስያዊ ፑሽኪን ሃወልቲ ዘቆሙሉ፡ ንቲፋኒ ከኣ ሊዕሊ እታ ሂወታ ዝወፈየት ሓየት ሽምን ክብርን ከምዝሃብዋ፡ ከምስሉ ከኣ ኤርትራዊት ክነሳ ዜግነት ኤርትራ ከምዝሃብዋ፡ ከምዘጉሃያ ኣይሓብአትን። ተሃማደኤን ሃማመተኤን ከኣ ተዋሳእቲ ናይ እዚ ድራማ ከምዝኾኑ ግልጺ እዩ ነይሩ። ንስንኩላን ንደቂ ስውኣት እንዳተባህለ ዝዋጻእ ገንዘብ ንኸምዝን ወጻኢታት ሆቴል ኣኼባ መንእሰያት ህግደፍ መሸፈኒ ከምዝውዕል፡ ኣብመዓልኡ ከምዘይበጽሕ፡ ኣብ ናይ ጥፍኣት ንጥፈታት ከምዝጠፍእ ኣብሪሃ።

ወ/ሮ ጉዐይ ንምምሕዳር ኦርቶዶክሳዊት ኤርትራ እውን ኣይገደፈትሎምን። “ንሕና ርጉማት ኢና።” ክትብል ትጅምር።  “ሓው ምስ ሓው፣ ጎረቤት ምስ ጎረቤት ምትእምማን ኣጥፊእና።” ኢላ ከኣ ትቅጽል። “ካብ ስርዓተ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ወጻኢ፡ ጳጳስ ተገዚቶም ከለዉሲ ባዕሎም ሲሜት ወሲዶም።” ክትብል ኣብ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ዝተገብረ ዓቢ ክሕደት ትገልጽ። ንነገሩ ኢሳይያስም ሕጋውነቱ ኣጥፊኡ፡ ንስልጣኑ ብዘይ ወለንታ ህዝቢ ብሓይሊ ገቢቱ ሕዚዎ ስለዘሎ፡ ኣብ መንበረ ጵጵስና ዝተገብረ ጥልመትም ነዚ ዝመሳሰል ጥልመት እዩ። “ጳጳሳት ዝኣኽሉ ኣብ ኤውሮፓ መጺኦም ክሕስዉ ርኢና።” ክትብል ከኣ ምስክርነታ ትህብ።

ናብ ኣምላኽና ንመለስ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዓንዲ የብሉን፡ ግን ከኣ ብእምነት ጠጠው ኢሉ ኣሎ። ስለዚ ኣብ እግዚኣብሄር እምነት ይሃልወና። ከም ቀደምት ኣቦታትና ኣስላማይን ክርስትያናይን እግዚእብሄር (ኣላህ) ጸሎት ናትና የድልዮ ኣሎ። ሓደ ልቢ ሓደ ቃል ከኣ ንኹን። ኣስላማይ ክርስትያናይ ከይተባህለ፣ ኣውራጃ ከይፈለዩ፣ ንትቸዓተ ብሄራት እንዶ ኣይኮነን ተሰዊኦም የሕዋትና።  መዓልታዊ ጸሎት ወ/ሮ ጉዐይ፡ “እግዚኣብሄር ኣቦና፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ዝሃብካና፡ ነመስግነካ ኣለና። ፈሊጥናን ከይፈለጥናን ዝገበርናዮ ሓጥኣትና ገዲፍካ ተዓረቀና። ብርሃን ካባኻ፣ ራህዋ ካባኻ እዩ’ሞ ይኣክል በለና። ካብ ሓሰውቲ መራሕቲ ሃገርን ሃይማኖትን ገላግለና።”  ጸሎታ ጸሎት ኩላትና ይግበሮ፡ ኣሜን።

ኣብ መወዳእታ ወ/ሮ ናይ ይኣክል ጭርሖ ኢያ ኣቃሊሓ። ኢሳይያስ  ክኸይድ እዩ፣  ኢሳይያስ ክጠፍእ ኢዩ። ኢሳይያስ ተዳሂሉ እዩ፣ ኢሳይያስ ጀጂዩ እዩ፣  ኢሳይያስ ማዳ ብማዳ ኮይኑ ኣሎ። ጌና ብሕጂ ከኣ ካልእ ክመጾ እዩ።  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞራሉ ተሰይሩ እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ የለን። እሱን ንህግደፍ ዝሕግዙን ኤርትራዊያን  ኣይኮነኑን። ኤርትራዊ ዝኾነ፡ ሃገረይ ይበል ሕጂ። ኤርትራዊ ዝኾነ፡ ይኣክል ይበል ሒጂ። ኣንስትኹም ኣምጽኡ!!!! ኣነ ግን ኣይስዕስዕን ኢየ። ሽዑ፡ ኤርትራ ነጻ ምስወጸት ኢስይያስ መቀመቅ ምስ ከደ ደቀይ ሒዘ ክስዕስዕ ኢየ። 

መወዳእታ፡ ርእይቶ ደብረ

ወ/ሮ ጉዐይ፡ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ትብዓትክን ድፍረትኪን ኣድናቆተይ ብድጋሚ ክገልጽ እፈቱ። ካብ ማዕሙቅ ልበይ ከኣ የመስግነኪ። ባይታ ዘይረኸባ ኮይነን እምበር ከምዚ ከማኺ ኣሽሓት ከምዘለዋ ተስፋ እገብር። ደቂ ኣንስትዮ ዘግለለ ለውጢ ዜሮ ሸቶ እዩ ዝወቅዕ። ጸሓፋይ ኣይኮንኩን። ተመኩሮም የብለይን። ግን ክፍትን ኢለ እየ ነዚ ናትኪ ትምህርቲ ከጉልሖ ፈቲነ። ከም እቲ ንስኺ ክትገልጽዮ ዝደለኺ ኣይገለጽኩዎን ክኸውን ይኽእል እየ። ምስ ምትሓት ክህሎት ወሲድኪ ይቕረታ ክትገብሪ ይሓትት። መልሲ እንተዝረክብ ደስ ምበለኒ። እንተዘይኮነ ኣብ ካልእ ናይ ትምህርቲ ጊዜ የራኽበና።   

ርእይቶ፡ ህግደፍ ኣነኣኢስና ንርእዮ ጸላኢ ኣይኮነን። ፎኾረኦምን ጽዩፍ ስርሖምን ካብ ምትግባር ንድሕሪት ኣይብሉን እዮም። ነዚ ከኣ ዓቢ በጀት ክብጅቱ ከምዝኽእሉ ኣሰና ቲቪ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። ኩላህና ብፍላይ ኣብ ከባቢ ወ/ሮ ጉዐይ ዘለኹም ንወ/ሮ ጉዐይ ክንሕልዋን ይግባእ። ኣብ ነሕድሕድና ክንተሓላሎ ዋርድያ ክንወጽእ ኣሎና እብል።  

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!!

ሓውኹም

 ደብረ