All updates

ዋሕዚ ድሙቕ ዓወታት ከዋዅብቲ መንእሰያት ኤርትራ

04/04/2022
[:swvar:text:838:]

ዋሕዚ ድሙቕ ዓወታት ከዋዅብቲ መንእሰያት ኤርትራ

እቲ ኣብ ግብጺ ዝጀመረ ናብ ኤውሮጳን እስያን ዝበጽሐ ተሳትፎ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ ዓወታቶም እናወሓዘ  ድምቀቶም እናበረኸ ክደራረብ ጸኒሑ።

መንእሰይ ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ኣብቲ ኣብ ደይጉ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ንመበል 12 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ደቀንስትዮ ኣህጕራዊ ውድድር ማራቶን (Daegu International Marathon) ቀዳመይቲ (1ይቲ) ብምውጻእ፡ ሰለስተ  ክብረ ወሰናት ኣመሓይሻ። ምዉቕ ዮሃና፡ ኮኸብ ኣትለት ናዝሬት ወልዱ።

ከምኡ’ውን መንእሰይ ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም ኣብቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ዓስራይ (10ይ) ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ። ምዉቕ ዮሃና ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም። ዮሃና ንዅሎም ሰዓብትን ኣሰልጠንትን።

ሳላ’ቲ ኣንጸባራቒ ዓወታትኩም፡ ኣዚና ተሓጒስና፡ ደስታናን ሓበንናን ሰማይ ዓሪጉ!