All updates

ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 2ይ ክፋል

12/04/2019
ኤርትራ ናይ መን ትኹን?
ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡
ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን?
2
ይ ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ (ቢርሚንግሃም-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Tadese Kidane (Birmingham - UK)

ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና - ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 2ይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ - ኤርትራ ናትና ናይቶም ብዙሓት ንጹሃን ደቃ እምበር፡ ናይቶም ቀጻልነት ስልጣኖም ክብ ዝተበተነ ህዝብን ድንስቲ ሃገርን ዝጽበዩ ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዘይኮነት ኢየ ከብርህ ፈቲነ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ፡ ስደት ሽግር ከም ዘይፈትሕ፡ ምእላይ መራሒ ናይታ ጭፍራ (ኢሰያስ ኣፎርቂ) እውን፡ ቀዳማይ ዘይስገር መድረኽ ንኽፉት ፖለቲካን ፖለቲካዊ ውደባን ምዃኑ ከብርህ ክፍትን ኢየ። ዝተሎግመ ልሳን ኤርትራዊ፡ ምስ ምእላይ ኢሰያስ ጥራይ ስለ ዝኽፈት። ሰናይ ንባብ።

ኤርትራውያን ኣሕዋተይ!!! ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ኤርትራ ኣሕዋት እምበር፡ ሓወቦታት የብሉን። ኣሓት እምበር ኣሞታት የብሉን። መቓብር ሓወቦታቱን ኣባሓጎታቱን’ውን ኣብ ቴምበን፡ ወሎን ጎንደርን እምበር ኣብ ኤርትራ የለን። ኤርትራዊ ኣይኮነን - ወይ ንስለ ናጽነት ኤርትራ ኣይተቓለሰን እብል የለኹን። ህዝብና እንተጸነተ፡ እንዳና እንተበረሰ ንዕኡ ከም ዘይዓጦ ንምግላጽ ኢየ። ካብ ኤርትራ ዝፈናቐል ቤተ-ሰብ፡ ዝደክን ዝብተንን ዓሌት የብሉን። ነዚ ዝፈለጡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣብቲ ቅዋም ንምጽዳቕ ዝግበር ዝነበረ ክትዕ ፕረዚደንት ኮይኑ ኤርትራ ዝመርሕ ሰብ፡ ብሸነኽ ኣቦኡ ክሳብ 6ወሎድኡ ወደ-ባት ምዃኑ ከነጽር ኣለዎ” ዝብል ርእይቶ ዘቅረቡ ዓበይቲ ሰባት ነይሮም ኢዮም። እዛ ርእይቶ ‘ዚኣ ንዕኡ’ውን ኣብ ቅርሕንቲ ከም ዘእተወቶ ይዝረብ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ርእይቶ፡ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዝተወሳሰበ ሕ/ሰብ ዝቕመጠላ ዓለምና ዘይቅኑዕ መሲሉ ክረአ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ሓንቲ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘየተኣታተወት፡ ዝሰርሕ ቅዋም ዘይብላ፡ መግዛእቲ እምበር መንግስታዊ ኣሰራርሓ ርእያ ዘይትፈልጥ ሓዳስ ሃገር ግን ትሑት ግምት ዝወሃቦ ትዕዝብቲ ኣይነበረን። ነዊሕ ዝኸይድ ናይ ትውልዲ ሓረግ ዝውንን ውልቀ-ሰብ፡ ምሒር እንተ ጨከነ፡ ኣብ ዘመድን ኣዝማድን ክበጽሕ ከሎ፡ ኣብ ዓሌቱን ቤተ-ሰቡን ክበጽሕ ከሎ ዘረባ ዓበይቲ ክሰምዕን ሰኸኽ ክብልን፡ ጭካኔኡን ገበናቱን ደረት ክህልዎን ኢዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቅል እመስለኒ። ኢሰያስ ግን ኣብ ኤርትራ ሰኸኽ ዘብሎ፡ ዝተዘርገሐ ናይ ትውልዲ ሓረግ የብሉን። ንዓና ንኤርትራውያን ግን ሃገርና ገዲፍና ሃጽ ኢልና ከም እንስደድ ይገብረና ኣሎ። እዚ ሕጂ ከም መፍትሒ ግዝያዊ ሽግር ንኸዶ ዘሎና ስደት ግን፡ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ፡ በሰላታቱ ኣብ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ከይተረፈ ዘይሃስስ ስምብራት ክህልዎ ኢዩ። ንሕና ሓሲርና ንደቅና’ውን ሕስርት ነውርሶም ኣሎና።

ኣብዚ ኩነታት’ዚ፡ ብዛዕባ ህሉው ዓለማዊ ኩነታት ስደት ቁሩብ እንተ ተዛረብኩ ጽቡቕ እመስለኒ። ሎሚ ዓለማዊ ኩነታት ተለዊጡ፡ ጸቢብ ሃገራውነትን፡ ናይ መበቆልን መንነት ሕቶን እናዓበየ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢዩ። ምስ ምግፋሕ ቁጠባዊ ፍልልይ ኣብ መንጎ ርኹባትን ድኻታትን ሃገራት፡ ኣብ መራኸቢታት ዘሎ ስሉጥ ተክኖሎጂ ብቕልጡፍ ስለ ዝዓበየ፡ ህዝቢ ብዓለም ደረጃ “ዝሓሸ ኢዩ” ናብ ዝብሎ ቦታን፡ “ዝሓሻ ኢየን” ናብ ዝበለን ሃገራትን ብሚልዮናት ክስደድ ንርእዮ ኣሎና። ተቐበልቲ ሃገራት ከኣ ነቲ ሓድሽ ናይ ስደት ተርእዩ ከም ወራር ኣምበጣ” ክርእየኦን፡ ብማዕዶ ክዓግተኦን ጀሚረን። ሓደስቲ ንዝመጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ነዊሕ ዝተቐመጡ’ውን ከይተረፈ፡ ዝኾነ ምኽንያት እናፈጠራ፡ ብለይቲ ከካብ ገዝኦም እና ኣረያ ብሰላሕ መላሕ ናብ መበቆል ዓዶም ክጥረዙ ጸኒሖም። ንኣብነት ኣብዛ ኣነ ዝነብረላ ዘለኹ ዓዲ-ኣንግሊዝ፡ ነቶም ኣብ 1950ታትን ስሳታትን ካብተን ግዙኣት እንግሊዝ ዝነብራ ሃገራት ብንእስነቶም - ምስ ወለዶም ዝመጹ’ሞ፡ ነዛ ሃገር ከም ዓዶም ወሲዶም ንመዋእሎም ንዝተቐመጡ ሰባት፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ናይዛ ሃገር በጺሑ ደው ክሳብ ዝብል፡ ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይዛ ሃገር፡ ብኣሽሓት - ብስዉር ክጥርዙዎም ጸኒሖም። ጉዳይ ናይቶም ን50 ወይ 60 ዓመታት ዝተቐመጡ ሰባት ኣብኡ’ኳ እንተብቀዐ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ-እንግሊዝ፡ ከም ታርጌት ኣቐሚጡ ንለይቲ 69 ሰባት ክጥርዝ ምጽንሑን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደው ከም ዘበሎን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ብዜና ሰሚዕና። ብዓቢኡ ከኣ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካን፡ ሕቶ ምውጻእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ክልቲኡ ጽልኢ ስደተኛታት ዘስዓቦ ናይ ህዝቢ ቁጥዐ ምዃኑ፡ ብዙሓት ምሁራት ጽሒፎም ኣለዉ።

እቶም ኣቦታቶምን ኣባሓጎቶምን ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ዝመጹ’ሞ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ተወሊዶም፡ ኣብኡ ተማሂሮም ዝዓበዩ መንእሰያት’ውን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ምስ በጽሑ፡ “ማዕረ’ቶም ካብ መባእታ ኣትሒዞም መማህርትና ዝነበሩ ደቂ መሬት (ጸዓዱ) ክንስራዕ ኣይከኣልናን” ክብሉ የማርሩ። ብዙሓት ኣብ ሓሽሽን ስርቅን ክኣትው ከለዉ’’ ገለ ከኣ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ኣብዚ ብ”ዘመናዊ ግብረ ሽበራ” ዝፍለጥ ኣዕናዊ ስራሕ ተዋፊሮም። ሓደ ኣብነት ናይዚ፡ እዚ ብ”እስላማዊ ጥሩፍነት” (Islamic Radicalism) ዝፍለጥ ግብረ-ሽበራ ኢዩ። እቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝዓበዩ መንእሰያት ኣመንቲ ምስልምና፡ ከም መርኣያ ቅብጸትን ተስፋ ምቑራጽን፡ ኣብተን ብ”ኣልቃዒዳ” ዝፍለጣ ውድባት ክዓስሉን፡ ነቶም ንኣቦታቶም ዑቕባ ዝሃቡ ጸዕዱ “ኣብ ዓድኹም ማዕረኩም ክንከውን እንተ ዘይክኢልና፡ መሬትናን ሓመድናን ኣትይረግጹን ኢኹም” ዝዓይነቱ ዝመስል፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣዕራብ ክሃድንዎም ተዓዚብና። ነዚ ንምግባር “ብሓባር ክጠምረና ይኽእል ኢዩ” ኢሎም ዘቐመጥዎ ሰን-ሓሳብ ከኣ ንሃይማኖት ምስልምና ኢዩ። በዚ ከኣ ኢዮም ብዙሓት ምሁራት ምዕራብ፡ ነቲ ጥሩፍ ምንቅስቓስ “Radicalisation of Islam” ዝበልዎ። ቃል ንቓሉ ምስልምና ዘይኮነ፡ እቶም ዝተማህሩ ውልቀ-ሰባት ኢዮም ነቲ ሃይማኖት ናብ ጥሩፍነት ዝቕይርዎ ወይ ከም መፍደዪ ሕነ ቅብጸቶም ዝጥቀምሉ ዘለዉ ማለት ኢዩ። ብሓቂ’ውን ኩሎም እዞም ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዓብዮም ንጥሩፍነት ዘሰወዱ መንእሰያት፡ ኣብ ባሕሪ ናይቲ ምዕራባዊ ሊበራላዊ ዓለም ዝህቦ ጸጋታት ዝዓበዩ፡ ነቲ ሃይማኖት ብዕምቖት ዘይፈልጥዎ፡ ካብ ቅዱስ ቁርዓን ዘድልዮም ጥቕስታት በቦጥቊሎም፡ ብስም ምስልምና ቅርሕንቶም ንምውጻእ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ኢዩ። ሕሉፍ ሃሊፎም፡ ካብ ክቱር ጽልኢ ምዕራባዊ ስልጣኔ፡ ነቲ ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ኢራቕን ሶርያን ዝጸንሐ ዓበይቲ ሃገራውን ዓለማውን ቅርስታት ኣዕኒዮም፡ ናይ ባዕሎም ሕልማዊ እስላማዊ ስርዓት ክተኽሉ ዘይፈተኑ ኣይኮኑን። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን ክዋግኡ ዝጸንሑ ከኣ፡ ስደት ኣባሓጎታቶም ዘይጠቐሞም፡ እኳ ድኣ ተመሊሶም ናብ ዕንወትን ጥሩፍነትን ዝኣተዉ ኢዮም። እዚ መብዛሕትና ከም መፍትሒ ግዝያዊ ሽግር እንወስዶ ዘሎና ስደት እምበኣር፡ ንወለዶታት ዝኸይድ ክንሰግሮ ዘይንኽእል ጸገም ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ይግባእ። በዚ ከኣ ኢየ ስደተኛታት” እናተባሃልና ካብ ንነብር፡ ኣብ ዓድና ሽግርና ፈቲሕና ደቂ መሬት ኮይንና ንንበር ዝብል ዘለኹ።

ኤርትራውያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን!!! ኣንቱም ገና ናብ ስደት ተቋምቱ ዘለኹም መንእሰያት ሃገረይ!!! ንሕና - እቶም ትማሊ ብዕጽፍጻፍ ንዝዓብየና ሰራዊት ዝሰዓርና ህዝቢ፡ እቶም ንሞት ዘይንፈርሕ፡ ሓቦን ጽንዓትን፡ ሕውነትን ለውሃትን ዝመለለይና ህዝቢ፡ ሎሚ ብኣጻብዕ ብዝቁጸሩ ገበነኛታት ክንጸንት ግቡእ ድዩ? ንዕኦም ኣሊና፡ ሃገርና ዓዲ ሕግን መሰልን እንተ ገይርናያ፡ ንጹር ናይ ወፍሪ ሕግታት ሓንጺጽና፡ ኤርትራውያን ባዕልናን ብሽርክነትን፡ ኣብ ወፍርን ንግድን፡ ኣብ ዘመናዊ ሕርሻን ቱሪዝምን እንተ ተዋፊርና፡ ክንስደድ ዘይኮናስ፡ ኤርትራና - ካልኦት ጉልበቶም ንኽሸጡ ተሰዲዶም ዝመጹዋ ሃገር ክንገብራ ዓቕሚ ኣሎንና። ሃገርና ሃብታም ኢያ። ኣቀማምጣኣ፡ ጥዑም ኣየራ፡ ከም ማግኔት ንሓጺን፡ ገንዘብ ኢዩ ዝስሕብ። ሃገርና ብሰሜንን ምብራቕን ምስቲ ዓቃባዊ ዓረባዊ ባህሊ ዘለዎም ኣህዛብ ኢያ ትዳወብ። ብደቡብን ምዕራብን ከኣ ምስቲ ሊበራላዊ ኣፍሪቃዊ ባህሊ ዝውንን ኣፍሪቃዊ ህዝቢ። ኣብቲ ካብ ቃሩራ ክሳብ ራስ ዱመራ ዝዝርጋሕ ነዊሕን ጽሩይን ገማግም ባሕርና፡ ዓበይቲ ሆቴላት ሰሪሕና፡ ነዚ ክልቲኡ ኣህዛብን ክልቲኡ ባህልን ከነራኽቦን፡ ነቲ ኣብ ዓዓዱ ዝተነፍጎ ኣብኡ ክንቅርበሉን፡ ብሰላም መጺኡ ብሰላምን ተሓጒሱን ዓዱ ከም ዝምለስ ክንገብሮ እንተ ኺኢልና፡ ካብ ባሕርና ገንዘብ ክንሓልብ ኢና። ንዘለዉና ወሓይዝ ዓጺና፡ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ስጋን እንቋቁሖን፡ መዓርን ጠስምን ቀሪብና ኣጋይሽና ክንዕንግል እንተ ኪኢልና፡ ባዕልና ክንሰርሕ ዘይኮነስ፡ ሰባት እናኣስራሓና እንነብረሉ ኩነታት ክንፈጥር ዓቅምን ሃብትን ኣሎንና። መሬትና ዘይተመዝመዘ ድንግል፡ ምስ ብዝሒ ህዝብና ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ገፊሕ ኢዩ። ንሕርሻን መፍረ እንስሳን ኣዝዩ ምቹእ ኢዩ። ወሊድና ዘዕበናዮም ቆልዑ ዘይኮኑ፡ ዘፍረናዮ ምህርቲ ኢዩ ንሰደድ ክኸይድ ዝግባእ። ነዚ ኩሉ ግን ነቶም ዝቐትሉን ሰብ ዘሳጉጉን ገበነኛታት ተመሊስና ክንኣስሮም እንተኺኢልና ጥራይ ኢዩ። ነዚ ክንገብር ከኣ ዓቕሚ ኣሎንና። ነቲ ንኽንስደድ ንኸፍሎ ዘሎና ህይወት፡ ንዕኦም ኣብ ምእላይ ንጠቐመሉ። ነቲ ዘይንፈርሖ ሞት፡ ናብ ስደት ናይ ዓዲ ጓና ዘይኮነ፡ ምእንቲ ክብረት ገዛእ ርእስናን ክብሪ ህዝብናን ንኽፈሎ።

ነቶም ሃገርናን ህዝብናን ዝብትኑ ዘለዉ ውሑዳት ጓሓሉ ንምእላይ ከኣ፡ ታንክን ሰራዊትን ኣኽቲትና ዘዋግእ የብልናን። ካብ መራሒኦም ጀሚርካ ነቶም ሓደ ክልተ ሰባት እንተ ተሳሂልናዮም፡ እቶም ዝተረፉ ክሃድሙን ባዕሎም ክብተትኑን ኢዮም። ነዚ ንምግባር ውልቃዊ ተበግሶ ዜጋታት ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ብረት ዓጢቖም ኣብ ሓለዋ ኢሰያስ ተዋፊሮም ዘለዉ መንእሰያትና ዝቐለለ ኢዩ። ድርዕን ሓለውቲ ማዕጾን ናይቲ ውልቀ መላኺ ንሳቶም ስለ ዝኾኑ። ኣብቲ ብዕለት 04 መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ንዘረባን ለበዋን ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ደጊመ ዝጸሓፍኩዎ መልእኽቲ’ውን ነዚ ኢየ ደጊመ። ዓሚ ብምኽንያት 20 ሰነ 2018 ዓ.ም፡ ንመስዋእቲ ውፍይቲ ተጋዳሊት በለጸት መሓሪ ጠቂሰ ኣብ ዝጸሓፍኩዎ መልእኽቲ’ውን ብውልቂ ተበግሶ ዝወስድ ሰብ የድሊ ኣሎ” ክብል ኢየ ጽሒፈ።

ናይ ህግደፍ ናይ ዋህዮታትን - ብውሽጣዊ ሰልፊ ዝፍለጥ ሕቡእ ናይ ስለያ መሓውራትን ንፖለቲካዊ ውዳቤ ዓንቃጺ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ጥር ትብል ሰልዲ ኤርትራ፡ ኣብ ጁባ ውልቀ-ሰብ ስለ ትኣቱ፡ ነዚ ዝተቖጻጸረ ውልቀ-መላኺ ከኣ ደስ ንዝበሎ ሰብ ብስውር ከዕስብን ክገዝእን፡ ኣብ ውሽጢ’ተን ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻባት ሕቡኣን ዋህዮታት ክውድብን ዕድል ስለ ዝረኸበ ተቃውሞና ከድምዕ ኣይጸንሐን። እቲ ቀደም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተኣታተወ ዋህዯኣዊ ኣሰራርሓን - ኣወድድባ ሕብእቲ ሰልፍን፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ውድብ ንዝተላዕሉ ናይ ምእራም ምንቅስቓሳት ዝቖጸየ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝበተነ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝተበገሱ ፖለቲካዊ ውዳቤታት ዘምከነ፡ ሕጂ’ውን እቲ ምሉእ ሃብቲ ሃገር ዝተቆጻጸረ ኢሰያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብንጥፈት ዝሰርሓሉ ዘሎ ሜኣ ኢዩ። ካልእ ልቢ ከም ዘለዎ ከይፈለጥካ፡ “ናይ ዕላማ ብጻየይ ኢዩ” ኢልካ፡ ኣሚንካን ናይ ልብኻ ዝነገርካዮን ሰብ፡ ኣሕሊፉ ዝህበካ እንተኾይኑ ድኣ’ሞ ከመይ ገይርካ ኢዩ ክስራሕ!!! ተቓውሞ ክመርሑ ዝወከልካዮም ሰባት ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ“ ዝዓይነቱ ምኽንያት እናሃቡ፡ ኣብ ዕንክሊል ዝነብሩ እንተኾይኖም’ካብተን ብለይቲ ዝእከባ ዋህዮታት ህግደፍ ነጻ ምዃኖም ብምንታይ ተረጋግጽ። እቲ ዝገደደ ከኣ፡ ንስኻ ብዘይትፈልጦ ምኽንያት ተኣሲርካ፡ ጉዳይካ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ከሳሲኻ ምስክር ኮይኑ ስለ ዘይቀርብ፡ እቲ ሚስጢርካ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ዋላ ተኣሲርካ ከለኻ፡ ክልተ ልቢ ሒዙ፡ ዓርክኻን መኻፍልቲ ሚስጢርካን ኮይኑ ዝቕጽል ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ምሉእ ዘመነ ስልጣን ኢሰያስ፡ ክሱስ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ - ክሱን ከሰስቱን ከይፈለጠ ዝጠፍኣሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ኢዩ። እቶም ብስዉር፡ ኣጸንትዮም ኣብ ጥፍኣትካ ዝተዋፈሩ ሰባት ከኣ ኢዮም፡ ኣብ ቅድሚ ስድራኻን ቤተ ሰብካን ቀሪቦም ሓለይትን ተደናገጽትን ኮይኖም ዝቕጽሉ። ፖለቲካዊ ውዳቤና ክዕወት ዘይከኣለሉ ምኽንያት’ውን ንሱ ኢዩ። እዚ ኩነታትዚ ከኣ ኢዩ፡ ንተባዕ ተበግሶ ውልቀ-ሰባት ኣገዳሲ ዝገብሮ።

ኣንቱም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓዲ ዓረብን ኣብ ሃገራት ምዕራብን ዘለኹም ሃብታማት ሰብ ገንዘብ፡ እንተስ ብኽቱር ፍርሒ፡ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ቦዂርኩም ኣለኹም። ገሌኹም’ውን ምስ ህግደፍ ትመጻደቁን፡ ኣብ ብርሰት ሃገርኩምን ምጽናት ህዝብኹምን ተዋሳእቲን ኢኹም። ሎሚ እጃምኩም እተበርክትሉ እዋን ኢዩ። ህግደፍ ንኹሉ ፖለቲካዊ ውዳቤታት ዝብትን ዘሎ፡ ገንዘብ ስለ ዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቶም ኣብ ፈቀዶ ሃገራት በብውልቂ፡ ብመሾንጎጓ ምስ ህግደፍ ንቆራቖስ ዘሎና ኣሕዋትኩም፡ ኮፍ ኢልና ክንዝቲ ካብ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት ሓደ፡ ዋሕዲ ገንዘብ ኢዩ። ሰሚናራት ክንውድብ፡ ኣዳራሻት ክንካረ፡ ገንዘብ የድልየና ኢዩ። ንናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ብሚድያ ክብድሁ፡ ራድዮን ተለቪዥንን ዝጥቀሙ ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን’ውን ገንዘብ የድልዮም ኢዩ። መብዛሕትኡ ከኣ ካብቲ ልዑል ወኒ ዘለዎ፡ ብትሑት ኣታዊታት ዝነብር ኤርትራዊ ኢዩ ክምወል ጸኒሑ። ሕጂ ግን በቲ ዝጥዕም መንገዲ፡ ንፖለቲካዊ ተቃውሞ ዝውዕል ገንዘብ ምስላዕ ከድልየኩም ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኤርትራውያን ንዘመናት ተሰዲድና። ካብ ስደት ግን ክብረትና ኣጥፊእናን ሓሲርናን እምበር፡ ዘምጻእናዮ ፍታሕ የለን። ምድሪ-ቤትና ኣሾኽ ምስ ተዘርኦ’ውን ሃዲምና። ኣብ ምህዳምና፡ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ክንሰግር ክንብል ተቐቲልናን ሓሲርናን ተዋሪድናን እምበር፡ ጸገምና ብህድማ ኣይተፈትሐን። ተኹላ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ፡ ደቕኻ ክቐትልን ክብትኖምን እንተጀሚሩ፡ ንግዜኡ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ትግደድ ትኸውን። ተመሊስካ፡ ኣጸንቲኻን ኣጽኒዕካን ነቲ ተኹላ ቀቲልካ ገዛኻ ትምለስን፡ ዝተበላሸወ ጋዕ-ገልጠም ተጽርን እምበር፡ ገዛኻ ገዲፍካ ንሓዋሩ ኣይጥፋእን ኢዩ። እቲ ዓንደ-ገመል ዝተኸልካሉ፡ ገንዘብካ ጫሕ ኣቢልካ ኣቑሑ ገዛ ዝመላእካዩ፡ ዝተወለድካሉን ዝተዋለድካሉን ገዛ፡ ናትካ እምበር ናይቲ ዓማጽን ቀታልን ተኹላ ስለ ዘይኮነ። እሞ - ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን፡ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ኣብ ገዛና ተኾይጡ ዝቐትለናን፡ ዘሳጉጎናን ዘብርሰናን ዘሎ ተኹላ፡ ካብ ገዛና ኣባሪርና፡ ገዛና ንምለሰሉ እዋን ሕጂ ኢዩ። ዓዓቕምና ንግብር፡ ጸጸርና ንደርቢ።

ነቶም ብረት ዓጢቖም ዘለዉ ኤርትራውያን እውን ዝብሎ ኣሎኒ። ኣንቱም ብረት ዓጢቕኩም ነቲ ተኹላ ትሕልዉ ዘለኹም ኣሕዋትናን ደቅናን፡ ንሕና እምበር ንሱ ናትኩም ኣይኮነን። ንዓኹም’ውን ኣይክገድፈኩምን ኢዩ። ኣፈ-ሙዝ ብረትኩም፡ ኣብ ክንዲ ናባና - ናብ ኣሕዋትኩም፡ ናብኡ ናብቲ እንዳኹም ዘብረሰ፡ ህዝብኹም ዝቐተለ፡ በይንኹም ዘትረፈኩም ናይ ብሓቂ ኣባይኩም ኣቕንዕዎ። ኣንታ ብረት ሒዝካ፡ ካብ ደቅኻን ወለድኻን ተፈሊኻ፡ ብዘይ ግቡእ ዕረፍቲ ኣብ ፈቐዶ በረኻታትን ባሕሪ ኤርትራን ከርተት ትብል ዘለኻ ኤርትራዊ ወታደር!!! ኣብ ጥቓ ኢሰያስ ክትቀርብ ዕድል ከም ዘይብልካ ንፈልጥ ኢና። ነታ ህይወት ከፊልካ ክትዕቅባ ከርተት ትብለላ ዘለኻ ሃገር ዘብርሱ ኢሰያስን ጉጅልኡን ኢዮም። ብፍቓድ ኢሰያስ ኮነ ብኻልእ፡ ናብ ባሕርን ምድርን ኤርትራ ተንከስ ዝብል ዘይ ኤርትራዊ ወታደር ከም ዘይህሉ ምግባር ግን ስራሕካ ኢዩ

ኣንቱም ንመንግስታዊ ትእዛዝ ከም ዘለዎ ተተግብሩን መንእሰያት ደቅኹም ተጋፍዑን ዘለኹም ላዕለዎትን ታሕተዎትን መኮነናት ኤርትራ፡ ስራሕኩም ልዑላውነት ሃገር ምኽባር ኢዩ። ኩሉ’ቲ ሃገር ክከላኸል ዝግብኦ መንእሰይ ገዲፉኩም ይኸይድ ኣሎ። ንመን ሒዝኩም ድኣ ኢኹም ሃገር ክትሕልዉ? ስራሕ ወታደር ትእዛዝ መንግስቲ ምፍጻም እኳ እንተኾነ፡ መራሕ መንግስቲ ባዕሉ፡ ጀጋኑ ዝኣስር - ዝቐትል፡ ህዝቢ ዝብትን ዘሳጉግ፡ ብዓቢኡ ከኣ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ እንተ ኾይኑ ከኣ፡ ትእዛዛቱ ምፍጻም ማለት፡ እናፈለጥካ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሃገርካን ገበን ምፍጻም ማለት ኢዩ። ቀዳሞት ጸላእትኹም እምበኣር፡ እቶም ብሕቖ ዝሃርሙ፡ ብቓጻ ዝጨውዩ ኢሰያስን ጉጅልኡን ኢዮም። ንዕኦም ጉሒፍኩም ድልዱል ሃገራዊ ሰራዊት ክትሃንጹ ዘለኩም ምቹእ ዕድል ሕጂ ኢዩ’ሞ ተጠቐምሉ።

ኣንቱም ኣብ ስለያን ጸጥታን ትነጥፉ ተራን መኮነናትን ኤርትራ፡ ነቲ ሃገር ዘዕኑ፡ ህዝቢ ዝርምስ ዘሎ ገበነኛ ምዕቃብ፡ ወይ ኣብ መቕተሊ ቦታ ከም ዝኣቱ ምግባር ስራሕኩም ኢዩ። እነሆ ከኣ ምስ ህዝብኹም እትውግኑሉን ንሃገርኩም ትሰርሕሉን እዋን በጺሑ ኣሎ።

ሰርዊት ምክልኻል ኤርትራ ብሓፈሻ!!! ምክልኻል ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ኢዩ ዝግባእ። መሰልን ግቡእን ነብሲ ወከፍ ወታደር ኮነ መኮነን ብሕጊ ክንጸር ኢዩ ዘለዎ። ብኣንጻሩ ኢሰያስ ዝበሃል ሰብ፡ እንተ ደልዩ ከዋጋኣኩም፡ ደስ እንተ ኢሉዎ ክዓርቀኩም ስለምንታይ ዕድል ዝወሃቦ? ሰብ ብባህሪኡ ክቡር ኢዩ። ንስኻትኩም’ውን ሰባት ኢኹም እሞ፡ ንሕጊ እምበር ንውልቀ-ሰብ ክትእዘዙ ክሳብ መዓስ?

ኣንቱም ትማሊ ብዕንጸይትን ፋይቨርን ብዝተሰርሓ ጀላቡ፡ ዘመናዊ ሚሳይላት ንዝዓጠቓ ዓበይቲ መራኽብ ኲናት ዝሰዓርኩም ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣለኹም’ዶ? ብሓቂ ድዩ እቲ ዝሰዓርኩሞ ሓይሊ ባሕሪ ተሞኽሊዩ ብሕጓ ክምለስ?

ኣንቱም ትማሊ ናደው ዝኾለስኩም፡ ፈንቅል ዝፈንቀልኩም፡ ኣብ ኣስመራ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ዝማረኽኩም፡ ጸላእትኹም ስዒርኩም ሃገርኩም ነጻ ዝገበርኩም ብጾት - ኣለኹም’ዶ? ካን ድዩ ህዝብና በሪሱ፡ ሃገርና ብዋዛ ፈዛዛ ክትጠፍእ!!!!

ኣንቱም ኣብ ዓዲ-ዃላ (ክሳድ ዓዲ በጊዖ) ጸላእትኹም ከም ስጋ በጊዕ ዝጎዛዘኹም ሓርበኛታት፡ የለኹምን ድኹም!!! ኣንቱም ፍቓድ ሓለፍትኹም ከይተጸበኹም ምሳይ ዝምክት ኣብዚኣ ደው ይበል!!! ጸላኢ ንዓና ቀቲሉ፡ ረሳና ረጊጹ ይሕለፍ። ብህይወት ከሎና ግን ዘበት” ኢልኩም፡ ኣብ ክሳድ ዓቐብ ተሪኻ ዓጊትኩም ሬሳታቱ ከም ንዳእቲ ጸፍጺፍኩም ታሪኽ ዝሰራሕኩም ጀጋኑ ኣበይ ኣለኹም? ክሳራታቱ ምጽዋር ዝሰኣነ ጸላኢ፡ ኣባይትን ትካላትን ከዕኑ፡ ኣረጋውያንን ቆልዓ ሰበይትን ክቐትል ኣይነፍቅድን ዝበልኩም ሓርበኛታት፡ ባዕዲ - ባዕዲ ኢዩ’ሞ ከይትደናገሩ።

ኢሰያስ መህደሚ ትኾኖ ሀሊኮፕተር ቀሪቡ፡ ንሓለፍትኹም ክሓድሙ፡ ንስኹም ክተዝልቑ ዝኣዘዘ ከዳዕ መራሒ ኣይፋልናን፡ ኣብዚኣ ንመውት እምበር፡ ወደብናስ ኣይነድፍርን” ኢልኩም፡ ብናይ ገዛእ ርእስኹም ተወፋይነት ዓሰብ ዘድሓንኩም ኣባላት ምክልኻል ኤርትራ፡ እታ ትማሊ ህይወት ከፊልኩም ዘድሓንኩማ ወደብሲ መጻወቲ ጓኖት ኮይና? ብሓቂ ድዩ እቲ ትማኪ ብሓይሊ ዘይሰለጦ ሰራዊት፡ ንኢሰያስ ሽሒጡ፡ ስልጣን ኣብርሃም ወዱ ውሑስ ክገብረሉ ቃል ኣትዩ ናብ ባሕርና ክምለስ!!!

ሓይልታት ምክልኻል ብጠቕላላ! ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ኮይና ከም ትነብር ምግባር ስራሕካዩ። ካብ ደገ ይበገስ ካብ ውሽጢ ንኤርትራዊ ሃገራውነት ዝጻረር፡ ንናይ ሃገርና ልዑላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ሓይሊ ናትካ ኣይኮነን። ክለግስ ጥራይ ከኣ ኢዩ ዘለዎ። መንእሰያት ዕቑር ሓይሊ ምክልኻል ኢዮም። መንእሰያት ዝሃድሙዋ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያታ እተባጩ ሃገር፡ ዝከላኸለላ ሓይሊ ክህልዋ ዘይሕሰብ ኢዩ። ኣንቱም ትማሊ ደም ከፊልኩም ሃገር ዘውሓስኩም ኣባላትን ሓለፍትን ምክልኻል፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ድሕነት ሃገር ኣብ ኢድኩም ኢዩ ዘሎ። ነቶም ትማሊ ስንኩላን ዝቐዘፉ፡ ንዓበይቲ ሃገራውያን መራሕትና፡ ብሓሶት ብኽድዓት ከሲሶም ናብ ጎዳጉዲ ዝደርበዩ፡ ንኤርትራና ዝደነሱ፡ ንህዝብና ዝበተኑ ሰብ ገበን - ከዳዓትን ተምበርከኽትን ንሳቶም ምንባሮም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ነጺሩ ኣሎ። እሞ ኤርትራ ሃገርና ናይ መን ትኹን? ናይ ህዝባ’ናይቶም ከድዓት? መልሲ ካባኹም ካብቶም ብረት ተሓንጊጥኩም ዘለኩም ኣባላት ምክልኻል፡ ካባኹም ካብቶም ዋልታ ሃገር ንጽበዮ ኣሎና። ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ክብሩን ክብሪ ሃገሩን ክመልስ ንለውጢ ክዓስል ይግባእ።

ታደሰ ኪዳነ
ካብ ከተማ በርሚንግሃም (ዓባይ ብሪጣንያ)
09/04/2019