All updates

ታሪኽ ደቀንስትዮ ዋጋ ክብርታት ናይ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

04/03/2020

ታሪኽ ደቀንስትዮ ዋጋ ክብርታት ናይ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

 ደቀንስትዮ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ሳላ ዘይግቡዝ ስርሐን፣ ረብሓ ሃገር ዘቐድም ተወፋይነትን ህርኩትንኣንን፣ ቀዳማይ መንጸፍ ናጽነት ንምውዳድ ብዙሕ ጽዒሪን ሃሊኽን ጥራይ ዘይኾነ ክሳብ ዕድመ ዕድላትን እንኾ ሂወተንን መጢወንን እየን። እቲ ከምውጽኢት ውፉይ ጻዕረን ን ሃለኽለኸንን ዝተዋደደ ድልዱል መንጸፍ ከኣ፣ ዝቕጽል ጉዕዞ፣ብስሉጥነቱን ዕብየቱን ተዓጻጻፊ ንኪኸውን ምቹእ ባይታ ክፍጠር ኣክኢሉ እዩ። ተወፋይነት እቲ ቀንዲ መምህር ስለዝኾነ፣ ደቀንስትዮ ኤርትራ፣ሳላ ተወፍዩ ዝሰርሐ፣ ክእለትን ሞያን ደሊበን፣ ናይ ትግባረ ዓቕመን ክብ ኣቢለን፣ ንባህሊ ዓያይነትን ርእሰ-ምርኰሳን ዝያዳ ዘጎልብት ርእሰ-ምትእምማን ኒሕን ክደራዓ ኣኽኢለን እየን። ነዛ መስኰት ትስፉው መድረኽ ዝኾነት ወርሒ 8 መጋቢት ክኣ ዝኽራ ከም ዝድርዕ ገይረን እየን።ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ልዕሊ ፍጡራት ተጸሚማ፡ ሂወታ፡ ሰብእነታን ማሕበራዊ ርክባታን በጅያ፡ ኣብ’ቲ ጽንኩር እዋን ፡ ሓልዮት ሓድሕድ ኣዕብያ፡ ልዕሊ ኩሉ ጽንፊ ዓቕማ ጽዒራ፡ ኣብ ሕሰም ስና ነኺሳ ቀጺላ. . . መወዳእታ ዘይብሎም ዝርዝር ክብርታት ክንዮ ንቡር ኣዕሪጋቶም። እቲ ድሕሪ ነዊሕን ግዜን ከቢድ ጉዕዞን እተማዕድዎ ዝነበረት ምዕራፍ፡ ክዉን ከም ዝኸውን ገይራ። ብዕላማ ተቐይዳ፡ ብዘይ ወለም ዘለምስለ ዝተቓለሰት ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ዝጭበጥ ውጽኢት ኣረጋጊጻ። ጓልኣንስተይቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሕብረ-ብዙሕ ተጻብኦታት እናሰገረት ክትጓዓዝ ተገዲዳን ትግደድን ኣላ። ርግጽ’ዩ፣ ጸገም ዝምነዮ የለን። ግን ከይደለኻዮ ክመጽእ እንከሎ፣ ሰጊርካዮ ኣብ ምሕላፍ ዝጥረ ሓይሊን ብቕዓትን ኣሎ። እዚ ሓይሊንብቕዓትን ንቐጻሊ ጉዕዞ ሕብረተሰብ ዓቢ መኽሰብ እዩ። ብድሆታትን መድረኽ ብኣንጻር ትጽቢትን ምህለላን ተጻባእቲ፣ ንሃገራዊ መንፈስ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ዝያዳ ዘሰወደ ኮይኑ ክኣ ኣይተረኸበን 8 መጋቢት ምኽባር ንስለ ቃል ዘይኰነ፡ እቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዜጋታት እትደልዮነገራት ዓቕምኻ ብዝፈቐዶ ከተበርኽተላ ድሉው ምዃን እዩ። ብኡ መጠን ድማ ክብርታት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋንከ ብኸመይ እዮም ዝዝከሩ? ኣብ መጻኢ ከረጋግጹልና እንጽበዮ ውጽኢትከ እንታይ እዩ? ኣብ ነብሲ ወከፍ እዋን፡ጽልዋ ክብርታትናይዛ ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ጽቡቕ ነገር ፈጢሩ ብምባል ክንመዝኖን ክንትንትኖን ይግባእ። ብኽብርታት ናይዛ ጓል ኣንስተይቲ እናተሓበንና ብዓውታ ክንምድር ጥራይ ዘይኰነ፡ነብሰ ወከፍ ውልቀ ክብሪ፡ ኣብ ኩለመዳያዊ ሸነኻትና ከመይ ዝበለ ኣድላይነትን ጽልዋን ኣለዎ? ኣብ ዝብል ዕላማ ተሞርኪስና ምስ እንመዝኖ እዩ። እወታዊ ክብሪ ክንብል እንኽእል። ክብርታት ናይዛ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ እዋንን ኣብ ኩሉ ኩነትን ዝነብሩን ዝሰርሑን እዮም። እንቲ ምንታይ ንመሰል ጓል ኣንስተይቲ ምኽባር ሓደ ካብ ክብርታትና ስለ ዝዀነ። እታ ብኽቡርን ብዘይ ዝኾነ ዋጋ ተተሚና ክተምጻ ዘይትኽል ሂወታ ዘወፈየት ጓልኣንስተይቲ እዛ ዕለት ኪንዮ ዝኽሪ የማንና ጸጋምና እናፈተሽና ኣብ ዛ ዕለት እዚኣ ክስወጠና ዝኽእል ዓቢ ዝኽሪ ኣሎ። እታ ኣብ ዘበነ ገድሊ ማዕረ ኣሓታ ጎያ ሂወታ ፥ዕድመ ንእስነታ ብግምጃ ናጽነት ዘወሓሰት፡ እታ ዘዝወለደቶም ደቃ ንሃገር ምስ ኣቐደመት ኣብ እግሪ እግራ ደቃ ደጀናት እናኾለለትን፥ ካብ ጸላኢ እናተሓበኣት ኒሕ ሓቦን ዘስነቐት፡ ንስለናጽነት እንኮ ሂወታ ንሃገረይ ዝብለት፥ እታ እኳ ሃገረይ ስልማተይ ኢላ ደቃ ዘዐንተረት ጓል ኣንስተይቲ ከምዝዝከር መሪሕ ጭርሖ ናጽነት ኣብ ግብሪ ክውዕል ብዘለዋ ነገራዊን ጸጋታት ተኣምራታዊ ክትብሎ ዘድፍር ድንቂ ታሪኽ ዝሰረሐት ጓልኣንስተይቲ ።እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ዝኾነ ታሪኻዊ እዋን ዝይቅየር ምስ ግዜ ዘይሃስስ ክውንነት እዩ።ደቀንስትዮ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ክኣ ኤረትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ከም ውጽኢት ናይቲካብ ነዊሕ ዘመናት ክወርደን ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ጸቕጥን ኣድልዎን ግሉጽነተን ኣጥፊኤን እየን ክነብራ ጸኒሐንን ዘለዋን። ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ፡ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ዝምድና፡ ክብላኦ ኮነ ክገልጻኦ፡ ክሓተኦ ይኹን ክቃወማኦ ዝደልያ ነገራት፡ከየግሃደኦ ኣብ ውሽጠን ሓቢአናኦ ክነብራ ተቐሲበን እየን፡ ዓመት መጸ 8 መጋቢት እንኽብዓል ክኣ ኪንዮ ዳእላን ዳንኼራን ሳዕሳዒትን ፥ ንህልዊኩነታት ጉልኣንስተይቲ ኣብ ኤርትራ ናይቲ ባዓልቤታ ኣብ ግዱዱ ዕስኽርና ስርዓት ኢሳይያስ ተነጺፍሎ ከይኣኽል ፥ኩሉ እቲ በዓል ኪዳና ክስከሞ ዝግባእ ሓላፍነት ስድራ ተሰኪማ ኣብ ልዕሊኣ ንዝወርድ ሽግራት እናተገላተዐት ክንዲ ኣቦን ኣደን ሓላፍነት ተሰኪማ ንእተሕልፎ ሂወት ግምትን ኣተኽሮን ተዋሂብዎ ክጥቕስ  ዛጊት ውሑድ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዝኽእል ።  ዕድመ ኣይሃቦ ስርዓት ኢሳይያስ ኣኣብ ገዛእ እታ ኩሉንትናኣ ዘርትዓትላ ሃገር ኣሳፊሓ ስላማ ኣዊጃ ንኸይትነብር ዝፈቐደ ምልኺ፥ ሂወታ ከተድሕን ገዛእ ማሕበራዊ ሂወታ ከተውሕስ ኣብ ትሃቕነሉ ኣደዳ ኣስገርቲ ኮይና ዝተሓየረትን፥ ክብራ ንጽህናኣ ዝተደፈረትን ፥ ኣደዳ መግረፍትን ስቕያትን መጻወትቲ ራሻይዳን ኮይና ሂወታ ኣብ በረኻታት ሲናይን ሊቢያን ናይ ዝጠፈኣት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ኣጀንዳ ናይቲ በዓላት መጸ ብዳንኼራን ዳእላን ዝዝኽሮ ስርዓት ምልኺ ኢሳይያስን ፡  ስም ሒዙ ጥራይ ዝቖመ ሃማደኤ ንሂወትን ወጽዓን ደቂኣንስትዮ   በብሽነኻቱ ንሽግራት ኣለለይን ንምፍትሑን ዘኻየድኦ ተበግሶ ኣሎ’ዶ/   ድምጺ ሃማደኤ ወይ ዝምልከቶ ኣካል  ብርግጽ  ን ድሌታትን ባህግታትን ውልቃዊ ድልየታትን፡  ስምዒታን  ጓልኣንስተይቲ ንምስማዕ ዝቖመ ድዩ? ኣብ’ቲ ናይ ሃብቲን ናይ መነባብሮን ፍልልይ ዘይነበረሉ ቃልሲ ንናጽነት፡ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞኣ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሓባር ሕሰሙ እናተሓላለየ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ኣነባብራ ደሴት ኣማዕቢሉ እዩ ኣብ ናጽነት በጺሑ። ሕጂኸ - ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ኣብ ምንታይ እዩ ክህሉ? ካብስስዐ ተገላጊልካ ንከማኻ ዝኣመሰላ ዜጋታት ኣብ ዘርብሕ መዳይ ዲኻ ክትሰርሕ? ሰብኣዊነት ከም መሪሕ ሂወትካ ብምውሳድ፡ ንዝተጸገመ ወገንካ ብቕንዕና ዲኻ ክትሕግዝ? ኣብ መወዳእታኸ ምትሕግጋዝካን ምትሕልላይካን ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዜጋታት ስምብራቱ ከንብር ዲዩ? ዝብሉ ሕቶታት እናተመለሱ ዋጋ ክብርታትና ክብርታት ጓልኣንስተይቲ  ክንግሩ ይግባእ። ምኽንያቱ ክብርታት ብውጽኢት ዝምዘኑ ስለ ዝዀኑ። ታሪኽ ድማ ዋጋ ክብርታት እናመሃረን እናርኣየን ስለ ዝሓልፍ።