All updates

“ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት 250 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ” CPJ

12/12/2019
“ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት 250 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ” CPJ

ክሳብ 1 ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብደረጃ ዓለም 25 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚቴ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ11 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳሞት ዘለዋ ሃገራት፣ ቻይና፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ቬትናምን ኢራንን ምዃነን ኣስሚርሉ።

ቀዳመይቲ ተሰሪዓ ኣብ ዘላ ቻይና፣ 48 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ክርከቡ እንከለዉ፣ ቱርኪ ብወገና ልዕሊ 100 ናይ ብሕቲ መርበባት ሓበሬታ ድሕሪ ምዕጻዋ፣ 47 ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ብምእሳር ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ጽገናዊ ለውጥታት ምትእትታው ጀሚረ ኣለኹ ኣብ እትብል ዘላ ስዑዲ ዓረብ፣ 26 ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ይርከቡ።

ግብጺ’ውን ካብ ናይ ስዑዱ ዓረብ ዘይውሕድ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ቀዪዳ ከምዘላ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ጠቒሱ።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ከምዘለው ኣምልኪቱ።

ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት፣ ብምእሳር ጋዜጠኛታትን ሕማቕ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ምስ ቀዳማት ኣብ እትስራዕ ኤርትራ፣ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣስታት 15 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከምዘለው ይፍለጥ።

(Original Source: Radio Erena)

____________________

For Reference:

Link to Committee Project Journalists Database of all Imprisoned Journalists (Selection: Eritrea)

____________________

[:swvar:text:838:]