All updates

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳርምሽታትን ከባቢኡን ጥርኑፍ ባይቶ ኣቚሞም

08/03/2019
ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳርምሽታትን ከባቢኡን ጥርኑፍ ባይቶ ኣቚሞም

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምምራጽ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ስዒቡ ዝተራእየ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ምቕባልን፣ ናይ ሰላም ኣዋጅ ምቅልሑን ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዓብዪ ተስፋን ምልክት ሰናይ ጉርብትናን ምፍጣሩ ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ሰላምን ርግኣትን ሰናይ ጉርብትናን ከምዝረብሕ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ። ከድምይዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እውን ስርዓታት እምበር፡ብህዝቢ ዝተላዕለ ውግእ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ብናይ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ሰላም ኣዋጅ ዘይተሓጎሰ ኣይነበረን፡ ክስተት መንገዲ ፍትሕን ዲሞክራስን ክኸውን እውን ትጽቢት ነይሩ።

ይኹን እምበር፣ ካብ ናይ ሰላም ኣዋጅ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦን ብርሑቕ ኮነ ብቐረባ ሓበሬታኦም ዘይብሉ ስምምዓት፡ ንልኡላውነት ሃገርናን መንነታዊ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኻዊ ቃልስታቱን ዝግህስ ጉዕዞን ወስታታትን ኣብ ዝራኣየሉ ግዜ በጺሕና ምህላውና ዝያዳ ስግኣታት ፈጢሩ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ምስ ዝሓለፈ ተመኩሮ ጥልመታት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ.ን ናይ ሎሚ ዘይግሉጽ ኣከያይዳኡን ድማ ኤርትራዊ ኲነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍኤ ይኸይድ ምህላዉ ዝተገንዘቡ፡ ኣብ ወጻእ-ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ፡ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ብዝተፈላለየ መልክዓት ብጥርኑፍ ኮነ ብተናጸል ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ሓደ ካብኡ ድማ እቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳርምሽታት ዝተበገሰ ናይ ምጥርናፍ ተበግሶ፣ ብዕለት 03 መጋቢት 2019 አብ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባኡ ብወግዒ ተልእኾኡን ዕላምኡን ኣነጺሩ። ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢን ብዝብል ስም ዝቆመ በርጌሳዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ጀማሪ ጉባኤኡ እዚ ባይቶ ተሳተፍቲ
  1. ብህጹጽ ቅዋም ኤርትራ ክእወጅን ክትግበርን
  2. ናይ ዶብ ኮምሽን ቆይሙ ምኽላል ዶብ ክጅምር
  3. ፖለቲካውያን እሱራት ክፍትሑ
  4. ካብ ወጻእን ውሽጢ ሃገርን ናይ መላእ ህዝቢ ውክልና ዘሎዎ ግዝያዊ መንግስቲ ክቐውም፡
  5. ብቅዋም ኤርትራ ዝተቐየደ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል „ህዝቢ ዘይፈልጦ“ ምፍርራም ኣህጉራዊ ውዑላት ደው
  6. ክብል
  7. ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ብህዝባዊ ምርጫ ክትከል
ዝብሉ ጠለባት ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ክዕጠቁን ብዕቱብ ክነጥፉን ከምዘለዎም ዘትዩ። ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ዘዕቆበት ሃገር ብምርግጋጽ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ክሰፍን ምግባር፡ መድረኻዊ ቃልስና ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ኮይኑ፡ ንምልካዊ ስርዓት ብፍትሓዊ፡ ቅዋማውን ህዝባውን ስርዓት ንምትካእ እዩ። ኩሎም ዜጋታት ብዘይገለ ተጽዕኖን ደረትን ኣብ ፖለቲካዊ ሂይወት ሃገሮም ክሳተፉን ተሓታትነቶም ንህዝቢ ዝኾነ መንግስታዊ ትካላት ኬቁሙ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን ኣብ ትሕቲ ዚብል ተልእኾ፣ ንኹሎም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ጠርኒፉ ሃገራዊ ክብሪ ንምርግጋጽን ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ንምዕቃብን ዝቆመ ባይቶ እዩ።
ዕላማ ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢን፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ብቅዋም ዝምእዘዝ: ፍትሓዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ-መንግስቲ ብምትካል፡ ንዅሉ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብናን ተቐማጦኣን ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ብሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኣሚኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጎይታ ህይወቱን ሃገሩን ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ መሰል ምውዳብን፡ ምዝራብን፡ ምጽሓፍን፡ ከምኡ‘ውን መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ንክኽበርን ንኸይገሃስን፡ ማዕረነት ናይ ኩሎም ዜጋታት ንምርግጋጽ ኣውራጃዊ፡ ብሔራዊ፡
ጾታዊ ይኹን ዓሌታዊ ኣድልዎን ጽቕጠትን ንኽእለን ንኸይህሉን፡ መሰል ምቛም ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ንኽህሉን ንከይገሃስን ካልእ ንመሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዘካተተ ነጥብታትን ንኽቃለሰ ዝቆመ ባይቶ እዩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ዕለት 03.03.2019 ውዕሎኦም፡ ኣብ’ዞም ዝተጠቕሱ መለለይታት መሰረት ዝገበረ ሰፊሕን ኣገዳስን ልዝብ ኣካይዶም። ብተግባር ንምስናዩን ንዝሰፍሐ ጥርናፈ ክጽዕቱ ምዃኖምን ከኣ ኣረጋጊጾም። እቲ ልዝብ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኲነታት ኢድካን ኣግርኻን ኣጣሚርካ ንኽትጽበዮ ግዜ ዘይህብ ናይ ኣፈ’ርክቡ ጉዳይ ምዃኑ ብምንዛብ፡ ምጽንቓቕ ዝጸንሐ ተስፋታት ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወን፡ ኩሎም እቶም ንስርዓተ-ምልኪ ንምእላይ ክፍጸሙ ዝግብኦም ዕማማት
ንኽትግበሩ፣ ንሁር ናይ ቃልሲ መንፈስ መንእሰያት ዘመልከተ እዩ ነይሩ።