![[:swvar:text:838:]](/swfiles/files/Screenshot-2025-03-11-at-212502.png?nc=1741728413)
11 መጋቢት 2025
ሓተታ፦ ኣዋጅ ኲናት ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ
ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኤርትራ ወሪሩ ንወደብ ዓሰብ ብምሓዝ ዋንነት ገማግም ባሕሪ ንምጥራይ ኪህድድ ጸኒሑ። እቲ ታህዲድ፡ ኣብቲ ፋልማይ ኣቀራርባኡ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ እናገደድ ዚኸይድ ዘቤታዊ ሽግራት ብምጥምዛዝ ነቲ ድኹም ኤትኖ-ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ዚሕግዝ ደገፍ ንምልዕዓል ዚዓለመ ፕሮፓጋንዳዊ ሽጣራ ይመስል ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ሰመራ፡ ርእሰ-ከተማ ናይታ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ዞባዊት ምምሕዳር ዓፈር፡ ሰራዊት፡ እንተላይ ከደዓት መጋበርያታት ዚተሓወሱዎ፡ ምውፋሩ ኪኖ መናወራ ዚኸይድ ንኲናት ወራር ዚቀራረብ ዘሎ የምስል። ከም መቕድም፡ ኣቢይ ኣብቲ ኣብ 15 ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንሰፊሕ መሬት ኤርትራ (እንተላይ ክፋላት ጂቡትን ሶማልያን) ናብ ኢትዮጵያ ዚሓወሰ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ ዘርጊሑ። እዚ ቅሉዕ ግህሰት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ዚገልጽ ስጕምትታት’ዚ ብግብሪ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ የመልክት።
![[:swvar:text:838:]](/swfiles/files/Screenshot-2025-03-11-at-213833.png?nc=1741728413)
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ 13 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ኣብ ልዕሊ ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ናይተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ መዳውብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዘተኰረ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ታህዲድ ብወግዒ ኣዊጁ። እዚ ድማ፡ ንጕዳይ መጻኢ ሰላምን ኲናትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ንርግኣትን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለ ዚትንክፍ፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ወይ ደማርሽ (démarche) ምውሳድ ዘድልዮ ኣገዳሲ እዋናዊ ጕዳይ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከም እቶም ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሉ ፍሽለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ግቡእ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ኣይወሰደን። እቲ ፍሽለታት ናይቲ ስርዓት ውጽኢት ናይቲ ዓሚቝ ጽልእን ንዕቀትን ፕረሲደንት ኢሳያስ ንዘቤታውን ኣህጕራውን ግዝኣተ ሕጊ ኰነ ስእነት ግቡእ መረዳእታ ናይ ኣገዳስነት ምውሳድ እዋናዊ ዲፕሎማስያዊ ስጕምትታት ኢዩ።
ምእዙዛት ኣገልገልቲ ኣብይን ሓያሎ ሰበስልጣን ናይቲ ብኦሮሞ ዚዕብለል ስርዓቱን፡ መንግስታውን ማሕበራውን መራኸቢ ብዙሃን እናተጠቕሙ፡ ነቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንጻር ኤርትራ ወራር ንምፍጻም ዘካይዶ ዘሎ ሕንከት-ኣልቦ ምጕብዕባዕ ዚድግፍ ዒቕታ ናይ ደንቈሮ፡ ሸበድበዳዊ መርዛም ጐስጓስ ኲናት ኪገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ንኤርትራ ንምውራር ኪውርወር ዚጸንሐ ታህዲድ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣቕዋሚ ኣዋጅ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንውዕል ሕቡራት ሃገራት 1982 ኣብ ሕጊ ባሕሪ ኰነ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018 ዚጻረር ኢዩ። ዕሸላዊ ፖለቲካን ሕልማዊ ህርፋናንን ኣቢይ ንኢትዮጵያ ድሮ ኣብ ዓዘቕቲ ኤትኒካዊ ኲናታትን ሓድሕደ-ህልቂታዊ ግጭታትን ሸሚሙዋ ይርከብ። ወራር ኣንጻር ኤርትራ ድማ ብሓዊ ምጽዋት ኪኸውን ኢዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት መሰረት ንቡር ዝምድናታት ዚዀነ ኣህጕራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ኣንጻር ኤርትራ “ሕጊ ጫካ” ምዝውታር፡ ሓደገኛ ስዕረት ኢትዮጵያ ዘኸትል፣ ነታ ንገዛእ ርእሳ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ዘናውጽ፡ ዚብትንን ዘፍርስን ኪኸውን ኢዩ።
ኣቢይ ኣሕመድን እቲ ኦሮሙማዊ ሰልፊ ብልጽግናኡን (1) ኣብቲ ምስ ዋኒንተኛታት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኰነናትን ካድረታት ሰልፍን ዘካይዱዎ ኣኼባታት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎ ጥጁእ ኣስፋሕፋሒ ግዝኣታዊ ውጥን ተኸታታሊ ደረቐኛ መግለጺታት ኣብ ምቕራብ ተጸሚዶም ከም ዚጸንሑ ቅሉዕ ሚስጢር ኢዩ። ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ መደረ (2)፡ ቀይሕ መስመር ብወግዒ ብምጥሓስ፡ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኪትውንን “ባህርያዊ መሰል” ኣለዋ፣ ቀይሕ ባሕሪ “ባህርያዊ ዶብ” ኢትዮጵያ የቕውም፣ ኣብ ታሪኻዊ፡ ጀኦግራፍያዊ፡ ኤትኒካውን ቍጠባውን መመኽነይታታት ዚተመስረተ ቀጥታዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምውናን ድማ ንኢትዮጵያ ህላወኣዊ ኣድላይነት ኣለዎ ኪብል ጽዒዱ።
እዚ ነቲ ግጉይ ኣስፋሕፋሒ ትረኻ ዚምግብ ፈጠራዊ ታሪኽ’ዚ ንሕልሚ ናይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ዓባይ ኢትዮጵያ ብምዕንጋል፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምዕብላል ኣዕነውቲ ኲናታት ወራር ንኸካይዱን (1961-1991፡ 1998-2000) ዘሕፍሩ ስዕረታት ንኪስከሙን ደሪኹዎም ኢዩ። ሽሕ’ኳ ብዝሒ ህዝብን ሓይሊ ተዅስን ኣገደስቲ ረቛሒታት እንተዀኑ፡ ኲናት ብቐንዱ ውድድር ናይ ሓይሊ ድሌት ኢዩ። እቲ ፍጹም ወተሃደራዊ ዓወት ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ ኰነ እቲ ዕዉት ምፍሻል ናይቲ ንኤርትራ ዳግም ንምጕባጥ ድሕሪ ናጽነት ዚተኻየደ ፈተነ ኢትዮጵያ ውጽኢት ናይቲ ቈራጽ ውሳኔን ተዓጻጻፊ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምቅዋም ወራር ኢትዮጵያን ዘይሕለል ድሌት ምክልኻል ልዑላዊ ሃገርነት ኤርትራን ኢዩ።
እቲ ኣቢይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዋንነት ወደብ፡ መተሓላልፎን (ኮረደዮ) መደበር ሓይሊ ባሕርን ብሓይሊ ንምውናን ዘቕረቦ ጠለብ ዳርጋ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ኢዩ። ንምዃኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ይዅን ወደብ ወኒና ትፈልጥ ዲያ፧ እቲ ጠለብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ሕልሚ ዓባይ ኢትዮጵያ ኰነ ዓባይ ትግራይ ከ ሓድሽ ዲዩ፧ እቲ ብሓያሎ ልሂቃን ኢትዮጵያ ኰነ ትግራይ ብቐጻሊ ዚደጋገም ንልዑላውነት ኤርትራ ዚጻባእ ትረኻ ኸ፡ ቅኑዕ ዲዩ ወይስ ግጉይ፧ እቲ ነባሪ ፍታሕ ከ እንታይ ኢዩ፧
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዚዀነ፣ ኣብዚ፡ ኣብ ዓሰርተው ሓሙሽተ ንኡሳን ኣርእስቲ ጸሚቘ፡ ኣብ ታሪኽን ኣህጕራዊ ሕግን ብዚተመርኰሰ ኣጠማምታ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርቦ እየ። እተን ንኡሳን ኣርእስቲ፦ (1) ሓድሽ ነቢት ኣብ ብላይ ሓርቢ፡ (2) ሓለንጊ ሃልወሳ፡ (3) ሓደገኛ ዝንቕ ድንቍርናን ትዕቢትን፡ (4) ንግስነት ኣዅሱምን ኤርትራን፡ (5) ኣመሰራርታ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ (6) ኣቀዋውማ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ (7) ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሃገራውነትን፡ (8) መንገዲ ነባሪ ሰላም፡ (9) ኣፍደገ ባሕሪ፡ ዋንነት ዶ መሰል ተጠቃምነት (10) ካሕሳን መሕወይ ኲናትን፡ (11) ክሳብ ዚፍንትር ዚደጋገም ሓሶት ንሓቂ ኣይቅይርን (12) ውሽጣዊ ጸላኢ፡ (13) ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ (14) ሃገራዊ ግቡእ፡ (15) መደምደምታ፡ ኢዮም።
1. ሓድሽ ነቢት ናብ ብላይ ሓርቢ
ነቲ ብወለዶታት ናይ ገዛእትን ገዛእቲ ልሂቃንን ዘመናዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኪውርወር ዚጸንሐ ግዝኣታዊ ጠለባት ኪሸይጥ ምፍታኑ፣ ኣቢይ ብቐሊሉ ሓድሽ ነቢት ናብ ብላይ ሓርቢ ኢዩ ዘፍስስ ዘሎ። እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምሳሌያዊ ዛንታ’ዚ፡ ሰባት “ሓድሽ ነቢት ናብ ብላይ ሓርቢ” ንከየፍስሱ፤ “ከምኡ እንተ ገይሮም፡ እቲ ሓርቢ ኪነቱጕ ኢዩ፤ እቲ ነቢት ኪፈስስ ኢዩ፣ እቲ ሓርቢ ድማ ኪቕደድ ኢዩ” (3) ኢሉ ይመክር።
ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ገዛእቲ ልሂቃን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድንገተኛ አጀንዳ ናይ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ኢትዮጵያ” ረኪሱ፡ እንደገና ቁማር ንምጽዋት ሓደገኛ ውዲት ኣበጊሱ ኣሎ። ኣቢይን ናይ ቀረባ ደቀ መዛምርቱን ነቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወደብ፡ መተሓላለፊ ኮረደዮ ኰነ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘለዎም ሕቡእ ውጥን፡ ሰላሕታዊ ፕሮፓጋንዳ ኪገብሩ ከም ዚጸንሑ ቅሉዕ ምስጢር ኢዩ። እዚ ዓይነት ውጥን’ዚ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ፡ ዘስካሕክሕ ሞትን ዕንወትን ኣስዒቡ ከም ዚፈሸለ ምዝኽኻር የድሊ።
ወግዓዊ ምእዋጅ ናይቲ ኣስፋሕፋሒ ውጥን ንስርዓት ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት፡ ቍጠባታትን መጻኢታትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡትን ሶማልያን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘኸትል ኲናት ንምትዅታዅን ንዅሎም ወገናት ዘኽስር ገበጣ ንምጽዋትን መንገዲ ተራጽሞ ኣትሒዙዎ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ወይ ሽሑራዊ ሓይሊ ካብቲ ጥርሙዙ ወጺኡ ተበቲኑ ኣሎ (the genie is out of the bottle)። እቲ ዚተጣዕሰ ከምስል፡ ኣባላት ሰራዊቱ፡ ኣብቲ ምርኢታዊ ሰልፊ ናይ ወተሃደራዊ ዓደዅዶዅ “እቲ ባሕሪ ናትና ኢዩ፣ እቲ ወደብ ናትና ኢዩ፣ እተን መራክብ ናትና ኢየን” ኢሎም እናጨደሩ ሰላምታ ብምሃብ ዚምርሹሉ ዚነበሩ እዋን፣ ትጕሽተተይ ኪብል ዚፈተኖ፡ ነቲ ድሮ ዚፈጸሞ ዕንወት ከዐሪ ይዅን ነቲ ብሰሪ ዋሕዚ ሕዱር ውስልትናኡ ዚተፈጥረ ጋግ ዘይእሙንነት ከጽብብ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ።
ብርግጽ፡ ኲናት ኣብ ኵሎም ወገናት ሞትን ዕንወትን ዚዘርእ ብዝሐ-ብልሓዊ ሴፍ ኢዩ። እንተ ተወሊዑ፡ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ዕንወት ዘምጽእን ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ዘስዕብን ኪኸውን ኢዩ። ኣብቲ ቀንዲ መተሓላለፊታት መራክብ ናይ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ውን፡ ንባሕራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኣህጕራዊ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ዓቢ ሓደጋ ዘኸትል ኢዩ።
2. ሓለንጊ ሃልወሳ
ኣቢይ፡ መጻኢ መደበር ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀላይ ጻና ተመስሪቱ ዚህነጽ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ምዃኑ ኣብ ዚተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብቅሉዕ ኪእምት ጸኒሑ ኢዩ። ኣብቲ እዋን ክቱር ዕርክነት ኢሳያስን ኣቢይን፡ ነቲ ብመግዛእታዊ ውዕል ዚተደረተ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ከም ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ኪሰማምዑ ለባም ምኽሪ ቀሪቡሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንዲ በቲ ሽዑ ዚነበሮ ርኡይ ላዕለዋይ ኢድ ነቲ ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ከም መሰረት ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ፣ ኢሳያስ ነቲ ክቡር ሓልዮታዊ ምኽሪ “ጕዳይ ምምልካት ዶብ ሕጂ እዋናዊ ቀዳምነትና ኣይኰነን” ኢሉ ብምንጻግ፡ ነቲ ንሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ተቐቢሩ ዚነበረ ምዉት ሕልሚ ከበራብር መሪጹ።
ኢሳያስ ሕጂ’ውን፡ ኣብቲ ልክዕ ደረትን ቀጺሉ ዚስዕብ ኣካላዊ ምምልካትን ናይቲ ኣህጕራዊ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምስቲ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕን መዕለቢ ንምግባርን ወርቃዊ ዕድል ኣባኺኑ። እቲ ወግዓዊ ክልተኣዊ ስምምዕ ተበጺሑ እንተ ዚነብር፣ ንጕዳይ ዶብ ወግዓዊ መደምደምታ ብምልባስ፡ ነዚ ብሓድሓደ መራሕትን ካድረታትን ሰልፊ ብልጽግናን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ኰነ ጠንቃማት ኣባላት ኤሊታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዚደጋገም ዘሎ፡ ኤርትራ መሬት ኢትዮጵያ (ትግራይ) ሒዛ ኣላ ዚብል ዘይቅኑዕ ክስታት ሓንሳእ ንሓዋሩ ምዓጸዎ ነይሩ።
በቲ ኢሳያስ ዘወፈየሉ ኣህራሪ ህያብ ካርታ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፣ በቲ ቅጥዒ፡ ትሕዝቶን ሚዛንን መንግስታዊ ፕሮቶኮል ዚሰሓተ፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ዘድፈረ፣ “ካብ ብሕጂ ንደሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና”፣ “ንስኻ ኢኻ ትውክለና”፣ “እቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራት ኢየን ኢሉ ዚሓስብ፡ እቲ ነቲ ክዉንነት ዘይፈልጥ ኢዩ” እናበለ ዚደጋገሞ፡ ክብረት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘዋረደ፣ ውልቃዊ ስምዒቱ ዘቃልዐ ከዳዕ ኣሽካዕላል፣ ምናልባት ናይ ሓሶት ተስፋ ብምስራጽ ንኣስፋሕፋሒ ህርፋን ኣቢይ ብዝያዳ ኣተባቢዑ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣቢይ፡ ኣብቲ ንኢሳያስ ዚደገሰሉ ዓቢ እንግዶት ወግዓዊ ድራር ብክቱር ታሕጓስ “እቲ ኣነን ኤሱን (ኢሳያስ) እንካፈሎ ዓሰብ ኢዩ” ኢሉ ኪእውጅ እንከሎ፡ ኢሳያስ ብዘይካ ብብርቱዕ ደስታ ኣፍልቡ ምህራም ዚዀነ መልሰ-ግብሪ ኣየርኣየን። ከምቲ ዚበሃል፡ ኣቢይ ኣምሳይኡ ግዝኣታዊ በደላ፡ ምቅሊት ብርክታት፡ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣወፍዩ ነይሩ።
መራሒኡ ዚነዓቖ ሃገርን ዘሽካዕልለሉ ህዝብን ዚዀነ ይደፍሮ! ብምስጢር እንታይ ተባሂሉ ብርግጽ ዝፈልጦ የብለይን። ብዚዀነ፡ ከንቱ ሕልምታቱ ንጐድኒ ገዲፍካ፡ ኣቢይ እቲ ከም መዋገዪ ዘቕረቦ (1) ግዝኣታዊ በደላ፡ (2) ምቅሊት ብርክታት ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ዓቢ ግድብ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ወይ (3) ፈደረሽን ይዅን (4) ኮንፈደረሽን፡ ርትዓዊ መበገሲ ልዝብ ከም ዘይኰነ ንምግንዛብ፡ ብፖለቲካዊ መምዘኒ፡ ኣመና ጥረ፡ ኣመና ተልመዴን ወይ ኣመና ሃልወሳዊ ምዃኑ ይእምት። እቲ ናብ ጐበጣ ዘምርሐ ፈደረሽን ይዅን እቲ ምስኡ ዚመሳሰል ኮንፈደረሽን ሕቡእ ዕላማ ዚሓዘለ፡ መሪር ታሪኻዊ ዝኽሪ ናይ ጥልመትን ኲናትን ዘለዎ፡ ከም መበገሲ ልዝብ ከገልግል ዘይክእል ውዱቕ ሓሳብ ኢዩ። እቲ ግዝኣታዊ በደላ ኰነ ምቅሊት ብርክታት ድማ፡ ምስቲ ክብሪ ናይቲ ባህርያዊ ሃብቲ ገማግም ባሕርን ክቡር ባሕራዊ ጸጋታት ናይቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ግዝኣታዊ ማያትን ሕዙእ ቍጠባዊ ዞባን ዚመጣጠን ኣይኰነን።
ኣቢይ፡ ነቲ በቲ ዚሰምዖ መብጽዓ ዚሓደሮ ህርፋን ብሰላማዊ መንገዲ ከርዊ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ሕርቃኑ ንምውጻእ ብዚመስል ብንዕቀትን ብድዐን ብዚተላዕጠጠ መልሰ-ግብሪ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ከም ግድነታዊ ህላወኣዊ ኣድላይነት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናንን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምምስራትን “ዘለዋ ባህርያዊ መሰል” ብሓይሊ ንምርግጋጽ ሓደገኛ ዕንደራ ኣዊጁ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ወራር ብምፍጻም ወደብ ዓሰብ ንምሓዝ ኣብ ቀጻሊ ምጕብዕባዕን ምሽብሻብን ይርከብ።
ብሓቂ፡ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር መተሓላለፊ ኮረደዮን ኣፍደገ ባሕርን ኪትውንን ጽቡቕ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ዚዀነት መተሓላለፊት ሃገር ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ምሉእነታን ብፍታው ኣሕሊፋ ኪትህብ ምጽባይ፡ ተኽእሎኡ ከምቲ “ድሌታት ኣፍራስ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ለመንቲ ምተወጥሑዎም ነይሮም” ዚብል ምስላ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ንጠለብ ኣቢይ ብንጹር ነጺገንኦ ኢየን።
ዋንነት ወደብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣቢይ ብሸፈጥ ዘጕባዕብዖ፡ ህላወኣዊ ኣድላይነት ከም ዘይኰነ፣ ወደብ ዘይምውናን ድማ ዕንቅፋት ንልምዓት ኢትዮጵያ ከም ዘይኰነ ከስምረሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኢትዮጵያ ወጻኢ ካብ ወደባት ኤርትራ፡ ካልኦት ኣማራጺታት ኣለዋኣ፤ ኣብዘን ዚሓለፋ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት እውን ኪትጥቀመለን ጸኒሓ ኣላ። ንውሽጣዊ ጠንቅታት ድሕረት ኢትዮጵያ ግዳማዊ መመኽነይታ ምንዳይ ኰነ ካብቲ ሓቂ’ቲ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ምፍታን፣ ግጉይ፡ ኪኖ ኣፍንጫ ዘይርኢ ፖለቲካን ኣንጻራዊ ውጽኢት ዚህሉዎን ኢዩ። ብታህዲድ ወይ ዝውታረ ሓይሊ ዋንነት ንምጥራይ ዚግበር ዚዀነ ፈተነ፡ ሓደገኛ ጠላዕ ከም ምጽዋት ኢዩ ዚኸውን። ዚዀነት መተሓላለፊት ሃገር፡ ብኸምዚ ዓይነት ምጕባባዕን ነውራም ጥሕሰት ኣህጕራዊ ሕግን፡ ገታር ግህሰት ናጽነታ፡ ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ምሉእነታን ኣይከተፍቅድን ኢያ። ከምዚ ዓይነት ወራር ግድን ድርብ ዚብልሑ ሴፍ ከይኑ፡ ተመሊሱ ንኢትዮጵያ ዘዕኑ፡ዘፍርስን ዚበታትንን ኪኸውን ከም ዚኽእል ምግንዛብ የድሊ።
ብመንጽር’ቲ ህሉው ሃገራውን ዞባውን ዳይናሚክስ ኪርአ እንከሎ፣ እቲ ብሓድሽ ኢምጰራጦርያዊ ህርፋን ዚድፋእ አጀንዳ ኣቢይ ሃልወሳዊ፡ ሓደገኛን ዘይጭበጥን ኢዩ። እቲ ንዕኡ ዚድርኽ፡ ኣብ ክሊ’ቲ ኣዝዩ ጐዳኢ ኤትኖ-ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ “ንኢትዮጵያ ምግዛእን ነቲ ዞባ ምዕብላልን ተራና እዩ” ዚብል ሓውሲ ጕልቡብ ምህለላ፡ ንኢትዮጵያ ኰነ ነተን ናይ ቀረባ ጐረባብታ መዓት ዚድግስ ሓደጋ ኢዩ። ኣቢይ ነቲ “ክንገዝእን ክንዕብልልን ተራና ኢዩ” ዚብል ትረኻ ኤትኒካዊ ጕጅለኡ ከስገድዶ ይኽእል ዶ ኣይክእልን ኰነ ኣብ ልዕሊ’ተን ጐረባብቲ ሃገራት ወራር ኪፍጽም ኪፍቀደሉ ዲዩ ኣይኪፍቀደሉን፡ ኣብ መልሰ-ግብሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዚምርኰስ ጕዳይ ይኸውን። እቲ ነቲ ዓብን እናወሰኸ ዚኸይድን ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ከም መፈራርሒ ምጥቃሱ፡ ነተን ብስፍሓት መሬትን ብዝሒ ህዝብን ካብ ኢትዮጵያ ኣዐሪየን ዝንእሳ ሃገራት ኤርትራ፡ ጂቡቲን ሶማልያን “ሓደጋ ወረርቲ ዕስለታት ክፍንወልክን እየ” ዚትሕዝቶኡ እሙት ታህዲድ ምዃኑ ኣይሰሓትን።
እዚ ድሮ ተፈቲኑ ዚፈሸለ ኢዩ (déjà vu)። ሂትለር ኣብ ጀርመንን ኣብ ኤውሮጳን ፈቲኑዎስ፣ ንጀርመን፡ ንኤውሮጳን ንዓለምን መዓት መቕዘፍትን ዕንወትን ኣስዒቡሎም ኢዩ። እቶም ቀቅድሚ ኣቢይ ዚነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ - ሃጸይ ሃይለሰላሴ፡ ኮሎኔል መንግስቱን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስን - ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተመሳሳሊ ጐበጣን ወራርን ፈቲኖም፡ ፈሺሎም ኢዮም። እቲ ኣዝዩ ድኹም፡ ብጭንቀት ዚተዋሕጠ፡ እናበኣሰ ብዚኸይድ ዓሌትነት ወይ ኤትኒሲቲ ዚልለ ስርዓት ኣቢይ ተመሳሳሊ ዕድል ናይ ስዕረት ከም ዘጋጥሞ ታሪኽ ይምህር። ስለዚ፡ ካብቶም ዚሓለፉ ጕድኣታዊ ፍሽለታት ናይ ዙፋን ኣቦታቱ ኪመሃር፡ ነቲ ፋይዳ-ኣልቦ ግን ከኣ ኣዕናዊ አጀንድኡ ዳግም ኪሓስበሉ፡ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ውጥኑ ኪቕልብስ ከድሊዮ ኢዩ። ህድእ ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን እተን ካልኦት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት ጂቡቲን ሶማልያን ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕን ባሕሪ ናይ ምውናንን ሃልወሳዊ ጥሙሑ ልጓም ኪገብረሉ ከድሊዮ ኢዩ።
3. እቲ ሓደገኛ ዝንቕ ድንቍርናን ትዕቢትን
እቲ ኣቢይ ንኣዅሱም፡ ራእሲ ኣሉላን ሃይለስላሴን እናጠቐሰ ዘቕረቦ ግጉይን ሃንዳፍን ጠለብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብዛዕባ ታሪኽ ኣዅሱምን ኤርትራን ዘለዎ ፍጹም ድንቍርና የመልክት። እቲ ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ የቕውም ዚብል መግለጺኡ ኰነ እቲ ኤርትራ ባህርያዊት ኣካል ኢትዮጵያ ተቕውም ዚብል ኣመቱ ብርኡይ ስሕተት ኢዩ። ነገሩ “ኪበልዑዎ ዚደለዩ ኣባ ጕንባሕ ዛግራ ይብሉዎ” ኢዩ።
እቲ ኣቢይ፡ ብቐጥታ ይዅን ብመንገዲ ምእዙዛት ኣገልገልቱ፡ ዚነዝሖ ዘሎ መሃይማዊ ትረኻ፡ ኲናት ዚጽሕትር መግለጺታት ኰነ ትዕቢተኛ ምጕባባዕ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከኸትል ዘይክእል እንተ ዚኸውን ነይሩ፣ እቲ ኣታላሊ ጠለባቱ ከም ዕሸላዊ ምህዞ ናይቲ ሃርጋፍ ሕልሙ ተራእዩ፡ ዕሽሽ ተባሂሉ ኪሕለፍ ምተኻእለ ነይሩ። ብወግዒ በቶም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ይዅን በቶም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ናይቶም ደገፍቲ’ቲ ስርዓት ይዝርጋሕን ብብዝሒ ይደጋገምን ስለ ዘሎ ግን፣ እቲ “ሓሶት እንተ ተደጋገመ ሓቂ መታን ከይመስል”፣ ኣስዒበ፡ ንዕኡን ንመሰልቱን ሓጺር ጽማቝ መባእታዊ ታሪኽ ኤርትራ (Eritrean History 101) አወፍየሎም።
4. ንግስነት ኣዅሱምን ኤርትራን
መሬት ዘመናዊት ኤርትራ፡ ምስታ 40 ኪሜ ደቡብ ካብ ምጽዋዕ ተደኲና ዚነበረት ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ መበቈልን ጀኦግራፍያዊ ማእከልን ንግስነት ኣዅሱም የቕውም ነይሩ። ኣብቲ ስልጣኑ ኣብ ዚለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዚነበረ 4ይን 5ይን ዘመናት ድ.ል.ክ. (4)፡ ንግስነት ኣዅሱም ክንዮ’ዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ክሳብ ሰሜናዊ ሱዳን፡ ደቡባዊ ምስሪ (ግብጺ)፡ ደቡባዊ ስዑድ ዓረብያ፡ የመን፡ ጂቡቲ፡ ሰሜናዊ-ምዕራብ ሶማልያ ተዘርጊሑ ነይሩ (5)። ይዅን’ምበር፡ ኣብ 7ይ ዘመን ስልጣንን ጽልዋን ኣዅሱም “ከም ቀጥታዊ ሳዕቤን ወራር ዓረብ ኣብ ልዕሊ ምስሪ” ነቶም ኣብ ምብራቕ ምስሪን ሰሜናዊ ሱዳንን ዚነበሩ ቀቢላታት በጃ ብሓይሊ ናብ ደቡብ ገጾም ደፊኦም ነቶም ድሮ ኣብ ሰሜናዊ ከበሳን ጐላጕል ባርካን ሰፊሮም ዚነበሩ ኣዝማዶም ናብቲ ማእከላይ ከበሳ ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ደፊኦሞም (6)።
ወራር በጃ፡ ምስቲ ዚሰዓበ ቅልጡፍ ዝርጋሐ ምስልምና ናብቲ ቦታታት ገማግም ቀይሕ ባሕርን፡ ምዕናው ኣዱሊስ ኣብ 710 ድ.ል.ክ.ን ተደሚሩ፡ ንኣዅሱም ካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣርሒቑ ነጺሉዋ። እዚ ፍጻሜታት’ዚ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ሃብታን ስልጣናን ዚነበረ ባሕራዊ ንግዳ ዘሪጉ ምንቍልቋል ንግስነታ ኣቀላጢፉ። ውድቀት ኣዅሱምን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ኣብ ኢድ ናይቲ ዘስፋሕፍሕ ዚነበረ ምስልምና ነቶም ክርስትያን ኣዅሱማውያን ናብ ደቡብ ገጾም ከንሳሕቡ ብምቕሳብ፡ ካብ ኵሉ ተገሊሎም ኣብቲ ዘዕቈቦም ከበሳታት ኣቢሲንያ ምስ ሰፈሩ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ገጾም ተመሊሶም ኣይፈልጡን። ሓንሳብ ምስ ኣንቈልቈለት፡ ኣዅሱም ፈጺማ ኣይተሰአትን። ካብ ውድቀት ኣዅሱም ክሳብ ኣጋ መወዳእታ መበል 13 ዘመን (1270)፡ “መላእ ኤርትራ ጌና ኣብ ትሕቲ ናይ በጃ ኮንፈደራሲ ይመሓደር ነይሩ” (7)።
![[:swvar:text:838:]](/swfiles/files/Screenshot-2025-03-11-at-214133.png?nc=1741728413)
ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን ምፍንጫል፡ ማእከላይ ከበሳ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ መበል 15ን 18ን ዘመናት (8)፡ ሕመረት ምድረ ባሕሪ ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ባሕሪ ነጋሲ (9) ልዑላውነት ነይሩዎ። ሽሕ’ኳ ኣብቲ እዋን “ዘመነ መሳፍንቲ ኣቢሲንያ” ነቲ ታሪኻዊ ዶብ ምድረ ባሕርን ኣቢሲንያን ዘቕውም መስመር መረብ-በለሳ-ሙና (10) ዚሰግር ተደጋጋሚ ሓድሕዳዊ ወራራት እንተ ነበረ፣ እቲ ንግዝኣት ዘመናዊት ኤርትራ ዘቕውም ማእከላይ ከበሳ፡ ሰሜናዊ ከበሳ፡ ምዕራባዊ መታሕትን ምብራቓዊ ጐላጕልን (ገማግም ባሕሪ) ካብ ኣቢሲንያ ዚተፈልየ ኢዩ ነይሩ (11)። ጀይምስ ብሩስ፡ እቲ ኣብ 1770 ንምንጪ ሰማያዊ ኒል ኣብ ቀላይ ጻና ንምርካብ ካብ ምጽዋዕ ዚተበገሰ ስኮትላንዳዊ ዳህሳሲ፡ “ምድረ ባሕሪን ኣቢሲንያን ብቐጻሊ ኣብ ናይ ሓድሕድ ኲናት ዚተጸምዳ ብንጹር ዚተፈላለያ ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ከም ዚነበራ” (12) ይገል።
ኣብቲ ካብ ውድቀት ኣዅሱም ኣብ 8ይ ዘመን ክሳብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ዚዝርጋሕ መዋእል፡ ዚዀነ ኣቢሲንያዊ መራሒ ይዅን ወራሪ፡ እንተላይ ራእሲ ኣሉላ፡ ንመላእ ምድረ ባሕሪ ዓብሊሉ ይዅን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ በጺሑ ኣይፈልጥን ኢዩ።
ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ ቀጥታዊ ቅድመ-መግዛእታዊ እዋን፡ መሬት ምድረ ባሕሪ፡ ብሰሪ ውሽጣዊ ዳይናሚክስን ግዳማዊ ዓመጽን፡ ኣብ ካልእ ወቕቲ ናይ ምፍንጫል ወደቐ። ኣብ ምብራቕ፡ እታ ኣብ 1557 ንምጽዋዕን ሕርጊጎን ዚተቘጻጸረት ዑስማናዊት ቱርኪ (13)፡ ነታ ወደባዊት ከተማን ገማግማዊ ጐላጕልን፡ ክሳብ’ቲ ኣብ 1872 (14) ናብ ኸዲቫዊት ምስሪ ዚሰጋገር፡ ጐቢጣቶ ጸንሐት። ብተወሳኺ፡ ኸዲቫዊት ምስሪ ንጋብላ ጋሽ-ሰቲት ወሪራ፡ ንዞባ ቦጎስ ጐቢጣ፡ ኣብ መፋርቕ 1880ታት ኣብ ከረን ዕርዲ መስሪታ ንማእከላይ ከበሳ ወረረት (15)።
ብሸነኽ ደቡብ፡ ኣቢሲንያውያን ንማእከላይ ከበሳ ወሪሮም ኣንጻር ምስራውያን ተዋጊኦም ንሰሜን ገጾም ደፍኡ (16)። ሽዑ ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ወልደሚካኤል ኣታሊሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምእታው ቀንዲ መደበሩ ኣብ ኣስመራ ተኸለ (17)። ኢጣልያ ኣብ 1869 ኣብ ወሽመጥ ዓሰብ፡ ኣብ ጠረፍ ናይቲ ደቡባዊ ጫፍ፡ መራግጾ መስሪታ (18)፡ በቶም ብተኽእሎ ፈረንሳዊ ምስፍሕፋሕ ካብ ጂቡቲ ናብ ኤርትራ ዚሰግኡ ብሪጣንያውያን ተተባቢዓ፡ ወራር ብምቕጻል ንምልእቲ ኤርትራ ጐቢጣ፡ ኣብ 1890 ምምስራት ናይታ ቀዳመይቲ ግዝኣታ ኣብ ኣፍሪቃ ኣወጀት።
ታሪኻዊ መርትዖ እምበኣርከስ፡ ንብዙሕ ዘመናት ዚጸንሐ ህላወ ምድረ ባሕሪ፡ ከም ነብሳ እተመሓድር ፖለቲካዊት ኣሃዱ፡ ናጻ ካብ ኣቢሲንያ፡ ግን ከኣ፡ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ምስ ኣቢሲንያ ከም ዚነበረት የረጋግጽ። ኣብቲ ካብ ውድቀት ኣዅሱም ክሳብ ምጽኣት ኤውሮጳዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚዝርጋሕ ዓሰርተው ሓደ ዘመናት፡ ኣብ ኣቢሲንያ ሓያሎ ተወዳደርቲ ንግስነታት ኪትስኣን ኪወድቃን ተራእየን ኢየን። ይዅን’ምበር፡ ዚዀነት ካብተን ኣብቲ መዋእል’ቲ ኣብ ኣቢሲንያ ዚትስኣን ዚወድቃን ዚነበራ ተወዳደርቲ ንግስነታት ኰነ ዚዀነት ዘመናዊት ሃገር ናይዚ እዋንና ንነብሳ ከም ቀጥታዊ ወራሲት ናይ ንግስነት ኣዅሱም ከተቕርብ ዚዀነ ርትዓዊ መመኽነይታ የብላን። ዋላ ሓንቲ ካብአን’ውን፡ ብሓቂ፡ ርትዒ ሒዛ ኣብ ልዕሊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቍጽጽር ይዅን ስልጣን ነይሩኒ ኪትብል እትኽእል ጥንታዊት ትዅን ዘመናዊት ሃገር የላን። ኣብቲ ካብ ውድቀት ኣዅሱም ኣብ 8ይ ዘመን ክሳብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ዚዝርጋሕ መዋእል ናይ ዓሰርተው ክልተ ዘመናት፡ ዚዀነ ኣቢሲንያዊ መራሒ ይዅን ወራሪ፡ እንተላይ ራእሲ ኣሉላ፡ ንመላእ ምድረ ባሕሪ ዓብሊሉ ይዅን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ በጺሑ ወይ ረጊጹ ኣይፈልጥን ኢዩ።
5. ኣመሰራርታ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ብሓጺሩ፡ ግዝኣት ዘመናዊት ኤርትራ ኣብ መንጎ መፋርቕ መበል 16ን ኣጋ መወዳእታ መበል 19ን ዘመናት ተፈናጭሉ ኢዩ ጸኒሑ። ምድረ ባሕሪ ግዳይ ጐበጣ ዚተፈላለዩ ክፋላት ግዝኣታ ብዑስማናዊት ቱርኪ (1557-1872)፣ ብኸዲቫዊት ምስሪ (1872-1885)፣ ብኢጣልያ (1869-1889)፣ ብኣቢሲንያ (1876-1887) ኰይና ተመቓቐለት። ጐበጣ ኢጣልያ ኣብ 1890 ግዝኣታዊ ውህደት ኤርትራ ኣምጺኡ። ስዒቡ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ (1890-1941)፣ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር (1941-52)፣ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ (1952-1962)፣ ኣብ መወዳትኡ ድማ፡ ብጐበጣ ኢትዮጵያ (1962-1991) ተገፊዓ።
ኣብ መንጉኡ፡ ኣብቲ መጀመርታ ናይ ኤውሮጳዊ ባዕዳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃ፡ ኣቢሲንያ ከም ግዳይን በደለኛን ናይ መግዛእታዊ ወራር፡ ስግንጢራዊ ተራ ተጻወታ። ንመግዛእታዊ ወራር ኢጣልያ ብዓወት መኪታ ከተብቅዕ፡ ተገምጢላ፡ ንጐረባብቲ ህዝብታት ወሪራ ጐበጠት። ኣብ 1896፡ ንወራር ኢጣልያ ኣብ ውግእ ዓድዋ ብምፍሻል ዓቢ ቅያ ፈጺማ። እቲ ታሪኻዊ ዓወት ዓድዋ “ድሕር’ቲ ኣብ እዋን ሃኒባል ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳዊት ሃገር ዚተመዝገበ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኢዩ” ተባሂሉ ይቐርብ ኢዩ (19)። ግደ ሓቂ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ዓወት ኣፍሪቃዊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ወራሪ ኤውሮጳዊ ሰራዊት፡ እቲ ማህዳዊ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ’ቲ ብጀነራል ጎርዶን ዚተመርሐ ብሪጣንያዊ ሰራዊት ኣብ ኻርቱም፡ ኣብ ጥሪ 1885፡ ዚተመዝገበ ዓወት ምዃኑ ምጥቃስ ግቡእ ኢዩ።
መግዛእታዊ ወራር ኢጣልያ ድሕሪ ምፍሻል፡ ኣቢሲንያ፡ ምስ መግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ውዲት ብምግባር ኰነ ንሓድሕዳዊ ውድድራቶም ብጕርሒ ብምምዝማዝ፡ ዘይኣቢሲንያዊ ግዝኣታት ብሓይሊ ንምሓዝ ተኸታታሊ ኲናታት ብምክያድ ኣስፋሕፈሐት። ምውናን “ዓቢ ብዝሒ ዘመናዊ ኣጽዋር”፡ ኣብ መጀመርያ ካብ ኢጣልያ፡ “መፈለምታ ሃጸይነት መነሊክ ኣኽኢሉ”፡ ዳሕራይ ድማ ካብ ፈረንሳ፡ “መፈጸምታ ሃጸይነቱ ኣኽኢሉ”። እዚ ድማ መነሊክ፡ ንጉስ ሽዋ፡ ኣብ 1889 ከም ሃጸይ “ኣብ ኣቢሲንያ ማእከላይ ስልጣን” ንምጭባጥ፣ “ግዝኣታት” ብሓይሊ ንምሓዝ፣ “ንንግስነት ሽዋ” ናብ “ሃጸይነት ኢትዮጵያ” ንምቕያር ኣኽኢሉዎ። እቲ ኣብ ምዕራብ፡ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ናይታ ሃገር ብሓይሊ ዚተታሕዘ “ግዝኣታት” ነቲ ዘይኣቢሲንያዊ ህዝብታት ዓፈር፡ ኣንዋክ፡ በኒ ሻንጉል፡ ቦራና፡ ጋምቤላ፡ ጉራጌ፡ ኦሮሞ፡ ኮንሶ፡ ሲዳማ፡ ሶማሊ፡ ወላሞን ወላይታን ዚነብሩሉ መሬት የጠቓልል (20)። ምስ መፈጸምታ ወራራት መነሊክ ኣብ 1910፡ ኣቢሲንያ ነዚ ናይ ሎሚ ጀኦፖለቲካዊ ቅርጻን ኣህጕራዊ ዶባታን ኪትሕዝ እንከላ፡ ኤርትራ ድሮ ኣብ 1890፡ ማለት 20 ዓመታት ቅድሚ ኣቢሲንያ፡ ዚተደኰነት መግዛእታዊ ሃገር ኰይና ጸኒሓ።
ስለዚ እምበኣርከስ፡ ቅድሚ ምጽኣት መግዛእታዊ መዋእል በዚ ናይ ሎሚ ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማታተን ህሉው ዶባተንን ዚፍለጣ ኢትዮጵያ ኰነ ኤርትራ ዚበሃላ ሃገራት ከም ዘይነበራ ጕሉሕ ኢዩ። እዚ ህሉው ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ልክዕ ከምቲ ናይታ ተምሳላዊት ወይ ቅድመ-መርኣያ ዘመናዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ብጠንቂ’ቲ ብመግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ዚተፈጸመ ምጕዝዛይ ኣፍሪቃ ዚተወሰነ ኢዩ። መግዛእታዊ ምጕዝዛይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንህሉው ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ነቲ ናይ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መልክዕ ከትሕዝ እንከሎ፣ እቲ መግዛእታዊ ውዕላት ድማ ነቲ ኣህጕራዊ ዶባተን ደሪቱ።
6. ኣቀዋውማ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰለስተ መግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረተ ኣስታት 1,000 ኪሜ ዚንውሓቱ ናይ ሓባር ዶብ ኣለወን። እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ስምምዕ ዚተገብረሉ ውዕል 1900 ነቲ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ዶብ ይሕንጽጽ (21)። እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያ፡ ኢትዮጵያን ዓባይ ብሪጣንያን ስምምዕ ዚተገብረሉ ውዕል 1902 ጥብቆ ናይ ውዕል 1900 ኰይኑ፣ ነቲ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ዶብ ከይተንከፈ ከም ዘለዎ ገዲፉ፡ ነቲ ምዕራባዊ ክፋል ናይቲ መስመር ውዕል (Treaty Line) የመሓይሽ (22)። እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ስምምዕ ዚተገብረሉ ውዕል 1908 ነቲ ምብራቓዊ ክፋል ናይቲ ዶብ ይድርት (23)።
በዞም ሰለስተ መግዛእታዊ ውዕላት ምስ ተደረተ፡ እቲ ብመግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረተ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብግብርን ብሕግን ኣህጕራዊ ቍመንኡ ዓቂቡ ጸኒሑ፣ ኤርትራ፡ ኣብቲ ከም ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ናጽነታ ዚኣዋጀትሉ እዋን ድማ፡ ከም ዘለዎ ወሪሳ ባሪኻቶ። ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራን ምጽንባር ኤርትራ ናብቲ ኮም ናይ ናጻ ሃገራትን፡ ብመሰረት ውዕላዊ ሕጊ፡ ብጹእነት ናይቲ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ኣጽዲቑ። እቲ ኣብ መትከል ዘይተተንካፍነት (uti possidetis juris) ናይቶም ኣብ እዋን ናጽነት ዚውረሱ መግዛእታዊ ዶባት ዚምርኰስ ብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ብኣህጕራዊ ልምዳዊ ሕጊ ኰነ በቲ ኣቕዋሚ ተግባር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዚድገፍ ኢዩ።
7. ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሃገርነትን
ኢጣልያ ነቲ ክሳብ ሽዑ ተፈናጭሉ ዚነበረ ግዝኣትን ዚተፈላለየ ህዝብን ብሓባር ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእከላይ ምምሕዳር ኣምጺኣቶ። ሕቡር መግዛእታዊ ኣሃዱ መስሪታ። ኣብታ ሰፈራዊ ግዝኣት ኢጣልያ (Italian settler colony) ኪትከውን ዚተበየነላ ኤርትራ፡ ኣገልግሎት ንምውዳድ ዚዓለመ መርበብ ናይ ዘመናዊ ከተማዊ፡ ኢንዳስትርያዊ፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ትሕተቅርጺ ሃኒጻ። ምትእትታው ናይ ሓደስቲ ረቛሒታትን ዝምድናታትን ማእቶት ሓደስቲ ማሕበራዊ ሓይልታት ፈጢሩ። ተቓውሞ ንኢጣልያዊ መግዛእታዊ ጭቈናን ስርዓታዊ ዓሌትነትን ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ኰስኲሱ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣንበድቢዱ። ተመኵሮ ናይ ሓባር ጭቈና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምዕባለ ናይ ሓባር ስነኣእምሮኣዊ ኣቀዋውማን ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ኣደንፊዑ (24)። ርእሰ-ምምሕዳራዊ ኤርትራዊ ታሪኽ ምስ ስልጡን ኤርትራዊ ባህሊ ተደሚሩ፡ ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ደሪዑ።
መቐጸልታ ኢጣልያዊ ሜላ ጭቈናን ዓሌታዊ ኣድሉዎን ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ንሃንቀውታ ኤርትራውያን ንናጽነት ብዝያዳ ኣበርትዖ። መጐት ናይ መግዛእታዊ ጭቈናን ህዝባዊ ተቓውሞን ንቕሓት ናይ ሓባር ኵነትን ንዅሉ ኤትኒካዊ፡ ቋንቋኣዊ፡ ሃይማኖታውን ዞባውን ምትእስሳር ዚሰገረ ጠማሪ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ፈጢሩ። እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዚተኻየደ ሓባራዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተቓውሞ ፍሉይ ኤርትራዊ መንነት ኣደልዲሉ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣትሪሩ፣ ንሃጸያዊ ኢትዮጵያዊ ዕብለላ ስዒሩ። ጽንዓት፡ ብርታዐን ሓቦን ኤርትራዊ ሃገራውነት ንጐበጣ ኢትዮጵያን ኣህጕራዊ ተሓባበርቱን ብዓወት መኪቱ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ጨቢጡ። ናጽነት ኤርትራ ንጕዳይ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኣህጕራዊ ዶብን ኤርትራ ሓንሳብ ንሓዋሩ መዕለቢ ገይሩሉ።
8. መንገዲ ነባሪ ሰላም
ግቡእነት መሰል ርእሰ-ውሳኔ፡ ልዑላዊ ሃገርነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ዚተመርኰሰን ኣብ ኣህጕራዊ ሕጊ ዚተመስረተን ኢዩ። ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ህወሓትን ልሂቃን ትግራይን፡ (1) ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ (2) ዘይተተንካፍነት መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽብሩ ይጠልብ። ነባሪ ሰላም ኣድላዪ መሰረት ንተሓባባሪ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራትን ሓባራዊ ብልጽግና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን (እንተላይ ህዝቢ ትግራይ) ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ንምጭባጥ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትታት ከፊሉ። ልዑላዊት ኤርትራ ውህሉል ሓባራዊ ዓወት ናይ ጻዕሪ፡ ረሃጽን ደምን ናይ ተኸታተልቲ ወለዶታት ኤርትራውያን ኢያ፤ ህልውቲ ኰይና ኪትነብር ድማ ኢያ። ምህማነ ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ሰውራዊ ዚነበረ ምንቅስቓስ ብዘስዓቦ ዘቤታዊ ሽግር እናተሳቐየ ይነብር ይሃሉ’ምበር፡ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገሩ ንምክልኻል ዘለዎ ቈራጽነት፡ ዓቕምን ተዓጻጻፊ ብቕዓትን ብተደጋጋሚ ኣመስኪሩ ኢዩ። እንደገና፡ ከምኡ ኪከላኸል ኪግደድ ግን ኣይግባእን። ክንየው ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ይደሊ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕጊ ብሰላም፡ ናጽነትን ራህዋን ኪነብር ሃንቀው ይብል ኣሎ።
እዘን ናይ ሎሚ መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣቀዋውማ ኰነ ምድራት ናይቲ ሓባራዊ ኣህጕራዊ ዶበን ዚዀነ ተራ ኣይነበረንን። ክልቲአን ሃገራት ነቲ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ወሪሰንኦ ኢየን። ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ንመትከል ዘይተተንካፍነት መግዛእታዊ ዶባት (uti possidetis juris) ብዘየወላውል ኪትቅበልን ነቲ ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብከምቲ ብመግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረቶ ዘይኵነታዊ ተፈላጥነት ከተረጋግጽን ግዴታ ኣለዋ። ስርዓት ኣቢይ፡ ምእዙዛት ኣገልገልቲ ሰልፊ ብልጽግናኡን ገለ ባእታታት ልሂቃን ኢትዮጵያን (እንተላይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ገለ ባእታታት ልሂቃን ትግራይን)፡ ነቲ ክሳብ ለይቲ ሎሚ መቓልሑ ዚቕጽል ዘሎ ኣሉታዊ ስንብራት ናይቲ ጕድኣታዊ ሳዕቤናት ናይቲ ቀዳማይ ኣሉታዊ ፈተነ (1997) ናይቲ ቀቅድሚኦም ዚነበረ መንግስቲ ኪዝክሩን ከስተውዕሉን ይግባእ። ብዚተረፈ፡ እቶም ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩ ኪደግሙዎ ኵኑናት ኢዮም!
ቅልጡፍ ትግባረ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ኣካላዊ ምኽላል ወይ ምምልካት ናይቲ ሓባራዊ ዶብ ብመሰረት መምርሒታት ምምልካት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ተክኒካዊ ደገፍ ካርቶግራፍያዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ንምውጋድን ሰላም ንምህናጽን ህጹጽ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣካላዊ ምምልካት ዶብ፡ ኣብ መንጎ ካልኦት ነገራት፡ ቅባጸት ቀጻሊ ግዝኣታዊ ህርፋን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ይዅን ገለ ክፋላት ኤርትራ ዘምልክት ይኸውን።
ተመክሮ ኤርትራ ምስታ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ናይ ኮሎኔል መንግስቱ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ ሕጂ ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኢትዮጵያ፣ ብልሂቃን ናይ ሓደ ኤትኒካዊ ጕጅለ እትዕብለል ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ህላወኣዊ ስግኣት ከም እትኸውን የረጋግጽ። ክንዲ ዚዀነ፡ ምቛም ዓይነት ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ዚምልከት ጕዳይ’ኳ እንተዀነ፡ ምውሓስ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምምጻእ ናይ ሓደ ምስ ኤርትራ ኣብ ሰላማዊ ሓባረ-ህላወ ኪነብር ዚደልን ተሓባባሪ ዝምድናታት ዚፈጥርን ግድነት ሓድሽ ሓቛፊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ይጠልብ። ኣብቲ መስርሕ፡ ምዕባለ ናይ ርእሰ-ምምሕዳራዊ በርጌሳዊ ማሕበራት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ደጋፊ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል።
ካብቲ ኣበረኛ ዕንክሊል ናይ ባዶ-ድምር ጸወታታትን ሕነ ምፍድዳይን ብምውጻእ ኲናት ንምውጋድን ሓድሽ መዋእል ናይ ዕርቂ ንምጅማርን፡ ተባዕ ስጕምትታት ምውሳድ የድሊ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ክልተኣውን ዞባውን ጽፍሕታት፡ ንሰላማዊ ሓባረ-ህላወን ተሓባባሪ ዝምድናታትን ምቹእ ኵነታት ዚፈጥር፡ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ኣከያይዳ ንምምጻእ ዚተወፈየ፡ ዳግመ ስርርዕ ገስገስቲ ሓይልታት ንምስሳን የኽእል። ሓንሳብ ምስ ተመስረታ፡ ደሞክራስያዊት ኤርትራን ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያን ዝምድናታተን ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ኪመልሳ፡ ትካላዊ ኣገባብ ከትሕዛ፡ ንተመላላእነት ቍጠባታተን ብምጥቃም ምእንቲ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታተን ኣብ ዕቱብ ምትሕብባር ኪኣትዋ ይኽእላ።
9. ኣፍደገ ባሕሪ፧ መሰል ዋንነት ዶ ተጠቃምነት
ኣቢይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ይብጽሓኒ ኢዩ ብምባል፡ ንዕኡ ንምርካብ ንወለዶታት ኪዋጋእ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። እቲ ሃንዳፍ ጠለቡ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ነቲ ብሉይ ትረኻ ናይ ሓድሓደ ባእታታት ናይቶም ግቡእነት ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ዚነጽጉን በቲ ክዉንነት ናይ ናጻ ኤርትራ ዘስቈርቍሩን ባእታታት ልሂቃን ኢትዮጵያ (እንተላይ ትግራይ) ዘቃልሕ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ምዉት ታሪኽ፡ ደሞግራፍያዊ ረቛሒ፡ ኤትኒካዊ ወይ ባህላዊ ተመሳሳልነት ብምምርኳስ፡ ንኤርትራ ንምዕብላልን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብን ዚህውትት ኣስፋሕፋሒ ትረኻታት ናይ “ዓባይ ኢትዮጵያ”ን “ዓባይ ትግራይ”ን ዚሰማማዕ ኢዩ። እቲ ዚጐሳጐሰሉ ዘሎ ጠለብ ናይ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕርን ናጽነት ምትሕልላፍን ዘይኰነስ፡ ጠለብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢዩ። እዚ ጠለብ ንመሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ’ዚ ድማ ንናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ህላወኣዊ ስግኣት፣ ንሰላም፡ ግስጋሰን ድሕነትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ኰነ ንዞባዊ ርግኣትን ጸጥታን ድማ ኣስጋኢ ሓደጋ ኢዩ።
ጠለብ ኢትዮጵያ ንመሰል ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ ግቡእን ግዳማዊ ንግዳ ንምስልሳል ኣድላይን ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ኵነትን ቅጥዕን ተጠቃምነት ኰነ ምትሕልላፍ ምስ ሓንቲ ወይ ኵለን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ጐረባብታ ኣብ ኣህጕራዊ ሕጊ ብዚተመስረተ ክልተኣዊ ልዝብ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ይግባእ። ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕሪ (ዓንቀጽ 125) (25) እተን ከም ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብግዝኣት ናይተን መተሓላለፍቲ ሃገራት ኣቢለን መሰል ምጥቃም ኣፍደገ ባሕርን ናጽነት ምትሕልላፍን ከም ዘለወን፤ እዚ መሰል’ዚ ኣብ መንጎ እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራትን መተሓላለፊ ሃገራትን ኣብ ስምምዕ ብዚብጽሓሉ ኣገባብን ቅጥዕታትን ኪኸውን ከም ዘለዎ፤ እተን መተሓላለፊ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ግዝኣተን ምሉእ ልዑላውነት እናተጠቕማ፡ ኣብ ልዕሊ ግቡእ ረብሓታተን ዚዀነ ምጥሓስ ንምክልኻል ኵሉ ዘድሊ ስጕምትታት ንምውሳድ ምሉእ መሰል ከም ዘለወን የቐምጥ።
ዋላ እተን ኣፍደገ ባሕርን ናይ ገዛእ ርእሰን ወደባትን ዚውንና ሃገራት፡ ከም መመላእታ ናይተን ናታተን ወደባት፡ ምእንቲ ስሉጥ ኣገልግሎትን ምውሓድ ወጻእታትን፡ መተሓላለፊ ሃገራት ይጥቀማ ኢየን። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ኤውሮጳ ዚዓበየ ቍጠባን ሓያሎ ናይ ገዛእ ርእሳ ወደባት እትውንን ጀርመን ንሆላንዳዊት ወደብ ሮተርዳም ከም ቀንዲ ኣፍደገ ናይቲ ዚበዝሐ ክፋል ኣህጕራዊ ንግዳ ትጥቀም። እተን ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኣርባዓን ኣርባዕተን ሃገራት፡ እንተላይ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ዓሰርተው ሽዱሽተ ሃገራት፡ መምስተን ዚምልከተን መተሓላለፊ ሃገራት ክልተኣዊ ስምምዓት ብምግባር ኢየን ኣህጕራዊ ንግደን ዘሰላስላ። ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሳ’ውን ግዳማዊ ንግዳ እተሰላስለሉ ከምኡ ዚኣመሰለ ክልተኣዊ ስምምዕ ምስ ጅቡቲ ኣለዋ፣ ኣብ 1993 ድማ፡ ኣዝዩ ሕድገታዊ ዚዀነ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕርን ናጽነት መተሓላለፍን ናብን ካብን ወደባት ኤርትራ ምጽዋዕን ዓሰብን ምስ ኤርትራ ብምልዛብ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ገይራ ከም ዚነበረት ዚዝከር ኢዩ።
ይዅን’ምበር፡ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ምስ ኣወጀትን ንምጽዋዕን ዓሰብን ብኣየር ምድብዳብ ምስ ጀመረትን፡ ምጥቃም ኣገልግሎት ወደባት ኤርትራን መሳለጥያታት መተሓላለፍን ብበይናዊ ውሳኔ ከም ዘቋረጸት ምዝካር ይግባእ። ኢትዮጵያ ክንዮኡ ብምኻድ፡ ኣህጕራዊ መጐዓዝያ መራክብ ወደባት ኤርትራ ንከይጥቀማ ሃዲዳ። ብወገነይ፡ ኤርትራ ኣብ ዚዀነ እዋን መሰል ተጠቃምነት ወደባታ ንኢትዮጵያ ዚኸልከለትሉ ኣጋጣሚ ኣይፈልጥን እየ።
ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ መወዳእታ ናይቲ ኲናት፡ እቲ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዚነበረ መለስ ዜናዊ፡ ንኤርትራ ኣታዊታት ንምኽላእን ኣብ ልዕሊኣ ፋይናንሳዊ ጕድኣት ንምውራድን፡ ፖለቲካ “ክሰር-ክሰር” ቅኒተ-ኣእምሮ ብምምራጽ፡ ወደባት ኤርትራ ንኸይጥቀም ከም ዚወሰነ እፈልጥ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጽዩፍ ጠለባ ንዋንነት ገዲፋ፡ ኣንፈት ኣተሓሕዛኣ ኪትእርም፡ ኣብ ውሽጢ መቓን ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕሪ፡ ንመሰል ተጠቃምነት ወደባትን ናጽነት መተሓላለፍን ብቕንዕና ኣብ ናይ “ክሰብ-ክሰብ” ምውጋይ ኪትላዘብ ከድሊያ ኢዩ።
ወደባት ኤርትራ፡ ሽሕ’ኳ ሎሚ ዓንየን ብዘይ ስራሕ ባኺነን ናብ ምትሃተ ከተማታት ተቐይረን እንተሃለዋ፡ ልክዕ ከም ዱባይ ማዕቢለን፡ ከም ቀንዲ መላግቦታት ዓለምለኻዊ መርበብ ንግድን ማእከላት ኣህጕራዊ ምስግጋር መራክብን ከገልግላ ዓቢ ተኽእሎ ኣለወን። ምስ መጠነኛ ምስትውዓል፡ ልቦና፡ ሓልዮትን ክእለትን ዘለዎ ምምሕዳር፣ እተን ህሉዋት ወደባት ኤርትራን ሓያሎ ካልኦት ኪምዕብላ ዚኽእላ ተወሰኽቲ ወደባት ኣብ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን፡ ንዅሎም ግዱሳት ተጠቀምቲ ከዕግብ ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ኣሎ።
10. ካሕሳን መሕወይ ኲናትን
ካሕሳን መሕወይ ኲናትን ክልተ ቅጥዕታት ናይ ኣራሚ ወይ ከሓሲ ፍትሒ ኢዮም። ክልቲኡ ቅጥዕታት ካሕሳ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ንካልእ ሃገር ወይ ህዝቢ ምስ እትወርር፡ እትገዝእ ወይ በደለኛ ጕድኣት ምስ እተውርድ እትገብሮ ክፍሊት ወይ መደበሲ ናይቲ ዚተፈጸመ ዕንወትን መቕተልትን ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ተኸታታሊ ወራራት፡ መግዛእታዊ ዕብለላ፡ ጭቈናን ምዝመዛን ተጻዊሩ። እቲ ዚፈጸምዎ መግዛእታዊ ዕብለላ፡ ጭቈናን ምዝመዛን ከይኣክል፣ ብሪጣንያውያን ንኤርትራ ንምምቃል ፈቲኖም፣ ነቲ ቀንዲ ትሕተቅርጻ፡ ኢንዳስትርያዊ ትካላታን ኣፍረይቲ ጸጋታትን ፈንጢሖምን ዘሚቶምን። ኢትዮጵያ ብኢደወነና ንፈደረሽን ኣፍሪሳ፡ ንኤርትራ ጐቢጣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምዕብላል ንሳላሳ ዓመታት መመላእታ ዘስካሕክሕ መግዛእታዊ ኲናት ኣካይዳ። ኣስፋሕፋሒ ኲናት ኣብ ምክያድ፡ ናይ ለበዳ-መሬት ሜላ ብምኽታል ኣብ መላእ ኤርትራ ጃምላዊ ዕንወት፡ ህልቂታትን ግፍዕታትን ፈጺማ።
ህዝቢ ኤርትራ በቲ በዞም ሰለስተ ተኸታተልቲ መግዛእታዊ ሓይልታት፡ ማለት ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ልዕሊኡን ሃገሩን ዚተኻየደ ኲናታትን ዚተፈጸመ ታሪኻዊ በደላትን ካሕሳ ኪጠልብን ደበስ ኲናት ኪረክብን ግቡእ መሰል ኣለዎ። እቲ ጠለብ ንካሕሳን መሕወዪ ኲናትን ብግቡእ ኪቐርብን እቲ መሰል ብዚቐልጠፈ ኪረጋገጽን ይግባእ። ካሕሳን መሕወይ ኲናትን ኢትዮጵያ ንኤርትራን ንኤርትራውያንን፡ ከም ግዳያት ናይቲ ኣረሜናዊ ኲናት ወራርን ማእለያ ዘይብሉ ጐድናዊ ዕንወቱን መጠን፡ መደምደምታ ኪገብር ጥራይ ዘይኰነስ፣ እንተላይ ንኢትዮጵያ ነቲ ንኤርትራ ብምውራር ንወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንምሓዝ እትህድደሉ ዘላ ሓደገኛ ዕንደራ ዳግም ኪትሓስበሉን ከተቋርጽን ኪድርኽ ይኽእል።
11. ክሳብ ዚፍንትር ዚደጋገም ሓሶት ንሓቂ ኣይቅይርን
ሓለቓ ፕሮፓጋንዳ ናዚ ጆዘፍ ጎአበልስ፡ ዓቢ ሓሶት ምንጋርን ብቐጻሊ ምድግጋምን ዘየሎ ክነሱ ዘሎ ዚመስል ሓቂ ይፈጥርን ህዝቢ ከም ዚኣምኖ ይገብርን፡ ይብል። ሓያሎ ዚጠፈሹ ላዕለዎት መራሕቲ-ነበርን ካድረታትን ህወሓት፡ ንብሂል ጎአበልስ ብምቕዳሕ፣ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ወራር 1998-2000 ነቲ ብማእከላይ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣስመራን ዓሰብን ንምሓዝ ዚተወስደ ውሳኔ ብትእዛዝ ናይቲ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ተቐልቢሱ ዚብል ትረኻ ብሰፊሑ ከናፍሱ ጸኒሖም። እዚ ንፍሽለት ናይቲ ንኤርትራ ዳግም ንምጕባጥ ዚሓለነ ዕላማ ኲናት ኢትዮጵያ ንምምኽናይ ዚተነግረ ዓቢ ሓሶት’ዚ ብገለ ባእታታት ኤሊታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኪዝርጋሕ ጸኒሑ። እቶም ሎሚ ነቲ ሓሶት ምሂዞም ዚደጋግሙ ዘለዉ ጀነራላት ድማ፡ እቶም ሽዑ በቲ ዘጋጠሞም ስዕረትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቶም ዚወረደ መቕዘፍን ዚበኸዩ፡ ስዒቡ ብጕድለት ተኸሲሶም ምሕረት ዚተገብረሎም ኢዮም።
እምበኣርከስ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ)፡ ነቲ ብሰብኣዊ ማዕበል ዚካየድ ዚነበረ ተደጋጋሚ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ዓሊተና-መረብ (ዓይጋ፡ ዓሊተና፡ ዛላምበሳ፡ ጸሮና)፣ ግንባር መረብ-ሰቲት (ባድመ፡ ገዛ ገረህላሰ)፣ ግንባር ቡረ (25) ብዓወት ጸፊዑ ሓምሺሹዎ ኢዩ። ሽሕ’ኳ፡ ብጠንቂ ፍሽለት መሪሕነትን ብኵራት ተግባራዊ እዋናዊ ስለያዊ ሓበሬታን፡ ኣብ ግንባር መረብ-ሰቲቲ (ባድመ፡ ለካቲት 1999) ሕማቕ መኻልፍ እንተኣጋጠመ፣ ሓምኤ ነቲ ኣስመራ ንምሓዝ ዚዓለመ ኣዝዩ ደማዊ ቀቢጻዊ መጥቃዕቲ ኣብ እግሪ መኸል (መጋቢት 1999)፡ ዓዲ በጊዖ (ግንቦት 2000)፡ ሰንዓፈ (ሰነ 2000)፣ ነቲ ንዓሰብ ዒላማ ዚገበረ ድማ ኣብ ቡረ (ሰነ 2000)፣ ብኣዝዩ ድሙቕ ዓወት ከም ዚደምሰሱዎ ታሪኽ ይምስክር። ክፍለ-ሰራዊት ደድሕሪ ክፍለ-ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ረመጽ ናይ መቕዘፍቲ ተሃንኲቶም (26)። እቲ ኲናት፡ እቶም ሰለስተ ኣዘዝቲ ጀነራላት ናይተን ሰለስተ ግንባራት፡ መለስ በብመዳዮም ንኪቕጽሉ ምስ ሓተቶም፣ በብሓደ፡ እቶም ኣመና ዚደኸሙን ዚተሃስዩን ወተሃደራቶም ሓድሽ መጥቃዕቲ ከካይዱ ኰነ ነቲ ኲናት ኪቕጽሉ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ምስ ሓበሩዎ፡ እቲ ኲናት ከም ዘብቅዐ ቀደም ኣብ ቃልዕ ዚወጸ ምስጢር ኢዩ (27)።
እቶም ብወልፊ ናይ ሓቅታት ምጕሳይ ወይ ምጥምዛዝ ዚሳቐዩን ብድንቍርና ታሪኽ ዚዓወሩን ሰበስልጣን መንግስትን ሰልፊ ብልጽግናን ኣቢይ ኰነ ገለ ባእታታት ልሂቃን ኢትዮጵያ፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኰይና ኣይትፈልጥን ኢያ፣ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ዚብል ሓድሽ ሓሶት ምሂዞም ይዝርግሑ ኣለዉ። ግደ ሓቂ፡ ኣብቲ ኢጣልያ ኣብ 1969 ንፈለማ እዋን ኣብ ዓሰብ እግሪ ዘንበረትሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ መስርሕ ምቛም ከም ሃገር’ውን ኣይጀመረትን ነይራ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚተገልጸ፡ ኤርትራ ድሮ ኣብ 1890 መግዛእታዊት ሃገር ኰይና እንከላ፣ እቲ ኣቢሲንያውያን (ሓበሻ) ዘይኰኑ ህዝብታት ዚቕመጡዎ ግዝኣታት ናይ ዓፈር፡ ኣንዋክ፡ በኒ ሻንጉል፡ ቦሮና፡ ጋምቤላ፡ ጉራገ፡ ኦሮሞ፡ ኮንሶ፡ ሲዳማ፡ ወላሞን ወላይታን ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ንጉስ መነሊክ ናይ ሽዋ ኣብ መንጎ 1889ን 1910 ወሪሩ ዚሓዞን ዚገዝኦን ኢዩ።
እታ ካብ ታሪኽ ንምምሃር ድሌትን ክእለትን ዘይብላ እትመስል ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብምውራር ንወደብ ዓሰብ ንምሓዝ ዘፈራርሕ ጽዑቕን ሰፊሕን ፕርፓጋንዳዊ ኲናት ተካይድ ኣላ። እንተ ውዒላቶ፡ እቲ ወራር ብድፍኑ ከም ኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪርአ ኣይግባእን። ኣህጕራዊ ኮም ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣስፋሕፋሒ ኲናት ወራር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብግቡእ ኪዅንን፡ ነቲ ፍትሓዊ ብኣህጕራዊ ሕጊ ዚድገፍ ኲናት ሃገራዊ ምኵልኻል ኤርትራ ድማ ምሉእ ደገፉ ኪህብ ይግባእ። ግድነት፡ ታሪኽ ኣብ ስዕረት ናይቲ ሓድሽ ወራር ምድጋሙ ዘይተርፎ ኢዩ።
12. ውሽጣዊ ጸላኢ
ኢሳያስ ልዑላውነት ህዝቢ ገቢቱ፡ መንግስታዊ ስልጣን ብሒቱ፡ ንልምዓታዊ ተኽእሎ ኤርትራ ዚቐየደ ሜላታትን ተግባራትን ከሰላስል ጸኒሑ። ነቲ ሃገራዊ ቻርተር፡ ማክሮቍጠባዊ ሜላዊ መቓንን ቅዋም ኤርትራን ራሕሪሑ፣ ጨካን ምልኪ ኣስገዲዱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓሚጹ፡ ንሃገራዊ ቍጠባ ኣዕንዩ፡ ንኤርትራ ንድሕሪት ጐቲቱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክቱር ድኽነት ሸሚሙ፡ መንእሰያትን ዚበዝሑ ሞያውያንን ዋኒንተኛታትን ልሂቃን ብጃምላ ንኪስደዱ ብምድፍፋእ ሃገር ኣባዲሙ። እቲ ጐዳኢ ደረትኣልቦ ምቕያድን ምድስካልን ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ እንተላይ ላዕለዎት ካድረታት ህግሓኤ፡ ወተሃደራዊ መኰነናትን ገዳይም ታጋደልቲ ብረታዊ ቃልስን፡ ክንየው ቅሉዕ ብድዐ ዚመልኦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላቶም ምዃኑ፡ ነቲ ናይታ ሃገር ብቑዕን ክኢላን ሓይሊሰብ ኣብ ምምህማን ዓቢ ዓበርክቶ ኣለዎ።
ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መሰል ንቡር ህይወት ምንባር ስለ ዚተነፍጎ፡ ኣብ ስደት ዚከላኸለሉ ኰነ ዚጣበቐሉ መንግስቲ ስለ ዘይብሉ፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣደዳ ውርደት፡ ማእሰርቲ፡ መቕተልቲ ብምዃን ማእለያ ብዘይብሉ ግፍዕታት ኣብ ምስቓይ ይርከብ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብቐጻሊ እናነከየ ዚኸይድ ተዛማዲ መጠን ብዝሒ ህዝብን እናማሰነ ዚኸይድ ሓይሊሰብን፡ ህላወኣዊ ስግኣት ንድሕነት ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ዚፈጥር፣ ንመጻኢና ከም ሃገርን ከም ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ክስተት ኢዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንህዝብና ኣደዳ መድቈስቲ፡ ማእሰርቲ፡ ድኽነትን ስደትን ብምግባር ንሃገርና መወራዘዪ ጸላእትን መስሓቕ ሸራፋትን ገይሩዋ ምህላዉ መዓንጣ ከብድኻ ዘሕርር ተርእዮ ኢዩ።
ምዕቃብ ናይ ንዚመጽእ ባዕዳዊ ወራር ኪገትእ ዚኽእል ዘተኣማምን ዓቕሚ ምክልኻል፡ ስሙር መዋቕራት እዝን ቍጽጽርን ዘለዎ ሞያዊ ዕጡቕ ሓይልታት ይጠልብ። ምህናጽን ምስሳንን ኣድማዒ ዓቕሚ ግጥም ዘለዎ ዕጡቕ ሰራዊት ኣብ ክሊ ብቐጻሊ ዚዓቢ ሃገራዊ ቍጠባ፡ ክእለት ምጥራይ ዋንነትን ኣጠቓቕማን ዘመናዊ ስነፍልጠትን ስነኪነትን ኰነ ግብራዊ ክእለት ናይ ምዕቡል ስርዓታት ኣጽዋር ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ ትግባረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመሰረት ሕጋዊ ቅጥዕታት ናይቲ ኣበጋሲ ኣዋጅ፣ ብንቡር እናወሰኸ ዚኸይድ ብዝሒ ህዝቢ፣ ሰሳኒ ቍጠባዊ ልምዓት ይጠልብ።
እቲ “ኣብ ውሽጥኻ ጸላኢ እንተ ዘይብልካ፡ እቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ጸላኢ ኪጐድኣካ ኣይክእልን ኢዩ” ዚብል ኣፍሪቃዊ ምስላ ንህሉው ኵነታት ኤርትራ ብልክዕ ይገልጽ። ህዝቢ ኤርትራ ብጨካን ዘቤታዊ ጭቈናን ንፍገት መሰረታዊ ናጽነታትን መሰላትን ኪሳቐ ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ውልቀመላኺ ስርዓት፡ ነቲ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሜዳታት ዓጽዩ፣ ነታ ሃገር ነጺሉ፣ ነቲ ህዝቢ ኣድኪዩ፣ ንመንእሰያት ናብ ጃምላዊ ስደት ደፊኡ - ንሓይሊሰብ ኤርትራ ብምምሳን ንመጻኢ ናይታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ። ብርኩት ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታት፡ ኣገዳሲ ጀኦስትራተጅያዊ፡ ጀኦቍጠባውን ጀኦፖለቲካውን ብልጫታት ኤርትራ ብግቡእ ብምጥቃም ሃገር ከማዕብልን መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽን ኣይከኣለን።
ብኵራት ናይ ዚተሓትመ ሃገራዊ ባጀትን ስእነት ተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣብ ኣከያይዳ መንግስታዊ ፋይናንስ፡ ኣታዊታትን ወጻኢታትን መንግስቲ፡ እንተላይ ኣታዊታት ካብቲ ኣዝዩ ኣኽሳቢ ጽላት ዕደና፡ ሓላኺ ዕንቅፋት ናይ ርትዓዊ ቍጠባዊ ምሕደራ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ዚዓነወ ናይ ኩፖን ቍጠባ ነቲ ውሑድ መቝነን መዓልታዊ እኽለ-ማይ ብቐጻሊ ከባጽሕ ዳርጋ ስለ ዘይክእል፡ ንህዝቢ ኣብ ስቓይን ሓሳረ-መከራን ሸሚሙዎ ይርከብ። ከተማታትናን ወደባትናን ብዕንወት ማሲነን፣ እቲ ብፍሩስ መናድቕ ዚተደወነ ህንጻታተንን ብጐዳጕዲ ዚተመልአ ጽርግያታተንን፡ ንቡር ጽገና ተሓሪሙ፡ ብፍጹም ተበላሽዩ፣ እተን ካብ ንቡር ስራሕ ዚባኸና ወደባትና ናብ ምትሃተ-ከተማታት ተቐይረን ኣለዋ።
እቲ ዝሕቱል ናይ ኩፖን ቍጠባ ሽቕለት ኪፈጥር፡ ሃብቲ ከፍሪ፡ ራህዋ ከምጽእ ኣይከኣለን። እቲ ኣብ ልዕሊ ጽላት ህንጻ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዚጸንሐ እገዳ ነቲ ኣዝዩ ኣዋጣሪ ሕጽረት ኣባይቲ ኣጋዲዱ። ከም ጸዓት፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ማይ ቡምባ፡ ብቑዕ ዓይነታዊ ትምህርቲ፡ ሓለዋ ጥዕናን መድሃኒትን፡ ህዝባዊ መጐዓዝያ፡ ኣቕርቦት ኢንተርነት፡ ወዘተ.፡ ዚኣመሰሉ ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ብዙሕ እዋን የለዉን ወይ እኹላት ኣይኰኑን። ምስዚ ብዚተኣሳሰር፡ ሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤርትራ ዚበጽሐ፡ ኣብቲ ዞባ ዚነብር ሰብ፡ ኤርትራ ብኵነተ-ሃለዋት ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጻ ካብተን ጐረባብታ ሃገራት ብዕስራ ዓመታት ድሒራ ከም ዘላ ምስ ሓበረኒ፡ ዚተሓዋወሰ ብርቱዕ ሕርቃንን ሕፍረትን ተሰሚዑኒ። እቲ ኣጠቓላሊ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ዲፕሎማስያውን ድኻም ኤርትራ ድማ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ምሉእነታን ግዳማዊ ታህዲዳት ዚዕድምን ዘተባብዕን።
ናጽነት ርእይቶ ምግላጽ፡ ኣኼባ ምግባር፡ ማሕበር ምቛም የለን። ስእነት ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ንዜጋታት፡ ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስትን ወተሃደራዊ መኰነናትን፡ ብተመሳሳሊ፡ ንሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ማሕቡስ፡ ግዱድ ምስዋር ሃለዋት ይዅንን። ብኵራት ግዝኣተ ሕጊ፡ ምስቲ ሕጽረት ቍጠባዊ፡ ናይ ጸዓት፡ ኣከባብያዊ፡ ናይ መግቢ፡ ናይ ጥዕና፡ ብሕታውን ፖለቲካውን ድሕነት ተደሚሩ፣ ህዝቢ ኣብ ናጽነት፡ ሰላምን ራህዋን ዚተማልአ ህይወት ናይ ምንባር መሰሉ ይነፍግ። ድንቍርና ወይ ንዕቀት ናይ ንቡር መንግስታዊ ፕሮቶኮል፡ ሃንዳፍ መግለጺታት ኰነ ተበግሶኣዊ፡ ኣስተውዓልን ኣድማዕን ዲፕሎማሲ ምስልሳል ዘይምኽኣል ንሃገራዊ ጸጥታዊ ረብሓታትና የዳኽም፣ ኣብ ሃገራዊ ምክልኻል፡ ኣብ ህዝብና፡ ብፍላይ ኣብ ሓምኤ፡ ዘይመጣጠኑ ኣመና ዓበይቲ መስዋእትታት የውርድ።
ኢሳያስ ነቲ ዚጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ምትግባርን ግዝኣተ ሕጊ ምኽታልን ኣብዩ፡ ዕጭ ሓንፊፉ። ኣብ ልዕሊ’ቲ በቲ ንዘመናት ዚጸንሐ ስሩዕ ሕጊታት እንዳባኡ ዚሕበን፡ ብሕጊ ዚነባበር ሕብረተሰብ ተለዋዋጢ ዊንታዊ ግዝኣተ ሰብ ኣስገዲዱ። ምህናጽ ተግባራዊ መንግስታዊ መሳርዕ፡ ሰራሪ መንግስታዊ ትካላት ኰነ ስርሒታዊ ምምሕዳራዊ ኣካላት ዓጊቱ። ሓቛፊ ቅዋማዊ ምሕደራ ኪምስርት፡ ቍጠባ ከማዕብል፡ ማሕበራዊ ግስጋሰ ከሰላስል ኣይደለየን፡ ኣይከኣለን።
ኣብ ናይ ሳላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ዕምሪ ስልጣኑ፡ ስርዓት ኢሳያስ ንኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ጠለባትን ኣድላዪ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከቕርብ ኣይከኣለን። እዚ ጽልሙት ክዉንነት’ዚ ድማ፡ ሃገር ብግቡእ ከመሓድር ኰነ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ከማልእ ብቕዓት ከም ዘይብሉ የረጋግጽ። ውጽኢት ሕማቕ ምሕደርኡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣድክዩ፡ ንኤርትራ ኣንዒቑን ኣደንዲኑን ይርከብ። እቶም ኣሚኖም ወይ ተዓሲቦም ንኢሳያስ ዚድግፉ፡ ዚንእዱ፡ ዚውድሱ ኰነ ነቲ ኣዕናዊ ኣነነቱ ዚነፍሑ፣ ናብ ቀልቦም ኪምለሱን ኣብ መሳርዕ ናይቲ ነቶም ነዚ ጽልሙት ኵነታት’ዚ ዚፈጠሩ ሜላታትን ተግባራትን ንምቕያር ዚካየድ ጻዕሪ ኪጺንበሩን የድሊ።
13. ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ
ኲናት መቐጸልታ ፖለቲካ ብኻልእ መንገዲ ኪኸውን እንከሎ፣ ዲፕሎማሲ ድማ መቐጸልታ ኲናት ብኻልእ መንገዲ ኢዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ዝምድናታት ኣብ መንጎ ፖለቲካ፡ ኲናትን ዲፕሎማስን ዚተሓላለኸ ዝምድናታት ኣሎ። ስትራተጅያዊ ወይ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምውቃዕ ብተበግሶኣዊ ኣገባብ ዚሰላሰል ዲፕሎማሲ ኲናት ንምውጋድ ወይ ንምምላእ ከገልግል ይኽእል። ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ ረብሓታት ሃገራዊ ድሕነት ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን ንምክልኻል ወይ ንምድንፋዕ፣ ግጭታት ንምውጋድ፡ ንምፍታሕ ወይ ንምእላይ ኰነ ኲናታት ንምዅላፍ ይዕልም።
ንሓደ ንሃገራዊ ረብሓኻ ዚጻባእ መግለጺ ወይ ተግባር ናይ ሓደ ባዕዳዊ መንግስቲ ዚቃወም እዋናዊ ደማርሽ (ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ) ምቕራብ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ ኢዩ። ደማርሽ ወግዓዊ መሰማዕታ ናይ ወግዓዊ መርገጺ፡ ርእይቶ ወይ ድሌት ናይ ሓደ መንግስቲ ብዛዕባ ሓደ ንሃገራዊ ረብሓ ዚምልከት ጕዳይ ናብቲ ዚምልከቶ በዓልመዚ ናይ ካልእ መንግስቲ ወይ ኣህጕራዊ ውድብ ኢዩ። መንግስታት ብቐንዱ ንተግባራት ናይ ሓደ ባዕዳዊ መንግስቲ ንምቅዋም ኰነ ንምርዳእ፡ ንምሕባር ወይ ካብ ሓደ ባዕዳዊ መንግስቲ ሓበሬታ ንምእካብ ይጥቀሙሉ።
ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ ወራር ኪገትእ ዚኽእል ኣድማዒ ናይ ግጥም ዓቕሚ ዘለዎ ዕጡቕ ሓይልታት ምዕቃብን ዞባውን ኣህጕራውን ምሕዝነት ምዅስኳስን፣ ሓደ ንፉዕ መራሒ ምክልኻል ሃገርን ድሕነት ህዝብን ብዘይ ኲናት ንምርግጋጽ፡ ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ የሰላስል። ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ ግጭት ከወግድ፡ ኪገትእ ወይ ኪፈትሕ ኰነ ብዛዕባ መበቈል ናይ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዚለዓል ግጭት ምስሕሓብ ምስ ዚፍጠር፣ ብሕሳብ ናይታ ካልእ ሃገር ንሓንቲ ሃገር ዘርብሕ ኲነታት ኪፈጥር ይኽእል። ንኣብነት፡ ኤርትራ ኣብ ሓምለ 1997ን (ጕዳይ ዓድ ምሩግ) ኣብ ግንቦት 1998ን (ጕዳይ ባድመን ከባቢኣን) ደማርሸታት ኪትገብር ወይ ከተቕርብ ዘይምኽኣላ፣ 6 ግንቦት 1998 ንኤርትራ ብዚሃስን ንኢትዮጵያ ብዘርብሕን ኵነታት ከም ደረት ናይቲ ቅድሚ ግጭት ዚነበረ ኵነታት ተወሲዱ።
መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ዚሓለፈ ተመኵሮ፡ እንተላይ ናይ ደሴታት ሓኒሽ-ዙቑር (1995-1998)፡ ብምምሃር፡ ነቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ንግዝኣታዊ ምሉእነት ኤርትራ ዚግህስ ታህዲድ ኰነ ነቲ ኣብ 15 ለካቲት 2025 ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚዘርግሖ፡ ንግዝኣታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ካርታ ኣፍሪቃ ዚቃወም ደማርሽ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት (እተን ቀወምቲ 5)፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ወዘተ.፡ ብግቡእ ከቕርብ ይግባእ ነይሩ።
እቲ ናይ ትም ሜላ (ፖሊሲ) ኣብ ቅድሚ’ቲ ዚተወሃሃደ ዘመተ ናይ ወግዓዊ ታህዲዳት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ፡ ፍሽለት ናይ ካብ ዚሓለፉ ጌጋታት ምምሃር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሃገረ ኤርትራ ዚሃሲ ቀጻሊ ተጻብኦን ንዕቀትን ናይ ዘቤታውን ኣህጕራውን ሕግን ጽልኢ ዲፕሎማስን የመልክት። ኣብ ንልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራዊ ድሕነትን ዚትንክፉ ጒዳያት፡ ኣብ ክንዲ ብእዋናዊ ደማርሽ ግቡእ ተቓውሞ ምምዝጋብ፣ ትም ምባል ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ጥራይ ምምላስ፡ ንሃገራዊ ረብሓ ዘግድዕ መርኣያ ዲፕሎማስያዊ መሃይምነት ኢዩ፡፡ ኣስተውዓልን ኣድማዕን ተበግሶኣዊ ዲፕሎማሲ ምስልሳል ዘይምኽኣል፡ ንረብሓታት ሃገራዊ ድሕነትና ከዳኽምን ኣብ ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ኣብ ሓምኤ፡ ዓቢ ጽዕነት ከንብርን ጸኒሑ።
14. ሃገራዊ ግቡእ
እቲ ንኤርትራ ናይ ምውራርን ንወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ናይ ምሓዝን እዉጅ ዕላማ ኣቢይ ኣሕመድ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኰነ ንናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ህላወኣዊ ስግኣት ኢዩ። ወሪሩ ኲናት እንድሕሪ ወሊዑ፡ ኵሉ ሓርበኛን ሃገራውን ኤርትራዊ ነቲ ወራር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብትሪ ኪዅንን፡ ኪጻረርን ኪቃወምን ሃገራዊ ግቡእ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ዚዀነ ጕልባብ ወይ ምስምስ፡ ምስቲ ፕሮጀክት ቅሉዕ ወራር ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ዚስራዕ ወይ ዚተሓባበር ዚዀነ ኤርትራዊ፡ መጋበርያ ተጻባእቲ ወይ ከዳዕ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዚኽእል።
በቲ ካልእ ወገን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኵሎም ህዝብታት ዓለም፡ ዚተማልአ ህይወት ናይ ናጽነት፡ ሰላምን ራህዋን ንምንባር ዘኽእሎ ሰብኣዊ ድሕነትን ድሕንነትን ኪህሉዎ ይግባእ። ከም ህዝቢ፡ ብግዝኣተ ሕጊ ንምንብባርን መሰረታዊ ናጽነታትን መሰላትን ንምስትምቓርን ዘይንፈግ መሰል ኣሎና። ኣብ ክንዲ ኣብ መላእ ዓለም ከም “ደቂ ዛግራ” ፋሕ ኢልና ስደተኛታት ኴንና እንነብር፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ብክብረት፡ ድሕነትን ራህዋን ክንነብር መሰል ኣለናን ይግባእን።
እቶም ናጻ፡ ደሞክራስያዊት፡ ፍትሓዊትን ራህዋ ዚሰፈናን ኤርትራ ክንርኢ እንደሊ ሓርበኛታትን ሃገራውያንን ኤርትራውያን፡ መሰረታዊ ናጽነታት፡ መሰላትን ሰብኣዊ ድሕነትን ህዝብና ንምክልኻል፣ ሃገር-በቈል ስግግር ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምድራኽን ሃገራዊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ንምርግጋጽን ክንጣበቕ እዋኑ ይጠልብ። እቶም ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ዘቐድሙ፡ መሃዚ ዓቕሚ ኤርትራውያን ንምብርባርን ኣፍደገ ፖለቲካውን ቍጠባውን ህይወት ሃገር ንምርሓውን፣ ቍጠባ ዘማዕብል፡ ሽቕለት ዚፈጥር፡ ራህዋ ዘስፍን ጥንቁቕ ኣመሓዳድራ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታት ኤርትራ ንምትእትታው ኪጣበቑ ይግባእ። ለባም ማክሮቍጠባዊ ሜላን ሕጋዊ መቓንን ምውዳድ ልምዓት ከቀላጥፍ፡ ዘቤታዊ ወፍሪ ከተባብዕ፡ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኪስሕብ ይኽእል።
ምእንቲ ርጉእ ስግግር ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ እናተጣበቕናን እናሰራሕናን፡ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን ንኣስፋሕፋሒ ህርፋንን ወራርን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብትሪ ክንቃወም ይግባእ። ኣብዚ ስርዓተ-ኣልቦን ፍትሒ-ኣልቦን ዚዀነ ተኣፋፊ መድረኽ ስግግር ዓለማዊ ስርዓት’ዚ፡ ኣብቲ እትርከበሉ ተቐያያርን ተሃዋጽን ዞባ መታን ኪትሰርርን ኪትስስንን፡ ኤርትራ ንዚመጸ ተጻባኢ ሓይሊ ገቲኡ ቦትኡ ዘትሕዝ ተኣማኒ ዓቕሚ ርእሰ-ምክልኻል፣ ዘመናዊ ዕጥቅን ስሙር መዋቕር እዝን ቍጽጽርን ዚውንን ሞያዊ ሰራዊት፣ ንልምዓትን ሃገራዊ ድሕነትን ዘተኣማምን መሰረት ሓይሊሰብ ዘረጋግግጽ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ብዝሒ ህዝቢ የድሊያ። እዚ ድማ ትግባረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመሰረት ዓንቀጻት ኣዋጅ 82/1995 (26) ይጠልብ።
15. መደምደምታ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ወጸቓ ዘቤታዊ ጭቈናን ሞደሻ ታህዲድ ወራርን ተቐርቂሩ ኣብ ቀጻሊ ስቓይ፡ ሓሳረ-መከራን ሕሰምን ኪነብር ጸኒሑ። እቶም ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ናይ ነዊሕ ሃገራዊ ጸጥታዊ ረብሓታት ኤርትራን ዘቐድሙ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣንጻር ዘቤታዊ ጭቈና ኪቃለሱ፡ ንባዕዳዊ ወራር ኪቃወሙ፡ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ ኪጣበቑ ብጹእ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ሓላፍነት’ዚ ብኣድማዕነት ምስካም፤ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ዳያስፖራን፡ ኣብ ሓደ ሓቛፊ ቀጽሪ ልዑላውነት ኤርትራ ዚጥርነፍ ሰፊሕ ልፍንቲ ናይ ፕሮደሞክራስዋውያን ተነጣጠፍቲ ብምህናጽን ምሕያልን፣ መሰላቱን ናጽነታቱን ንምክልኻል፣ ልዑላውነቱ ንምጥቃም፣ ንታህዲድ ወራር ንምብርዓን፣ ንዚመጸ ወራር ንምስዓር ዘኽእል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝብና ምድንፋዕ ይጠልብ።
ንመሰል ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ብዚምልከት፡ እቲ ቅኑዕ ኣማራጺ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዘገልግል፡ ብቕንዕና ክልተኣዊ ልዝብ ብምክያድ፡ ኣብ ክሊ መዋቕር ኣህጕራዊ ሕጊ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ኢዩ፤ እቲ ግጉይ ኣማራጺ ድማ፡ መቕዘፍቲ፡ ዕንወትን ስቓይን ናይ ኲናት ኢዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣጸያፊ ናይ ዋንነት ጠለቡ ገዲፉ፣ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ካርትኡ ኪስሕብ፣ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ጠንቃም መደረታትን ምጕስጓስ ኲናትን ከቋርጽ፣ ግድነታዊ ኣድላይነት ኢዩ። ኣብ ክንድኡ፡ ብመሰረት ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕሪ፡ ንምሉእ ልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ግቡእ ረብሓታት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኣብ ዘኽብር ቅጥዕን ኣገባብን ኣጠቓቕማ ወደብን ናጽነት ምትሕልላፍን ንእታውን ሰደድን ኢትዮጵያ ብኤርትራ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ብቅኑዕ እምነት ንምልዛብ ኪሕልን እቲ እንኮ ሰላም ዘውሕስ ቅኑዕ ኣማራጺ ምዃኑ ደጊመ አስምረሉ።
ዘልኣለማማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!
መግለጺታትን መወከሲታትን
1. ሰልፊ ብልጽግና (Prosperity Party) በቲ ኣቐዲሙ ብስም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞ (ህደውኦ - OPDO) ዚፍለጥ ዚነበረ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኦሮሞ (ODP) ዚዕብለል ሰልፊ ኢዩ። ህደውኦ ብቐንዱ በቶም ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ተማሪኾም ናጻ ዚተለቁ ኦሮሞ ወተሃደራት ሰራዊት ናይ ደርግ ኢትዮጵያ ዚቘመ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይቲ ሽዑ ዓብላሊ ዚነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብቲ ዚገዝእ ዚነበረ ልፍንቲ ናይ ህዝባዊ ሰውራዊ ግንባር ህዝብታት ኢትዮጵያ (ህሰደግህኢ) ከም መተካእታ ወይ መማዝንቲ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) ከገልግል ቈይሙ ዚነበረ ኢዩ።
2. Prime Minister Abiy Ahmed Ali, ከጠብታ ውሃ እስከ ባህር ውሃ (From a Drop of Water to Sea Water), address to the Ethiopian Parliament delivered on 13 October 2023. Available online: https://fb.watch/nFi5YLLmR1/.
3. The Holy Bible, Matthew 9:17
4. Trevaskis, G.K.N. (1960), Eritrea: A Colony in Transition, 1941-1952, Oxford University Press, London: 5
5. Turchin, P. and J. M. Adams and T. D. Hall (2004), East-West Orientation of Historical Empires, University of Connecticut. November. Available online: http://www.eeb.uconn.edu/people/turchin/ PDF/Latitude.pdf
6. Trevaskis, G.K.N. (1960): 5
7. Yohannes, O. (1991), Eritrea: A Pawn in World Politics, University of Florida Press: 30
8. Pateman, R., Eritrea: Even the Stones Are Burning, Red Sea Press, 1990
9. Haile, S. (1988), “Historical Background to the Ethiopia-Eritrea Conflict”, in Lionel Cliffe and Basil Davidson (eds), The Long Struggle of Eritrea for Independence and Constructive Peace, Trenton, NJ, The Red Sea Press: 11-32
10. ፈለግ መረብ፡ ምስ ፈለግ በለሳን ሙናን ብሓባር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ምድሪ ባሕርን ኣቢሲንያን ዚነበረ ታሪኻዊ ዶብ የቕውም። እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዚተገብረ ውዕል ዶብ 1900 ንመስመር መረብ-በለሳ-ሙና፡ ከም ኣህጕራዊ ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ማእከላይ ክፋል የረጋግጽ።
11. Reid, R. (2007), “The Trans-Mereb Experience: Perceptions of the Historical Relationship between Eritrea and Ethiopia”, in «Journal of Eastern African Studies»: 246
12. Yohannes, O. (1991): 31
13. Reid, R. (2007): 32-34
14. Trevaskis, G.K.N (1960): 7
15. Longrigg, S. (1945), A Short History of Eritrea, London Clarendon Press: 113
16. Trevaskis, G.K.N (1960): 7
17. Resistance from Raesi Welde-Mikael of Hamasien, Dejach Bahta of Akele Guzai, Fitewrari Kiflu of Seraye and Kentiba Hamid of Habab and peasant revolt hindered Yohannes’ effective control of the Central Plateau.
18. Longrigg, S. (1945): 112-113
19. Harris, Joseph E. (1987), Africans and their History, Revised Edition, New American Library, New York and Scarborough, Ontario: 176-177. ታሪኻዊ ሓቂ ብምኽባር ግን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ሃኒባል፡ እቲ ቀዳማይ ዓቢ ዓወት ኣፍሪቃዊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳዊ ሰራዊት፡ እቲ ሱዳናዊ ማህዳዊ ሰራዊት ካብ ውግእ ዓድዋ ሓደ ዓሱረ-ዓመት ኣቐዲሙ፡ ነቲ ናይ ጀነራል ጎርዶን ብሪጣንያዊ መግዛእታዊ ሰራዊት ኣብ ካርቱም፡ ኣብቲ መጸንበሪ ሰማያውን ጻዕዳን ፈለግ ኒል ኣብ ጥሪ 1885 ዚደምሰሰሉ እዋን ከም ዚተመዝገበ ኪግለጽ ይግባእ። ዘይ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ጕዳይ ግን፡ ብኵራት ኤውሮጳዊ ውድድር ንመግዛእታዊ ዕብለላ ሱዳን፡ ድሕሪ ዓርባዕተ ዓመት፡ ብሪጣንያ ንማህዳዊ ተቓውሞ ስዒራ ኣብ መስከረም 1898 ኣንግሎ-ምስራዊ ሓባራዊ ምምሕዳር ናይ ሱዳን (Anglo-Egyptian Condominium of the Sudan) ኪትምስርት ኣኽኢሉዋ።
20. Adejumboli, S. A. (2007), The History of Ethiopia, Westport, CT and London, Greenwald: 28
21. Hertslet, Sir E. (1909), The Map of Africa by Treaty, Vol. II No 125, 3rd Edition, H.M.H.O., by Harrison and Sons, London Smithsonian Libraries. Available online: https://www.africaemediterraneo.it/it/numeri-rivista/laboratorio-africa/
22. Hertslet, Sir E. (1909), No 100. Available online: https://www.africaemediterraneo.it/it/numeri-rivista/laboratorio-africa/
23. Hertslet Sir E. (1909), No 381. Available online: https://www.africaemediterraneo.it/it/numeri-rivista/laboratorio-africa/
24. Welde Giorgis, A. (2014), Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope, Strategic Book Publishing and Rights Co.: 13-49
25. 1982 UN Convention on the Law of the Sea. Available online: https://www.un.org/depts/los/convention_agreements/texts/unclos/unclos_e.pdf
26. Welde Giorgis, A. (2014): 525-541.
27. Brig. Gen. Batcha Debelie, https://youtu.be/D-FUrYMxMk8?si=QyFjU6Lss2ctYfvu
28. Eritrea War 1998 – 2000: Ex-Ethiopia Minister Ato Ermias Legesse, https://youtu.be/z6mZ9-pPfNA?si=uPNBI-AGGSBLYG4W
29. Government of Eritrea, Gazette of Eritrean Laws, Proclamation 82/1995, No 11, Asmera, 23 October 1995