ኣገዳስነት ህዝቢ ኣብ ምውሓስ ቀጻልነትን ህልውናን ሃገር
ሃገር ክንብል እንከላና ኣብ ሓደ ክልሉ ዝተወሰነ ዶባቱ ብህዝብታትን መንግስታትን ዓለም ቅቡልን ፍሉጥን ዝኾነ ብናጻ ድሌትን ባህግን ናይቲ ኣብቲ መሬት ዝነብር ህዝቢ ዝቐውም ዋኒን ኢዩ።
ቀጻልነትን ህልውናን ናይዚ ዋኒን ድማ ኣብ ህዝቢ ኢዩ ዝውሰን። መኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኢዩ ሃገር ክኸውን ብህዝብታትን መንግስታትን ዓለም ተቐባልነት ንኽረክብ ብድምጹ ዘረጋግጽ።
ኮይና ግና ንዓለም ኩላ ዝገዝእን ዘመሓድርን መንግስቲ ክሳብ ዘየለ፣ ህዝብታት ኣብዛ ብሓይልኻ ህላውነትካ ከተረጋግጽ እትሓተካ ስፍራ ቀጻሊ ንረብሓን ቀጻልነትን ጸጥታን ብዝብሉ ምስምሳት ኣብ ጉንጺ ዝኣትዉ። ሓቂ ኢዩ ሃገራት ሽግራተን ንምፍታሕ ኣብ ንግድን ውፍርን ጸጥታን ሓባራዊ ዕብየትን ዘተኮሩ ስምምዓት ይኽትማ ወይ ውን ስምምዕ ይገብራ ኢዩን። እዚ ግና ኩሉ ጊዜ ኣብ ዘይትምትእምማን ዝተመርኮሰ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ መኽንያት ድማ ሓንቲ ሃገር ብጎረቤታ ዝኾነት ሃገር ክትብለጽን ክትዕብለልን ስለትኽእል ኣብ ፍርሒ ኢያ ትነብር።
እምበኣር ቀጻልነትካ መታን ከትወሕስ ግድነት ሓይሊ ክህልወካ ኣለዎ። ሓይሊ (relative power) ክንብል እንከለና፣ ገዝእ ነፍስኻ ክትክላኸልን ረባሕታትካ ኣብ ምዕቃብን ቀጻልነትካ ኣብ ምውሓስን ካብኡ ሓልፉ ድማ ኣብ ጎደበኻ ጽልዋኻ ከተንጻባርቕ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ነዚ ዓቅሚ እዚ ንኽትድልብ ድማ ብዙሓት ረቛሒታት ከተማልኣ ኣለካ። ቆጠባዊ ዓቅምኻ ክዓቢ ኣለዎ፣ ወተሃደርዊ ሓይሊ ክህልወካ ኣለዎ። ነዘን ዝጥቐስናየን ነጥብታት ክውን ዝገብር ድማ እቲ ከም ሃገር ክስመን ክፍለጥን ዝሓተት ህዝቢ ኢዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ድኻን ብቁጽሪ ድማ ውሑድን ብዘፍርህ ፍጥነት እንዳ ኣንቆልቈለ ምስ ዝኸይድን ግና ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ጽልዋታት ይትረፍ ከተግብሮም ቀጻልነቱን ህልውናኡን ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዝኣቱ።
ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝቢ
ብምንቁልቋል ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዝሳቀያ ዘለዋ ሃገር ቀንዲ እተን ብቆጠባ ዝሰልጠና ሃገራት ምዕራብን ጃፓንን ኮርያን ምጥቃስ ይከኣል። ጠንቂ ምንቁልቋል ህዝበን ምስ ባህልን ቀጠባውን ፋይናሳውን ጸገማት ዝተሓሓዝ ኢዩ። ነዚ ጸግም ንምፍታሕ ድማ ብዙሑ ኣገባባት ይጥቀሙ፣ ገለ ካቡኡ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝውትር ኮይኑ ዝጸነሕ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሓጺር እዋን ሓያል ተቃውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ ናይ ስደኛታት ኢዩ። ማለት ዋሕዲ ህዝበን ብዋሕዚ ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ስደተኛትታ ምትካእ። ቆጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽን ቀጻልነቱ ምውሓስን ተክኖሎጂካዊ መሳሪሕታት ምትእትታው ይርከቦም።
ብኣንጻር ናይዚ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርአ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ድኻታት ሃገራት ድማ ብምውሳኽ ብብዝሒ ህዝቢ ይፍለጣ። ኣብ ዝምጽእ ሒደት ዓምታት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃን ድኻታት ሃገርትን ብዕጽፊ ናይ ምውሳኽ ተኽእሎትታ ከምዘሎ ሓያሎ ትካላት መጽናዕቲ ይንበያ ኣለዋ።
ሃገርና ኤርትራ`ኸ?
ከም በዓል ኤርትራ ሃገርና ዝኾነ ሃገራት ድማ ብምንቋልቋል ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዝሳቀያ ዘልዋ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኢያ። ቀንዲ ምንቋልቋል ህዝቢ ኤርትራ ዓሚቅ መጽናዕቲ ዝድለዮ እኳ እንተ`ኾነ ገለ መሰረታውያን ጠንቅታት ግና ክተቅስ ክፍትን ኢየ።
ቀደማይ፡
ጠንቂ ምንቁልቋል ሕዝቢ ኣብ ኤርትራ ስደት ኣፍራይን ፈራይን ዝኾነ ኣካል ሕብረተሰብ ኢይ። እዚ ክፋል ሕብረተሰብ እዚ ብቐሊሉ ዘይትካእ ንህልውናን ቀጻልነትን ሃገር ቀንዲ መሰረት ኮርንዓ ዝኾነ መንእሰይ ዜጋ ካብታ ሃገር ብጁምላ ወይ እኩብ ይስደድ ምህላዉ ኢዩ። ብተወሳኺ ደቆምን ምጻምዶምን ንኣሽቱ የሕዋቶምን ኣሓቶምን ካብታ ሃገር ብኣዚዩ ልዕሉ ቁጽሪ ይስደድ ኣለዉ። ስደት ናይዞም ብሉጻት ዜጋታት ድማ ቆጠባውን ማሕበራውን ዕንወትን ድኽነትን የስዕብ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስደት ዝተወልዱ ህጻናት ናይተን ተወሊዶም ዝዓብዩለን ሃገራት ዜጋታት ስለዝኾኑን፡ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ናይ ምንባር ትኽእልኦም ኣዚዩ ጸቢብ ብምዃኑን ከም ዕንወትን ድሙር ክሳራን ክውሰድ ይከኣል።
ካልኣይ፡
ከም ካልኣይ ጠንቂ ክርአ ወይ ክውስድ ዝኽእል ነጥቢ ድማ፡ ብስንኪ ስእነት ጥዕናን ሕሰም መናባብሮን ዕድመ ደቂ ሰባት ኣብ ኤርትራ ሓጺር ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ዝበዝሕ ተሰዲዱ ዘይተመልሰ ሓዊስካ ተወሊዱ ኣብ ሃገሩ ዝቕመጥ ዜጋ እንዳ ወሓደ ክኸይድ ንቡር ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ገጠራት ቁጽሪ ህዝቢ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ከም ዘሎ ብሰፊሕ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝዝረበሉ ኣሰካፊ ጉዳይ ኢዩ።
ኲናት ዘስዓቦ ምንቋልቋ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ከም ሳልሳይ ጠንቂ ክውሰድ ይከኣል። ብፍላይ ኣብ ናይ ምፍራይ ዕድም ዝርከቡ መንእሰያት፡ ተካኢ ውላድ ከይወልዱ ምስ ዝስውኡ ብቐጥታ ጽልዎ ኣለዎ። ምስዚ ዝተሓሕዝ ድማ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ኣጽምእ ቦታትን ባሕሪ ውሑድ ዘይኮነ ኤርትራዊ ዜጋ ሂወቱ ሓሊፉን ዝኽትምናን ሓዘንን ኣስዒቡ ኢዩ።
መደምደምታ
እምበኣር ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝቢ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ፍጻመ ኢዩ። ብዘይካ እቲ ቖጠባውን ማሕበራውን ዕንወትን ድኽነትን ዘስዕቦ ተጽዕኖ፡ ብተወሳኺ ህልውናን ቀጻልነትን ናይታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘወድቕ ኢዩ። ከምኡ ውን ብቐጥታ ናይ ጸጥታ (security) ስግኣት ይስዕብ። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ተኣፈፊ ዞባን ከባብን ተደኲና ስለ እትረክብ ኣገዳስነቱ ፍሉይ ይገብሮ።
ኣገዳስነት ብዝሒ ህዝቢ ንቀጻልነትን ህልውናን ሃገር ዘውሕስ ቀንዲ ዓንዲ ሕቆ ሃገር ካብ ኮነ፡ ኩሉ ኣብ መርሕነት ህዝብን ሃገርን ዝረክብ ዜጋ ዓቲቡ ክሕዞን ክሰርሓሉን፡ ይጽነሓለይ ዘይድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ክፍለጥን ይግብኦ። ታሪኽና ከም ዝሕብሮ ድኹምን፡ ውሑድን ፡ድኻን፡ ዘይስምሩን ህዝቢ ስለ ዝነበርና ኢና ብዘይ ድሌትና ናብ ሓንቲ ጥንታዊት ጸላኢትና ዝኾነት ሃገር ብሓይሊ ክሳድና ረጊጾም ድምጽና ዓፊኖም ከም ንጽንብር ዝገበሩና። ሳላ ዝነቅሑ ውሑዳት ግና`ኸ ብዙሓት ጀጋኑ ኣርካናት ኣቦታትን ኣዴታትን ቃልሲ ተቃሊስና ናጽነትና ብቅጽልምና ኣውሒስና ሃገርና ድማ ብድምጽና ኣረጋጊጽና።
ታሪኽ ይድገም ኢዩ። ኣብዚ ዓለምለኻዊ ፖለቲክ (Global politiccs) ዝቀያየርሉ ዘሎ ህሞት ከም ቀድምና ብሓይልና ከም ሃገርን ህዝብን ድው ክንብል እንተ ኮይና ህዝብና ክብርክትን ቆጠባን ክዓብን ሰራዊትና ክሕይልን ኣለዎ።
ልክዕ ኢዩ፡ ሃገር ክትህሉን ክትቅጽልን እንተ ኾይና ሓያል ሰራዊት ክህልዋ ኣለዎ። ሓያል ሰራዊት መታን ክህልዋ ድማ ሓያል ቖጠባ ክህልዋ ይግባእ። ሓይል ቆጠባ ክህልዋ ድማ ብዙሕን፡ ሃብታምን ፡ተበላሓትን፡ መሃዝን፡ ነጋድን ፡ኣፍራይን ህዝቢ ክህልዋ ኣለዎ።
ሃገርና ኤርትራ ብኸምዚ ኣገባብ ዲያ ትኸይድ ዘላ ወይስ ኣይፋሉን። ኣይፋል እንተ ኾይኑ እቲ መልሲ ግዜ ከይከደ ብቅልጡፍ ክዕረን ክስረሓሉን ይግባእ። ጸላእትና ከም ዝብልዖ ዝሰኣነ ዝጓዝም ኣንበሳ ክውሕጡና ኢዩ ዝዳለዉ ዘለዉ። ክንትኻስ ኣይግባእን። ደርፍን ፈኸራን ዘይኮንስ ንመጻኢ ወለዲ ዝጥምት ንኹሉ ሓላፍነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሳትፍ ባይታ ተፈጢሩ ብዕቱብ ተራኢዩ ክስርሓሉ ይግባኣ።
እዚ ማለት እቲ ጠንቂ ተፈሊጡ ብኣግኡ መግትኢ ክግበረሉ ኣለዎ። ተዘይኮይኑ ኣብ ሓደጋ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ኢና ዘሎና። ሓቂ ኢዩ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ኢያ ዘል።
