All updates

እታ ሕልሚ ተመሊሳ - ደስበለ መሓሪ

09/11/2018
እታ ሕልሚ ተመሊሳ
ርእይቶ ኣብ ‘ቃለ መጠይቕ’ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ደስበለ መሓሪ

ቃለ መጠይቕ ኢልካ ክትርደኦ ብሓቂ ዘጸግም መደረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ተኸታቲልካ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ክብሎ ዝደሊ ቀንዲ ሓሳባት ክትርዳእ ምፍታን "ጸሓይ ብምዕራብ ክትበርቕ ኢያ" ኢልካ ምትስፋው ዝቐልል ይመስለኒ። "ቃለ መጠይቕ" ኢሳያስ ኣፈውርቂ ከይከታተል ካብ ዝውስን ሓይሎ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ምኽንያቱ፡-

  1. እቶም ‘ጋዜጠኛታት’ በቲ ንሱ ክብሎ ዝደሊ መሰረት ዝተዳለወ ሕቶታት ሒዞም ከም ዝቐርቡ ብሩህ ስለዝዀነ፣ በዳሂ ሕቶታት ክለዓል ስለዘይጽበ፣ እቲ ንሳቶም ዝጥቀምሉ ዘይሞያዊ ቃላት ንገዛእ ርእሱ’ውን ብርቱዕ ዓቕሊ ዝሓትት ስለዝዀነ።
  2. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኵሉ ዝህቦ ‘ቃለ መጠይቕ’ ንጭቡጥ ሕቶታት ጭቡጥ መልሲ ዘይህብ፣ ካብ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ሽግራት ኣልዒሉ ፖለቲካዊ ፈላስፋ መሲሉ ከደናግር ዝፍትን፣ ካብ ናይ ኤርትራን ህዝባን ሽግር ናይ ዞባን ካልእ ዓለምን ሽግር ክትንትን ከም ዝመጣጠርን ከም ዝህውትትን ዝተረጋገጸ ሓቂ ስለዝዀነ ኢዩ።

ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሕልኽልኽ ዝበለ መስርሕን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ትጽቢትን ብምግንዛብ እንታይኮን ኢሉ ይኸውን ካብ ዝብል ሃንቀውታ ተበጊሰ፣ ብቐጥታ'ኳ ክከታተሎ እንተዘይከኣልኩ፣ ነቲ ቅዳሕ መደረ ደጋጊመ ክሰምዕ ወሲነ። ካብቲ ዝገመትኩዎ ኣይረሓቐን። ብናተይ ግንዛቤ ድማ እቲ ፍሩይ ዝመሰለኒ ነጥብታት እነሆ፡-

ሓንቲ ካብተን ደጋጊሙ ዝስንድወን ዘረባታት ክትግንዘባ ትኽእል ነጥቢ እታ ጐብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኴንካ ንምርኣይ ዝትምነያ ሕልሚ ኢያ።

ንነዊሕ ዓመታት ሓንሳብ ኣብ ባጽዕ፡ ሓንሳብ ኣብ ዓዲ ሃሎ ስፊሩ ሓውሲ ባሕታዊ ሂወት ክመርሕ፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኰነ ካብ ህዝቢ ዓለም ተኸዊሉ ዘሕልፎ ዝነበረ ናብራ ተገላጊሉ ዶክተር ኣብይ ብዝፈጠረሉ ዕድል ክሓልማ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብዚ ‘ቃለ መጠይቕ’ ጥራይ ዘይኰነ ካብቲ ምስ ዶክተር ኣብይ ዝተራኸበሉ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘርኣዮ ዘይልሙድን ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፈረን ዘዋረደን ብዙሕ ክስተታት ክረጋገጽ ዝኽእል እመስለኒ። እዛ ሕልሚ'ዚኣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብመልክዕ ኮንፈደራሽን ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ብመልክዕ ኢጋድ፣ ወዘተ.፣ ትበቍልን ትሓርርን ዝነበረት ሓሳብ ኢያ። ኣብዚ እዋን'ዚ ንምትግባራ ባይታ ዝጠጠሓላ መሲላ ትርኣዮ ኣላ። ን4-5 ሚልዮን ዝኣክል ዝህዝባ ሃገረ ኤርትራ ከማሓድር፣ ከማዕብልን ሽግራታ ክፈትሕን ዘይከኣለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ ሃገራት ማይክዖ ናይል፣ ብዛዕባ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓረብን (ናይ 300 ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ) ሽግራት ክፈትሕ፤ እሞ ድማ እዚ ሽግራት'ዚ ካብ ሽግራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈልዩ ክርአ ዘይክእል፣ መጀመርታ ሽግርና ንፍታሕ፣ ንሱ ይጽነሓልና ክበሃል ዘይከኣል እናበለ ደጋጊሙ ክተፍእ ምስማዕ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ጽልእን ዘርኢ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ መግለጺ ክወሃቦ ኣይከኣልን። ክሓልም ዝኽልክሎ የለን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ኣብ ልዕሌናን ከሽካዕልል ግን ክንፈቕደሉ ኣይግባእን... ኣይግባእን... ኣይግባእን። ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳዕ-ክልተሳዕ ኣብ ዓመት ኣብ ተለቪዥን ወጺእካ ብትህቦ ወደሳን ናእዳን ዝዕንገል ከምዘይኰነ ዘይፈልጥ ኣይኰነን፣ ተስፋኡን ዓቕሉን ይጽንቀቕ ከምዘሎ'ውን ርኡይ ኢዩ።

እቲ ካልእ ካብዚ ‘ቃለ መጠይቕ'ዚ’ ክርደኦ ዝኸኣልኩ ነጥቢ እቲ ዝተኣዘዞ ዝፍጽም ጋዜጠኛ ‘ናይ ዝነደዩ ሓይልታት ዝዝርግሕዎ ዘመተ’ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ዝምልከት ኢዩ።

መልሲ ኢሳያስ፡ እቲ ፈላጥ ንክመስል ንነብሱ ላዕሊ ሰቒሉ ንካልኦት ንምንእኣስ ዝገብሮ ፈተነን ግዕዙይ ቃላቱን ንጐድኒ ገዲፍካ፡ብሕጽር ዝበለ ነዚ ይመስል፡-

ዝነደየ ሰብ ከምዝነደየ ኣይቅበልን፣ ኣይኣምንን፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ እቲ ለውጢ ቅልጡፍ ብምዃኑ ዘይተጸበይዎ ኵነታት ኢዩ፣ክርድእዎ ኣይከኣሉን፡ ክወሓጠሎም'ውን ኣይከኣለን፣ ጭንቀት ፈጢሪሎም፣... ወዘተ፣ ኢሉ ነዊሕ ድሕሪ ምህውታት፣ ብዙሕ ግዜ ስለዝደጋገም ግን ሓቂ መሲሉ ከይረአ ጥራይ ኢየ ዝዛረበሉ ዘሎኹ ይብል። ቀጺሉ እቶም ዝነደዩ ዝበሃሉ ሰባት ይዝርግሕዎም ዝብሎም ነጥብታት ይጠቅስ፡-

  • ናይ ኤርትራ ውሽጣዊ ሽግራት ጌና ኣይተፈትሐን ይብሉ፣
  • ናይ (ገደብ ኣልቦ) ሃገራዊ ኣገልግሎት የልዕሉ፣
  • ናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ጉዳይ፣
  • ናይ እሱራት ጉዳይ፣. . .ወዘተ፣ (ናይ ቅዋም ዘይምትርጓም ንሱ ዝረሰዓ) ከምዝዀነ ይጠቅስ።

እቲ ዘሕፍር ግን ነቲ ባዕሉ ዘልዓሎ ናይቶም ‘ዝነደዩ’ ጉጅለታት ነጥብታት'ውን እንተዀነ ዝነደየ ሓሳባት ምዃኑ ዝገልጽ ዝዀነ ይዅን መብርሂ ኣይሃበን ፡ ብሓቅነት ናይቶም ዝነደዩ ዝብሎም ሕቶታት ግን ከም ዝሓረቐን መንፈሱ ከምዝተረበሸን ብግሁድ ተንጸባሪቑ ። ካብቲ መሰረታዊ ሕቶ ክሃድም፣ እናደጋገመን እናተመላለሰን ክገልጾ ዝፍትን እቲ ዝያዳ ኣገዳስን ኣተኵሮ ክወሃቦ ኣለዎ ዝብሎ ናይተን ኣርባዕተ ዞባታት ብደሆታትን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ወጥርታትን ኢዩ።

መዋእላት እናቈጸረ ኲናት ባድመ፣ ኩናት ሓኒሽ፣ ኲናት ምስ ጅቡቲ ዝተወልዕሉ ምኽንያት፣ ኣመሪካ ንዓለም ክትቈጻጸር ካብ ዝነበራ ድልየት ተበጊሳ፣ ነዚ ስትራትጂ'ዚ ዕንቅፋት ዝዀነት ኤርትራ ንምድኻም ኣብ ቀጻሊ ናይ ዶባት ቅልውላው ንምጽማድን ብዝተሓንጸጸ ውዲት ዝተኻየደ ኲናታት ምዃኑ ክነግርና ይፍትን ኣሎ። ኵሉ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዶብ ኲናታት ብሽምግልናን ብምርድዳእን ክፍታሕ ይከኣል ኔሩ ኢዩ፡ ይብለና ኣሎ።

ኣቶ ኢሳያስ! ጠንቂ ናይ'ዚ ኩሉ ኩናታት ኣመሪካ ምዃና ትፈልጦ ካብ ነበርካ፣ ብሽምግልናን ብምርድዳእን ክፍታሕ ተኽእሎ ምንባሩ ካብ ኣመንካ፡-

  • ስለምንታይ ድኣ እዞም ኣሽሓት ዕሸላት ኤርትራውያን ኣብ ሓዊ ጠቢስካ ንህዝቢ ኤርትራ ብርቱዕ ስቓይን መከራን ከምዝወርዶ ጌርካ፧
  • ስለምንታይ'ከ ነቶም ናይ ዶብ ሕቶ ብምርዳዳእን ብሽምግልናን ክፍታሕ ኣለዎ ዝበሉ ጉጅለ 15 ‘ተንበርከኽቲ’፣ ‘ከዳዓት’፣ ‘ሸየጥቲ ሃገር’...ወዘተ፣ ኢልካ ኣጸሊምካ ኣብ ጎዳጉዲ ኣሕቂቕካዮም፧
  • ስለምንታይ'ከ እቲ ብኣመሪካን ርዋንዳን ዝተፈተነ ናይ ሽምግልና መደብ ነጺግካዮ፧

እቲ ዝገርመካ ኣቶ ኢሳያስ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ "ዝወቕዐ እንተረስዐ ዝተወቕዐ ኣይርስዕን" ግዲ ኰይኑ፣ ንስኻ ንታሪኽ ከም ዝጥዕመካ ጌርካ ከተንብባን ክትገልጻን እቲ ናይ ምድንጋር ባህርኻ ዝፈቕዶ ስለዝዀነ ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ፣ እንተ እቶም ንስኻን እቲ ተኣዚዙ እናተሸቝረረ ዝሓተተካ ጋዜጠኛን "ዝነደዩ" ኢልኩም እትጽውዕዎም ኤርትራውያን ግን ንታሪኽ ከምቲ ዝነበሮ ከንብቡን ክገልጹን ስነምግባራዊ ባህሪኦምን ግቡኦምን ስለዝዀነ ንህዝብና ካብ ምሕባር ጠጠው ኣይክብሉን ኢዮም።

ሕጂ’ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወስደ ናይ ሰላም ስጉምቲ ብመትከል ካብ ልቢ ንድግፎ ምዃና ደጊምና ድሕሪ ምርግጋጽ፥ንህዝቢ ኤርትራ ነመሓላልፎ መልእክቲ ካብ ኢስያስ ራህዋ ምጽባይ ገዲፍኩም ካብ ስልጣን ክወርድ ቃልስኹም ኣበርትዑ፣ ብሓደ ድምጺ ድማ፡-

  1. እዚ ናይ ሰላም መስርሕ'ዚ ዘላቒ ክኸውን ብቐዳምነት ዶብ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ተሓንጺጹ ዜግነት ህዝብታትን ልዑላውነት ሃገራትን ክረጋገጽ ኣለዎ። ብሓፈሽኡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ነባሪን ሓቢርካ ናይ ምዕባይ መንፈስ ክሰፍንን ዱልዱል ክልተኣዊ ዝምድና ክፍጠርን እንተኮይኑ ተሳታፍነት ህዝቢ ክስገር ዘይግበኦ ዕማም ምዃኑ ኣሚንካ ምቅላስ።
  2. እቲ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ንእስነት ዕድመ መንእሰያት ዘላደየ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ንቡር ሕጋዊ ቦትኡ ክምለስ ወዓል ሕደር ዘይበሃሎ ሕቶ ምዃኑ ደጊምምካ ምርግጋጽ።
  3. ኩሎም ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ።
  4. እቲ ንዓመታት ኣብ ከብሒ ከምዝኣርግ ዝተገብረ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ግብሪ ክትርጎም፣ ኢልኩም ተለዓሉ

ንሕና ከም ኤርትራውያን መጠን ብቐዳምነት ክንፈትሖ ዘለና ጸገምን ኣብ ቁጠባዊ፥ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊን ባህላውን ሂወት ህዝብና ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምትታት ከነተኩር ናይ ግድን ይኸውን።ገዛኻ ከየጽረኻ ገዛ ካልኦት ከተጽሪ፥ ሽግራትካ ከይፈታሕካ ሽግራት ካልኦት ከም ሽግርካ ክትወስዶምን ክሳብ ዝፍትሑ ክትጽበን ምሕላም ንኢሳያስ ንግደፈሉ። እዚ ውጥን'ዚ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕን እንተኮይንሉ ድማ ንሓጺር እዋን'ውን ይኹን ብለል ናይቲ ዞባ ኰይኑ ክርአን ውልቃዊ ዝንኡ ንምዕባይ (ድሮኳ ኣዋርቕ ክስለም ጀሚሩ ኣሎ) ዝፍትኖ ዘሎ ምድንጋር ምዃኑ ተገንዚብና ካብ ስልጣን ንምእላዩ ቃልስና ከነበራትዕ ይግባእ።

"መን ኣሎ ከምዚ ህዝቢ' ጸኒዑ ተጻብኦታት ተጻዊሩን ሰጊሩን ዝተዓወተ” ጥቕሲ ካብ ቃለ መሕትት ኢሳያስ ኣፈውርቂ (03/11/2018)።

እዛ ምልእቲ ሓሳብ’ዚኣ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኰነ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ነቕ ዘይብል ዓቕሊ፣ ትብዓትን ተጻዋርነትን ተመልክት ሓቂ'ኳ እንተዀነት፣ካብ ኣፍ ኢሳያስ ምውጻኣ ግን ዘስደምም ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ባይታ ዝተራእየን ዝርአ ዘሎን ሓቅታት፡ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምልጋጽን ምሽክዕላልን ጥራይ ዘይኰ፣ ንዕቀት፡ ጽልኢ፡ ብደዐን ትምክሕትን ከርኢ'ምበር ደባሲን ከሓሲን ተግባራት ክፍጽም ኣይተራእየን።

ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዘሕለፎ ከቢድ ጭንቅን ጸበባን ከይኣክል፣ እቲ ሎሚ ዘተምበሆ ዘሎ መጻኢ ዕድል'ውን ናብ ካልእ ሕልኽልኽ ዝበለ ኵነት ዝመርሕ'ምበር ናብ ሰላምን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዝጥምት ኣይኰነን። ከምቲ ኢሳያስ ዝሓስቦን ዝገልጾን ዘሎ እንተዀይኑ፡-

  1. ናይ ዶብ ሕቶ ጥራይ ፈሊና ንርኢ እንተዀይንና እቲ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ኣይክንርድኦን ኢና። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድና ካብኡ ንላዕሊ ዝጥምት ኢዩ። ኣብ ጽቡቕ ናይ ምትእምማን ደርጃ በጺሑ ኣሎ፣ እንተኾነ ግን እዚ ጥራይ እኹል ኣይኮነን፣ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት ሜዳታት፡ ማለት ኢንዱስትሪ፣ ትሕተ-ቅርጺ፣ ኣጠቓቕማ ወደባትን ጸጥታዊ ውሕስነትን... ወዘተ.፣ ዝምልከት መደባት ክሕንጸጽ ኣለዎ ጥራይ ዘይኰነ ክወሃሃድ'ውን ኣለዎ። ስለዚ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ዕምማት ከቢድን ሰፊሕን ስለዝዀነ ህዝብና ክርደኦን ክቀራረበሉን የድሊ። ነዚ መደባት'ዚ ንምትግባር "ኣብ መዓልቲ 48 ሰዓታት" ክንሰርሕ ክግበኣና ኢዩ።
  2. ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምትእምማንን ሓቢርካ ምስራሕን ጥራይ'ውን እኹል ኣይኰነን። እተን ናይል ዝፈሰለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን ሽግራት ብሓፍሽኡ ናይቲ ምሉእ ዞባ ኵነታት'ውን ክንፈትሖ እንተዘይክኢልና ንበይንና ናብ ንበጽሖ የብልናን። ዘስምዕ ቅኔ'ዩ ዝቃነ ዘሎ።

ካብዚ ኩሉ ሓተታ'ዚ ክርዳእ ዝከኣል፡-

  • ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ሕቶ ጸገም ኣይነበረን፡ ሕጂ'ውን ጸገም ኣይኮነን፣
  • ህዝቢ ኤርትራ ኣነ ብሂወት ክሳብ ዘሎኹ ራህዋን ሰላምን ኣይትጸበ፣
  • ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትሰናበቱ ዘይኰነስ፣ ዕጽፊ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ክትሰርሕዎ ዝጸናሕኩም ክትሰርሑ

ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድላው ግበሩ፣

  • ናይ ቅዋምን እሱራትን ሕቶ’ሞ ነዴኺ ማይ ውረድላ ኢዩ ዝመስል።

መኣስ ከምዝካየድ ዘይተሓበረ፣ ምናልባት'ውን መብጸዓ ጥራይ ኰይኑ ክተርፍ ዝኽእል፣ ኣብ ውሽጣዊ መደባት ዘተኵር ካልኣይ ክፋል ‘ቃለ መሕትት’ ኣብ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዘቕርቦ ህውተታ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ነቲ ዅሉ ኣብ ኣዋሳን ኣብ ኦሞን ዝረኣዮ ትካላት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክትርጉምን፣ ዓሰብን ባጽዕን ምጥቃም ዘድልዩ ትሕተ-ቅርጽታት ናይ ምድላው ፕሮጀክትታት ክገልጽ ሸንኮለል ከም ዝብልን ምግማት ምጥንቋል ኮይኑ ክርአ ዝኽእል ኣይመስለንን። እዚ መደባት'ዚ ንምትርጓም ዘድሊ ቍጠባዊን ፋይናንሳዊን ዓቕሚ ካብ ስዑዲ፣ ኤሚራት ዓረብን ኢትዮጵያን ከም ዝፈስስ'ውን ምግማት ዘይከኣል ኣይኰነን። እቲ ኣብ ዕብየት ሃገር መሰረታዊ ዝዀነ ሰብኣዊ ዓቕሚ ግን ካበይ ክመሃዝ'ኮን ይኸውን፧

  • ዋርሳይ ይከኣሎ! ወይ ድማ፡ ኣባላት ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፧
  • ወነንቲ ርእሰማል ኤርትራውያን ኣብ ፈቖዶ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝርከብሉ እዋን፣ ክኢላታትን ምሁራትን ኤርትራውያን ኣብ ትካላትን ዩኒቨርሲታትን ኤውሮጳን ኣመሪካን ተበቲኖም ኣብ ዘለውሉ ዕለት፣ ቍጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ መን ይሓንጽጾን የማሓድሮን፧ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ኣሻቓሊ ኵነታት መጻኢ ቍጠባዊ ሂወት ኤርትራ፡ ብስም ቍጠባዊ ውህደት፡ ብኣውፈርቲ ርእሰማል ኢትዮጵያውያን ተዓብሊሉ ሓድሽ ቍጠባዊ መግዛእቲ ከስዕብ'ዶ ኣይክእልን ዝብል ፍርሓትን ስግኣትን ኣብ ቦትኡ ዘሎ እመስለኒ።

ኣብ ቀጻሊ ናይ ‘ቃለ መሕትት’ ህውተታ ክሳብ ንራኸብ ደሓን ቀንዩ።