All updates

"ንቐጻልነት ጥዑይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስነኣእምሮ: ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተርኢዮ እዩ።" ሳምሪ ሳምሪ

02/06/2019
ንቐጻልነት ጥዑይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስነኣእምሮ: ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተርኢዮ እዩ።

ሳምሪ ሳምሪ


ባህልን ስነምግባርን ናይ ሓደ ህዝቢ፣ ጠመርቲ ክብርታት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኮይኖም ንወሎዶታት ጥጡሕ መንገዲ ዜስግሩ፣ ሓደ ክፍል ናይ ሕብረተሰብዮም። እዞም ክብርታት፣ ዜጋታት - ብተወርሶ ወለዶምን ኣብ እዋን ምዕባዮምን ቀጻልነት ህላወኦምን - ቅኑዕ መንገዲ ኣቐዲሞም ነውርታት ዜውሕዱ፥ ውሳነን ባህርን ኣዕጢቖም ጥዑይ ዜጋ ዝፈጥሩ ሓይሊ’ዩም።

እዚ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ይኹን ውሽጢ ሃገር ዝነብር ኣካላት ሕብረተሰብ እንርእዮ ዘሎና ብዙሕነት ሓሳባት ዘይጸውር ኣተሓሳስባን ባህርን፤ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝንጸባረቕ ዘሎ ባህሪ ናይ ዘይምጽውዋር፤ ካብቲ ንፍልልያት ሓሳባት ይኹን መተካእታ ርእይቶ ዘይሰምዕ፥ ዝተፈለየ ሓሳብን መስመርን ንዘርእዩ ዝኣስርን ዝቐትልን፤ ስርዓተ ህግደፍ ኣሰራርሓ ተበጊሱ ናብ ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሰረጸ ባህሊ ዝተወርሰ ኢዩ።  

ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳያቶም ዝካትዑን ብኣኽብሮት ሓሳባቶም ዘፍስሱን ፓርላማ ይኹን ሚኒስትራት ወከልቲ ህዝብን ርእዩን ስሚዑን ዘይፈልጥ፥ ብኣንጻሩ ወግሐ ጸበሐ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝጻረፍ፤ዝዝልፍ፤ ዘነኣእስ ዕቡድ መላኺ ኢሳያስ እንዳሰምዐ ዝዓበየ መንእሰይ፤ ጸርፊ ከም ናይ ሓይሊ መርኣያ እንተወሰዶ፤ከምኡ ስለ  ዘይኮነስ፥ ብሰንኪ እቲ ዘመሓድሮ ዘሎ ስርዓት ዘስረጸሉ ባህሪ ኢዩ።

ሓደ መዓልቲ ውን ርእይቱኡን ሓሳቡን ተሓቲቱ ዘይፈልጥ ህዝቢ፥ ሰባት ከከም ዘእምን ሓይሊ ሓሳባቶም ዘይኮነስ ከከም ዘለዎም ሓይሊ ኢዮም ዝነብሩ ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ሓንጎሉ እንተራዓመ፥ ወይ ውን ሕብረተሰባት ብናይ ሓይሊ ስነመጎት ጥራይ ክናበሩ ከምዝግብኣ ጌሩ እንተወሰዶም፥ እቲ በደል ናይቲ ንኸምኡ ዝፈረዶ ስርዓት ኢዩ።

ሳዕቤን ናይዚ ናይ ካልኦት ሓሳባት ዘየአንገደ ግዝኣት 28 ዓመታት ኢዩ ድማ፤ ሎሚ ብዙሕነት ሓሳባት ዘአንግድ፥ ፍልልያቱ ብልቦና ዝመያየጥ፥ እንተዘይተሰማሚዑ ድማ ብስልጡን መንገዲ ፍልልያቱ ጸይሩ ኣብቶም ዘሰማምዕዎ ጉዳያት ብሓባር እንዳሰርሐ ናይ ምንባር ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ዳርጋ ዘየሎ እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ።

ሓደ ካብቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ጽቡቕ ጌሩ ዝመልኮ እከይ ኣጣቍስካ ገማሚዕካ ብዋጋ ግጭትን ምትፍናንን ካልኦት ምንባር ስለዝኮነ፥ ሕብረተሰብ ብስኒትን ውህደትን መታን ከይነብሩ ስለዚድማ ኣንጻር ናይ ሓባር ዓማጺኦም መታን ከይመኽሩ ሓደ ብሄር ኣብ ልዕሊቲ ካልእ ከምዝሕንሕን፣ ሓደ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊቲ ሓደ ከቢድ ምጥርጣር ከምዝህልዎ ዝገብር መርዚ ተነስኒሱ፣ ክብሪ ስራሕ ከይምዕብል ስለዚ ድማ ስምረት ሰራሕተኛታት ከይዓዝዝ - ሓደ ማሕበራዊ ጉጅለ ነቲ ካልእ ዓቢ ንዕቐት ከምዘማዕብል ኮይኑ ተኾስኪሱ። ስለዚ ድማ ኩሎምቶም ህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ዝኾስከሶም ክብርታት፣ ፍትወት ሓቒ፣ ኣኽብሮት ዓበይቲ፣   ዘይምዝንጣል፣ ኮነ ኢልካ ከምዝቡሕጎጉን ብግምጣሎም ብዝረኣዩ ባህርታት ከምዝትክኡን ተገይሩ። ብሓጺሩ እቲ መዕበያ ዝበደሎ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ኣብቲ ንሱ ዝዓበየሉ ሃዋህው ክነብር ፈሪድዎ።

ሽሕካ ህዝቢ ኤርትራ ብዝከኣሎ ንምዕራዩ ይቓለስ እንተሃለወ፣ ገለ ኣዚዩ ንኡስ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ስነምግባሩን ክብርታቱን ዝተቐዘፈ ይኸውን ኣሎ። እቲ ኩሎም መለኽቲ ኣብ ኣጋ ዕርብርቦም ዜዘውትርዎ ኣብ ህዝቢ ሶሊኽካ ፍልልያቱ እንዳመዝመዝካ ነንሕድሕዱ ከምዝፋለስ ምግባር ዝብል ኣምር። ዕላምኡ ብድሕሪ’ቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ውድቀት ሃገር ከምዝስዕብ ምርግጋጽ ኮይኑ እዚ ውጥን ብዙሕ ጻዕርን ወጻኢታትን ፈሲስዎስ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ዕዮዚ ጥራይ ከምዝዋፈሩን ኣብ መንጎ ማሕበረኮማት ናይ ሃይማኖት ምትእኽኻባት ኣስሊኹ ብጻዕቂ ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ህዝቢ ንምብትታን ናይ ዝስራሓሎ ዘሎ ጥጁእ ውዲት እነሆ ሕጂ ኣብ ሓድህድ ምውንጃል ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዘርጠብጠብ ኢሉ ዘይእዱብ መስርዓቱ ክዋዛዛዕ ክስራሓሉን ንርእን እዝንና ክንዓብስን ይገብረና ኣሎ።

ህዝቢ ብዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ቀንዲ ድማ ኣውራጃ ዝፈላሊዮ ዕዮ ንምኳን - ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መደብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር ህግደፍ ዘለዎ ተቓውሞ እንዳሓየለ መጺኡ ስለዘሎ፣ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ከምዝገራጮ ንምግባር ኣውራጃዊ ቀሓር ምኹስኳስዩ። ፖለቲካዊ ዘመተ ናይዚ ምንቅስቃስ “ናይ ሓደ ውሱን ክፋል ሕብረተሰብ ዕላማ ኮይኑ” ንምምሳሉ ሰፊሕ ጎስጓስ ኪኻየደሉ ንዕዘብ ዘሎና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ልዕሊዚ ርካሽ ሃቐነ ስለዝበረኸ እቲ ውዲት ብዘይካ በቶም
ማዕረቲ ዘመተ ዝሙፍካሶም ውሑዳት ሰባት ብህዝቢ ኤርትራ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኽረክብን እዩ።

ኣብዚ ቅንያትዚ’ውን ብመምርሒ ምልካዊ ጉጅለ፣ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኢና በሃልቲ ንውሱናት ሰባት ብሕርያ እንዳ ኣከቡ “ኣውራጃኻ ትፈርስ ኣላ፣ ኣውራጃ እከለ ሕማቕ ይሓስቡልካ ኣለዉ፣ ስልጣን ንሶም እንተሒዞም መዋእልካ ኣብቒዑ ማለትዩ” ዝብል ዕላላት እናነዛሕካ ኣብ ምሉእ ዕድሜና ሰሚዒናዮ ዘይንፈልጥ ዘረባ ብወግዒ ይንገር ኣሎ። መስደመም!  ደላይ ፍትሒን ጽምኢ ሓርነት ኣሎኒ ብምባል ፍትሒ ስም ዝለበሰን ሃገር እንዳዘመሩ ዝወደቑ ሰማእታት ዝቐበረን ውድብ ከምዚ ዓይነት ነውራም ፖለቲካዊ መስመር ኪኽተል ምርኣይ ውርደትን ጓህንዩ! ክንዲዝኾነ ሎሚ ሓደ ዜጋ ሓንቲ ንእሽቶ ወብሳይት ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢ እንተከፊቱ፥ ልክዕ ከምቲ ክዓቢ ከሎ ዝረኣዮ ባህርያት መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኤርትራ፤ ብጸርፊ ክጅምር፥ ዝብሎ ዘሎ ሓቅነቱ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከይተገደሰ ኣብ ኣፉ ዝመጻሉ ክዛረብ፥ ክውንጅል ከነኣእስ ክትርኢ ክሳብ ክንደይ ጥበብ ሕልና ካብ ውሽጥና ተከዊሉ ኣሎ እዩ ዘረዳኣና።

ናይ መራኸቢ ብዙሃን ስነምግባር፥ ሕግታት ኣንጻር ጸለመ፤ ጽልእን ወገናውነትን ዘየፍቅድ ሕግታት ማዕከናት ዜና ከይተገንዘቡ፤ ኣብታ ንእሽቶ ዝረኸብዋ ናይ ወብሳይት ሓይሊ ኮይኖም ሰባት ንኣበርኽቶኦምን ብልሖም ጅግንነቶም ትብዓቶም ክውንጅሉ፥ ክፈርዱ፥ ነታ ዝርካባ ዓቕሚ ወብሳይት ብወገናውነት፤ ኣውራጃን ሃይማኖትን ክጥቀሙላ ዝረኣዩሉ ምኽንያት ድማ ሳዕቤን ናይዚ ሓድጊ ኢዩ። ናይ ምዝታይ ሃዋህው ባዶሽ ስለዝጸንሕ ግን ዝኾነ ዝመጸ ዝዕንድረሉ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ንሃናጺ ምምኽኻር፥ ወይ ውን ቁዉም ነገር ዘለዎ ዛዕባ ንምዝታይ ዝደሊ ወገን፤ ልቡ ዝመልኣሉ ንጉዕዞ ለውጢ ዝመርሖ፤ ናይ ሓሳባትን ምህሮታትን ባይታ ዘጣጠሓሉ፤ ዝስማዕን ዘስምዕን ሓያል ኣካል ኣይረኸበን። እንታይ ደኣ ነናትካ ወይ ብሓባር ምስሓሰብካ ኣብ መንጎኻ ነቲ ዝሓሰብካዮን ክትብሎ እትደሊን ብስልጡን ምብህሃል ክትቀባበለሉ ከምኡ ብምግባር ድማ ናብ ዝጭበጥ መደምደምታ ክትበጽሓሉ እትኽእል መድረኽ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንዕኡ ዝእንግድ ባህሊ ምስሳን ማለት እዩ።

እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ ዝርካቡ ዓቕምኻን ጸጋታትካን ኣብ ዝረብሕ መዓላ ምውዓል ኢዩ። ሰባት ግዜ፥ ዓቕሚ፥ መሳለጥያ እንተሊይዎም ስለምንታይ ኢዮም ንጸርፍን ቆይቕን ዘባኽንዎ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዛዕባ ይኹን እንተላይ ካብቲ ክጎድእ ዝነቐለ ተርእዮታት ንኹሉ ዘርብሕ ጽሑፋት ወይ ናይ ዘተ መኣድታት ዘይፈጥሩሉ።

ብሕጊ ዝሰርሕ፤ ብዙሕነት ዘለዎ፤ ብሕግታት ፕረስ ዝግለጽ ሳዕቤናት ምጽላምን ፍርዲ ምሃብን ዝፈልጥ፥ ብሓሶት ዜና ምፍናውን መርተዖ ናይ ዘይምቕራብን ሳዕቤን ዝርዳእ ዓቕሚ ስለዘየሎ፤ ከምኡ ምግባር ድማ ባህሊ ጌሩ ስለዘስረጾ፥ ከምቲ ክዓቢ ከሎ ዝረኣዮ ልምድታት ማዕከናት ዜና ብምዝውታር መንገዲ ዕንወት ይኽተል።ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ብዙሓት ወገናት ኣብ መንጎ እቲ መንግስቲን ተቓወምትን ፍልልያት ዝስእንሉ እዋን ዝርከብ። ብሓሳባት ውልቀሰባት ወይ ጸበብቲ ጉጅለታት ምንባር ከምዘይከኣል ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ትእዛዝ ኣብ ምብህሃል፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሕነ ኣብ ሕልና ዝኣምን ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ባይቶ ኣሕዋት ብምምኽኻር ዝውስን፡ ካብ ንእሽቶን ካብ ዓብን፡ ካብ ሓያልን ካብ ድኹምን ልቦናን ጥበብን ዝቕበል ሕብረተሰብ’ዩ ውሳኔታቱ ብምስትውዓልን ምክብባርን ዝበጽሖም፡ ዝዓዮ ዘበለ ስራሕ ከኣ ብምሉእ ተሳትፎ ወፈራ ኣሕዋት ዝዓምም ሕብረተሰብ’ዩ።

ነቲ ኣብ ሃገር ጸኒዑ ዘሎ ዓማጺ ምልኪ ምእላይ ብዘይካ ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ብምሕያል ብኻልእ መገዲ ከምዘይሰልጥውን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ’ዩ። ነዚ ስለዝርዳእ’ዩ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ኤርትራ ኸይሓብር ቀንዲ ዕላማኡ ጌሩ ዝሰርሕ። ብዘይፍቓድ ሓፋሽን ሓይልታት ምክልኻሉን ዝጸንዕ ምልኪ ስለዘየሎ፡ ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ ለውጢ ኽርኢ ዝውስነሉ መዓልቲ፡ እቲ ምልኪ ብዘይምልክት ክበንን ምዃኑ ርጉጽ ሓቂ’ዩ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ነጥብታት ከም ኣብነት ደኣ ተዘኪሮም እምበር፥ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዝረኣዩ ዘለዉ ሳዕቤናት ሓድጊ ባህርያት መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብዙሓት ኢዮም።

ጸርፊ ሓደ ካብቶም ኣዚዩ ዘሰክፍ ግን ከኣ ልሙድ ዝኸውን ዘሎ ባህሊ ኢዩ። ንሙቕራብ እትምነየለንን እትምነየሎምን ሰባት ከይተረፉ፤ ኣእዛንካ ዝኹርኩሕ ጸርፊ ክስንዝሩ ክትሰምዕ ከሎኻ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ። ምክብባር ዝበሃል ጠፊኡ፤ ሰባት ዝዛረቡሉ ዘለዉ ቀንዲ ሓሳብ ገዲፎም ክዘናጠሉ ምርኣይ፤ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ሓሳባት ተዛሪቡ ዘይፈልጥ፤ ብሓሳባትን ምጉትን ክረትዖምን ከእምኖምን ንዘይከኣለ ሰባት ብመንገዲ ቅትለት ባህርያት ከካፍእ ናይ ዝውዕል ስርዓት ህግደፍ ኣሰራርሓ ኢዩ። እቲ ዘገርም ብርክት ዝበሉ ሰባት፤ ጸርፊ ኣብ ሕብረተሰብና ገኒኑ ኣሎ ኢሎም ክእርሙ ይብገሱ እሞ፤ እቲ ናይ ለበዋ መልእኽቶም ንባዕሉ ብጸርፍን ዘለፋን ዘይተሰነየ ንምግባሩ ይጻገሙ። ጉዳያት ሓቅነቶም ምጽራይ፥ ብጭብጢን መርተዖን ምድጋፍ፤ ብጌጋ ሓቤሬታ እንተሂብካ ድማ ምእራም ዝበሃል ኣብ ባህርያት ናይ እዚ ዘሎ ወለዶ ብዙሕ ኣይረኣይን። ምኽንያቱ ሓድጊ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፤ ሓታቲ ዘይብልካ ዝደለኻዮ ምዝራብ፥ ጭብጢ ዘይብልካ ብዘይተሓታትነት ምውንጃል፥ 03 ብዝበሃል ሽቦ ኣልቦ ፈነወ መሰረት ዘይብሉ ወረ ምዝርጋሕ፥ ሓደ ካብቶም ሓድግታት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘተኣታተዎም ባህርታት ኢዮም።

ንኽሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጠንቂ ዝኾኑ ባህርያት ዝብድህ ሓደ ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ሕራይ እቲ ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ሕማቕ ምሂርዎም፤ እዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዘለዉ’ኸ፤ ኣብ ወጻኢ ኣብ ምዕቡል ሃገር እንዳተቐመጡ፤ ኣብ ፓርላማታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ሰባት ብስልጡን ኣገባብ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ክገብሩ እንዳረኣዩ፥ ክብረት ወዲ ሰብ እንታይ ሙኻኑ በቲ ንባዕሎም ተዋሂብዎም ዘሎ ክብረት እንዳስተማቐሩ፥ መራኸቢ ብዙሃን ሞያዊ ስነምግባር ሓልየን ዘረጋገጸኦን ጭብጥን ጥራይ ክዛረባ ከምኡ እንተዘይገይረን ድማ ተቐባልነተን ክወድቕን ክሕተታን እንዳረኣዩ፤ እቲ ዘለዉዎ ኣከባቢን ህይወትን ኣይምህሮምን ዲዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ ኢዩ።

ናይ ሎሚ ኣይግበሮ’ምበር ኤርትራ ብጭዋ ባህላ፣ ብዓሚቕ ክብርታታ እትልለ ሃገርያ ዝነበረት። ስነምግባር፣ ክብረት፣ ጻዕሪ፣ ፍቕሪ ሓቂ፣ ምቕሉልነት፣ ሓበን ብሃገር፣ ወዘተ… ጎረባብቲ ዝቐንኡሉ ኤርትራዊ ትዕድልቲ’ዮም ኔሮም። ሎሚ ኩሎም’ዞም መሰረት ናይ ጥዑይ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ክብርታትት ኮነ ኢልካ ከምዝጠፍኡ ይግበር ኣሎ። ስለዚ’ዩ እምበኣር ወድቀት ኤርትራ ዜሻቕሎም ወገናት ልዕሊቲ ኣብ ህንጻን ቑጠባን ኣጋጢሙ ዘሎ ውድቀት ኣብ ክብርታትን ኣተሓሳስባን፣ ኣብ ታሪኽን መንፈስን፣ ኣብ ባህልን ሰብኣውነትን፣ ኣብ እምነትን ስነምግባርን ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ኬሻቕሎም ዝግባእ።

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኮንካ ንኽትሰምዖ ዘነውር ጸርፊ፥ ኣብ ዘመነ እምኒ ውን ዘይነበረ ብሃውሪ ናይ ምዝራብ ልምዲ፥ ዘረባ ክልተ ወገን ከይሰምዐ ምስ ውሕጅ ዝጉተት ስምዒታዊ መርገጺታት ወዘተ… ክጠፍእ፤ ወይ ውን ብዉሑዱ ኪጎድል ህዝቢ ክመክር ይግባእ። ምኽንያቱ በዚ ዘለዎ መንገዲ ተቐጺሉ፤ ካብዚ ሕጂ ዘሳቕየና ዘሎ ማእሰርትን ስደትን ብዘይንእስ፥ ንሓዋሩ ንቐጻልነት ጥዑይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስነኣእምሮ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተርኢዮ እዩ። ብሓጺር ኣበሃህላ፤ ንስልጣነን ባህላዊ ሓርነትን እንተዘይጽዒርና፥ መላኺ ስርዓት ብኣካሉ እንተኸደ፤ ሓደገኛ ነውርታቱ ምስ ጁጅ ማጁጁ ምሳና እንዳነበረ፤ ብስጋ እምበር ብመንፈስ ሓራ ዘይኮነ ሕብረተሰብ ክንከውን ክፈርደና ኢዩ።