All updates

ካሳየ ጨመዳ! መዲድ ተሰኪምካ ይቕሬታ ሕተት

31/09/2019
---------
"ኣየ በዓል ብ/ጀነራል ካሳየ ጨመዳ፤ 'ጃህራ ኣየቕይሕን ኢዩ'። ታሪኻዊ ሓቅታት ኤርትራዊ ጅግንነት ብትምክሕታዊ ሓሶት ምድዋን እኮ ነቲ ኣብ ልዕሊ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተጨበጠ ፍጹም ዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ክቕይሮ ኣይክእልን ኢዩ!"  - Eri-Platform
[Click here for Music]
---------

መዲድ ተሰኪምካ ይቕሬታ ሕተት
ብ'ልዕመት

ብ/ጀነራል ካሳየ እናኣዘከርኩ ክሓተካ። ካልእ`ሞ ንግደፎ፡ እቲ ባዕልኻ ትኣምነሉ ጒዳይ መበገሲ ሰውራ ኤርትራ፡ ጃንሆይ ብገዛእ ስልጣኑ ንፈደረሽን ስለ ዘፍረሶ ምዃኑ፡ ንእግረ መንገድኻ በጨቕ ኣቢልካዮ ኣለኻ። ምስኡ ልቅብ ኣቢልካ`ውን `ካብዚ ኲሉ እንታይ ነይርዎ እቲ ፈደረሽን ከይተተንከፈ እንተ ዝቕጽል` ኢልካ። እንተኾነ ግን፡ ንስኻ ነዚ እናፈለጥካ ምስ`ቶም `እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጒርሶው ኣፈር ኣልብሶው` እናበሉ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ጦር ሰራዊት ኣቲኻ ጥራሕ ዘኮነ፡ ምሉእ ናይ ውትድርና ዘመንካ ንዕኡ ኣብ ምትግባር ኣሕሊፍካዮ። ሞሳ ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንምጒዕጻጽ ዘፈጸምካዮ ኣረሜናዊ ግፍዒ ድማ ክሳብ ናይ ብርጌደር ጀነራል መዓርግ በጺሕካ። እዚ ወታደራዊ መዓርግ`ዚ እምበኣር ብምጒዕጻጽ ፍትሓዊ ሕቶ ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ንሕልና ዘለዎ ዘሕፍር`በር ዘነይት ኣይኮነን።

ንፉዕ ተማሃራይ ምንባርካን ናብ ውትድርና ዓለም`ውን ብወዝቢ ከም ዝተጸንበርካ ኣውኪእካልና ኣለኻ። ርእስስ ነይሩ እንታይ`ሞ ዋና`ዶ ስኢኑ ከይንብልስ`ባ ርእሲ ኮይኑ ዋና ነብሲ። እሞ ኣብ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ዕድመን ፍልጠትን እንከለካ ክኽተቡ ርእየ ኢልካ ኣብ እዋን መርመራ ተገሪዝካ ካብ ተኸተብካ ባዕልኻ መጻኢኡ ዘይቅይስ ሰብ ምዃንካ ስለ ዝነገርካና ኣብ ዝቕጽል ሂወትካ እንታይ ኢና ክንጽበየካ።

ንስትራተጂካዊ ምዝላቕ ናይ 1978፡ ኣነ እየ ነቲ ከበባ ናይ ባጽዕ ሰይረ ንሻዕብያ እናገረፍኩ ክሳብ ናቕፋ ኣቢሐዮም ኢልካ ክሳድካ ነፊሕካ ተዛሪብካሉ። ወዮ ወታደራዊ ሳይንስ ክሳብ ኣሜሪካ ከይደ ተማሂረ ዝበልካዮ ደኣ ኣበየናይ ርእስኻ ዲኻ ኣቀሚጥካዮ? ዘመናዊ ወታደራዊ ክልሰሓሳብስ ይትረፍካ፡ ነቲ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ናይ ሳን ጹ (Sun Tzu) ናይ ኲናት ስትራተጂ`ውን ክትጅልሖዶ ደሊኻ። ሓይሊ ሚዛን ክሳብ ዝመዓራረ ንጸላኢ ኣብ ዝጥዕመካ ቦታ ስሒብካ ኣብ ዝመረጽካዮ ግዜ ከም እትጭፍልቖ፡ ከም በርቂ ኣጥቂዕካ ከም ንፋስ ከም እትስወር፡ ብሰሜን ተራኢኻ ብደቡብ ከም እትትርግእ ተማሂርካ እንዲኻ። ንሕና ደኣ ካብቲ ዝማረኽናዮ መጻሕፍትኹም ኢና ኣንቢብና ብግብሪ ሰሪሕናሉ`ምበር መኣስ ከማኻ ጮማ እናበላዕና ኣብ ኮለጅ ተማሂርናዮ።

ካብ ከበባ ናይ ባጽዕ`ሲ ከምቲ ዝበልካዮ ይዂነልካ ፈንጢስካ ወጺኻ። ነቶም ቀንዲ ቀለስቲ ዝነበሩ ናይቲ ኲናት ኣማኸርቲ ተክኒካል ኣዘዝቲ ሶቪየታውያን፡ ተኮስቲ መዳፍዕን ታንከኛታትን ደቂ ኩባን የመንን ደኣ እንታይ ኴንካ ሳላዂም ዘይበልካዮም? ኣብዚ ዘለኻዮ ዕድመስ ካልእ ይትረፍ ነውሪ ክጠፍኣካ። ደሓን ንሱ`ሞ ይጽነሓልና፡ ብጐላጒል ናይ ሰምሃር መሬት እናኣዳረንኲም ሃሊልኩም፡ ክሳድ መዓሚደ ምስ በጻሕኩም እንታይ ተጸብዩኩም? ብሙልኣተን ተሽከርከርትዂም ኣብ ጎላጒል ኣዛህራ እንዲኹም ራሕሪሕኩመን ተመሊስኩም። ነዳዲ ምስ ወደኣ`ኳ ኒሕ ሒዙኩም መታን ከይንጥቀመለን ከተቃጽልወን ዘይፈተንኩም። ንምዃኑ ሬሳታት ወታደራትኩም ቀቢርኩም ትፈልጡ ዲኹም። እተን ንሰራዊትኩም ሞራል ክህባ ኣታሊልኩም ዘምጻእኩመን ኣርሆታት ከም በዓል ኣለሚቱ`ኮ ሬሳአን ድራር ወኻሩ መዓሚደ`ዩ ኮይኑ።

ከምቲ ዝበልካዮ ካብ ባጽዕ እናገረፍካ ናቕፋ ኣብጺሕካና፡ ኣብኡ ድኣ ዓሰርተ ዓመት እንታይ ዓገተካ? እቲ ብልሂ ጆሲ ነዛ ሕቶ`ዚኣ ዘይሓተተካ ምኽንያት፡ ናይ ሓባር ረቛሒ ከም ዘለኩም ኣይጠፍኣናን። ጽባሕ ዓይንዂም ብጮው ተሓጺብኩም ጓድ መንግስቱ ግደፍዎም ኣረዲእና ናብ ወላዲት ሃገሮም ክንመልሶም ኢና ስለ ዝበሉና ኢና ኣናሕሲናሎም ኢልኩም ከም ትዛረቡ ኣየጠራጥርን እዩ። 

እቲ ትምክሓሉ ሜካናይዝድ ኣሃዱ፡ ቅልጽም ህዝባዊ ግምባር መጋቢት 1984 ኣብቲ ሰጣሕ ኣውገት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሕርሕራይ ገይሩ ርእዩዎ እዩ። እተን ሽዑ ዘረከብኩምና ምሩኻት ታንክታትኩም ድሕሪ ቊሩብ ኣዋርሕ ኣብቲ ሌጣ ጐላጒል ግራት ዝተኻየደ ናይ ታንክ ብታንክ ውግእ እንታይ ከም ዝፈደያዂም ኣይትርሰዖን ኢኻ። ሓለቓኻ መንግስቱ ብገዛእ ኣጽዋርኩም ትህረሙ ከም ዝነበርኩም፡ ኣብ ግንባኩም ተዛሪብ እወ ከም ዘበለኩም ዓለም ዝፈልጦ ዝተሰነደ ቪድዮ ኣሎ።

ብምኽንያት ፈተነ ዕልዋ፡ ኩልና ጀነራላት ስለ ዝተኣሰርናን ዝተረሸናን እዩ ሰራዊትና ተሳዒሩ`በር በፍጹም ኣይምተሸነፍናን ኔርና ኢልካ ምዝራብ፡ ሕንከት`ዩ ኢልካ ኣይሕለፍን። ወረ ንምዃኑ ዓወትን ስዕረትን ናይ ውግእ ድምር ናይ ብዙሓት ናእሽቱን ዓበይትን ግጥማት ምዃኑ ኣይትፈልጥን ኴንካ ዲኻ ወይስ ንሰማዒ ኢኻ ከም ዘይፈልጥ ቈጺርካዮ? በል ሓዝ ኩቡር ብ/ጀነራል፡ ቅድሚ ዕልዋ ዓሰርተ ዓመት ተሓሊልኩም ዘፍ ኢልኩም ሞራልኩም ተዳኺሙ ዝዓጠቕኩሞ ስትራተጂካዊ ኣጽዋር እናተመንዛዕኩም ካብ ዝሓዝኩሞ ገዛኢ ቦታታት ተጋሒጥኩም ናብቲ ናይ 1978 መበገሲ ቦታኹም ኢዂም ትምለሱ ነይርኩም። ክንደይ ደቂ ኮርስካ ጀነራላት ኣብ ኲናት ከም ዝተቐትሉን ከም ዝተማረኹን ዘይትፈልጥ እንተኴንካ ንሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ተወከሶ። ካልእ ይትረፍ ነቶም ቀይሕ መስቀል ዝተረከበቶም ምሩኻት ከምቲ ጭዋ ዝበልካዮ መራሒኻ ናትና ኣይኮኑን ዝበሎም ዲኻ ክትክሕዶም ደሊኻ? ሶቬት ሕብረትስ በል ነቶም ኣብ ናዶው እዝ ዝተማረዂ ሰለስተ ናይ ኲናት ኣማኸርቲ ዜጋታታ ፈሪማ እያ ተቐቢላቶም። ንምዃኑ እብዚ ናይ 30 ዓመት ኲናት ሕጂ ላዕለዎት ካድራት ደርግ ዝዛረብሉ ዘለዉ ክሳብ 150 ሽሕ ዝሃለቑ ወታደራት ኢትዮጲያ ብስንፍና ናትኩም ኣተኣላልያ ምዃኑ ይስወጠካዶ?

ንሕና ፈጺምና ሰለማዊ ሰብ ኣይቀተልናን፡ ሓደ ክልተ ግን ብገለ ውልቀ ሰባት ኣይተገብረን ኣይብልን እየ ኢልካ። ኣብዚ ኣለኻ ሕማምካ ዘየረስዕ ዘረባ። ህልቂት ናይ ዖና፡ እሚኒ ሓጀር፡ ኣቊርደት፡ ወኪድባ፡ ሕርጊጎ…ወዘተ ሓሶት ዲኻ ትብሎ ዘሎኻ ወይስ ወንበዴታት እዮም ፈጺመሞ ኢኻ ክትብል። እተን ብሳንጃ ጦር ሰራዊት ከብደን ዝተበትበታ ጥኑሳት፡ ኣጥባተን ዝተቈርጻ ሓራሳት ኤርትራውያን ኣይኮናን ድየን? እቶም ኣብ ማእከል ኣስመራ ብዓፋኝ ጓድ ብስልኪ ዝሕነቚ ዝነበሩ መንእሰያትና ኣኻልብ ድዮም? እተን ብሰንሰለት ንህዝቢ ሽዕብ ዝጨፍለቓ ታንክታት ናትካ ምዃነን ክትክሕድ ዲኻ?

ንሻዕብያ ካብ ናህና ዕጽፊ ብተጻባእትና መንግስታት ዝወሃቦም ባጀት ነይሩ ኢልካ። ኣብ`ዚ እነሃለ ማይ ዘይጠዓመ ዘረባ። ንምዃኑ እዚ መራኸቢ ብዙሃን ናብ ምሉእ ዓለም ከም ዝዝርጋሕ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ካብ ቀዳማይካ ዳሕራይካ እምበር ገዲዱ። ሎሚ እኮ ትቘርበሉን ትጸሞሉን ዕድመ በጺሕካ ኢኻ። እዋን ሃቦ ተረከቦ ሓሊፉ፡ ብሰነድን መርትዖን ትዛረበሉ ግዜን መድረኽን ኢና ዘለና። መርትዖ ወይ ምንጪ ዘይብሉ ናይ መንገዲ ዘረባ ኣብ ቃልዕ ምዝራብ የርፍ እዩ። ጭርሖ ተጋደልቲ ኤርትራ ይዂን ተቋወምቲ ናይ ኢትዮጵያ ውድባት `ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ` እዩ ነይሩ። እቲ ጭዋ ትብሎ መራሒኻ ነበር`ውን ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ባዕሉ መስኪርዎ ኣሎ።

ወታደራዊ ወንኻ ከም ዝተላዕለካ ክሳብ ናቕፋ ገሪፈዮም ደደቢት ከይደ ቀጺዐዮም ኢልካ ቦሸሽ ቦሸሽ ከም ዘይበልካ ተመሊስካ ግን ኲናት ከም ዘስካሕክሓካ፡ ኣድላይነት ከም ዘይብሉ፡ ካብ ህልቂት ዝርከብ ፋዳ ከም ዘየሎን ፈጺምካ ከም ዘይትምነዮን ገሊጽካ። እንታይ ደኣ`ሞ ናህናስ ይትረፍ ነቶም እተዉ እናበልካ ብትእዛዝካ ጠቢስካዮም ከተብቅዕ ከይቀበርካዮም ናይ ዝሃደምካ ኢትዮጲያውያን ስድራቤት ይቕሬታ ዘይሓተትካ?

ኣብ ዘመና ጽፉፋት ኢና ነይርና ምጥፍፋእ ኮነ ብልሹውና ዝበሃል ኣይነበረን ኢልካ። ባዕሉ መንግስቱ ሃይለማርያም ግን፡ ጠንቂ ስዕረት ሰራዊቱ፡ ናይ ጀነራላቱ ቅጥዒ ዝሰኣነ ስሰዐ፡ ስራሕካ ገዲፍካ ናብ ውልቃዊ ንግዲ ምውፋር፡ ናይ ዝሞቱን ዝተማረዂን ወታደራት ጸብጻብ ክንዲ ምሕላፍ ከም ህሉዋት ደሞዞም ምውሳድ ዝኣመሰለ ብዕሉግ ኣሰራርሓ ምዃኑ ኣብ ዚምባብወ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ብመልክዕ መጽሓፍ ተሓቲሙ ዝወጸ ኣብሪህዎ ኣሎ። መቸም ነዚ`ውን ምስቲ ደጋጊምካ ቆራጥ ኣብዮታዊ፡ ታታሪ፡ ጭዋ፡ ግልጺ፡ ሓቀኛ እናበልካ ትጠቕሶ ሓሶት ንከይትብሎ ይትስፎ። ስንቂ ናይ ሰራዊት ጽዒነን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝመጻ ዝነበራ ነፈርቲ ንመስርሒ ገዛ ጀነራላት እምኒ ተጻዒነን ይምለሳ ከም ዝነበራ ባዕልኹም ትዛረብሉ ዝነበርኩም እዩ። መክት እዚ ክድምሰስ ከሎ መራሒኡ ኣብ እምባ ሶይራ ሆቴል ጓል ሓቂፉ ቪድዮ ይርኢ ከም ዝነበረ ምዝኽካር ዘድልየካ ኣይመስለናን። ኣበይ ደኣ`ሎ ጭውነትኩምን ሃገራውነትኩምን?

እቲ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ብስም ቀይ ሽብር ዝጠፍአ ወለዶ ኣይሕምመኩምን ድዩ? እቶም ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝተረሸኑ 60 ሚኒስተራት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣይነበሮምን ድዩ? ብነፈርቲ ዝተጨፍጨፈ፡ ህዝቢ ሓውዜንን ቅብጸት ናይ ባጽዕን`ሲ ንመንግስቱ ጭዋ ተባሂሉ የሞግሶ? ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ፡ ተዋጃቢሩኩም ድዩ ወይስ ተጨማዲድኩም? ንህዝቢ ኤርትራ ብኣኽብሮት ኢና ንሕዞ ነይርና። ሕሉፍ ሕንቃቐን ሓልዮትን ይግበረሉ ነይሩ። ዝኸፍልዎ ግብሪ ውሑድ ክነሱ ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ወይ ሽዋ ብካልኣይ ደረጃ ባጀት ይስለዓሉ ነይሩዶ በልካ። እዚስ `ሓሱ በሉኒ ክሕሱ እዝጊ ኣርኣየኒ ጣንጡ ክፈሱ` እዩ ነገሩ። ጃንሆይ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝስስና ዝነበራ ፋብሪካታት በቦርቒቊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘግዓዘንስ ዝተረሰዐ ድዩ መሲሉካ ወይስ ብዘይካቲ ናብ ከብድዂም ዝኣቱ ካልእ ትፈልጥዎ ስለ ዘይብኩም እዩ ኩልዂም ሓደ ትዝምሩ? ካብ ወደባት አርትራን ፍርያት ጮውን ዝርከብ ዝነበረ ኣታዊታት ብዓበይቲ ናይ ሓጺን ሰናዱቕ ኣብ ነፈርቲ ተጻዒኒ ኣብ ከክልተ ሰሙን ናብ መሃል ሃገር ይግዕዝ ምንባሩ ዝተታሕዘ ሰነድ ስለ ዘሎ መዓልቱ ክጽበ እዩ።

ኣየከየይ በለት ዘሰልቹ ጒዳይ ዝረኸበት ሰበይቲ!! ብርህራሄና ምስኩራት ኢና ነይርና፡ ኣነ ቈሲሎም ዝተማረኹ ማዕረ ምስ ወታደራተይ እየ ዘሐኩሞም ነይረ`ዶ በልካ? ብጭካነዂም ስለ እትፍለጡ ተጋደልቲ ቡንባ ኢድ ፈጂሮም እዮም ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝሰናበቱ`ምበር ከምዚ ናትኩም ጩኩን ነኝ እናበሉ ኣብ ስረኦም ኣይጽሕጽሑን እዮም። እቶም ሕማቕ ዕድልን ኣጋጣምን ኮይኑ ኣብ ኢድኩም ዝወደቑ እተውርዱሎም ግፍዒ ንማንም ስለ ዘይትምነዮ `ኩዱን ብኣፈ ስላሴ` ኢለ ሰጊረዮ ኣለኹ።

ንስኻ ስርዓት ደርግ ምቕያር ከም ዘድልዮ ተረዲእካ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ኣብ ፈተነ ዕልዋ ክትጽንበር ብቕዓት ከም ዘይብልካ ተረዲኦም እዮም እቶም ኣፋፍኖት ዝነበሮም መሳርሕትኻ ብሚስጢር ሓቢኦምልካ። ሓቆም ድማ፡ ኣብ ልዕሌኻ ቅኑዕ ግንዛበ እዩ ነይርዎም። ንዓኻ ብዘይካ ሹመት ካልእ ዝረኣየካ ነገር ኣይነበረን። የግዳስ ቀዳዊኻ ኮይኑ ጉጅለ መንግስቱ ዓቕምኻ ስለ ዘይፈለጡን ካብ ዝሓደሮም ኩቱር ራዕዲ ምስኦም ለኪሞም ሳላ ዝኣሰሩኻ ሂወትካ ተሪፋ እንሆ ሎሚ ነዚ ዘሕንኽ ዘረባ ዓያሹ ክትተፍእ በቒዕካ።

ከምቲ ሽንፍላ ተሓጺቡ ዘይጸሪ ጌና ርእስኻ ስለ ዘይቀርዓየ`ምበር ልዕሌኻ ሓላፍነት ዝነበሮም ከም በዓል ሻለቃ ዳዊትን ዶ/ር ኣሻግሬን ጽያፍ ኣይተዛረቡን። ዘይተወቕረ እምኒ ስለ ዘየጥሕን ዘይተማህረ ርእሲ`ውን ከድሕን ኣይትጽበዮን ኢኻ። ሎሚ ክንዲቲ ኲሉ ዝሓለፈ ትናሳሕ ስለ ዘይተሰቈረካ እንሆ ጌና ትምካሕ። ቀንዲ ምኽንያት፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ከይተሓተትና ይቕረ ኢልና ንዂሉ ስለ ዝገደፍና እዩ።

ጆሲ (JTV)፡ ከም ኣጀማምራኻ ንሰላም ንናይ ክልቲኡ ሃገራት ህዝቢ ምስራሕ እንተ ኮይኑ ዕላማኻ ጽቡቕ። እቲ መንገዲ ድማ ንጒዳያት ኣብ ክንዲ ብሓደ ወገን ጥራሕ ተቕርቦ ነቲ ካልእ`ውን ተመሳሳሊ ዕድል ክትከፍተሉ ኣለካ። ህዝቢ ድማ ዘረባ ክልተ ሰሚዑ ንሓቂ ክመሚ ይኽእል። ከምኡ ክገብር ዓቕሚ የብለይን ትብል እንተኴንካ ኣይትተንክፎ ኣቋርጾ። ከምዚ ትገብሮ ዘሎኻ ምስ ትቕጽል ግን፡ ኮነ ኢልካ ንዘለካ ብልጫ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቒምካ ብሓደ ወገን ንምጽላው ከም ዝዓለምካ`ዩ ዝቊጸር። እዚ እናፈለጥካ፡ ብሕማም ቀዳሞት ተለኺፍካ ታሪኽ ከተዘንብዕ ወይ ቊስልና ክትጎድእ እንተ ተላዒልካ፡ ከምቲ `ሉባ ሉባ ዝበሉዋ ሰይቲ ቐሺ መጽሓፍ ቁዱስ ሓጸበት` ከዮኮነካ። እቲ ምርቃ ጥራሕ ኣይኮነን ናብ መርገም ዝቕየር፡ ንሓድሕዳዊ ምፍላስ ትዂስኲስ ከም ዘለኻ ተረዲእካ ንተሓታትነት ምድላው ከድልየካ እዩ።

ልዕመት
ካብ ማንቸስተር

● Read in PDF ብ PDF ንምንባብ፡- here ኣብዚ ጠውቑ።

Original Source: Snitna




[:swvar:text:838:]