All updates

[TG/EN] እቕረ ዘይብሃለሎም ስሕተታት! / Inexcusable Blunders!

04/03/2022

እቕረ ዘይብሃለሎም ስሕተታት!

ግዳማዊ ሜላ መብዛሕትኡ እዋን ነጸብራቕ ዘቤታዊ ሜላ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዘቤታውን ግዳማውን ሜላ ናይ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ዘይሃስስ ምትእስሳር በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ህሉው ስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒው ዮርክን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫን ዚሃቦ ድምጽታት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ከምቲ እተን ሓያሎ ኣዕሩኽ ሃገራት ሩስያ ዚገበራኦ፡ ዘይምድማጽ ንኤርትራ ዘርብሕ ዚሓሸ ኣማራጺ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወራር ናይ ዚዓበየት ጐረቤት ሃገር ክልተ ኲናታት (1961-1991ን 1998-2000ን) ኣካይዱ። ሎሚ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ጭቈና ናይ ሓደ መላኺ ውልቃዊ ስርዓት ኣብ ምስቓይ ይርከብ። ኣብቲ ቀዳማይ ጕዳይ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘደንቕ ጅግንነት ዚተቓወሞ ዚመስል ኵነት ዚድግፍ ኣመት ዚህብ ድምጺ ምድማጹ ንምርድኡ ዘጸግም ኢዩ። ኣብቲ ካልኣይ ጕዳይ፡ ነቲ ከምቲ እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘልማድ ዚፍጽሞ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ካልእ ሃገር ኪድግፍ ምርድኡ ዚከኣል ኢዩ።

እተን ክልተ ‘ኣይፋል’ ድምጽታት ዘይርትዓውያን፡ ምግላጸን ዘሸግርን ነብሰ-ነጸልትን ኢየን። ምናልባት ንሕንሕነ ናይቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘይ ፍትሓዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተነብሩ በይናዊ እገዳታት ዚተደምጻ ኰይነን፡ እተን ክልተ ‘ኣይፋል’ ድምጽታት ንመሰረታዊ ረብሓታት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘገልግላ ኣይኰናን። ነቶም ቀንዲ መሻርኽቲ ልምዓት ኤርትራ ዘግልላ ኢየን። ኣብቲ ብዚተጠናነገ ረብሓታት ዚልለ ኣህጕራዊ ስርዓት፡ ግዳማዊ ሜላ ብመሰረት እቲ ቀንዲ ሃገራዊ ረብሓ እምበር ብዕላማ ውልቃዊ ሕንሕነ ኪውሰን ኣይግባእን።


Inexcusable Blunders!

Foreign policy is often a reflection of domestic policy. The indelible link between a country’s domestic and foreign policy is starkly demonstrated by the current Eritrean regime’s recent votes at the UN General Assembly in New York and the UN Human Rights Council in Geneva. Like what several Russia friendly states did, abstention would have been a better option that serves the interest of Eritrea.

The Eritrean people fought two wars (1961-1991 and 1998-2000) against the aggression of a bigger neighbour. They are also reeling under the brutal oppression of an authoritarian personalist regime. In the first case, it is incomprehensible that the regime would implicitly endorse a situation similar to that the Eritrean people resisted so valiantly. In the second case, it is understandable that it would endorse another country’s human rights violations that it itself routinely perpetrates on the Eritrean people.

The two ‘No’ votes are irrational, inexplicable, and self-isolationist. Probably cast to spite those who have, only recently, unjustly imposed unilateral sanctions on Eritrea, the two ‘No’ votes do not serve the vital national interests of Eritrea and the Eritrean people. They alienate Eritrea’s principal development partners. In the international system of intertwining interests, vital national interest rather than personal spite should determine foreign policy.

[:swvar:text:838:]
[:swvar:text:838:]