All updates

እዋን "ይኣክል" እንቋዕ ኣብጸሓና – እቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ?

06/03/2019
         እዋን "ይኣክል" እንቋዕ ኣብጸሓናእቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ?
"ሓንቲያ ዘየደኦምስ ሓደ ቆሎ ይብል ሓደ  ጥጡቖ ይብል" ግን ኣይንግበሮ 

           ኣብዚ እዋን'ዚ፣ እዛ "ይኣክል" ትብል ቃል ብደገፍቲ መንግስቲ ኢሳያስ ይኹን ብተቓወምቲ መንግስቲ ኢስያስ እዋናዊት ጭርሖ ኮይና ብተደጋጋሚ ክትቃላሕ ትስማዕ ኣላ። እዛ ቃል እዚኣ ብክልቲኡ ወገን ዝውትርቲ ምዃና፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከቢድ መዋጥርን ፈታኒ ኩነታትን  ኣትዮም ምህላዎም ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ ኩሉ በብወገኑ ኣብ ልብና ንመለስ፣ ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን ይብል ከምዘሎ ገሚትካን ተተስፍኻን ነዚ "ይኣክል" ጭርሖ፣ ከም ጽቡቅ ኣንፈት ናይ ዘተ ክወስዶ ዝኽእል  ኮይኑ ይስማዕ። ኰነታት ሃገርናን ህዝብናን ብቐሊሉ ክትርድኦም ዘጸግሙ፣ ሰላም ዝመስሉ ኣንፈት ኩናታት፣ ምዕባሌ ዝመስሉ ሽርሕታት፣ፈተወቲ ዝመስሉ ጸላእቲ፣ሓለይቲ ዝመስሉ ተመጻደቕቲ ተሓዋዊሶም ንየዘብዉ ኣለዉ፡ እዚ እዋንዚ ብሓቂ ፈታኒ እዋን ኢዩ። ከምቲ ብኩሉ ወገን ተደጋጊሙ ዝዝረብ እቲ መድርኽ ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ዝብል ቅጽላት ዘይኮነስ፣ ናይ ሃገራውያንን ዘይሃገራውያን መድርኽ ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ሃገር  ብብርቱዕ ክሳራ ዝተረኽበ ልዑላውነታን ነጻነታን ብረቂቕ ሜላ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከሎ፣ እቲ ግጥም ኣብ  መንጎ ደቂ ሃገርን ደቂ ሃገር ዝመስሉ ባዕዳውያንን ሓንገርቶምን ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ።  

          ከም ደቂ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ መጠን ድማ ነዚ መድርኽ'ዚ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክንገጥሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ  ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ መድርኽ'ዚ ካብ ኩልና ዝጽበዮ ኤርትራውነት ምርግጋጽ ኢዩ።ኤርትራዊ ዜግነት ብትውልዲ ወይ ብሕጊ ዝረጋገጽ፣ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ፣ ውድብ ወይ ውልቀ  ሰብ፣ ክጸልእ ከሎ ዝሓኮ ክፈቱ ከሎ ድማ ዝልግሶ መሰል ኣይኮነን። ደጋፊ እንተኮይኑ  ኤርትራዊ ዜጋ ፣ተቐዋሚ እንተኮይኑ ድማ ዘይኤርትራዊ ዜጋ ጌርካ  ምውሳድ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ጽበት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። ስለዚ ኤርትራ ናይ ኩሉ ብሕጊ መሰረት ኮነ ብትውልዲ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ዜጋ ምኳና ምርዳእን ብዝኾነ ይኹን ሰብ፣ ውድብ ወይ መንግስቲ ክትበሓት ወይ ክትውነን ከምዘይከኣል  ሓደ ካብቲ "ይኣክል"  ክበሃል ዘለዎ ፈላላዪ ኣተሓሳስባ ምኳኑ ክስመረሉ ዝግባእ ሕቶ ኢዩ ።

         ኣብ ሓደ ሃገር፣ኣብ ዝኮነ ይኹን ጊዜን ኩነታትን  ዝለዓል ተቃውሞ ንፖሊሲ መንግስቲን ነቲ ስርዓትን  ዝምልከት'ምበር ናብ ሃገርን ህዝብን ዝቐንዐ ተቃውሞ ከምዘይኮነ  ምርዳእ ሰፊሕ ኣእምሮን ልዑል ትምህርትን ዝሓትት'ኳ እንተዘይኮነ እዚ ሓቂ'ዚ ብገለ ኤርትራውያን ተሳሒቱ ክርአ ከሎ ግን መባእታዊ ተረድኦ ይጎድል ምህላዉ ዘተሓሳስብ ኢዩ። መልክዕ ተቓውሞ ዝተፈላለ ገጻት ክህልዎን ኣብ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝምርኮስን ክኸውን ይክእል። ንፖሊሲ መንግስቲን ንህልው ስርዓትን ዝወሃብ ደገፍ'ውን ከምኡ ። ገለ ተቓወምቲ ኣብ ውልቃዊ ረብሓን ኣብ ካልእ ስምዒትን ዝተሞርከሰ ተቓውሞ ከልዕሉ ይኽእሉ፣ገለ ደገፍቲውን ከምኡ። ብሓፈሽኡ ኩሉ ዝለዓል ተቓውሞ ቅኑዕ ኢዩ ወይ ድማ ኩሉ ግጉይ ኢዩ፣ ኩሉ ዝወሃብ ደገፍ'ውን ግጉይ ኢዩ ወይ ቅኑዕ ኢዩ ኢልካ፣ ምስ ጊዜን ኩነታትን ከየዛመድካ ብፍጹማዊ ኣረኣእያ ምቅላሕ  ዕሸልነት ጥራይ ኢዩ። ኣብ ደሞክራስያዊ ባይታ ወሪድካ ብህዱእ ዘተ ክምመ ዝግበኦ'ምበር ኣብ ገዛኻ ኮንካ፣ ንሓቂ ንስኻ ጥራይ ትውንና ኮይኑ ዝስመዓካ እንተኮይኑ መገዲ ስሒትካ ከምዘሎኻ ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን። ንሃገርን  ህዝብን ዘርብሕ ፍታሕ ክርከብ እንተኮይኑ ብክፉት ኣእምሮን ቅኑዕ መንፋስን ኣብ ዘተ ክእቶ ይግባእ። ንስኻ ጥራይ ወናኒ ሓቂ  ኮንካ ክትርአ ዝግበር ጻዕሪ  "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

       ንህዝቢ ኤርትራ ወገንካ (ደጋፊኻ) ጥራይ ከምዝኾነ ጌርካ፣ ናይ ድልየቱን  ረብሓኡን ወኪልን ልኡኽን መሲልካ ብስሙ ውሑድን ብዙሕን ምዝራብን ምጽሓፍን መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ዝግህስ ኣተሓሳስባ ኢዩ፡ ብስምን ውክልናን ህዝቢ ክዛረብን ክጽሕፍን ዝኽእል ውድብ ኮነ ጉጅለ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መሰሉ ወኒኑ፣ መሪቑ ቆጽሊ ዘንበረሉን ድምጹ ዝሃቦን መንግስቲ ወይ ውድብ ጥራይ ምዃኑ ምእማን  ክርሳዕ ዘይግበኦ ኣገዳሲ ናይ ደሞክራሲ መባእታዊ ሰረት ምኳኑ ምርዳእ ኣድላዪ ኢዩ፡፡ ደሞክራሲ ምስ ጊዜን፣ ፖለቲካዊ፣ማሕበራዊን ባህላዊን ኩነታት ናይ ሓደ ሃገርን ብቐረባ ዝተኣሳሰር'ኳ እንተኮነ ኣድማሳዊ ዝኮነ ባህርያት ከምዘለዎ ምዝንጋዕን ምክሓድን ረቂቕ ሸፈጥ ጥራይ ኢዩ፡ "ንሕና ናትና መገዲ ኢና ንክተል፣ካልኦት ገበርዎ ኢልና ኣይንገብርን …..ወዘተ" እንዳበልካ ምትላልን፣ ካልኦት ዝፈጸምዎ "ጉድለታት" እንዳዘርዘርካ ትርጉም ደሞክርሲ ከተነኣእስን ከተናሹን ምፍታን ቅሉዕ ሸፈጥ ስለዝኮነ "ይኣክል" ክንብል ዘይንክእል እንተኮይና ግዜን ኩነታትን ከምዝጉሕፈናን ህዝብናውን ከምዝንዕቀናን ከምዝገድፈናን ክንጠራጠር ኣይግባእን።

        ኤርትራ ብዝሒ ሃይማኖት፣ኣውራጃ፣ኤትኒክን(ብሔራትን) ምስኡ ዝተኣሳሰር ብዝሒ ቋንቋታትን ባህልን ዝሓቖፈት ሃብታም ሃገር ምኳና ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።በዚ መሰረት ድማ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ስርዓት ከም ኣመላኽተኦም  ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ዘቕርቡ ውድባትን ጉጅለታትን ምህላዎም ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ወሳኒ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክእመነሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። እታ እንኮ ፍታሕ፣ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ዝምልከቶ ሕቶታት ድምጹ ንክህብ ነጻ ባይታ ክፍጠረሉ ምቅላስ ምዃኑ፣ግዴታ ናይ ኩሉ ድሕነት ህዝቢን  ልዑላውነት ሃገርን ዝስቆረ ኤርትራዊ ዜጋ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ  ንውልቀ ሰብ ዝመርሖ ጸቢብ ጉጅለ ምምላኽን ምድጋፍን "ይኣክል" ። ህዝብና መሰሉ ክውንን ንቃለስ።

         ውሽጣዊ ሽግራትካ ክሒድካን ጸቒጥካን "ምርግጋእ ጎረቤት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ሂብካ …. ንወያኔ ምንብርካኽ ከም  ቀንዲ ሽቶ ወሲድካ" ንብዙሕ ዓመታት ብኩናትን ወረ ኩናትን ዝተሰቀቐ ህዝቢ ናብ ናይ ኩናት ጸልማት ክትመልሶ ምዕንዳር ናይ ገበን ገበን ተቖጺሩ ሓንቲ መዓልቲ ከምዘሕትተና ክንፈልጥ ይግባእ። ብሓፈሽኡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድባት ክልል ኢትዮጵያን ዘሎ ሽግራት ክጸልወና ዝክእልኳ እንተኮነ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዮም ጣልቃ ኣቲኻ ክትዋሳእ ምሕሳብ ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ ሓንቢስካ ጥሒልካ ክትተርፍ ከምትኽእል  ዘይምግንዛብ ኢዩ፡፡ ስለዚ እዚ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰላም ኣንፈት ተጠቒምና፣ ኩሉ ጉልበት፣ ዓቕሚን ሙያን ኤርትራውያን ኣሕቢርናን ኣበራቢርናን፣  ውሽጣዊ ሽግርና ክንፈትሕ ምጽዓርን እቲ ብዙሕ ዝተበደለ ህዝብና ክንክሕስን ቀዳማይ ዕላማና ይኹን። ንህዝብና  ኣብ ካልእ ህውተታን ዕንደራን ክንጠብሶ ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ዝመሃዝ ዘሎ ውዲታትን ኣይፋልን ሕጂስ "ይኣክል" ክንብል ድፍረት ንወንን።

          ሕሉፍ ታሪኽ ክንመሃረሉ'ምበር  ክንነብረሉ ኣይተዓደለናን፡ ከም ደቂ ሃገር መጠን ሕሉፍ ታሪክ ብመንን  ከመይን ተሰሪሑ ብዘየገድስ፣ኩሉ ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያቱ ፈቲና ጸሊእና ክንወርሶ ግዱዳት ኢና። እቲ ኣወንታዊ መዳይ ታሪኽና መዚናን ገምጊምናን ክንዕቅቦን ከነማዕብሎን፣እቲ ኣሉታዊ መዳይ ድማ ክንመሃረሉን ከይንደግሞ ክንጽዕርን ሓላፍነትና ኢዩ።ንታሪኽ እንዳደገምካ ኣብ ቅርሕንትን ምንዕዓቕን ምንባር ከም ባህሊ ክዝውተር እንተቀጺሉ፣ ብሩህ መጻኢ ምጽባይ ዘይከኣል ምዃኑ ግሁድ ሓቂ ኢዩ። ዝሓለፈ ሓሊፉ ንዝመጽእ እዋን ከይድገም፣ብዝኾነ ይኹን ወገን ዝተፈጸመ ገበናት ዝግበኦ ቅኑዕ ሕጋውን ፖለቲካውን መደምደምታ ክግበረሉን፣ዝቆሰለ ቁስሉ ክሓዊ፣ዝተበደለ ክከሓስ ዘኽእል ርጉእ ባይታ ክፍጠር ምጽዓር ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሓቀኛ ዜጋ ኢዩ። መጻኢ ሂወት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሰላም፣ ፍትሕን ርግኣትን ዝጠመተ ክኸውን ኣብ ክንዲ ምጽዓር፣ ኩናትን ዕግርግርን ምቅላሕን ምጉህሃርን "ይኣክል"። ትርፊ ኩናት ሞትን ዕንወትን ምኳኑን፣ መኣስን ከመይን ከምዝድምደም ዘይፍለጥ ተርእዮ ምዃኑ ካብ ታሪኽ ክንመሃር የድልየና። 

         "ንለባምን ኣምተሉ ንዓሻን ደርጉሓሉ" ዝብል ናይ ኣቦታት ምሳሌ፣ ኣብዚ እዋንዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ ከምዝኾነ ዝሕብር  ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘረባታት ኣጸቢቕና ከነስተውዕለሉን ኣዕሙቕና ክንሓስበሉን ይግባእ፡ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዝእምቶ ዝነበረ ሎሚ ግን ደርጉሒዎ ኣሎ፡ "ምርሓና ንስኻ፣ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ.... ኣይከሰርናን...  ዶብ ምሕንጻጽ ክጸንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኢዩ. . . ከም ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ …ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ . . . ወዘተ" ዝብሉ መቓልሓት ብዝኾነ ይኹን መገዲ  ከተመኽንየሎምን ክትከላኸለሎምን  ዘይክእሉ  መልእክትታት ኢዮም። እዚ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መልእክትታት'ዚ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብኣብይ ኣሕመድ ዝወሃብ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣዋጃት ኮነ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ዝወሃብ መግለጺታት ክትሰምዕ ከሎኻ፣ዕድል መጻኢት ኤርትራን ልዑላውነታን ካብ ቁጽጽር ኤርትራውያን ወጻኢ ይከውን ከምዘሎ ዘይምግንዛብ ፣ "ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓርማዝ ነይንቕንቖ" ዝብል ምሳሌ ኣቦዋት ዘዘክር ኢዩ። ዶብ ተሓንጺጹ ልዑላውነትን ሃገርን መንነት ዜጋታትን ምርግጋጽ ገድፊካ ናይ ዞባን ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣጀንዳ ምዝታይን ምቕዳምን ፣ "ወያኔ ከይጠፍኡ ሰላም ኣብ ከባቢና ክሰፍን ማለት ዘበት ኢዩ" ዝብል ኣጀንዳ ሓንጺጽካ ናብ ኩናት ምቅርራብን ዕብዳን'ዶ ኣይኮነን? ዝሓለፈ መስዋእትን ስንክልናን ከይኣክል ሕጂኸ ንደቂ መን ኣብ ሓዊ ንምጥባስ ኢዩ እዚ ኩሉ ሸብዳዕዳዕ? ብፍላይ እዞም ኣብ ወጻኢ ደቅኹምን ስድራኹም ሓቑፍኩም ትነብሩ ዘለኹም ደገፍቲ መንግስቲ ኢሳያስ ፣ቲፎዞ ኮንኩም ምድህሃር ግደፍዎ።"ዘይስንኻ እምኒ ቆርጥመሉ" ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ'ምበኣር እዚ ናትኩም ምድኻርን ምንህሃርን ኢዩ።

      ኣብ መደምደታ መንግስቲ ኢሳያስ ኩሉ ዘረብኡን ተግባራቱን ካብዚ ንላዕሊ ክገሃድን ክንጽርን ኣይከኣልን፣ደጋጊሙ ዘውጸኦ ዘሎ ቃላት፣ኣብ ባይታ ዝወስዶ ስጉምትታትን ዝዝትየሉ ዘሎ ኣጀንዳን ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምርካብ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ከይደቀስኩም ትሓልምዎ ሕልሚ ገዲፍኩም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ተጓየዩ።

     ደስበለ መሓሪ