All updates

BBC News: ኢምሬትስ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንታይ ትገብር ኣላ?

25/07/2018
25 ሓምለ 2018

ኢማራት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንታይ ትገብር ኣላ?

[:swvar:text:838:]
ምንጪ ስእሊ, FITUSM AREGA/TWITTER
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ እዋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምኻድ ነቲ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ዕርቅን ሰላምን ኣብ ምስላጥ መራሕቲ ኢማራት ዓረብን ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ዝተጻወትዎ ተራ ምሳጋናኦም ከምዝገለጹ፡ ትማሊ ዘውጽእዎ ሱሉሳዊ ናይ ሓባር መግለጺ የረድእ።

"ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ክቡር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ንንግስነት ስዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስሕሓብ እተን ጎረባብቲ ዝኾና ሃገራት ከብቅ ንዝገብርዎ ጻዕርታት ኣመስጊኖም" ክብል እቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።

ኢማራትን ሱዑዲን "ክልቲአን ሃገራት ንስለ ህዝበንን እቲ ዞባ ብዓቢኡን ክብላ ዝምድንአን ዳግም ክምስርታን ዘይገበርኦ ጻዕሪ ኣይነበረን" ብምባል ተራ ናይተን ሃገራት ኣጉሊሑ።

ብተመሳሳሊ ከም መርኣያ ሓጎሱ "መሓመድ ቢን ዛይድ ንፕረዚደንት ኤርትራን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን፡ ስለቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ክሰፍን ዝገበርዎ ስራሕ ኒሻን ዛይድ ሸሊምዎም" ክብል እቲ ወራስ-ዘውዲ ናይ ኢማራት ብቲዊተር ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቅድሚ ንዱባይ ምእታዉ ብንግስነት ሱዕዲ ዓረብ ብምሕላፍ ምስ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ሳዑዲ ተራኺቡ።

ስለዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢማራት ዓረብ ምርኻቦም፡ ምስጋኖም ንምቕራብ ዝገበርዎ ናይ ዓወት ዙርያ (ቪክትሪ ላፕ) እዩ ክበሃል ይከኣል።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ተፈጢሩ ዘሎ ዕርቅን ሰላምን ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ተበግሶ ካብ ባዕሎም ዝነቐለ ስለዝኾነ ምዃኑ ክገልጹ ጸኒሐም እዮም።

እንተኾነ ግን፡ እዚ ሎሚ ዝወጸ መግለጽን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምኻዶምን ተራ ናይ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝነበሮ ዘርእይ እዩ ይብሉ ተንተንቲ።

እዘን መንጎኛታት ሃገራትን ደገፍተንን ንግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዘርኣይኦ ሓድሽ ተገዳስነት ኣቓልቦ ብዙሓት ተዓዘብቲ ስሒቡ'ሎ።

ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ንምርግጋጽ ዝደረኹ ሓያሎ ውሽጣውን ግዳማውን መበቆል ዘለዎም ታሪኻዊ፡ ጸጥታውን፡ ንግዳውን ረቛሒታት ኣለዉ።

"እዚ ናይ ኢማራት ዓረብን ሱዕዲን ተገዳስነት መርኣዩ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጥንግናግ ውድድራትን ግጭታትን ክበሃል ይከኣል'ዩ" ይብል ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሎ ዘሎ ኣምባሰደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ነቲ ኢማራትን ሱዕዲን ዘርእየኦ ዘለዋ ሓድሽ ተገዳስነት ክገልጽ እንከሎ።

[:swvar:text:838:]
ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA/TWITTER

ሕዱር ምትፍናን ማእከላይ ምብራቕ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንብዙሕ ዘመናት ዝቐጸለ ኣብ ሃይማኖት ዝተሞርከሰ ነቲ ዞባ ዝሓመሰ ኩነታት ኣብ መወዳእታ ንቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ክጸልዎ ጀሚሩ'ሎ።

"ኣብ መንጎ ሺዓን ሱኒን ዘሎ 1400 ክኸይድ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ውድድር ኣሎ፡ ኣብዚ ሱዕድያ ከም ቀንዲ መራሒት ናይ ሱኒ ጉጅለ፡ ኢራን ድማ መራሒት ናይቲ ናይ ሺዓ ጉጅለ እየን" ይብል ኣምባሳደር ዓንደብርሃን።

ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ምስ ኢራን ክትምስርቶ ጀሚራ ዝነበረት ዝምድና ንሱዕዲ ዓረብ ኣይዓጀባን ነይሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ 2008 ናብታ ሃገር ምብጻሕ ጌሩ ነይሩ።

[:swvar:text:838:]
ኣብ መንጎ ኢራንን ሱዕዲን ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ውድድር መበገሲ ናይቲ ዘይምርግጋእ'ዩ ክበሃል ይከኣል, Image - REUTERS/EPA

ኣብ መንጎ ኢራንን ሱዕዲን ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ውድድር መበገሲ ናይቲ ዘይምርግጋእ'ዩ ክበሃል ይከኣል

ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ምዕባለታትን ጽልውኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝጸሓፈን ብቐረባ ዝከታተልን ኪኢላ'ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃራት "ዘሎ ምትፍናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዝኾነ ናይ ስትራተጂ ነጥበ-መቐይሮ'ዩ ኣምጺኡ" ብምባል ይገልጾ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ቀጽሪ፡ ንሃገረ ቐጠር ንምንጻል ዝተፈላለዩ እገዳዳት ጌሩላ'ዩ።

እዚ ዝፈጠሮ ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት ድማ ነቲ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ምፍሕፋሕ መሊሱ ኣጎሃሂርዎ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ቱርክን ኢራንን ብወገነን ነቲ ቅልውላዉ ተጠቂመን ኣብ ጎኒ ቐጠር ደዉ ምባለን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲድዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተደናገጽትን ደገፍት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድተት ነተን ጂኦግራፊካውን ስትራትጂካውን ኣገዳስነት ዘለውን ሃገራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተንኪፍውን'ዩ።

ኤርትራን ምስ ቐጠርን ንሓያሎ ዓመታት ዝቐጸለ ጥቡቕ ዝምድና ጸኒሑዋ'ዩ። ብኣንጻሩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምብታትኽ በጺሓ ነይራ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን እቲ ዝምድናታት ብኣጻሩ ክቀያየር ተራእዩ'ዩ።

ጸጥታዊ ድሪኺት

እቲ ኣብ 2011 ዝተወለዐ "ቀውዒ ዓረብ" (ኣራብ ስፕሪንግ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰውራ ነቲ ሕዱር ምትፍናን ተወሳኺ ነዳዲ ወሲኹሉ'ዩ።

እቲ ዳርጋ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ከይተዓወተ ዝተረፈን ናብ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ዘምረሐን ሰውራ ዓረብ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ንግስነት ዝመሓደራ ሃገራት ዓረብው'ን ስግኣታት ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

እዚ ኣብ የመን ብምልባዑብፍላይ ንሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እቲ ስግኣት ኣብ ኣፍደጊአን ኣትዩ ነይሩ'ዩ።

"እቲ ማዕበል ንዓኣተን'ውን ከጥቅዐን ስለዝኽእል፡ እቲ ዝኽተልኦ ዝነበራ ልኡም (ሎው ፕሮፋይል) ናይ ቀደም ናይ ወጻኢ ፓሊሲ ብምቕያር መጥቃዓይ (ኣግረሲቭ) ፓሊሲ ክኽተላ ጀሚረን" ክብል ተንታኒ ፓለቲካ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ዝተላዕለ ናዕብታት ንምቕሃም ዝከኣለን ከም ዝሰርሓ ኣቶ ዓብዱራሕማን ይዛረብ።

[:swvar:text:838:]
ኤርትራ ኣብቲ ብሱዕዲ ዝምራሕን ኣብ የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ዝገብር ዘሎ ልፍንቲ ተራ ኣለዋ, Image - AFP

ኤርትራ ኣብቲ ብሱዕዲ ዝምራሕን ኣብ የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ዝገብር ዘሎ ልፍንቲ ተራ ኣለዋ

እቲ ብሰንኪ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተወለዐ ሂወት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈን፡ ንሚልዮናት'ውን ንሓደጋ ዘቃለዐ ግጭት የመን ነዘን ሃገራት ወታሃደራዊ ቅልስ ዘካይዳሉ ባይታ ፈጢሩለን።

ሱዕዲ እትመርሐንን፡ ኢማራትን ግብጽን ዝርከበአን ሃገራት፡ ኢራን ነቶም ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮ ዘለዉ ጉጅለ ሑቲ ትድግፍ'ያ ኢለን ክኸሳኣ ጸኒሐን'የን።

ነዚ ናይ ኢራን ጽልዋ ኣብ የመን ንምግታእ ድማ፡ ሓደ ልፍንቲ መስሪተን ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ከካይዳ ከሪመን ኣለዋ።

"ኣብ የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ክግብር እንከሎ እምበኣር፡ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ጂኦግራፊካዊን ስትራተጂካውን ኣገዳስነት ስለዘሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ የመን ዝገብረኦ ናይ ኣየርን ባሕርን መጥቃዕቲ ከዐውታ ንኤርትራ፡ ጂቡቲን ሶማልን ክጥቀማለን ጸኒሐን" ይብል ኣቶ ዓብደራሕማን።

[:swvar:text:838:]
እቲ ወታሃደራውን ቁጠባውን ቁርቁስ ወደባት ናይ ምቁጽጻር ቅድድም'ውን ኣኸቲሉ'ዩ / Image - Mary Harper

እቲ ወታሃደራውን ቁጠባውን ቁርቁስ ወደባት ናይ ምቁጽጻር ቅድድም'ውን ኣኸቲሉ'ዩ

ኤርትራ ድማ ነቲ ምስ ኢራንን ቐጠርን ዝነበራ ዝምድና ኣዛሕቲላ ኣብ መሳርዕ ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ተሰሊፋ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ድማ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ምትእትታው በቲ ሓደ ወገን ነቲ ናይ ኢራን ምንቅስቓስ ንምድራእ በቲ ሓደ ወገን፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሃኒጻ'ላ።

ብኤርትራ ዝተቐየመት ቐጠር ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና ከተመሓይሾ ጀሚራ ነይራ።

እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ቁጠባውን ጸጥታውን ኣገዳስት ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተሃንጸ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣየቕሰናን፡ ስለዚ ድማ ነቲ ኩነታት ክትምዝምዞ ፈቲና'ያ ይብሉ እዞም ተንተንቲ።

ኢማራት ዓረብን ሱዑዲ ዓረብን ንኢትዮጵያ ክኸስራኣ ኣይደለያን፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ፓለቲካዊ ለውጢ ድማ ሓድሽ ዕድል ፈጢሩለን።

ንኢትዮጵያ ናብቲ ናተን ቀጽሪ ከጸግጋ'ኳ እንተኾይነን እቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ክፍታሕ ከምዝነበሮ'ዩ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ዝገልጽ።

ናይዘን ሀገራት ዓረብ ተገዳስነት ኣብቲ ዞባ ወይ እቲ ጸታዊ ስግኣታት ናይ ቁጠባ ረብሓታት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ንግዲ መሰመር'ዩ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝብገስ ነዳድን ካልእ ንግዳዊ ኣቑሑትን በዚ መስመር'ዚ ስለዝሓልፍ፡ ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ እንተድኣ ወዲቑ፡ ንግዲ ክተዓናቐፍ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ንረብሓታት ኩለን እዘን ኣብዚ ዞባ ጽልዋ ንኽህልውን ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ሃገራት ዝትንፍ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ላዕልን ታሕትን ክብላን፡ ክዋገያን የገድደን'ዩ ይብሉ እቶም ተንተንቲ።

ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ዘሎ ውድድር

ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን፡ ቻይናን ዘሎ ውድድር'ውን ርእሱ ዝኸኣለ ንሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዝደረኸ ምዕባለ'ዩ።

"ኣብዚ ዞባዚ ምትእትታው ቻይና ኣሎ፡ ቻይና ንፈለማ እዋን ካብ ዓዳ ወጻኢ ኣብ ጂቡቲ ወታሃደራዊ መዓስከር ጌራ'ላ" ዝበለ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጌርጊስ ናይ ቻይና ጥሙሕ ንግዳዊ ረብሓ'ውን ዘበገሶ ምኻኑ ይጠቅስ።

ቻይና ናብዚ ብታሪኽ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣሜሪካ ዝጸንሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሓውራ ክትሰድድ ምጅማራ ንኣሜሪካ ከየስግኣ ኣይተረፈን።

ነዚ ንምምላስ ድማ ኣሜሪካ፡ ነተን ማሓዙታ ዝኾና "ክላያንት ስቴትስ" ብምውህሃድ ነቲ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ከሊኡ ዝጸንሐ ኣሉታዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምፍታሕ እቲ ዞባ ኣብ ናታ ጸግዒ ኾይኑ ዝቕጽለሉ መንገዲ ከተናዲ ተገዲዳ'ያ ኣብ ዝብል እቶም ተንተንቲ ይሰማምዑ።

[:swvar:text:838:]
ምንጪ ስእሊ, FITUSM AREGA

ቻይናን ቱርክን ኣብ ኢትዮጵያ ቀሊል ዘይኮነ ወፍሪ ኣለወን፡ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ዝምድናታት ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ'ዩ ጌና ዘይተነጸረ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ዝሰማምዕሉ ነገር'ዩ።

ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቢልዮን ዶላራት ወፍሪ ከተካይድ ቃል ምእታዋ፡ ነቲ ካብ ቻይና፡ ቱርኪን ቐጠር'ውን እትረኽቦ ንምክሕሓስን፡ ነቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምህዳእን ተባሂሉ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

ሱዕዲ ዓረብ ብወገና፡ ንኢትዮጵያ ናይ ሓደ ዓመት ነዳዲ ብጸኒሕ ክትቅርበላ ድልውቲ ከምዘላ ገሊጻ'ያ።

"ነቲ ስጋብ ሕጂ ዝጸንሐ ናይቲ ከባቢ ናይ ደሕንነት ፍኖተ ካርታ ክርብሽ ስለዝኽእል፡ ብጥንቃቐ እንተ ዘይከይዱ መጻኢ ዕድል ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ዋጋ ዕዳ'ዩ ዝኣቱ" ክብል ፕሮፌሰር መድሃኔ ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።

ውሽጣዊ ኩነታት እተን ሃገራት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ዝተራእየ ዘይምርግጋእ ንጸጥታ እታ ሃገር ፈቲኑ'ዩ።

ብሄር ተኮር ግጭታትን ኣንጻር መንግስቲ ዝተለዓሉ ተቛዉሞታትን እናዛየዱ ብምምጽኦም፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ፍሕፍሕ ፈጢሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ፓለቲካዊ ለውጥታት ክመጽእ ኣገዲዱ።

"ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዉሽጣዊ ቅልዉላዉ ዲሞክራሲ፡ ፓለቲካን ቁጠባን'ዉን ናይ ባዕሉ ተራ ኣይነበሮን ኣይበሃልን" ኢሉ ፕሮፌሰር መድሃኔ።

[:swvar:text:838:]
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ጎነጻዊ ናዕብታት ፓለቲካዊ ለውጥታት ኣስዒቡ'ዩ

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ጎነጻዊ ናዕብታት ፓለቲካዊ ለውጥታት ኣስዒቡ'ዩ

እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ጸገም ከም ዘለዎ ክኣምን ጀሚሩን "ዓᎁቕ ተሓድሶ" ክገብር ቃል ኣትዩን። ጸኒሑ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተርን መራሒ ናይቲ ሰልፊ ዝነበረን ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዓብላሊ ሓይሊ እናረኸበ ዝመጸ ጉጅለ ድማ ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣምጺእዎ።

ኤርትራ ብወገና'ውን በቲ ናይ ኩነተ-ኲናት ኩነታት፡ብማዕቀብን በቲ ጌና ዘይወገነቶ ፓለቲካዊ ቅልውላውን ተዳኺማ ምጽንሓን ናብ ሰላም ከተምርሕ ከም ዘገደዳ ፕሮፌሰር መድሃኔ ይትንትን።


Original source: BBC News Tigrinya