All updates

ፍጻመታት መስርሕ ዕርቂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቃላት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣመታቱን

25/07/2018

ፍጻመታት መስርሕ ዕርቂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቃላት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣመታቱን

Implications of the Events in the Ethiopia-Eritrea Reconciliation Process


ትሕዝቶ መደረታት ፕረዚደንት ኢሳያስ

1. መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣን መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ኣስመራ፡ (20.06.2018)

2. መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ እንግዶት ቀዳማይ

  ሚኒስተር ዶር. ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ፡ (08.07.2018)

3. መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መዓስከር ሳዋ፡ (13.07.2018)

4. መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ (14.07.2017)

5. መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣምሓርኛ፡ (15.07.2018)

6. መደር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ሓዋሳ (15.07.2017)

7. ሓባርዊ መግለጺ ስሉሳዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት (24.07.2018)

[ Note: The accompanying video is available at: https://youtu.be/ss3XhDUzGDA ]

 

1. መደረ ፕረደንት ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ኣስመራ፡ (20 ሰነ 2018)

… ወያነን ዝተፈላለዩ ጉማታትን (vultures) እቲ ለውጢ ኣሰናቢዱዎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ጸወታኦም ከም ዘብቀዐ ኣረጋጊጾም ስለ ዝፈልጡ፡ ወልፎም ከይተርፎም፡ ንዝዀነ ለውጢ ንምዕንቃፍ ዘይህቅንዎ ኣይኪህሉን እዩ። ሓደ ካብቲ መናውሒ-ዕምሮምን መሰናኽልን ኢሎም ዝሓስቡዎ ዝበለየ ሽጣራ፣ ምስ ኤርትራ ወጥሪ ከም ዝቕጽልን፡ ዘይሕጋዊ እገዳ ከምዝዕቀብን ምስራሕ ስለዝዀነ፣ ነቲ ብዘይ ምኽኒት ዘባርዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከም ዝጸንሕ ንምግባር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከጋውሕዎ ዝፈተኑ “ሕራይ. . . ግን” ዝዓይነቱ ጣቋ፡ መርኣያኡ’ዩ። ሕሙም ሕልናኦም ብዓቢኡ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ለውጢ ምቝጻይ’ዩ።

ከም ናይ ኤርትራ ተመሳሳሊ፣ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድልየት ንስኒት ምስ ኤርትራ፣ ሓድሽ ምህዞ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ መወዳእታ ክስደድ ዝጸንሐ ኣወንታዊ ምልክታት ከኣ፡ መግለጺ ናይ’ቲ ህዝባዊ ሕርያ‘ዩ ኪበሃል ይከኣል። ተመላላእነት ናይ ክልቲኦም ህዝብታትን ሃገራትን፣ ክልተኣዊ ሓባራዊ ረብሓታቶምን ዕብየቶምን፣ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝደኸምናሉን ዝተሰዋእናሉን ብጹእ ዕላማ ስለ ዝዀነ ኸኣ፣ ብንጥፈት ንጸምደሉ ቀዳምነት እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ወጻኢ ካብ ዘመተታት ህዝባዊ-ርክባትን ዜናዊ ምቅብባልን፣ ንህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ምእንቲ ክንፈልጦን፡ ቀጻሊ ውጥን-ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስኣበባ ከነበግስ ኢና። …

 

2. መደረ ፕረደንት ኢሳያስ ኣብ እንግዶት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣቢይ ኣብ ኣስመራ፡ (8 ሓምለ 2018)

እወ ኣነ ንዘረባ ኣይተቀረብኩን ነይረ። መጀመርያ ንዶር. ኣብይ ምስ ኵላቶም ኣሕዋትና ኣብዚ መጺኦም ዘለዉ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም።

እዚኣ መገሻ ናይ ዶር. ኣቢይ ተደናጕያ ኢያ። ፈሊጥና ኢና ኣዳናጒናያ። ክትደናጐየልና ደሊና። መቐረት ክትረክብ ምእንቲ። መቐረት ከኣ ኣዋህሊላ። ከመይ ገይራ ኣዋህሊላ መቐረት፧ ሎሚ ኣብዚ ጽርግያ ህዝቢ ዝገበሮ መግለጺ። ካልእ ዘረባ ኣየድልንዩ። ወሰኽ እዉን ኣየድልዮን’ዩ። ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ጥራይ ኣይኰነን። ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልቡ ዝጸንሐ ናይ ብሓቂ ድልየቱ፡ ናይ ብሓቂ ስምዒቱ ብፍኑው መንገዲ ክገልጽ ዕድል ምርካቡ መሰሉ ረኺቡ።

መሰሉ ስለ ዝረኸበ እንቋዕ ሓጎሰካ ነዚ ህዝቢ እዚ እንቋዕ ሓጎሰካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንክልቲኦም ህዝብታት እንቋዕ ሓጎሰኩም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዚ ሎሚ ህዝቢ ዝገለጾ ናይ ብሓቂ ናይ ልቡ ስምዒት ብፍኑው መንገዲ መቈጻጸሪ ዝሰኣነ ናይ ሓቀኛ መግለጺ ተርእዮ ስለ ዝዀነ። ንዓና ንኩላህና ንዓይ ንዶር. ኣቢይ እንቋዕ ሓጎሰና። ንዅሎም ኣብዚ ዘለዉ ኣጋይሽ ምሳና ከኣ እንቋዕ ሓጎሰኩም። እንቋዕ ነዚ ረኣኹም። ናይ ብሓቂ ስምዒት ናይዚ ሃገር እንታይ ምዃኑ ርኢኹም።

ዶር. ኣቢይ ዝወሰዶ ሕርያ፡ ቀሊል ሕርያ ኣይኰነን። እዚ ሕርያ እዚ፡ ናይ ብሓቂ ን25 ዓመታት ዕድል ተፈጢሩልና ኵነታት ተቐይሩና፡ ናብ ዝሓሸ፡ ደሓር ናብ ዝዓበየ ምዕባለ ንኸይድ ኣለና፡ ኣብ ዝበልናሉ እዋን እቲ ዕድል ተዀሊፉና። 25 ዓመታት ውሑድ ግዜ ኣይኰነን። 25 ዓመታት ዝጠፍኣ ግዜ ዚተኸስረ ዕድል ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክትልክዖ እውን ዝከኣል ኣይኰን። ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን። ኣይጠፍኣናን። ንብረትና ብምሉኡ መሊስና። ንዶር. ኣቢይ ከኣ እንቋዕ ሓጎሰካ፡ እንቋዕ ኣዐወተካ። ብሓንሳብ ኣለና፡ ብሓደ ኣለና። ዝገጥመካ ብድሆ፡ ዕድል ብሓደ ክንገጥሞ ኢና። ንኽእሎ ኢና፡ ክንሰግሮ ኢና። ግዲ የብልካን፡ ግዲ የብልኩምን። ልዕሊ ዅሉ ግን ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንቋዕ ሓጎሰኩም።         

 

3. መደረ ፕረደንት ኢሳያስ ኣብ ጽንብል 31 ዙሃገራዊ ኣገልግሎትን 9ይ ማሞስን ኣብ መዓስከር ሳዋ፡ (13 ሓምለ 2018)

ንተመረቕቲ ዮሃና።  31 ዙርያ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝምረቕ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ደዳግማይ ሓርነቶምን ናጽነቶምን ኣብዒሎም፡ ታሪኻዊ ኪዳኖም ኣሐዲሶም ብፍስሃን ቈራጽነትን ብሓባር፡ ንሓባራዊ ራህዋን ቅሳነትን ክምርሹ ኣብ ዝብገሱሉ ዘለዉ እዋን ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ጽንብል 31 ዙርያ ፍሉይ መቐረት ኣለዎ። ዝኸሰርናዮ ኣምሊስና ኪኖ’ቲ ክንበጽሖ ዝነበረና ሓሊፍና ምእንቲ ብዘላቕነት ክንግስግስ ብዝሓየለ ናህሪ፡ ብዝደርመሰ ጉልበት፡ ብዝካዕበተ ጸጋታት፡ ብዓጸፋ ሽፍት፡ ብዝወርጸጸ ውዳበን ምሕደራን ክንዓዪ ታሪኻዊ ግዴታ ኢዩ። ምንም ዘዛንን ዘጠራጥርን የብልናን። ከም ንዕወት ከኣ ርግጸኛታት ኢና። ኵሉኹም 31 ዙርያ ምስ ታሽዓይ ዙርያ ማሞስ ኣእምሮኹም ቃንዩ፡ ትምህርትኹምን ፍልጠትኩምን ሰሓሉ። ዕጥቅኹም ሸጥ ኣብሉ። ዓወትኩም ከኣ ናይ ግድን ኢዩ። በዚ ሓጺር ቃል’ዚ ጽባሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ናትኩምን መልእኽቲ ሒዘ ንኣዲስ ኣበባ እኸይድ ስለ ዘለኹ።

ሰማእታትና ዓጸፋ ተደበሱ።

ዓወት ንሓፋሽ!

 

4. መደረ ፕረደንት ኢሳያስ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ (14 ሓምለ 2018)

“መጀመሪያ ንፕረሲደንት ሙላቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ተዛሪብና። ናይ ብሓቂ፡ ኣብ ልብና ዘሎ ስምዒት ክንገልጽ ኣይንኽእልን ኢና። ተዳሊዩ ዚመጸ ክዛረብ ዝኽእል ክዛረብ ይኽእል ኢዩ። ኣነ ግን ኣብ ቅድመኹም ኰይነ ዝስመዓኒ፡ ናይ ብሓቂ ኣብ ውሽጠይ፡ ኣብ ልበይ ዘሎ ስምዒት ክገልጽ ከቢድ ነገር’ዩ ንዓይ። እዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ እየ ዝብሎ ኣነ። ታሪኽ ይስራሕ ኣሎ። ታሪኽ ይስራሕ ኣሎ። ዚዀነ ሰብ ምስ ሓለፈ ምናልባት ክገልጾ ይኽእል ይኸውን። ግን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕሪ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት፡ ዶር. ኣቢይ ምስ መጸ ዕድል ስለ ዝሃበና፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ስምዒቱ ክገልጽ ስለ ዝኸኣለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዅሉ ክንዛረቦ ንኽእል ንዅሉ ክንገልጾ ንኽእል ነገር ህዝቢ ገሊጹዎ ኢዩ። ንሕና ድሕሪ ሕዝቢ ኢና። ልዕሊኡ ክንገልጽ እዉን ኣይንኽእልን። እዚ ከኣ ሓበን ንዓና ንሕዝቢ ኤርትራ፡ ሓበን ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኵርዓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዚዀነ፡ ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ የለን።

ነቶም ዝሓለፉ ነዚ ከይረኣዩ ዝኸዱ፡ ነዚ ከይረኣዩ ከይዶም ኢልና ንጠዓሰሉ፡ ንሕና ግን ዕድለኛታት ኢና፡ እዚ ዝረኣና። እዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ከኣ ሸቶታቱ ክወቅዕ ኣብ ዝብጻሕ ክንበጽሕ ከምዝጕክንዪ፡ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዩ ኢሉ ዝዛረብ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ።

ክልቴና ከም ሓደ ህዝቢ ከመይ ጌርና ክንጐዓዝ ከኣ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ዶር. ኣቢይ ኣብ ዘየድልየኒ ሽግር የእቲዩኒ ክገልጽ ኣይክኣልን’የ። ስምዒተይ ካብዚ ንላዕሊ። የቐንየልና ኣቀባባል፡ ናይ ብሓቂ ጀንዊን ናይ ልቢ ስምዒት ዝገልጽ ስለ ዝዀነ። ካብዚ ካብ ምስጋና ንላዕሊ እዩ። ካብ ምስጋና ንላዕሊ እዩ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን። ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ከኣ ናይ ብሓቂ  ንዓለም ኣለና ናብዚ ንኸይድ ኣለና ኢሎም ክገልጹ ዘለና እምነት ልዑል ስለ ዝዀነ ደስታና ንሎሚ ንጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ  ምሉእ ዘይጕዱል’ዩ። ደስ ይበልኩም፡ ደስ ይበለና።        

 

5. መደረ ፕረደንት ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣምሓርኛ፡ (15 ሓምለ 2018)



6. ካብ መደ ፕረደንት ኢሳያስ ኣብ ሓዋሳ፡ (15 ሓምለ 2018)

“ህዝቢ ወይ ህዝቢ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍቕሪ ሰላም ዝበሃል ዘሎ ሓዲሽ ዝመጽእ ዘሎ ዘይኰነ፡ ሕጂ ዳግም ህይወት ረኺቡ ዝህነጽ ዘሎ ንቡር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ታሪኻዊ፡ ባህላዊ፡ ኣብ ክብርታት ዝተሞርኮሰ ዝምድና ኢዩ። ማዕረ ማዕሪኡ፡ ኣነ ከም ፕረዚደንት ዘይኰነ ከም ሰብ፡ ከም ዶር. ኣቢይ ዝረኸበ ህዝቢ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን ረኺቡዎ ዘሎ ዕድል ቀሊል ነገር ኣይኰነን።

ኣነ ተደጋጋሚ ተደጋጋሚ ኢለዮ ኣለኹ፣ ተደጋጋሚ ኢለዮ ኣሎኹ። ዝነ ዝግበር ነገር እንተ ሃልዩ፡ ወኪል ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኢለዮ ኣለኹ። ንቀልዓለም ኣይኰነን ወይ ከሐጕሶ ኢለ ወይ ምእንቲ ዘረባ ክጥዕመኒ ኢለ ዘይኰነ፡ ናይ ሓቂ ሕጂ ህይወት ኣልቢስና ንደፍኦ ዘለና ሰላም ፍቕሪ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ጥራይ ዘይኰነ ናይ ልምዓት፡ ናይ ገስጋስ፡ ናይ ዕቤት መደባትና ሓደ ካብቲ ካልእ ዝፍለ ኣይኰነን። ነዚ ከኣ ዶር. ኣቢይ ኣብዚ ኣሎ ክመርሓና እዩ። ኣነ ከኣ ከምኡ። ኣስመራ መጺኡ፡ ኣዲስ ኣበባ መጺና ሓዋሳ መጺና ኣብዚ። እዚ መጀመሪ ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝጠቐሶ። ኣነ ናቱ ፍቓድ ዘይብለይ ኣብ ኩሉ ኢትዮጵያ ሓደ ብሓደ ኩለን ክዝወራ ዝግብኣን ቦታታት ክበጽሐን እየ። እዚ ናይ ሎሚ ተኸሲቱ ዘሎ ዕድል ዓቢ ባብ ተራሕዩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ተዓጺዩ ዝጸንሐ ሕጂ ባዕልና ስለ ዝኸፈትናዮ ኣብ ደድላይና ሰዓት ኣብ ዝዀነ ቦታ ክንከደሉ ስለዚዀንና፡ ፍቓድ ኣይንሓትትን’የ ካብ ዶር. ኣቢይ ባዕለይ ኣለኹ ክኸይድ’የ። ንሱ’ዉን ባጽዕ፡ እንተ ደለየ ዓሰብ እንተደለየ ኦምሓጀር ተደለየ ተሰነይ ብዘይ ፍቓድ ኪኸይድ ይኽእል ኢዩ’ሞ ናይ ብሓቂ እዚ ፍቕሪ ስኒት ሓድነት ንብሎ ዘሎና፡ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ቅድሚ ሕጂ ነይሩ ኢዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል፡ ብዙሕ ነገር ርኢና ኣለና። ጠፊኡና ነይሩ ሕጂ ኣምሊስናዮ። ንቕድሚት ንኸይድ ኣለና ። ብውሕስነት ናይ መሪሕነት። መሪሕነት ኣድላዩ ኢዩ ኵሉ ግዜ። ህዝቢ ልዕሊ ኵሉ ኢዩ፡ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጽእ የለን። ግን ኣብ ህዝቢ ከኣ መሪሕነት ስለ ዘድሊ ሎሚ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ሃዋሳ ክብሎ ዝደሊ፡ ሆ ኣነ ሉ ስልጣን ሂበዮ ኣለ። ኣነ ሉ ናይ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰኪመዮ እየ። ከም ዚዕወት ከኣ ርግጸኛ እየ። እንቋዕ ሓጎሰና። እንቋዕ ሓጎሰኩም።        

7. Joint Statement on the Eritrean-Ethiopian-UAE Tripartite Summit

Abu Dhabi, UAE - 24 July 2018

The two Ethiopian and Eritrean leaders also appreciated the wisdom of King Salman bin Abdulaziz, the Saudi King and Custodian of the Two Holy Mosques, and the contribution of His Highness Sheikh Mohamed bin Zayed and HRH Prince Mohammed bin Salman bin Abdulaziz, Saudi Arabia's Crown Prince, Vice President of the Council of Ministers and Minister of Defence, in sponsoring and pushing forward the peace agreement to be a catalyst for positive relations that will benefit the neighbouring countries and the Horn of Africa.

HE President Isaias Afwerki and HE Dr Abiy Ahmed thanked the Kingdom of Saudi Arabia and the UAE for their contribution to the efforts to end the dispute between the neighbours. The Kingdom of Saudi Arabia and the UAE have spared no effort to help the two countries re-establish good relations for the sake of their people and the wider region.   - shabait.com