![[:swvar:text:838:]](/swfiles/files/Screenshot-2025-04-04-at-003431.png?nc=1745228448)
21 ሚያዝያ 2025
ኤርትራ - ኣብነት ዓወት ዶ ፍሽለት ኣብ ኣፍሪቃ?
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
እቲ ንዅሉ መኻልፋት በዲሁ ዚተሓፍሰ ድሙቕ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ፡ ናጻ ኤርትራ ኣፍደገ ዕዉት መጻኢ ኣፍሪቃ ከም እትኸፍት፡ ኣብ ዝነኛታት ከም ዓብዱልራሕማን ባቡ ዚኣመሰሉ ፓን-ኣፍሪቃውያንንን ከም በይዚል ደቪድሰን ዚኣመሰሉ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣፍሪቃን፡ ተስፋ ኣስሪጹ ነይሩ። ብመንጽር’ቲ ኣብተን ካልኦት ናጻ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ፍሽለት፣ ናጻ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ልምዓት፡ ኣግእዞ (ሓርነት)፡ ራህዋን ሰብኣዊ ድሕነትን ንኸተጐናጽፍ ዓቢ ትስፉውነት፡ ተኽእሎን ዓቕምን ነይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ንምጭባጥን ንምዕቃብን ኣበርቲዑ ተቓሊሱ፡ ዓቢ መስዋእቲ ከፊሉ። ዓቢ ኣብዝሓ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ንሃገሩ የፍቅርን ንሃገራዊ ድሕነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ይከላኸልን። መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ንኣስፋሕፋሒ ህርፋናት ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኰነ ነቲ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዘጕባብዖ ታህዲዳት ወራር ብትሪ ይቃወሙ ኢዮም።
ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ ንሃገራዊ ድሕነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ እናተኸላኸሉን ንኣስፋሕፋሒ ህርፋን ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብትሪ እናተቓወሙን፡ ነቲ ህሉው መንቀራቕሮ ሃገረ ኤርትራን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራን እናረኣዩ ከም ዘይረኣዩ ብስቕታ ኪዕዘቡ ኣይግባእን።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ሓርነትን ኢዩ ተኻይዱ። ብሓቂ፡ እቲ ዚተኻየደ ቃልስን ዚተኸፍለ መስዋእትን ምእንቲ ናጽነት፡ ደሞክራስን ፍትሕን ኢዩ ነይሩ። ምጭባጥ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ሰውራዊ ምምንዛዕ መንግስታዊ ስልጣን ኣኽኢሉ፡ ህዝቢ ዚመረጾ መንግስቲ ንምቛም፡ ኣብ መስርሕ ኣወሳስዳ ሃገራዊ ሜላን (ፖሊሲ) ውሳኔን ብንጥፈት ንምስታፍ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጕዳያት ባዕሉ ንምምሕዳር መዝነት ናብ ዘውህብ ደሞክራስያዊ ምዕባለ ከምርሕ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ነይሩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውልቀመላኺ ፕረዚደንት ናይ ምሉእ ህይወት፡ ኣዝዩ ምእኩል፡ መላኽን ነብሰ-ሳሳይን ዓመጸኛ ስርዓት ተቐልቂሉ። እቲ ምልካዊ ስርዓት መንግስታዊ ስልጣን ብሒቱ፣ ሃገራዊ ትእምርትታት መንጢሉ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት ፍጹም ቍጽጽር ኣረጋጊጹ። ዘቤታዊ ማዕከናት ዜና ብምውናን፡ ህዝቢ ብዘይካ’ቲ በተን መንግስታዊ ማዕከናት ዚዝርጋሕ ሓበሬታ፡ ናጻ ምንጭታት ሓበሬታ ንኸይረክብ ይድርት፣ ንፖለቲካዊ ተቓውሞ ይውንጅል። በትረ ስልጣኑ ንምጽናዕ ጨካን መድቈስቲ፡ ፍጹም ጐነጽን ቀስብን የዘውትር።
እቶም ኣብ መስከረም 2001 ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተኣሲሮም ዚተዳጐኑ መብዛሕትኦም ኣርካናት ናይቲ ብረታዊ ቃልስን ድሕረ-ናጽነታዊ መንግስትን፡ ብዘይ ክስን ፍርድን፡ ኣብ ትሕቲ ደረትኣልቦ ቀይዲ፡ ኣብ ጽምው ማሕቡስ ይማስኑ ኣለዉ። ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብፖለቲካዊ እሱራት፡ ናይ ሕልና እሱራት፡ እሱራት ጋዜጠኛታትን ተራ ዜጋታትን ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ። ፍትሒ ዘይርከበሉ ሃውራዊ ማእሰርትን ሃንደበታዊ ግዱድ ምስዋርን መዓልታዊ ጽዋእ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን።
እቲ መንግስቲ ንዅሉ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ ረጊጡ ዓጽዩ፣ ንዘቤታውን ግዳማውን ወፍሪ ዓንቂጹ፣ ብልሽታዊ ናይ ኩፖን ቍጠባ፡ ምስቲ ዘይእኹል፡ ዘይብቑዕን ብዙሕ እዋን ዘይርከብን መቝነናት፡ ኣስገዲዱ። ቀጻሊ ምንቍልቋል ናይቲ ቍጠባ ክቱር ድኽነትን ሕሱም ስእነትን ፈጢሩ። ሕጽረት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን፡ ዚዓነወ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ፡ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ደረጃታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን፡ ዚፈራረሱ ከተማዊ ህንጻታት፡ ዚባኸና ዘይማዕበላ ወደባት፡ ኣበይ ከም ዚኣቱ ዘይፍለጥ ኣታዊታት ዕደና፡ ወዘተ.፡ ሕላገታት ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኢዮም። እቶም ቀንዲ ሰደዳት ናይታ ዚተሰንዐ ኢንዳስትርያዊ ምህርቲ ኰነ ዝያዳ ኣቕሑ መሸጣ ሕርሻን ኣገልግሎታትን ዘይተፍሪ ኤርትራ፡ ዘይምዱባት ስደተኛታትን ኣታዊታቱ ዘይፍለጥ ጥረ ማዕድናትን ኢዮም።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ወፍሪ ብምዕንቃጽ፡ ምህናጽ ትሕተቅርጺ ዕሽሽ ብምባልን ምህናጽ ኣባይቲ ብምእጋድን ኣዋጣሪ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ፈጢሩ፡ ዋጋታትን ክራይን ኣባይቲ ሰማይ ከም ዚስቀል ገይሩ ክነሱ፣ ወፍሪ ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ትሕተቅርጽን ኣባይት ኣብ ከም በዓል ደቡብ ሱዳንን ኤኳቶርያዊ ጊኒን ዚኣመሰላ ሃገራት ከሳሲ ኣዝዩ ዘስደምም ጽዩፍ ተግባር ኢዩ።
ውድዓዊ ሳዕቤን ናይቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዚኽተሎ፣ መንግስታዊ ቍጽጽሩ ንምጽናዕ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ውልቃዊ ዝንኡ ንምዕባይ ዚዓለመ ሜላታት፡ ውሳኔታት ኰነ ተግባራት፣ ንኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ልምሰት፡ ቍጠባዊ ቍልቍለት፡ ሕብረተሰባዊ ዝርገት፡ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ሸሚሙ፡፡ እቲ ዘካይዶ ክቱር መድቈስትን ዚፈጠሮ ሕሱም ድኽነትን ጃምላዊ ህድማ ናብ ስደት ደሪኹ፡፡ እቲ ስርዓት ዓቢ ተኽእሎ ልምዓት ኣባኺኑ፣ ድሕረት ኰስኲሱ፡፡ እዚ ዅሉ ተደማሚሩ፡ ንርጉእ መጻእን ቀዋሚ ሃገራዊ ረብሓን ኤርትራ ኰነ ነባሪ ሰብኣዊ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህላወኣዊ ስግኣት ኣእትዩ፡፡
ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብዘን ኣብ ስልጣን ዚጸንሓለን ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ናይ ናጽነት፡ ደሞክራስያዊ መዋቕራት ምሕደራን ተግባራዊ ትካላትን ኪሃንጽ፣ ሰሳኒ ልምዓት ከሰላስል፣ ንኣብዝሓ ዜጋታት ኤርትራ ሰብኣዊ ድሕነት ከረጋግጽ ኰነ ራህዋ ከጓናጽፍ ዘይምኽኣሉ፡ ንዅሉ ደላይ ጽቡቕ ኤርትራዊ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ክስተት ኢዩ። ዚዀነ ባዶ ጭርሖ ይዅን ከንቱ ናይ ሓሶት ውዳሰ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ መሬት መወራዘዪ ጸላእትን መስሓቕ ሸራፋትን ኰይኑ ዘሎ ጽልሙት ክዉንነት ኪኽውል ኣይክእልን ኢዩ። ኵሉ ንሃገሩን ህዝቡን ሰናይ ድሌት ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ነዚ መሪር ሓቂ’ዚ ኪኽሕድ ወይ ኪኽውል ኪፍትን ዘይኰነስ፣ ዕረ እናጠዓሞ ኪእመንን ንምቕያሩ ኪቃለስን ይግባእ።