All updates

ኣብ ሊብያ ወዲ 15 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ሞይቱ

29/10/2021

ኣብ ሊብያ ወዲ 15 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ሞይቱ

 

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR) ኣብ ትራብሎስ ኣብ ናይ ቀትሪ መውዓሊ ሰባት(CDC) ኤርትራዊ ስደተኛ ከምዝተቀትለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ስደተኛ ድሕሪ እቲ ክካየድ ዝቀነየ ስደተኛታት ናይ ምህዳን መስርሕ ኣብ ሓደ መእከቢ ብብዝሒ ሰብ ኣብ ዘለዎ ቦታ ብመኪና ተሃሪሙ ከምዝሞተ ተፈሊጡ ይርከብ። ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ምግጫው እቲ ስደተኛ ኣብ ሆስፒታል ኡኳ ክውሰድ እንተተኻእለ፡ ህይወቱ ግን ክድሕን ከምዘይከኣለን፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝምልከት ኣድላዪ መርመራ ክግበር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብምስምስ ጸጥታ ምውሓስ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ስደተኛታት ንምህዳን ዝጀመረ መስርሕ፡ ብዙሕ ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ሞቅሰልትን ብምግባሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንክግዕዙን፡ መንግስቲ ሊብያ ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ሰባት ክሕሉን፡ ኣብ ልዕሊቶም ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ፡ ማእሰርትን መቅተልትን ደው ክብልን ይጽውዑ ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻብና ምግላጽና ይዝከር።

Original Source: Setit