All updates

እወ፡ ሰላም ህዝቢ ዘማእከለ

06/11/2018
እወ፡ ሰላም ህዝቢ ዘማእከለ (PDF) & listen to the audio:
 
ፍረወይኒ ባይረ
ሃገረ ጀርመን
------------------------

እወ፡ ሰላም ህዝቢ ዘማእከለ
 
ዶክተር ንዓኻ ኢና ስምዓና ጽን ኢልካ
ብሸለል ኣይትርኣዮ እዚ ኹሉ ንብለካ
ዘይሓዊ ቍስሊ ኣይትጕዳእ መሊስካ
ልዑላዊት ሃገር ከይተናኸፍካ
ሻርነት ዘይብሉ ቅንዕና ኣኸቲልካ።
 
ንሰላም እንተዀይኑ እዚ ዅሉ ጉያኻ
ንሕና’ውን ኣለና ኣብ ጐድንኻ
እወ፡ ንሰላም ብዘይዘላቕነት
ንዅሉ ዝሕውስ ዘይብሉ ሻርነት
ንዅሉ ዜጋ ዝረብሕ ብማዕርነት።
 
ምኽፋል ምድማር እንታይ’ዩ ምስጢሩ
ብንጹር ‘ተዝቕመጥ ህዝቢ ክሰምረሉ
እስከ ንገረና ካብ ሱር መሰራውሩ
ውዕል ኣልጀርስ እንከይተተግበረ
ከመይ ኢልካ ትብለና ንኽልቴና ማዕረ
ህዝቢ ኤርትራ መሪሩዎ ከም ዕረ
ምስጢሩ ዘይፍለጥ ውዕል እናተገብረ
ንመጻኢ ወለዶ ንዅሉ ዘሕረረ።
 
ዶብና ከይፈለጥና ቃድራ ናይ መሬትና
ኣበይ ከምንሓርስ ግምት’ኳ የብልና
ከም ድላዩ ሕጂ ክሓዋውሰና
ኣሽሓት ዜጋታት ዕሸላት ኣጥፊእና
ዶብና ንክንፈልጥ ብዙሕ ተሳቒና
ለይቲ ምስ መዓልቲ ምዩቕ እናበልና
ከመይ ኢልካ ሕጂ ንደመር ትብለና፧
 
ኣሽሓት ዜጋታት ቀያሕቲ ጸለምቲ
መዓንጣ ዘይቈጸሩ ናይ ጽባሕ ተካእቲ
ምእንቲ እዛ መሬት ምእንቲ’ዛ ርስቲ
እንዲና ከፊልና ዘልኣለም ክትከውን ልዕልቲ
ያኢ ተረኺብና ከብቲ
ክንካፈል ክንድመር ኣብዑር መላፍንቲ
ከም ህላላ ብዕራይ ዝጥሕስ ሕዛእቲ
ኵሉ ትሓዋውስ ብሓንቲ መዓልቲ።
 
ከምቲ ናይ ኢሳያስ እንተዀይኑ ሕልምኻ
ኣይትደቅስ ተበራበር ኢኻ
ነዛ ዕንቊ ባሕሪ መሬት እንተሃረፍካ
ንከንቱ ከይኸውን ኵሉ ድሌታትካ
መሪርን ጽንኩርን ሰላሳ ዓመታት
በሰሓይታ ቍሪ ኣጻምእ ጸድፍታት
ዝተኸፈሎ ዋጋ ኣሽሓት ዜጋታት
ከመይ ኢልካ ትደፍራ ነዛ ሓዳስ መርዓት።
 
ብኣእላፍ ዘይትመን ዝተኸፍለ ዋጋ
ኤርትራ ኣይትሽየጥን ብዋጋ ዕዳጋ
ኣየፍቅድን ከኣ ኤርትራዊ ዜጋ።
 
ስቓይ ኣይትወስኽ ዝተጠጀአ ኣሎ
ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ማሕዩር እንከሎ
እገዳ ክለዓል ትተሓባበሮ
ብደም ዝጠልቀየ ታሪኹ ይመስክሮ
ምስ ዲክታተር ዋዕላ ወጊድ ደኣ በሎ
እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኵሉ ክጽንበሮ።
 
ኢሰያስ ከሎ’ዶ ሰላም ተተግቢሩ
ሕልምኻ ከይኸውን ንከንቱ፡ ከይብለካ ኣሉ
ደጋጊምካ መርምር ኣቢይ ሕሰበሉ
ብታሪኽ ከይትሕተት ኣብዘይ ነበርካሉ
ብቕንዕና ይዅን እትገብሮ ኵሉ
ሰላም ምስ ቅሳነት ኵሉ ዝረብሓሉ።
 
ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን!
ዘልኣለማዊ ክብርን መጐስን ምእንቲ እዛ መሬት ዝሓለፉ ሰማእታትና!
 
ፍረወይኒ ባይረ
ሃገረ ጀርመን