All updates

ክብርን መጐስን ንሰማእታትና!

20/06/2025
[:swvar:text:838:]

20 ሰነ 2025


ክብርን መጐስን ንሰማእታትና!
ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ሎሚ መዓልቲ 20 ሰነ 2025፡ ነቶም ብሓደ ወገን፡ ንኤርትራ ናጻ ንምውጻእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንምግባር፡ ናጽነት ኤርትራ ንምዕቃብ፣ በቲ ካልእ ድማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ንምጕንጻፍ፣ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታት ብዓቢ ኣኽብሮት እንዝክረላ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ። 

ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብመዳርግቲ-ኣልቦ መስዋእቲ ዚተመልአ ታሪኽ ዘይሕለል ጅግንነታዊ ቃልሲ ኢዩ። እቲ ዅሉ ዚተኻየደ ጅግንነታዊ ቃልስን ዚተኸፍለ መዘና-ኣልቦ መስዋእትን ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ነይሩ፧ እቶም ቀንዲ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና፡ ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ጕባኤ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህሓሓኤ)፡ ወይ ድማ፡ መስራቲ ጕባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዚጸደቐ፡ 11 ነጥብታት ዚሓዘለ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ተዘርዚሮም ዘለዉ፣ ንህዝብና ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን እተስፍን፡ ናጻ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። 

ልዑላዊ ናጽነት ድሕሪ ምጭባጥ፡ ነዞም መሰረታውያን ዕላማታት እዚኣቶም ክዉናት ንምግባር፡ ከም ሃገራዊ ቻርተር፡ ማክሮቍጠባዊ ሜላዊ መቓን፡ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ዚኣመሰሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ መምርሒ ሰነዳት መንግስቲ ተዋዲዶም፣ በብዚምልከቶም መንግስታዊ ኣካል ኰነ ትካል ጸዲቖም፡ ንትግባረ ተበጊሶም። 

ይዅን’ምበር፡ እቲ ሰናይ ተበግሶ ናይ ግዝኣተ ሕጊ ምምእዛዝ፣ ቍጠባዊ ዳግመ-ህንጸትን ልምዓትን ምርግጋጽ፣ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ምትካል፣ ዕላማታት ብሰሪ’ቲ ኣብ 3ይ ጕባኤ ህግሓኤ፡ ወይ ድማ፡ መስራቲ ጕባኤ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ኣብ 1994፡ ዘጋጠመ ዕልዋ ታሪኻዊ መሪሕነት ኰነ ስዒቡ ዚተፈጸመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲ፡ እቲ መስርሕ ትግባረ ተዀሊፉ። ኰነ ኢሉ፡ ድሕረት፡ ዕንወት፡ ድኽነት ኤርትራ ዘሳሲ፣ ንንቡር ዕቤት ህዝቢ ኤርትራ ብምቕልባስ፡ ብዝሑን ናይ ምክልኻል ዓቕሙን ብምድኻም፣ ንቐጻሊ ህላወ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ሓሳድ፡ ሕጊኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ሳዕሪሩ።  

ተኸታተልቲ ወለዶታት ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ንእስነቶም ዘውፈሩ፣ ሰማእታትና ህይወቶም ዚኸፈሉ፣ ስንኩላንና ኣካላቶም ዚጐደሉ፣ ነቲ ብጹእ ዕላማ’ቲ ክዉን ንምግባር ኢዩ። ብመስዋእቶም ናጽነት ሃገር ኣረጋጊጾም፤ ደግሲ ወራር ብዓወት መኪቶም። ብደሞም ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ ጽሒፎም። ክንድ ዚዀነ፡ 20 ሰነ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ነቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዚተሰውኡ ሰማእታት ብልዑል ኣኽብሮት ዚዝክረላ፣ ነቶም ጀጋኑ ስንኩላን ኲናት ዘመጕሰላ፣ ነቶም ብዘይ ኣገባብ ተኣሲሮም ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ደረት-ኣልቦ መቑሕ ብህይወቶም እንከለዉ ተቐቢሮም ዘለዉ ኣርካናት ብረታዊ ቃልሲ፡ ጋዜጠኛታትን ተራ ዜጋታትን ፍትሒ እንጠልበላ፡ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ።

20 ሰነ 1982፡ ከም ቀጻሊ ህላወ ብረታዊ ቃልስና ዘረጋገጸን ግድነታዊ ዓወት ሓርነታዊ ተጋድሎና ዘ በሰረን ፈጽሚ ናይቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህሰሓኤ) ዚበዝሐ መስዋእቲ ከፊሉ ዘፍሸሎ፣ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንምድምሳስ ዚዓለመ 6ይ ወራር ኢትዮጵያ መጠን፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ሕላገት ኣለዋ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ዘለዉዎ፡ ንዅሉ ተጻብኦታት ስዒሩ፣ ዕዉት ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ኣሰላሲሉ፣ ብቃልሱን መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁን ሃገራዊ ናጽነት ጨቢጡ። 

ናጽነት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣላቒቑ፣ ፖለቲካዊ ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀይሩ፣ ንኤርትራ ኣብ መሳርዕ ኣህጕራዊ ኮም ናጻ ሃገራት ግቡእ ቦትኣ ኣትሒዙ። ኪኖ ኤርትራ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ መቍረንቲ ኣርዑት ምልካዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ምግላጋል ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ። እቲ ንሃገራዊ ደሞክራስያዊ ሸቶ ዚተቓለሰ ሰውራ ኤርትራ፡ ብደረጃ መትከል፡ ሃረርታ ህዝብና ንፖለቲካዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ብምጥማር፡ ንቃልሲ ጭቁን ህዝቢ ዓለም ዘተባብዕ ታሪኽ ዘይሕለል ቈራጽነት፡ ድሙቕ ዓወትን ብሩህ ተስፋን ኣስኒቑ።

ብደረጃ ግብሪ ግን ኣይግድን። ህዝቢ ኤርትራ መስተንክራዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ከብቅዕ፣ ኤርትራ ሎሚ ብስብርባር ናይ ዘይተማልአ ትጽቢታት፡ ዚተጠልመ መብጽዓታት፡ ዚበነነ ተስፋታት ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን መሊኣ ትርከብ። ሳላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ምልካዊ ጭቈና እናተገርፈ፡ ብክቱር ድኽነትን ሃውራዊ ማእሰርትን ኪሳቐ ጸኒሑ። መንእሰይ ካብ ኣደራዕ መድቈስቲ፡ ሕጋዊ ደረቱ ዚጠሓሰ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰነ ሽቕለተልቦነት ንምድሓን ብጃምላ ኪሃድም ተራእዩ። ግጉይ ፖሊሲታትን ዚባኸነ ዕድላትን፡ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ራህዋ ዚሰፈና ብልጽግቲ ሃገር እትምዕብል፣ ኣብ ታኼላ ናይ ርኡይ ድሕረት፡ ዕንወትን ድኽነትን ተሺኺላ። 

ሃገራዊ ናጽነት ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ይዅን’ምበር፡ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይቲ ህዝብና ዚተጋደለሉን ሰማእታትና ዚተሰውኡሉን ቃልሲ ኣይነበረን። ኣብ ናጽነት፡ እቲ ዕላማ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን መሰረታዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ መቐይሮ ብምስልሳል ሓድሽ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ብሓጺሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ተግባራዊ ዓቕሙ ኣሐይሉ፡ ወናኒ ምሉእ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወቱ ከም ዚኸውን ንምግባር ዚዓለመ ነይሩ። 

ብግብሪ ግን፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዚተገልጸ፡ ብጠቂ’ቲ ዘጋጠመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ቃልስና፡ መስርሕ ደሞክራስያዊ ምዕባለ ተዀሊፉ። ምግባት ፍጹም ስልጣን፡ ፍጹም ምልኪ፡ ፍጹም ብዕልግና ፈጢሩ። ሕጋዊ መግትኢ ኰነ ትካላዊ ቀይዲ ዘይብሉ መድቈስትን ዓመጽን ኣስዒቡ፣ ጃምላዊ ስደት ደሪኹ፣ ሃገር ንድሕሪት ጐቲቱ፣ ህዝቢ ኣብ ሓሳረ-መከራ ናይ ክቱር ድኽነት ሸሚሙ። ቅዋም ዚረግጽ፣ ሃገራዊ ባይቶ ዘፍርስ፣ ብዊንታ ዚገዝእ ገባርን ሓዳግን ፍጹም ስልጣን ጨቢጡ ፍጹም ብዕልግና ኣስፊኑ።   

ኣብዚ ኣብ ዓለምና ቍጠባዊ ሃብቲ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ዚቐሰመ ሰሳኒ ህዝቢ፡ ቀንዲ ረቛሒታት ውሕስነት መጻኢ ናጻ ህላወ ሃገራት ኰይኑሉ ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ ዘመነ ውርውራ’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጢ ብምትእትታው ህዝቢ ኪሕብሕብ፣ ሃገራዊ ጸጋታት ኣብ ግቡእ መዓላ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከውዕል፣ ሰብኣዊ ርእሰማል ኪሃንጽ፣ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ ኪዝርግሕ፣ ዘቤታዊ ኰነ ኣህጕራዊ ንግድን ወፍርን ከተባብዕ፣ ኣገልግሎታት ሓለዋ ጥዕናን ትምህርትን ከስፍሕ ምተገብአ። ኮታ፡ ሃገራዊ ልምዓት ዚድርኽን ደረጃ መነባብሮ ዘደንፍዕን ስራሕ ንምዕባይ ኪብገስ ምተገብአ። 

ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ዚፈሸለ ሜልኡ ብምቕጻል፡ ዘቤታዊ ማዕከናት ዜናን ዚተፈላለያ መርበባት ማሕበራዊ ሜድያን፡ ኣብ ኤርትራ ኵሉ ነገራት ጽቡቕ ከም ዘሎ ብዘምስል፣ ንውልቀ-መላኺ ኣብ ምውዳስን ዝንኡ ኣብ ምዕባይን ኣዋፊሩ። ብዝኽሪ ስዉኣት ዚመጻደቕ ምስሉይ መደረታት ንመስዋእቲ ህዝብናን ሰማእታትናን ደበስ ኣይከውንን ኢዩ። እንታይ ደኣ፡ መባእታዊ ሓርነታትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ ሃገራዊ ቍጠባ ዘበራብር፣ መነባብሮ ዘመሓይሽ፣ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን፣ ተሓታትን ግሉጽን ቅዋማዊ ምሕደራ ብምትካል ነቲ ዚተሰውኡሉ ዕላማ ምትግባር። 

ስለዚ፡ ኵሉ ህዝቡን ሃገሩን ዚፈቱ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፡ ነቲ ዚተፈጸመ ጥልመት ብምቕልባስ፣ፕሮግራማዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና ብምትግባር፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዚሰፈና ምዕብልቲ ኤርትራ ብምምጻእ፣መስዋእቲ ሰማእታትና ንምድባስን መትከል፡ ትብዓት፡ እምነት ተዓጢቑ፣ ኪቃለስ ይግባእ። ኤርትራዊ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ቀሲኑ፣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ተመሊሱ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገሩ ሓሪሱ፡ ሰሪሑ፡ ነጊዱ፡ ኣውፊሩ ንነብሱን ስድርኡን ኰይኑ ንልምዓት ሃገር ከበርክት ምቹእ ባይታ ዚፈጥር ለውጢ ንምምጻእ፣ ኣበርቲዑ ኪቃለስ ይግባእ።

ሎሚ፡ 20 ሰነ 2025፡ ሰማእታትና ብኣኽብሮት ኣብ እንዝክረሉ ዕዙዝ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ዚተሰውኡሉ ብጹእ ዕላማ ብምትግባር መስዋእቶም ንምድባስ ንሓልን። ደበስ ሰማእታትና ኰነ ጻማ ህዝብና ዚረጋገጽ፡ ነቲ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ተገላጊላ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ኰይኑ መታን ብሰላም፡ ብድሕነት፡ ብራህዋ ኪነብር፡ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩሉ ዕላማ ክዉን ብምግባር ኢዩ። ኮታ፡ (1) ግዝኣተ-ሕጊ ዘኽብር፣ (2) ፍትሒ ዘስፍን፤ (3) ባህርያዊ ሃብቲ፡ ሰብኣዊ ጸጋታትን ንዋታዊ ዓቕምን ሃገርና፣ እንተላይ ጸጋታት ሓይሊሰብና፡ ባሕርና፡ ወደባትና፡ ማዕድናትና፣ ኣብ መዓላ ሃገራዊ ልምዓትን ዕርገት መነባብሮ ህዝብን ዘውዕል፤ ግሉጽን ተሓታትን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ምቅላስ የድሊ። 

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና! 

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!