All updates

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡

21/06/2019
[:swvar:text:838:]
ኣብ መዓልቲ ሰማእታት
ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
(1ይ - 4ይ ክፋል)
ብ'ሓርበኛ ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

መእተዊ

ሎሚ ንግሆ ኣብ YouTube ብዛዕባ ብዓላት ምዓልቲ ናጽነት 24 ጉንበት ይርኢ ነይረ ኣኼባ ክጅምርዎ ከለው ወይ ክውድኡ ከለው ዝክረ ሰማእታት ይገብሩ። ኣብ እንዳ ህግደፍን ዘሎ ምስሉይነት ዘስደምም ኢዩ!!
ንምፍልላይን ንረብሓ ናይ ውሱናት ጉጅለ ኢሉ ዝተሰውኤ ስውእ ኣሎ ድዩ???

ድሕሪ ናጽነት ዝተሰደደ ናብ ሃገሩ ክምለስ እንበር ካብ ሃገሩ ክስደድ ኢሉ ዝተሰውኤ ስውእ ኣሎ ድዩ?

ባይቶና ተመሊሱ ገበላና ብጥሪት ክመልእን ጸባን ጠስምን ሽሻይን ክፈስስ ቆፎታትና ብእኽሊ ክመልእን እንበር ካብ ፎርኖ ዓዲ ግራት ዝተሰንከተ ባኒ ክንበልዕ ኢሉ ዝተሰውኤ ስውእ ኣሎ ድዩ??

ንሕና ካብን ናብን ብናጻ ክንንቀሳቀስ ክንነብር እንበር ብኼላታት ክንሕጸርን መንቀሳቀሲ ወረቀት እንዳተብሃልና ካብ ኣፍ ደገ ገዛና ምንቅስቃስ ክንክላእን ኢሉ ዝተሰውኤ ስውእ ኣሎ ድዩ??

ኣብዛ ዝተሰዋእናላ ሃገር ብኣውራጃውን ቀቢላውን ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ ውደባ ክተእንግዱ ኢሉ ዝተሰውኤ ስውእ ኣሎ ድዩ??

ስውኣትና ሂወት ለቢሶም ንስልጣን ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኢልና ኣይተሰዋእናን መስዋእትና ምሉእ ህዝብና ሰላም ዝነብረላ ሃገር ንምምስራት ኢና ተሰዊእና እንተዝብሉስ ንዕኦም እውን ብሃገራዊ ክድዓት ከሲስኩም ምኣሰርኩሞም።

ምስሉይነት ይትረፍ 20 ሰነ ናይ ስፖርት ክዳውንትና ጌርና ጅም ግዝፍናን ሚዛንናን ነጉድለላን ስፖርት ንሰርሓላን ሽምዓ ንውልዓላን ዘይኰነትስ ቃል ስውኣትና ንምትግባር ብግብሪ መንገዲ ሓቂ ንሕዘላ ቃሎም ዳግማይ ነጽናዓላ ምዓልቲ ክትከውን ይግባእ።

ናብ 1 ክፋል ይቕጽል

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)

Read more comments and stories related to Introduction, on facebook: ተወሳኺ ታሪኽን ርእይቶታትን ምስዚ መእተዊ ክፋል ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፌስቡክ ተወከሱ፡- click here ኣብዚ ጠውቑ

[:swvar:text:838:]

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
ጽሑፍ 'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

1 ክፋል

ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩትን ውሱንን ፍልጠተይን ዓቅመይን ንስውኣት ንምዝካር ገለ ኣብ ዝኽርታተይ ዘሎ ወስ ክብለኩም ኢየ።

ታባ ሰላም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል ዝርከብ ናይ በጣሕ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ ብድሕሪኡ ታባ ሰማይ ቀብርውኦት ብየማኑ እንዳምኪኤልን ብርሑቁ ግሬቶን ወዲ ጋንን ብጸጋሙ ኣብ እግሩ ሩባ ኣልጌናን ታባ ወዲ ጎብሩ ብቅድሚኡ ኣንባሳደርን ንያላን ወዘተ ዝተባህለ ጎቦታት ዝተማእከለ ጎቦ ኢዩ፣

ኣብ መጅመርያ 1979 ድርግ ምስ ምሉእ ሓይሉ መጥቃዕቲ ከፊቱ ብሙሉኡ ብየማኑን ብጸጋሙን ዝነበረ ጎቦታትን ኣኻውሕን ብኸበድቲ ብረትን ነፈርትን ተድራቢ እግረኛ ሰራዊትን ክነድድን ክቃጸልን ከሎ ኣብዛ ታባ ዝነበረ ሰላምን ጸጥታን ባሕታውያን ዝነብርዎ ገዳም የዛኻኽረካ።

ብድሕሪ ራብዓይ ወራር ናይ ደርጊ ኣብ መካላኸሊ ዕርድና ምትዕርራይ ጌርና ንድሕሪት ውሑድ ኪሎ ሜተራት ኣንሳሒብና ታባ ሰላም ናብ ወገን ጸላኢ ሓዲግና ናብ ሩባ ኣልጌናን ታባ ሰማይ መፈየጽ ዓረድና ።

ጽላኢ ነዚ ቦታ ንምሓዝ ዝገብሮ ተዳጋጋሚ ፈተነታት ብህዝባዊ ሰራዊት ተመኪቱ ንድሕሪት ይምለስ ነበረ።
ኣብ ታሕሳስ 1979 ግን ደርግ ፍሉይ ማይክሮፎን ገይሩ ብዘይ ዕረፍቲ ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ ዝብል ደርፍን ብኣምሓርኛ "ውብየ በሊ እልል ውብየ በሊ እልል ድሉያባቴ ነው ጠላትን መግደል "ዝብል ቁዘማ ኣብዚሑ ቀንዩ።
ለካ ነብሱ ነጊርዎ ብጾትና ኣብ ግንባር ናቅፋ ሕርሕራይ ገይሮም ዛሕ ዛሕ ኣቢሎም ንኣፍዓበት ድፍኦምዎ ኢዮም: ንዓና ጸቅጢ ክገብርን ናይ ግንባር ናቅፋ ጽቅጢ ንምፍኳስ ክልተ ማዓልቲ ተዳጋጋሚ ህጁማት ገይሩ ኣብ ከውሒ ተጋጭዩ ዛሕዛሕ ኢሉ ናብ ታባ ሰላም ተመልሰ።

ኣብ ታባ ሰላም ሞክርፎኑ ጸሚዱ ኣብ ልማኖን ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ ዝብል ደርፍን ኣተወ :ህዝባዊ ግንባር ድሮ ከበድቲ ብረታት ናብ ናይ ጽላኢ ዕርዲ ክትኣስርን ከተዝንብ ጀመረት :ጠያይትን ቦምባታትን ብብዝሒ ኣብ ድፋዓትና ከዚንና :ስውእ ብርሃነ ሳሕልን ስውእ ወዲ ገብርሃርያት ዝመርሕዋ ናይ ቦጦሎኒና ሓይሊ 32 ኣብታ ዕርድና ሩባ ኣልጌን ምሳና ተደረቡ :እቲ ዘይርብርብ ናይ ደርግ Dj ዲጀይ ካሴት እንዳቀየረ ሓንሳብ ይልምን ሓንሳብ ክፍክር ሓደረ።

ኣነ ነዛ ምንጻፈይ ኣብዛ ብበጠበጥ ትእቶ ጉድጓደይ ኣንጽፍ ኣቢለ ጥንቅሊዒት ጎቦ ኲይነ ብሓሳብ ድሕሪ ቁሩብ ስዓታት ብዓል መን ክሓልፉ ኢዮም ኣነ ኸ ምስቶም ዝሓልፉ ድየ ክኽውን ወይሲ ምስቶም ብሂወት ዝተርፉ መን ይፈልጥ ሕጂ ናይ መጠረሽታ ንዓለም ይነብራ ይህሉ ክብል ብሃንደበት ሓኪም መስርዕና ስውእ ወልዱ ሃይለ ጎጀላ ኢሉ ሁሩግ ይብለኒ:ኢሂ ዶቶረ ተዳሊኻዶ ይብሎ እወ እዚ ውግእ ብርቱዕ ኢዩ ዝመስል ዝያዳ ሞርፊንን ፋቻን ተዋሂብና። ስትሬቸር ባሬላ ንውጉኣት መሰከሚ ወሲኾሙና: ኣርባዕተ ኣባላት ከቢድ ብረት ነዚ ቢተን ተኺሎምሉ ዘለው ቦታ ብጀሪካናት ማይ ይርብርብዎ ኣለው ጋንታና ምስዞም ኣባላት ከቢድ ብረት ተጣባባቂት ኢያ ይብለኒ:እሞ ቁሩብ ቀም ነብል ኢሉኒ ምሳይ ጽግዕ ኢሉ ጎቦ ይኸውን።

እቲ ዝፈትዎ ስውእ መራሕ መስርዕና ዓርኪ ኣቦይ ቀላቲ ወዲ ዑቅበ ኣብ ዓሚቅ ድቃስ ከለኹ ብእግረይ ተንኪፉ ዕጠቁ ዝብል ትእዛዝ ሂቡና ቀጸለ።

ሓኪም መስርዕና ወልዱ ሃይለን ኣነን ዓጢቅና ኰፍ ኢልና ሓይሊ 32 ብምልእታ ናብ ሓደ ጫፍ ናይቲ ሩባ ተኣኪባ ልክዕ ስዓት 5ወጋሕታ እዚ ኣብዚ ጎነይ ዘሎ 2 ቢተን ክልተ ቡምባ ቶኪሱ ንጸላም ኣብርሁ ናብ ዕርድ ጸላኢ ዓለበ እንታይ እዋን ቦምባ የእትዮም ይትኩሱ ብዘይ ዕረፍቲ ሰማይ ተቀዲዱ ከበድቲ ብረት ህዝባዊ ግንባር ንታባ ሰላም ክኹዕታ ጀሚሩ ሓይሊ 32 ንታባ ሰላም ብጫፍ ነኺሶም ኣብ ናይ ቡንባ ኢድ ርሕቀት ቡንባ ኢድ ክዋራወሩ ጀመሩ ጋንታና እንዳጎየና ናብኦም ስጋዕ ንበጽሕ ድሮ ንጸላኢ የህቲፎምዎ እታ ትፍክር ዝሓደረት ሜክርፎን ምስ ባትሪኣ ሒዞምዋ።

ኣብቲ ጥርዚ ግን ናይ 5-6ሜትሮ ካብ ድፋዕ ጸላኢ ብቁንቁል ኣፎም ዝወደቁ ስውኣት ብጾትና ካብ ዝዝክሮም ማሕታ ዝተባህለ ሃንደሳ : መድፍዓጂ ብሬን ወዲ ጴጥሮስ : መራሕ መስርዕ ወዲ ስልጣን መራሕ መስርዕ ወዲ ኣሮን : ገሬ : ፍሊፖስ ወዘተ ክስውኡ ከለው ብዙሓት ተወግኡ።

ናብ 2 ክፋል ይቕጽል

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)

Read more comments and stories related to part-1, on facebook: ተወሳኺ ታሪኽን ርእይቶታትን ምስ 1 ክፋል ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፌስቡክ ተወከሱ፡- click here ኣብዚ ጠውቑ

[:swvar:text:838:]

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
ጽሑፍ 'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

2 ክፋል

ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩት ፍልጠተይን ዓቅመይን ንስውኣት ንምዝካር ገለ ካብ ዝኽርታተይ ወስ ክብለኩም ኢየ። ገለ የሕዋት እታ ኣሃዱ ኣላልየና ስለ ዝበልኩም ግርም ሕራይ ኣሃዱና ብርጌድ 23 ትብሃል መራሕ ብርጌድና ኢድሪስ ብሬራይ ኣብ ስደት ዘሎ ምክትል መራሕ በርጌድና ኣብ ስደት ዘሎ ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣዘዝቲ ናይ ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብርሃነ ወዲ ስሑል ምስ ምክትሉ ስውእ ወዲ መረስዕ: ናይ ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ስውእ ቾብቾብ ምስ ስውእ ወዲ ያቆብ: ናይታ ኢራብ ተባሂላ ትፍለጥ ሳልሰይቲ ቦጦሎኒና ኣዘዝታ ምስ ናይ ሕጂ ብሪጋደር ጀረናል ብርሃነ ወዲ ጽሃየ ምስ ምክትሉ ምስ ናይ ሕጂ ብሪጋደር ጀረናል ጽሃየ ካሕሳይ (ሂላል)።
ሰናይ ንባብ።

ኣብቲ ጥርዚ ግን 5-6 ሜትሮ ካብ ድፋዕ ጽላኢ ብቁንቁል ኣፎም ዝወደቁ ስውኣት ብጾትና ካብ ዝዝክሮም ማሕታ ዝተባህለ ሃንደሳን:መድፍዓጂ ወዲ ጴጥሮስን :መራሕ መስርዕ ወዲ ስልጣን :መራሕ መስርዕ ወዲ ኣሮን:ገሬ:ፍሊፖስ :ወዘተ ክስውኡ ከለው ብዙሓት ተወግኡ፣ ድሮ እታ ጎቦ ተታሒዛ ግን ባሩድን ትክን ደብዳብ ከበድቲ ብረታትን ዒግ እንዳበለ ኸሎ ስውእ የማነ ወዲ ሓጎስ ዝመርሓን ታንክታትን ኣንፍብያንን ጽረ ነፈርቲ ዙ 23ዝጎሰሳ ኦራላትን እታ ሩባ ብብዝሒ ሰብን ኣጽዋራትን መራሕቲ ኲናትን ተጻቢባ ተጫናነቀት።

ክልተ ቱዮታ ጋዜጠኛታት ዝጽዓና ሁሩግ ኢለን ተሓወሳ ትክን ዒግታን ቶኽስን ስኣልትን ሩባ ኣልጌን ተጻበበት :ሓደ ናይ ዓለም ጋዜጠኛ ኣብቲ ዘለናዮ ጥርዚ ወጺኡ:ተዋጋእቲ Eplf ንወታሃደራት ኢትዮጵያ ካብቲ ስትራተጅያዊ መካላኸሊ ዕርድታቶም ሓጻጺቦም ጸራሪጎም ናብ ጎላጉል ደፊኦሞም ክብል ናብ BBC መልእኽቲ ገበረ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሙሁራት ተጋደልቲ ቃል ብቃሉ ተርጊሞምልና ሞራልና ሰማይ ተሰቅለ።

ፈንጂ ከውጽኣ ኸሎ ዝተፈንጀረቶ ማሕታ ምሉእ ክልተ የእዳውን የእጋሩን ተቆሪጹ ካልኦት ብጾትና እውን ፈንጂን ቦምብ ናይ ኢድን ዝቆራረጾም ገጾም ብባሩድን ንቁጽ ድምን ተሸፊኑ ካብቲ ጸዳፍ ቦታ ብምውጻእ ነጸላ ገኒዝና ቀበርናዮም ኣብ ሓጺር ግዜ ስውኣትና ቀቢርና ውግኣትና ናብ ከውሊ ኣኪብና ናብ ድፋዕና ደየብና : ጸላኢ ኣብቲ ሩባ ኣልጌን ጉድጓድ ኩዒቱ ስለዝነበረ ካብቲ ጎቦ ወሪዲ ናብቲ ጎዳጉዲ ኣትዮ: ወዲ ፍርዙን ምስ ስውእ ምኪኤል ወዲ ገብረዋህድ ዝመርሕዋ ሓይሊ 33 ንጸላኢ እንዳጽራረገት ንታባ ወዲ ጎብሩ ተቋጻጸረት።

ብስውእ ማሞን ብስውእ ሃብቶም ማንዲብል ትምራሕ ሓይልና ሓይሊ 31 ድማ ናብቲ ጐዳጉዲ ብምህጃም ናይ ኢድ ብኢድ ምትሕንናቅ ዝተሓወሶ ሓጻርን ጽዕጽዕትን ግጥም ጌርና ንጸላኢ ምውትን ቁሱልን ጌርና ኣባረርናዮ ኣብዚ እውን ገዲም ናይ 1973 ተጋዳላይ ስውእ ኣስካለ ወዲ ማና ክስዋእ ከሎ :ስውእ በየነ ወዲ ዓላ ኣብ ውሽጢ 1978 ተሰሊፉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተሰዊኡ ኲናት ስግንጢር ኢዩ ከከም ኣሳላልፋኻ ኣይኲነን መማዓልትኻ ኢዩ።

ለይቲ ግመን ዕፍዒፍታን ስለዝገበረ ናብ ግሬቶ ወድጋን ተጓዒዝና ኣብኡ ሓዲርና።
ግመን ዒፍዒፍታን ስለዝኾነ ነፈርቲ ብብዝሒ ኡኳ ተተማላለሳ ንኽድብድባ ቁሩብ ተጸገማ:
ንጽባሒቱ ናብ ናይ ጸላኢ ድፊዕ ንምብጻሕ መሰናኽል ክንሓልፍ ነይሩና ጸላኢ ሒዝዋ ዘሎ ኩጀት ናይ 120 -150ዓቅሚ ሰብ ጥራይ ኢያ ክትሕዝ ትኽእል :ናትና ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 44 ቦጦሎን ናይ ብርጌድ 31 ሓንቲ ሓይልን ነዛ ኩጀት ንምሓዝ ጉያን ዘብዘብን ጀመርና ናይ ሻዕብያ ቀይሕ ዕንባባ ዝተባህለ ሚሳይል ድዩ መድፍዕ ካብ ገረግር ኣስመራ ተወሊዑ ብልዕሌና ሓሊፉ ናብ ናይ ጸላኢ ዕርድታት ከዝንብ ጀሚሩ ብሸነኽ ግሬቶን ወዲጋንን ናትና ሃውናት ናብ ዕርዲ ጽላኢ ከዝንብ ጀሚሩ : ዝገጥመና ዘሎ ጸላኢ ቀሊል ኣይነበረን:

ጸላኢብ8 ታንክታትን ረሻሻትን ኣብ ጐልጎል ገቲሩ ብስያፍ ብጎድኒ ነቲ ገፊሕ ጎልጎል ኣሲሩ ኣንጭዋ ከምዘይትሰግሮ ገይሩ ከበድቲ ብረታትን ሞርታራትን ከዝንበልና ጀመረ :እቶም ኣብታ ኩጀት ዘለው ወታሃደራት ሰሳንዱቅ ቡምባ ኢድን ሰናዱቅ ጠያይትን ቀሪቦም ከም ማይ ከዝንቡልና ጀመሩ ብዘይካ ውሑዳት እቶም ዝተበገሱ ሓደ 8 ዝኾኑ ክሰግሩ ከለው ዝተረፍና ተዓገትና :ኣብ ሓደ ኩጀት ብብዝሒ ተጸፍጸፍና ካባና ክሰግሩ ዝፍትኑ ኣብቲ ጎልጎል ክቆልባና ስለዝጀመራ ኣብቲ ጎልጎል ክሰግሩ ዝወደቁ ብጾትና ክስሓጉ እንዳርኣናዮም ዓቅሊ ክንገብር ኣይክኣልናን መራሕ ሓይሊ ናይ ሓይሊ 32 ስውእ ብርሃነ ሳሕል ካብቶም ዝሰገሩ ናብ ናይ ጸላኢ ዕርዲ ምስ ቀረበ ኣብ ርእሱ ተወጊኡ ኸሎ ብሬድዮ ይራኸብ ነይሩ :ሓደ በታኽ ናይ ብርጌድ 44 ብጫፍ ናይጽላኢ ክትሃላለኽ ንርኢዮ ኣለና ብሬናት ናቶ ኤንፎርቲን ናብ ናይ ጽላኢ ዕርዲ ከም ማይ ክንክዕው ጀሚርና ኣብ ጎድነይ ወዲ መስርዔይ ስውእ ተኸስተ ተኪኤ (ላምፐን)ኣር ፒጂ ቶኪሱ የእዛንና ጅው ኣበለና :እዚ ህልኸኛ ምዑት ተጋዳላይ ብሓደ ግዜ ሰለስተ ኣርባዕተ ቦምባ ኢድ እንዳደርበያሉ። ከም መፍተል እንዳ ተፈትለ ነዛ ቡንባ ኢድ ናብ ጉድጓድ ጸላኢ ከእትዋን እዚ ብሙሉኡ ተዓጊቱ ዝጸንሔ ተጋዳላይ ናብ ዕርዲ ጸላኢ ክዓልብን ከም ሓንቲ ንጽብሒቱ ንግሆ ጽዕጹዕ ውግእ ብወገን ብርጌድ 44ነይሩ ብወገንና ምስ ታንክታት ጸላኢ እንዳተዋጋእና ስዓት 8ናይ ንግሆ ጎቦ ንያላ ኣብታ ርእሳ ደይብና ተቋጻጸርናያ:

ነፈርት ግን ኣይተኻእላን ጆን ዝብሃል ፓይሎት ዳርጋ ናብ መሬት ቀሪቡ ፈንጂ ክቀብር ቁሩብ ተሪፍዎ ሕጅስ ኢልና ንዋዘ ኔርና :ብኳሌታይ ኣልዒሉኒ ነይሩ እንዳበልና ንስሕቅ ብዝዀነ ኣምላኽ ተኻላኺሉልና ዝበዝሕ ተጋዳላይ ናብ ግሬቶን ወድጋን ኣንሳሒቡ :እታ ኣነ ዝነበርክዋ ጋንታን ስውእ ወዲ ኢልያስ ዝመርሓ ሓይሊናይ ብርጌድ 31 ብሓደ ውዒልና ዓይኒ ምስ ሓዘ ኣንሳሒብና ንጸላእን ንዓለምን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይድምሰስን ንናይ ደርግ ዓወት ከጣቅዓ ዝተቀረባ የእዳው ኣብ ሃዋህው ክነቅጻ ኢየን ዝብል መደብ ብድምጺ ሓፋሽ ተቃሊሑ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጎቦን ኣብ ጎልጎልን ክጥሕስ ዝኽእል ዓርሞሸሽ ውድብ ምኴኑ ንዓለም ኣመስከረ።

ናብ 3 ክፋል ይቕጽል፡ ብካልእ ቅያን ጅግንነትን 20 ሰነ

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)

Read more comments and stories related to part-2, on facebook: ተወሳኺ ታሪኽን ርእይቶታትን ምስ 2 ክፋል ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፌስቡክ ተወከሱ፡- click here ኣብዚ ጠውቑ

[:swvar:text:838:]

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
ጽሑፍ 'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

3 ክፋል

ታባ ሰበር ቀጠ

ብምኽንያት 20 ሰነ ምዓልቲ ስውኣት ብድሩት ዓቅመይን ክእለተይን ገለ ካብ ዝኽርታተይ ወስ ክብለኩም ኢየ ።
ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ መስዋእትን ቅያን ጅግንነትን ንምርድኡ በብንጽል እንተቀረበ ይሓይሽ ብማለት ኢየ።

ኣሃዱና ብርጌድ 23 ብፍላይ እታ ኣነ ዝነበርክዎ 3ይቲ ቦጦሎኒ ኣብ ናቅፋን ባርካን ንንውሕ ዝበለ እዋናት ካብ ኪናት ኣይተፈለናን ኢሉ ኢሉስ ዳርጋ ኣብ ኲናት ንጽመደሉ እዋናት ይበዝሕ።

እዋኑ ኣብ 1982 ሻዱሻይ ወራር ናይ ድርግ(የቀይ ኮኮብ ዘመቻ) ነቲ ናብ ባርካ ዝወፈረ ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ውሽጢ 3 ምዓልቲ ጽርግርግ ኣቢልና ናብ ሓናቅ ናይ ኰከን ደፊእናዮ።
ስርዓት ድርግ ነቲ ኣዛዚ ናይ 21 ክፍለ ጦር ኰሌነል ውብሸት ማሞ ስዕረት ናይቲ ኩናት ኣሰኪሙ ኣብቅድሚ ሰራዊቱ ረሸኖ ብምሉኡ እቲ ልዕሊ 30•000 ዝኣክል ዓቅሚ ሰብን ኣጽዋራትን ዝነበሮ መንጥር እዝ ናብ ግንባር ናቅፋን ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል (ኣልጌና) ደረቦ።

ከየዕረፍና ብማካይን ተጓዒዝና ናብ ወጀባ ኣቲና ጽላኢ ደፊኡ ድሮ ናብ ከባቢ ፈልከት ኣትዩ :ናይ ክፍልታትን ገለ ውሕዳት ናይ ብርጌድ 44 ክካላኸሉ ጸኒሖምና: እቲ እዋን ኣብ ወርሒ ለካቲት 02 1982 ስለዝነበረ ዒፍዒፍታን ግመን ጠልን ማይን ዛዕዛዕታን ስለዝኾነ እቲ ቅርጽ መሬት ብፍላይ ንተጋዳላይ ንኲናት ምቹእ ኢዩ ነፈርቲ ኣበርኩተኤን ስለዝውሕድ።

እቶም ገባርን ተጋዳላይን ከይርኢዮም ብተናጽልን ብጽመዋን ብሑታት ኣባላት ወታሃደራዊ ክፍሊ ስለያን ክፍሊ ሃንደሳን መሪሖምና ጉዕዞና ናብ ሸነኽ ደብዓት ኰይኑ ብለይቲ ትጉዕዝ ሓዲርና ኣብ ሓደ ብዙሕ ብዓትታት ዘለዎ ቦታ በጻሕና :ኣብቲ ብዓቲ ቲዕቲዕ ዝብል ዓይኒማይ ጸንሓና ናይ ወትሩ ስንቂ መጓዕዝትና ኖርወይ ዝተባህላ ቢስኩትን ጸባን ሽኰርን ክንብጽብጸ ኣይተሸገርናን።

ምንቅስቃስ ዝብሃል የልቦን ሽንቲ ማይን ቀልቀልን ኣብቲ ዘለናዮ ክንሸይን ነይሩና ምኽንያቱ ግመን ዒፍዒፍታን ስለዝዀነ ጸላኢ ኣብቲ ከባቢና ክህሉ ይኽእል ገባር ክሕብርዎ ስለ ዝኽእሉ።

ጉዕዞና ነቲ ንመንግስቱ ሃይለማርያ ዝሕሉ ፍሉይ ሓይሊ ንምድምሳስ ኢዩ እቶም ክፍሊ ስለያ መንግስቱ ዝሓዘት ሄሊኮብተር ናብቲ ቦታ ዓሊባ ምንባራ ሓበሬታ በጺሕዎምን ይከታተሉ ነይሮም መንግስቱ ባዕሉ ውግእ ክመርሕ ይማላለስ ነይሩ።

ቦጦሎኒና ገና ምስ ምሉእ ሓይላ ኢያ ዘላ:ሓይሊ 32 ትሃጅመሉ ቦታ ዜሮ (ዛግረ ዝተባህለ ጎቦ) :ሓይሊ 33 ካብ ከባቢ ፈልከት ክትጸራርጎ :ናትና ሓይሊ 31 እተን ክልተ ጋንታ ኣብቲ ብዓቲ ክጣባበቃን ጽላኢ ከይክርድነና ክከታተላን :እታ ኣነ ዘለኽዋ ጋንታ ስዓት 8 ናይ ምሸት ተበጊስና ብጥንቃቀ ኣብቲ ናይ ቀደም ክፍሊ ሕክምና ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሰበር ቀጠ ፈራስ ገዛውቲ በጺሕና መምስ ዕጥቅና ብኰፍና ሓደርና።

ስዓት 4 ወጋሕታ እተን ክልተ ሓይሊ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንየን መሬት ናብ እሳተ ጎመራ ቀየርኦ :ንሕና ነዚ ጠላዕ ጎቦ ተገዲምና እንተድየብና ሰብ ዘይብሉ ገረውረው ክብል ጸንሓና ሓድሽ ታኒካ ናይ ኣስቃጥላ ዝተኸፍተን ርፍራፍ ችካ ሽጋራን ጥራይ ጽንሓና።

እቶም ክልተ ክፍሊ ስለያን ሓደ ሃንደሳን ዝብልዎ ጠፍእዎም ጸላኢ እውን ምትላል ምምሳል ብለይቲ ንድሕሪት ምምላስ ሓደ ካብቲ ወትሃደራዊ ስልትታት ተጠቂሙ ተሸርበ።

ሕጂ ድምጺ ተቋጻጺርና ብጥንቃቀ ክንንቃሳቀስ ኢና ግመ ክኸፍት ከሎ ብቅልጡፍ ከነብሩኽን ጉዕዞና ምፍንታት ዘይብሉ ክኸውን ኢዩ ቶኩስ ከይተባሃልካ ቶኽሲ ከምዘይፍቀድ ገለጹልና።

ተሰሪዕና ብጥርዘ ጥርዚ ሕቆና ሴርና ኣብ ሓደ መጽግዒ ክንበጽሕ ከለና ፕስ ፕስ ዝብል ትእዛዝ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ተማሓላሊፉ ኣብሪኽና ጸቅ በልና ድሮ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ተጸጊዕና :ሓደ ካቦት ናይ ኣባ ጦር ዝገበረ ወታሃደር ጥይት የዕምር ኣቢሉ ናብ ቲ ድሕሬና ዘሎ ጎቦ ተተተት ኣቢሉ ቶኪሱ ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዘረጎ እቲ ሞቶ ሓለቃ መጺኡ ምንድነው ይብሎ ምንም የለም ጌታየ ድምጽ ሰምቼ ነው ይብሎ :እታ ቁሩብ ክፍት ኢላ ዝጸንሔት ግመ ኣብ ሓጺር ግዜ ነዛ ጎቦ ሸፈነታ : ጉያ ጀሚርና ናብ ናይ ጸላኢ ድፋዕ ውትፍ በልና።

መራሕ ጋንታና ሬድዮ ወሊዑ ሃለው ሀለው ኢራብ ትሰምዓኒ ዶ ኣለኻ :እቲ ካቦት ዝገበረ ጦር መንፍት ኰይኑ ቁንቁል ኣፉ ተደፍኤ ጸላኢ ኣብ ሓጺር ቅርበት ኬንና ጠያይት ከም ማይ ኪዒናሉ ክልቲኦም መራሕቲ ጋንታ ክንሰግር ኢና ጎልብበልና ምስተጸጋዕና ቀልጢፍኩም ኣርኩቡና ኢሎሙኒ ዘሊሎም ተጸግዑ ኣብሓጺር ቅርበት ብዘይ ሓደ ጉድኣት ጋንታ ቅርጻ ካብ ጋድም ናብ ትኹል ቀይራ ሰገረት።

ምሳይ መድፍዓጂ ዝነበረ ብሌናይ ወዲ ከረን ትዕግስተኛ ከማል ዝተባህለ ቅድሚ ወርሒ ዘይመልእ ኢዩ ናባና ተመዲቡ ካብ ክፍልታት ከቲቱ ከማል ብዘይካ ኣብ ምዓንጥኡ ዘላ ኰለይ 800ጥይት ዝሓዘት ሻንጣ ምስ ሸሪጣ ኣብ ምንኰቡ ተሰኪሙ : ከማል ክንሰግር ኢና ሓይልና ንጸጋም ክንበልዕ ኣሎና ኣለዮ ሕራይ ኢሉኒ።
ንጉየ ኢለ ጉያ ጀሚርና ዝድርበይኦ ቡንባታት ናይ ኢድ እታ ሓንቲ ኣብ ጥቃና ተፈጂራ ካብ የማናይ ጎድነይ ጻሕ ኢሉ ወዲቁ :ማህረምቱ ኣብ ርእሱ ኰይኑ ብምሉእ ኣካላቱ ከንቀጥቅጥን ዓዕ ዝብል ነብስኻ ስኽኽ ዘብል ድምጺ ክገብር ኣይደንጎየን።

ጸላኢ ክብርትዕ ማዕሪኡ ዝብርትዕ ተጋዳላይ10 -12 ሜትሮ ቡንባ ኢድ ተጀሚሩ እዞም ወታሃደራት 3ሰብ ኢዮም ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ሓ ደ ቡንባ ኢድ ይድርቢ ሓደ ይጉልብብ ሓደ ይትኩስ ምቅራብ ከሊኤናና ድሓር ግን ብጉልባብ ርእሰን ከምዘየቅንዓ ጌርና ብቦምብ ናይ ኢድ ካብቲ ጉድጓደን ኣነንጢርና ጓሓፍናየን :ካብ 107 ወትሃደራት 74 ተቀቲሎም 17 ተማሪዀም ውሕዳት ንብሊቃት ሃዲሞም እቲ መቶ ኣለቃ ተቀቲሉ ።ምሓሪ (ቃቡስ) ክስዋእ ከሎ ከማል ኣብ ሕክምና ምስበጽሓ ተሰዊኡ ውሑዳት ተወጊኦምና ኣብ ሰውራ ብውሑድ መስዋእቲ ዓቢ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ምምዝጋብ ንቡር ሂወት ተጋዳላይ ኢዩ:ሓይሊ 32 ኣብ ዛግረ ብኽቢ ጉድጓድ ኩዒቱ ምቅራብ ከሊእዎም ድሕሪ ብመጠኑ መስዋእቲ ምኽፋል መላስ ኣውያት ዘይብለን ደምሲሶመን ሓይሊ 33ንጸላኢ እንዳኸብከበት :ብሙላኣትና ሰለስቴና ሓይልታት ተማራሪሕና ናብ ብሊቃት ተራኸብና :ስውእ ቸልቸል ዝተባህለ መራሕ ቦጦሎኒና ናብቲ ጎቦ መጺኡ ንብሙላኣትና ኣሞጊሱና ኣብ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ምስጋና ዝሰማዕናላ ምዓልቲ :ጽብጻብ ናብ ድምጺ ሓፋሽ ተማሓላሊፉ ነቶም ምሩኻት ጠያይቲ ዘይብሉ ካላሽናትን ውግኣትን ኣሰኪምና ኣብ ጥቅምና ኣውዒልናዮም ድሮ ሓልዮት ኣብ ልዕሊ ውግኣትና ከርኢዩ ክትርኢዮም ከለኻ ወዲ ሰብ ሓልዮትን ርህራሄ ተሂብካዮስ ፍቅርን ሓልዮትን ይልግሰልካ ኢዩ :ስውኣትና ኣብ ልዕሊ ዝማረኽዎ ጸላኢ ሓልዮትን ርህራሄን ዝነበሮም ለዋሃት ኢዮም ።

ናብ 4 ክፋል ይቕጽል፡ ብካልእ ቅያን ጅግንነትን 20 ሰነ

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)

Read more comments and stories related to part-3, on facebook: ተወሳኺ ታሪኽን ርእይቶታትን ምስ 3 ክፋል ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፌስቡክ ተወከሱ፡- click here ኣብዚ ጠውቑ

[:swvar:text:838:]

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
ጽሑፍ 'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

4 ክፋል

ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩት ዓቅመይ ካብ ዝኽርታተይ ወስ ክብለኩም።

ኣሃዱና ነፍስወከፍ ሓይሊ ብዓወት ዕማምና ዛዚምና ኣብ ብሊቃት ተራኺብና ነንሕድሕድና ናይ ዓወት ሰላምታ ተላዋዊጥና ናብቲ ካልኣይ ሸቶና መረሽና።

ጸላኢ ኣብ ራሕባን ፋሕን ኣብ ጎቦ ኦምጅሓይ ዓረደ ንሕና ግን ናብቲ መጀመርያ ዝተበገሰሉ ቦታ ክንመልሶ ነይሩና :እታ ዝነበርክዋ ሓይሊ ጉዕዞና ናብ ታባ ኦምጅሓይ ነበረ ታባ ኦምጅሓይ ናይቲ ከባቢ ገዛኢ ቦታ ኰይኑ ስትራተጅካዊ ጎቦ ኢዩ።

ሓይልና ነቲ ኣብ ልዕሊ ብሊቃት ዘሎ ዝተኣሳሰረ ጎቦታት ንጸላኢ እንዳ ኣጥቃዕና ዓይኒ ቀቅድሚ ምሓዙ ኣብታ ጎቦ ኦምጅሓይ ደየብና :ሓይሊ 32 ንጸላኢ እንዳኸብከበት ንፋሕ ተቋጻጸረት ሓይሊ 33 ካብ ቲ ዘለናዮ ናብ ጎላጉል ንጸላኢ እንዳኸብከበት ኣብ ማዕሬና ዘሎ ስብርባር ኰጀጅት ሓደረት :ጸላኢ ካባና ናይ 300 ሜተር ርሒቁ ኣብ ማዕሬና ዘሎ ጎቦ ሓደረ:ንግሆ ሃጂምና እቲ ናይ መጠረሽታ ዕርዱ የሕዲግና ናብ ጎላጉል ፋሕፋሕ የእቲና ዘረውናዮ።

ጸላኢ ታባ ኦምጅሓይ ከምልስ ምሉእ ምዓልቲ ክትሃላለኽ ክሃጅም ውዒሉ ብየማንና ዘሎ ስብርባር መሬት እንዳመጠጠ ልክዕ ስዓት 8 ናይ ምሸት ኣዝልቁ ዝብል ትእዛዝ ተማሓላለፈ:ግብ ዝበለ ጸላም ዓይንና ዘንቁረና ዘይንርኢየሉ ውግኣትና ተሰኪምና ንድሕሪት ኣዝሊቅና :ኣብ ሰንሰለታዊ ጎቦ ናይ ፋሕን ብሊቃትን ራሕባን ዓረድና:ታባ ኦምጅሓይ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ንጸላኢ ደፊእና ሓዝናያ :ናትና ብልጫ ቅልጣፈን ምትዕጽጻፍን ስለዝነበረና ንጽላኢ ዛሕዛሕ ኣበልናዮ: ብወገን የማንና ናይ ብርጌድና ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ኣብ ጀዛን ዝተባህለ ጎቦ ትንፋስ ዘይህብ ብርቱዕ ውግእን ምርብራብን ገበረት:እቶም ጦር ብዙሕ ኤሌትሮኒክ ንብረት ስለዝርከቦም ጀዛን ዝብል ስም ኣጠሚቆምዎ።

ስዓት 5 ወጋሕታ ጸላኢ ፋሕ ንምሓዝ ብሙሉኡ ኣርብጂታትን ከበድቲ ብረታትን ገይሩ ንሓይሊ 32 ስጋብ ስዓት 9 ናይ ንግሆ ተዳጋጋሚ ህጁማት ገይሩ ክሰልጦ ኣይክኣለን :ጸላኢ ብጎላጉል ነቲ ግንባር መጢጡ ድሮ ምስ ግንባር ናቅፋ ሓወሶ:ድፋዕና ንኻልኦት ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣረኪብና ክይድ ውዒልና ናብ ከባቢ ናሮ ተገምገምና :

እቶም ገባር ኣብ ትግሰን ናሮን መፍገር ገሊልን ንፈልጦም ኣብኡ ረኸብናዮም :ጸላኢ ገለ ስድራቤታት ስለዝቀተለሎም ኣብ ሓዘን ጸንሑና :ንዓና ምስርኣዩ ተሓጊሶም ማይ ብደልምታት ቀሪቦም ጎሮሮና ኣጥለሉና :ንጽባሒቱ ቁሩብ ተጓዒዝና ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ረኸብና እቶም ኣብ ባርካ ኣብ ጎድንና ምሳና ዝዋግኡ ዝነበሩ ድሮ ናብኡ መጺኦም ምስ ጽላኢ ክጫራገፉ ጸንሑና:በዚ ኣጋጣሚ ሰራዊት ወያነ ዝኣክል መስዋእቲ ከፊሉ ንድሕነት ስውራናን ህላዌናን ክምስገን ይግበኦ።

ናትና ዕማም ንጸላኢ ኣብ ክልተ ተርጊእካ ንሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል ንምድፋእ ኢዩ :ንጸላኢ ኣብቲ ስብርባርን ዓበይትን ኣኽራናት ርክባቱ በቲኽና ነጸልናዮ :እቲ ቅርጺ ኩናትኣብ ገለ ቦታታት ገለ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት ብድሕሬና ገዲፍናየን ነቲ ዝበዝሔ ሓይሊ እንዳደፋእና ናብ ጎላጉል ግራት ኣተና :በዚ ብዙሓት ባዕላቶም ኢዶም ሂቦም ተማረኹ:ብኣጣቃላሊ ጸላኢ ሰለስተ ግዜ ምስ ግንባር ናቅፋ ሓዊስዎ ሰለስተ ግዜ ከብኪብና ናብቲ ዝነበሮ ቦታ መሊስናዮ ኣብዚ የህላኺ ኩናት በብምዓልቱ ብእንኸፍሎ መስዋእቲን መውጋእትን ተካኢ ስለዘይብልና ቁጽርና እንዳውሓደ ማዕረ ማዕረ ጸላኢ እንዳተዳኸምና ኣብ ንኸደሉ ዝነበርና እዋን እቲ ቅዲ ኩናት ክቅየር ነይርዎ።

ጸላኢ ብዝኾነ ዋጋ ናቅፋ ክሕዛን ንዓና ክድምስሰናን ደጀንና ክቋጻጸርን ኣይክኣለን:ንሕና ኽኣ ንዳኸም እንበር ካብዘን ጎቦታት ከምዘይደፍኣናን ኣረጋጊጽና :ኣብ ውሽጢ ውግእ ህጹጽ ኣኼባ ገበርና :ውድባዊ ሰርኩላ ተነበበልና ድሮ እቲ ኲናት ሳልሳይ ወርሑ የሕሊፉ ብወግዒ 6ይ ወራር ፈሺሉ ስለዘሎ ደድሕሪ ዝተጸለለ ስርዓት ምጽላል ኣየድልየናን ቀዋሚ ድፋዕ ክንሕዝ ኢና ዝብል መምርሒ ውድብና ተነበበልና :ገምጋም ናይቲ ኩናት ርኢቶታትኩምን እንታይ ኢዩ ዝብል ነበረ :ቁጽርና ብጣዕሚ ውሒዱ ኣካላትና ብዋሕዲ መግብን ማይን ብዋሕዲ ድቃስን ጽምልዩ :እቲ ንሓደ ጎቦ ክነጥቅዖን ክንሕዞን ኣብ ውሑድ ስዓታት ንቋጻጸሮ ዝነበርና ብዙሕግዜ ክወስደልናን ኣብ ገሊኡ ምስላጥ ክኣብየናን ጀሚሩ ስለዝነበረ ገለ ሓለፍቲ እውን ብዘይካ እቶ ዝብል ትእዛዝ ምትዕጽጻፍ ዘየፍቅዱን ዝበልክዋ ክትከውን ኣለዋ ኢሎም ንኸምኦም ሓላፊን ተጋዳላይን ዝፍክሩን ዝድህሉን ሙርኡያት :ክቅልቀሉ ስለዝጀመሩ።

ተጋደልቲ ውድብና ኣውጺእዎ ዘሎ ስትራተጂ ምሉእ ደገፍና ገለጽና: ነዚ ሓድሽ ስትራተጂ ንምትግባር ጴጥሮስ ሰሎሙን ብኣካል ተረኺቡ ናብ ሓለፍቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፍ ሓድሽ ናይ ውግእ ኣታሓሕዛ ካርታ ኣቅረበ።

ስትራተጃዊት ታባ 10001 (ታባ ሓበን)

 ወሳኒት ስትራተጂያዊት ጎቦ ቀዋሚት መካላኸሊትና ኰይና ድሮ ሓይሊ 32 ናብቲ ጽጋማይ ጸዳፍ ጎድና ንደብዓት ዘገምግም ዓረደት :ሓይሊ 33 ምስ ሓይሊ 32 ኣሲራ ኣብታ ቀንዲ ጎቦ ወሳኒ ስትራተጂ ዓረደት ሓይልና 31 ኣብ ከባቢ ሸመር ኣድግ ዘሎ ደብረ እብን ዓሪዳ ካብ ክልቲኤን እዘን ሓይልታትና ኣትየንኦ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ጎቦ 10001 (ታባ ሓበን)ቅያር ክትጠባበቅን ካብ ናይ ጎድናዊ መጥቃዕቲ ክትከላኸልን ንጸላኢ ኣብ ታባ10001 (ታባሓበን)ጽቅጢ ከውሕድ ኣብ ከባቢ ሸመር ኣድግ ምስ ጸላኢ ክትታኻቶኽን ኣንፈት ናይቲ ኩናት ክትቅይርን።

ታባ 10001(ታባ ሓበን)

ሓይሊ 33 ናብቲ ታባ ደይባ ናይ መጀመርያ ቀዋሚ ድፋዕ ሓዘት ታባ 10001 (ታባ ሓበን)ዓረደት ግን ሂወት ዘለዎ ፍጡር ብሂወት ዝተርፈላ ቦታ ኣይትመስልን :ቢኤም 21 ፋሉል ወንጫፊ ሮኬትን130 mm ጀረናል መድፍዕን 122mm:መድፍዕ 85mm :መድፍዕ76 mm መድፍዕን 120mmሃውን 81-82mmሃውን ብነፈርትን ብመዳፍዕን እቲ ቦታ ተቃጺሉ መሬት ተናዊጹ ሰብ ፍጡር ካብቲ ቦታ ክወጽእ ዘይሕሰብ ኢዩ :ካብ እንዳ ሓሰር ብብዝሒ pkm ብሬናትን :ቀጭሕርሙ ስናይፐር እንዳተተኰሰላ ክቡር መስዋእቲ ከፊላ ሓደ ምዓልቲ ተኻላኺላ ተዳኺማ ረዳት ሓተተት።

እቶም ቅድሚት ሓሊፍና ምስ ጸላኢ ክንጓየ ዝውዓልና 11 ሰባት ዓይኒ ምስ ሓዘ ናብ ሓይልና ናብ ደብረ እብን ደየብና መግብን ማይን ቀሪቦምልና እንዳበላዕና ተበገስ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ምስ ድኻምና ተበጊስና በቲ ግብ ዝበለ ጸላምን ኣጻድፍን ናብ ታባ 10001 (ታባ ሓበን)ደየብና: እቶም ዝጸንሑና ተጋደልቲ ኣጆኹም ኣብዚ ትሕቴና ኢየን ዘለዋ ኢሎም እርይ ቁጽር ኣቢሎም ካብየናይ ምኣዝን ጠያይት ከምዝመጽእን በየን ሸነኽ ነብስና ዓቂብና ከምንካላኸልን እኹል ሓበሬታ ሂቦምና ናብቲ ንሕና ዝነበርናዮ ቦታ ተሳናበቱ :ኣብቲ ቦታ ክልተ ኣባላት ሃንደሳን ክልተ ስለያን ንቅድሚት ሓሊፎም ኣብቲ ጸድፊ ፍንጅታት ቀቢሮም ተመልሱ።

ኣብቲ ቦታ ምድቃስ የለን ጸጸኒሑ መዳፍዕ ይዘንበና ንመካላኸሊ ድፋዕ ዝኸውን የእዋም ክቆርጹ ዝተላእኹ ብደብዳብ ዝበዝሑ ተሰዊኦምን ተወጊኦምን :መግብን ማይን የለን ማይ ብኣግማል ይመጽእ ጸድፊ ስለዝኾነ ክድይብ ኣይተኻእለን: ጸላኢ ልክዕ መበል ካልኣይቲ ምዓልቲ ስዓት 4ድሕሪ ቀትሪ 60ደቂቅ ትንፋስ ዘይብሉ ደብዳብ ገበረ :ምሸት ምሳና ኣሎ እንዳበልናዮ ሓደ ወዲ መስርዕና ኢዱ ናብ ጸላኢ ሂቡ ድሮ ሞክርፎን ገይሩ ኣነ እገሌ ይብሃል ኢሉ ኢድና ንኽንህብ ዓዲሙና::ጸላኢ ጽቡቅ ዝኾነ መዛናግዒ ሙዚቃ ገይሩ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኢድና ተዘይ ሂብና ነቲ ዓሪድናሉ ዘለና ጎቦ ናብ ጎልጎል ክቅይሮ ሙኻኑ ቃል ኣቲዩልና ፈከረ :እቲ ዲጀይ Dj ኣብ መንጎ እዚ ዝትኰሰኩም ዘሎ ቦምብታት መባራበሪ ኢዩ ደኺምኩም ስለዘለኹም መልእኽቲ ብጉቡእ ምእንቲ ክትሰምዑ ጸጸኒሕና መባራበሪ ክንገብረልኩም ኢና ኢሉ ሓጨጨልና: እቲ ድጀይ Dj :ወለዶ መራሕትናን ቁጠባዊ ትሕዝትኦምን ብዛዕባ እቲ ሕንቁቅ መናባብርኦምን ንሕና ተታሊልና ሙኻንናን ኣብዮት ምሕረት ከምዝገብረልና ተማባጽዐ።

መሬት ወጊሑ ጸጥታ ሰፊኑ እቲ ዘለናዮ ጎቦ ብዙሕ ደም ዝፈሰሶ ስለዝኾነ ብጾትና የእጋሮም ንደገ ወጺኡ ብግቡእ ኣይተቀብሩን ኣፍራዛን ባዴላን ጌርና ንገሊኦም ግቡእ ጌርና ቀበርናዮም :ደብዳብ ጸላኢ ልክዕ ስዓት 4ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን45 ደቂቅ ቀጺሉ መሬት ኣብ ጸላም ተቀይሩ :ዓይኒ ምስሓዘ ምእንቲ ከይንድቅስ 81-82mm ብዘይ ዕርፍቲ ክትኰስ ሓዲሩ ገሊኦም ብጾትና እቲ ቦንብ ናብ ነብሶም ይዓልብ ተማታቲሮም ኣብ ጥሑን ስጋ ይቅየሩ ነይሮም :ኣነ ድፍዔይ ኣብታ ጥርዚ ኰይና ነተን ክልተ ጋንታታት ኢየ ብጎድኒ ዝወቅዓለን ኣብታ ጥርዚ ቡንባ ኢድ ሒዝና ኣነን ስውእ ስባህቱ ወልዱን ስዓት 5 ወጋሕታ ካብ ጎላጉል ዝውንጨፍ ሮኬታትን ቦምብታትን ትንፋስ ዘይህብ ደብዳብ ንከባቢ 45ደቂቅ ዝኸውን ተደብዲብና ኣብ ድፋዕ ተወጊኦም ብርቱዕ ቃንዛን እህህታን ኣውያትን ዝገብሩ ዝቅንዘውን ብጾትና :ኣጆኻ ስንኻ ንኸስ ዝብል ድምጽን ቁልፍ ወይ ዕንጨይቲ የንክስዎም ቃንዝኦም ዝጽወር ኣይኰነን:ጽላኢ ካብታ ዘለናያ ጥርዚ 20 ሜትሮ ምስ በጽሔ ሓደ ሓላፍ ሓባሪ ገምበል ቶኪሱ ጎበዘ ተጠግቻለሁ ኢሉ ንመራሕቱ ሓበሮም ብዓይንና ንርኢዮ ብእዝንና ንሰምዖን ነበርና : ስባህቱን ኣነን ከክልተ ቡንባ ኢድ ወቲፍናለን ጥይት ቶኽሲ ጀሚርና እቲ ከውሒ ክኳዓት ጀሚሩ ብጠያይቲ :ምሳና ናይ 4 ሜትሮ ዝትኩስ ዝነበረ ስውእ ሃብተማርያም ቁጠባ ብቀጭ ሕርሙ ርእሱ ተሃሪሙ ኣየምለሰን :መሬት ወገግ ክብል ከሎ ድሮ ቡንባ ኢድ ክውትፋልና ጀሚረን :መራሕ ጋንታና እተን ኣብ ብዓቲ ዘለዋ ቡንባ ኣምጽኣየን ኢሉኒ ነተን ቡንባ ናይ ኢድ ዝሐዘት ሳንጣ ሒዘ ናብኦም ምስ ቀረብኩ እዛ ጸላኢ ዝወርወራ ቡንባ F1 ኤፍ ዋን ንመራሕ ጋንታና ስውእ ኣስገዶም ስምኦን ምስ ስውእ መንግስትኣብ ኣርኣያ (ወዲ ብርጅዋን )ኣብ ማእከሎም ኣትያ ናብ ሰማይ የዕሪጋ ናብ መሬት ቁንቁል ኣፎም ተደፍኦም ክስሓጉ ጀሚሮም።

ንመራሕ ሓይልና ስውእ ሙሴ ዘካርያስ ታሃሪሞም ኣለው ኢለ ሓቢረዮ ንስኻ ሓዛ እታ ቦታ ኢሉኒ ራድዮኡ ብጸጋማይ ኢዱ ሽጉጥ ብየማናይ ኢዱ ሒዙ ምስቶም ዝሳሓጉ ዘለው ብጾተይ ተንበርኪኸ ብትእዛዝ ወዲ ዘካርያስ በብሓደ እተን 14 ናይ ኢድ ቦንባ ወስኸላ ኣጉድለላ ልክዕ ኣላ ዝብሉ ካብ ርሑቅ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ደርበኽወን።

ጸላኢ ቡንባ ኢድ ክድርብየልና ጎቦ መሊሳ ብጸሊም ትኪ ተዓብሎኸት ብጸጋመይ ዝትኩስ ዝነበረ ስውእ ጆኬር ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ኣየምለሰን ስውእ ተኸስተ ጎይትኦም ብቀጭ ሕርሙ ክሳዱ ተወጊኡ ኣየምለሰን ስውእ ስባህቱ ብቡንባ ኢድ ተወጊኡ :ስውእ ሃይለ ርእሱ ተሃሪሙ ናብ ጸድፊ ኣንከራረወ ጸላኢኣብ ድፋዕና ኣብ ነብስና ይወድቅ ነይሩ ቴንሽን ዘይብሉ ናይ ምትሕንናቅ ውግእ ነፈርቲ ጃንጥላታት ቡምባ ፋሽሽቲ ከም ማይ ኣዝነባልና እታ ጎቦ ነዲዳ ጥቃን ጥቃን ከምዘይርኤኤ ኬንና ኣብ ሰይጣን ተቀይርና ወይከ ምንቅ :ጸላኢ ረብሪቡ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኰይኑ ዘፍ ኢሉ :ስዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ሓንሳብ ትንፋስ ረኺብና ንስውኣት ብጾትና ጉድጓድ ኩዒትና በብድርብ ቀበርናዮም :ዓይኒ ምስ ሓዘ ነቶም ውጉኣት ናብ ሕክምና ልኣኽናዮም ኣብታ ቦታ ሓደ 5 ምዓልቲ ጌርና ንኻልኦት ቀይርና ናብ ደብረ እብን ግዓዝና :ነታ ናይ መጠረሽታ ጓለይ ንዝኽሪ ናይቶም ኩሎም ብጾተይ ዝቀበርኩላ ጎቦ 10001 (ታባ ሓበን)ስማ ሓበን ኣውጻእኩላ።

እቶም ሰራሕቲ ትያትር ናይ ህግደፍ ከም ምስ ሓደ ዘይረብሕ ጸላኢ ንዋጋእ ዝነበርና ገይሮም ፍልምን ትያትርን ክሰርሑ ክርኢዮም ከለኹ ነቲ ዝፈጸምናዮ ጅግንነት የፍኩሶ ጸላኢና ብኹሉ መለኪዕታት ሓያልን ብርቱዕን ነይሩ ግን ሓያላት ህዝቢ ረኺቡ ኣብ ዘይ መሬቱ ከይዱ ዝስዓረን ንህዝቢ ዘንበርከኸን ስለ ዘየልቦ ኤርትራውያ ባንዴራና ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣንበልቢልና ተዓዊትና።

ሎሚ ድሕሪ እዚ ኩሉ መጋርያ ውግኣት የሕሊፍና ገድልና ንምዕባዩ እጃምና ዘበርከትና ተረፍ እቶም ስውኣት ብጾትና ገሊኣ ተኣሲራ ገሌና ዓድና ምእታው ከልኪሎሙና ብእልፍ ደቂእራይ ምራይ ሓንቲ ዘየበርከቱ ዓዶም ኣይፍለጥ ዓውዶም ኣይፍለጥ ክንጓነን ክንዋረድን ከለና ኣንታ ኣምላኽ ነዚ ክፋእ ክንርኢ ዲኻ ዓቂርካና ይብል እሞ ንበይነይ ፍሽኽ ይብል ሕጂ ድኣ ቀሪብና እንዲና ዓድና ክንምለስ ኢለ ይሕጎስ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)

Read more comments and stories related to part-4, on facebook: ተወሳኺ ታሪኽን ርእይቶታትን ምስ 4 ክፋል ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፌስቡክ ተወከሱ፡- click here ኣብዚ ጠውቑ

(Original Source)

[:swvar:text:838:]