All updates

ተኽእሎታት ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

6 July 2024

ኵሉ ሃገሩ ዚፈቱ፡ ንህዝቡ ዚሓሊ፡ ኣብ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ኪሰፍን ዚደሊ ኤርትራዊ፣ ቍጠባዊ ልምዓት ዘደንፍዕ፡ ዘቤታውን ግዳማውን ወፍሪ ዘተባብዕ ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጢ ንምምጻእ ኪጽዕር ይግባእ። እዚ ታዕሊቕ ወይ ሓተታ’ዚ ንህሉው ዕድላት፡ ማሕለኻታት፡ ሓደጋታትን ተኽእሎታትን ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ይድህስስ። ሰለስተ ሸቶታት ድማ ይሓቍፍ።

ቀዳማይ፡ ኣብ መንጎ ግዱሳት ሃገራውያን ኤርትራውያን ከም መበገሲ ናይ ኣብ ውድዓዊ ሓበሬታ ዚተመኰሰ፡ ብመርትዖ ዚተሰነየ፡ ርትዓዊ ልዝብ ወይ ዕቱብ ሃገራዊ ዝርርብ ንምግልጋል። 

ካልኣይ፡ ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ወፍሪ ንምትብባዕን ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ንምስሓብን ኪውሰዱ ዘለዎም ኣድለይቲ ሜላዊ ተበግሶታትን ግብራዊ ስጕምትታትን ንምጕላሕ። 

ሳልሳይ፡ ሽሕ’ኳ ብድሆታት ናይቶም ልሙዳት ማሕለኻታትን ሓደጋታትን እንተሃለዉ፡ እቲ ህሉው ሰፊሕ ዕድላት ኰነ ትጽቢታት ናይ ሜላዊ ለውጢ፡ ነቶም ህሉዋት መግዳዕትታት ንምድኻምን ነቶም ናይ መጻኢ ብልጫታት ንምሕያልን ብምስራሕ፣ ኣብ ኤርትራ ነቲ ስግኣት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣኽሳቢ ወፍሪ ኪግበር ከም ዚከኣል ንምሕባር።   

ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዚዀነ ውሁብ እዋን ኣብ መንጎ ዓቐን ወፍሪ፡ ዕቤት ቍጠባን ራህዋ ህዝብን ርኡይ ጠንቃዊ ዝምድና ኣሎ። ቍጠባዊ ታሪኽ ሃገራት ህያው ኣገዳስነት ዘቤታዊ ወፍርን ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍርን ንቍጠባዊ ዕቤትን ሰሳኒ ወይ ቀጻሊ ልምዓትን የረጋግጽ። ወፍሪ እኩብ ርእሰማል የዕቢ፣ ዓቐን ውህሉል ርእሰማል ብወገኑ ኣፍራይነት ይውስን። ብተወሳኺ፡ ምዕባይ ወፍሪ ሽቕለት ይፈጥር፣ ሃገራዊ እቶት የኻዕብት፣ ዘቤታዊ ሃልኪ ዘማልእን ንሰደድ ዚተርፍን ኣጠቓላሊ ፍርያት ኣቕሑን ኣገልግሎታትን የብዝሕ። ስለዚ ድማ ኢዩ መብዛሕትአን ሃገራት ዘቤታዊ ወፍሪ ዘተባብዕን ግዳማዊ ቀጥታዊ  ወፍሪ ዚስሕብን ሜላታት ንምኽታልን ምቹእ ኵነታት ንምፍጣርን ኣበርቲዐን ዚጽዕራ።  

ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ዚተሃንጸ፣ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ዚተሃስየ፣ ኣብ እዋን ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ዚተረመሰ፣ ካብተን ብተዛማዲ ምዕቡል ኣካላዊ ትሕተቅርጽን ኢንዳስትርያዊ ጽላትን ዚነበረን ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ኢያ። ድሕሪ ናጽነት፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነተን ኣብ እዋን ደርግ ተሃጊረን ዚጸንሓ ኩባንያታትን ፋብሪካታትን፡ ኣብ ክንዲ ኣሐዲሱን ኣዘሚኑን ዘበራብረን፡ ግጉይ ኣተሓሕዛ ብምኽታል፡ ብዝያዳ ከም ዚዓንዋ ገይሩ ኣመሪቱወን። ንመብዛሕትአን፡ ቀጻልነት ዘየረጋግጽ፡ ርትዓዊ መምዘኒታት ብዘይሓዘ ኣገባብ ምምላስ ናብ ብሕታዊ ዋንነት፡ ናብ ዘይቅልበስ ምንቍልቋል ሸሚሙወን። ንገሊአን፡ ንኣብነት ፋብሪካ ጥርሙዝ፡ ብስም ብሓድስቲ ፋብሪካታት ምትካእ፡ ኣቘንቍኑ ዋላ ከምቲ ዚጸንሐኦ፡ ከም ዘየፍርያ ገይሩወን።  

ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት፡ “ፕሮጀክትታት ምዕባለ ጽላት ብጽላት” ከሰላስልን ብመደብ ከውፍርን ተኸታታሊ መብጽዓታት ኪገብር ጸኒሑ፣ ኰይኑ ግን፡ ኣብ ግብሪ ዚተራእየ ጭቡጥ ውጽኢት የለን። ዋላ’ኳ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ተደጋጋሚ መደረታት ዓበይቲ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት እንተ ኣወጀን፡ ሓሓሊፉ ዚጋባእ ዋዕላታት ወፍሪ ኣብ ኣስመራ እንተ ተኻየደን፣ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓደ እናኣንቈልቈለ ዚመጸ፡ ብድሕረትን ድኽነትን ዚልለ፡ ብልሽታዊ ናይ “ኩፖን ቍጠባ” ኢዩ ኪመርሕ ጸኒሑ። 

እቲ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ዚመሓደር ናይ ኩፖን ቍጠባ፡ ንደርቢ ዋኒንተኛታት ኤርትራ ናብተን ዝያዳ ምቹእ ኵነታት ዋኒን ዘወፍያ፡ ብፍላይ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ደፊኡ ኣውጺኡ፣ ንቍጠባ ኤርትራ ኣብ መንገዲ ቍልቍለት ጸሚዱ ናብ ዚበኣሰ ድሕረት ሸሚሙ፣ ሓፈሻዊ ድሕረት ሃገርን ክቱር ድኽነት ህዝብን ኣስዒቡ። እቲ ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ንምስሓብ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነታት፡ ዛጊት፡ ዛኤር ፒኤልሲ. - ዛንባይቲ-ኤርትራ (ZaEr Plc. - Zanbaiti-Eritrea) ዚተባህለ እንኮ ኣውፋሪ ኩባንያ እንዳ ዓለባ ጥራይ ኢዩ ኪስሕብ ክኢሉ። ነቲ ዳርጋ ፍጹም ፍሽለት ንምቕያር፡ ምናልባት ደኾን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምምሕያሽ ኪመጽእ ትጽቢት ምግባር ይከኣል ይኸውን፧

ሓድሓደ ተስፋ ዚህብ ዚመስል ምንቅስቓሳት ኪርአ ጸኒሑ። ንኣብነት፡ ኣብዚ ፋልማይ መፋርቕ ናይ 2024 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ቍጠባዊ ልምዓት ዘተኰረ ተኸታታሊ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ልኡኻት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ቀዳማይ፡ ተሳትፎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብቲ ኣብ ጥሪ 2024 ኣብ ሮም ዚተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጣልያ-ኣፍሪቃን፡ ደድሕሪ’ቲ ኣኼባ ዚሰዓበ ክብ ዚበለ ጽፍሒ ዚሓዘ ርክባት ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዋኒንተኛታትን ኢጣልያን። ካልኣይ፡ ዑደት ላዕለዎት ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያትን ዋኒንተኛታትን ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 2024። ሳልሳይ፡ እቲ ናይዚ መወዳእታ እዋን ዑደት ሚኒስትሪያዊ ልኡኽን ዋኒንተኛታትን ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰነ 2024። እቲ ዚተኻየደ ዝርርባት፡ ኣብ ክሊ ውጥን ማተይ፡ ኣብ ኣድላይነት ወፍሪ ብሕታዊ ጽላት ኢጣልያ ኣብ ምምዕባል ወደባትን ኣካላዊ ትሕተቅርጽን ኤርትራ፡ ብፍላይ፡ ኣብ ጽላታት ምስናዕ፡ መጐዓዝያ ጽርግያን ባቡርን፡ ጸዓት፡ ማይ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳን ሓለዋ ጥዕናን፡ ዘተኰረ ኢዩ። 

እቲ ቀቅድሚ ኢጣልያ ፕረዚደንትነት ጕጅለ-7 ምሓዛን መበል 37 ምዱብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምስልሳሉን ዚተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ፡ ኣብ መዓላ ልምዓት ኣፍሪቃ ዚውዕል € 5.5 ቢልዮን ብምስላዕ ሓድሽ ሽርክነት ኢጣልያ ምስ ኣፍሪቃ ኣዊጁ። ኣብ ክሊ’ዚ ሓድሽ ቍጠባዊ ሽርክነት’ዚ፡ ሓባራዊ ረብሓ ዘምጽእ ኢጣልያዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ንምትብባዕ ዚድርኹ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ልምዓታውን ምኽንያታት ኣለዉ። እቲ ምስላ ከም ዚብሎ ግን፡ “ታንጎ ንምስዕሳዕ ክልተ የድልዩ”። ኤርትራ ነቲ ዚጥለብ ቅድመ-ኵነታት ከተማልእን ኣብቲ መስርሕ ምምቕራሕ ብግቡእ ኪትዋሳእን እንተ ክኢላ፡ ኣገዳሲ እጃም ናይቲ ስልዒት ኪትጥቀም ትኽእል ኢያ።

እቶም ኣብዚ ዚለዓሉ ርኡያት ሕቶታት፡ (1) ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ኣብቲ ዚሓለፈ 33 ዓመታት ዚተመዝገበ ልሙድ ሓሳድ ተግባራቱ ሎሚ ኣብ ኣጋ ዕርበት ዘመነ ስልጣኑ ኪገላገል ይኽእል ዶ፧ (2) ኣብቲ ሰንደቓዊ ተበግሶ ኢጣልያ ንኣፍሪቃ ንምክፋልን ካብኡ ንምጥቃምን ዘኽእል ምቹእ ኵነታት ብምፍጣር ልምዓት ኤርትራ ንምስልሳል ሓቀኛ ባህጊ ኰነ ድሌት ኣለዎ ዲዩ፧ (3) ኣብ ምክትታልን ኣተገባብራን ናይቲ ጕዳይ ብሓቂ ንኤርትራ ዘርብሕ ኣተሓሕዛ ኪርዕም ይኽእል ዲዩ፧ ዚብሉ ኢዮም። እዚ ማለት ድማ፡ ብግብሪ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይዅን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ኰነ ኤርትራን ወጻኢ ዓለምን፡ ኣብ ምሕደራ ቍጠባዊ፡ ፋይናሳውን ንግዳውን ስርሒታት ትግባረ ግዝኣተ ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ሕጋዊ መቓን ዘዋድድ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጽገናታት ምትእትታው ይጠልብ። ብርግጽ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ምትእምማን ኣውፈርቲ ዘተባብዕ ሕጋዊ መቓንን ሕጊ ወፍርን ምስ ዚተኣታቶ ጥራይ ኢዩ ሃገራዊ ቍጠባ ዘማዕብል ሰራሪ ዘቤታዊ ወፍሪ ኰነ ቀጻልነት ዘለዎ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኪውሕዝ ዚኽእል። 

ኤርትራ፡ ከም ንእሽቶይ ሃገር መጠን፡ ንኡስ ዓቐን ሰረት ህዝቢ፡ ሓይሊ ዕዮን ዘቤታዊ ዕዳጋን ኣለዋ። እዚ ክዉንነት’ዚ ንበይኑ ተነጺሉ ኪርአ እንከሎ፡ ብዓይኒ ተኽእሎ ስሕበት ወፍሪ፡ መግዳዕቲ ኢዩ። ብመንጽሩ፡ ህርኩት ጻዕረኛ ህዝቢ፡ ምቹእ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ፡ ብርኩት ባህርያዊ ጸጋታት ኣለዋ። እዚ ክዉንነት’ዚ ድማ ብልጫ ኢዩ። ኣቀማምጣ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ’ቲ ኣዝዩ ዚዓመረ መተሓላለፊ ንግዳዊ መራክብ መጐዓዝያ ነቲ ብልጫ ብዝያዳ የራጕድ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብቲ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንነዊሕ ዚዝርጋሕ መስመር ገማግማ፣ እተን ክልተ ነባራት ኰነ ሓያሎ ኪምዕብላ ዚኽእላ ወደባት፣ እቲ ኣብቲ ቃራና መንገዲ ናይ ስትራተጅያዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብነዳዲ ኣዝዩ ሃብታም ዚዀነ ማእከላይ ምብራቕን ዚርከብ ንማእከላይ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘተኣሳስር መቕልሳዊ ኣቀማምጣ፡ ንኤርትራ ማእከል ስሕበት ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ይገብር። 

ኣብ ርእስዚ፡ መቓምጦኣ ኣብቲ ቀንዲ መንገዲ መራክብ ሓይሊ ባሕርን ዓለምለኻዊ መራክብ ንግድን፡ ንኤርትራ ዓቢ ጀኦስትራተጅያዊ፡ ጀኦኤኮኖምያውን ንግዳውን ኣገዳስነት የውህብ። ክንየው እተን ዝያዳ 350 ደሴታታን 55,000 ኪሜ2 ዚስፍሓቱ ማያዊ ግዝኣታን ዚዝርጋሕ ሰፊሕ ሕዙእ ቍጠባዊ ዞባ ኣለዋ። እቲ ባሕራዊ ግዝኣታን ክፍለዓለማዊ ገማግማን ልዕሊ 1,100 ዘርእታት ወይ ዓይነታት ዓሳ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ባሕራዊ ጸጋታትን ሃብታም ዕቑር ማዕድናትን ዚሓዘለ ኢዩ። ኣብ ልዕሊዚ፡ እቲ ናይ ኤርትራ ግዝኣታዊ ባሕሪ፡ ምስቲ መሳጢ ንጹህ ሰማያዊ ፍልማዊ ማያቱ፡ ንምምዕባሉ ዚድርኽ ኵሉ-መዳያዊ ትሕተቅርጺ ምስ ዚዋደደሉ፡ ዓቢ ተኽእሎ ናይ ኤኮቱሪዝም ኣለዎ። 

እቲ ኣስታት 125,000 ኪሜ2 ዚስፍሓቱ መሬት ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ባሕራዊ ግዝኣታ፡ እኹል ሕርሻዊ፡ ማዕድናውን ማላውን (ጥሪታዊ) ጸጋታት ዚተዓደለ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ብምልካዊ ውሳኔ ዚመሓደር ኰነ ፍኑውነት ናይቲ በተን ሓውሲ-መንግስታዊ ኩባንያታት ናይቲ ንይስሙላህ ዚጥቀስ ገዛኢ ግንባር፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ዚዕብለል ትእዛዛዊ ቍጠባ፣ ነቲ ኣብቲ መሰረት ናይቲ ብርኩት ባህርያዊ ትዕድልታ፡ ቍጠባውን ንግዳውን ምዕባለ ናይ ምህናጽ ዓቕሚ ናይታ ሃገር ተሪር ማሕለኻ ኰይኑዎ ጸኒሑ። እገዳ ንቡር ምንቅስቓስ ዘቤታዊ ንግዲ ኰነ ምዕጻው ናይቲ ቍጠባዊ ባይታ ነቲ ብሕታዊ ጽላት ጨፍሊቑ፡ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዋኒንተኛታት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብተን ከም ኣንጎላ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ርዋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ዚኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንኪነብሩን ከውፍሩን ደፊኡ። ኣብተን ዘዝኸዱወን ሃገራት ድማ ዕዉታት ሰብ ዋኒን ኰይኖም።

ኣባልነት ኤርትራ ኣብቲ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ (Common Market for Eastern and Southern Africa - COMESA) ከም መመላእታ ናይቲ ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታታ ኪቝጸር ዚከኣል ኢዩ። እቲ ሓባራዊ ዕዳጋ ነቲ ናይ ኤርትራ ዘቤታዊ ዕዳጋ ቀረብን ጠለብን ናይ ጥረ ነገራት፡ ውዱእ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን ይዝርግሕን የስፍሕን። ኣብቲ ነታ ክፍለዓለም ሓደ ውሁድ ዕዳጋ ንምፍጣር ዚዓለመ ክፍለዓለማዊ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ኣፍሪቃ (African Continental Free Trade Area - AfCFTA) ምጽንባር ድማ፡ ንወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተረባሒ ናይቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዚዓበየ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ዚገብር ሰፊሕ ዕድል ዚኸፍት ኢዩ።

እቲ ንኡድ ናይ ስራሕ ወግዕን ልምድን ዘለዎ ህርኩት፡ ጻዕረኛን ዋኒንተኛን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዚዀነ ዚግበር ቍጠባዊ ዋኒንን ንግዳዊ ወፍርን እቲ ኣዝዩ ዚዓበየ ጸጋ ናይታ ሃገር ኢዩ። ዕዉት ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ውሑስ ዕዳጋ፡ ሰራሪ ውጥን ስራሕን መደብ ምስግጋር ስነኪነትን ኣዳልዩ ኪብገስ ይግባእ። ኣውፈርቲ ሞያውን ተክኒካውን ስልጠና ምስ ዘዋድዱ፡ ክእለት ስራሕ ኣካየድትን ሸቃሎን የማዕብሉ፣ ምምሕዳራዊ ብቕዓት የመሓይሹ፣ ኣፍራይነት ሰራሕተኛታት የዕብዩ፣ መኽሰቦም የኻዕብቱ፣ ኣብ ልምዓት ሃገር የበርክቱ። 

እቲ መቕልሳዊ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ፡ ነተን ኣብቲ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ነባራት ኰነ ኣብ መጻኢ ኪምዕብላ ዚኽእላ ሓያሎ ወደባት ሓዊስካ፡ ኣገዳሲ ጀኦቍጠባዊ ጸጋ የቕውም። ነቲ ዚጸንሐ መሰረታዊ ጠንቅታት ግጭት ብምእላይ፣ ምምስራት ሰላማዊ ምትሕግጋዛዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነቲ ንኡስ ዘቤታዊ ዕዳጋ ኤርትራ ምስቲ ብተዛማዲ ዚዓበየ ዕዳጋታት ናይ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከተኣሳስሮ ይኽእል። ምስ ዘመናዊ ትሕተቅርጺ፡ መጐዓዝያን ምሕዳስን፡ ወደባት ኤርትራ ከም ዚበለጸ መተሓላለፊ ናይቲ ዚበዝሐ ግዳማዊ ንግዲ ናይተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፡ ከምኡ’ውን ናይቲ ካብ ንፖርት ሱዳን ንምጽዋዕ ዚቐርብ ጎደቦኣዊ ዞባታት ሱዳን፡ ንምግልጋል ዓቢ ተኽእሎ ኣለወን። 

ስሉጥ ምትእስሳር ስትራተጅያዊ ጸጋታት ኤርትራ ምስተን ቀጥታዊ ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ኰነ፡ ብመንገዲ መትረብ ስዌጽን መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብን ኣቢሉ ድማ፡ ምስቲ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዓለም ሰሜን ኣፍሪቃን ደቡብ ኤውሮጳን፡ ምስተን ብሃብቲ ነዳዲ ዚፍለጣ ሃገራት ወሽመጥ ፐርስያን ህንዳዊ ውቅያኖስን፡ ኣህጕራዊ ንግድን ዞባዊ ሸቐጥን የሳልጥ። ኣብ ርእስዚ፡ ኤርትራ ከም ኣፍደገ ወፍርታት ናብ ኣፍሪቃ ንምግልጋል፣ ንገለ ናይቲ ገማግማዊ ቦታታታ ናብ ዞባታት መመስርሒ ሰደድ ንምቕያር፣ ውዕዉዕ ማእከል ኢንዳስትሪ፡ ንግድን ኣገልግሎታትን ንምዃን ዓቢ ተኽእሎ የወፍየላ። 

እቲ ዘይማዕበለ ቍጠባ ኤርትራ ልዑል ተኽእሎ ንልምዓትን ዘይተተንከፈ ዕቑር ዓቕሚ ንኣኽሳቢ ወፍሪ ኣብተን ሰለስተ ቀንዲ ጽላታት ሃገራዊ ቍጠባን - ሕርሻ፡ ኢንዳስትርን ኣገልግሎታትን - የወፊ። ኣብ መዳያት ማእቶትን ኣከፋፍላን ናይ እቶታት እኽሊ፡ ፍረታት ሲትሩስ፡ ኣሕምልትን ማልን ሰፋሕቲ ዕድላት ወፍሪ ኣለዉ። ንሃብቲ ባሕሪ ብዚምከት፡ ኤርትራ ብቐጻሊ 100,000 ቶን ዓሳ ኣብ ዓመት ናይ ምግፋፍ ተኽእሎ እናሃለዋ፣ ዛጊት ትሕቲ 10,000 ቶን ዓሳ ጥራይ ኣብ ዓመት  ኪትገፍፍ ምኽኣላ፣ እቲ ኣብ ምምዕባል ምግፋፍ ዓሳን ምምስራሕ ፍርያት ዓሳ ንዘቤታዊ ሃልኪ ይዅን ንሰደድ ዚግበር ወፍሪ ክሳብ ክንደይ ንኡድ ዕድል ንኣዝዩ ኣኽሳቢ ወፍሪ ከም ዘሎ የመልክት። 

ተሓዳሲ ጸዓት - ጸሓያዊ፡ ንፋስ፡ ጀኦተርማዊ፡ ኢ-ነዳዲታት፡ ወዘተ.፡ - ምስቲ ድንግል ቍመንኡን ወሳኒ ኣገዳስነቱ ንሃገራዊ ቍጠባን፡ ብፍላይ ንምዕባለ ኢንዳስትርን ኣገልግሎታትን ኰነ ምሉእነት ኣከባቢ፡ ልዑልን ቅልጡፍን ሕውየት ወፍሪ ርእሰማል ዘውሕስ ቀንዲ ጽላት ኢዩ። እቲ ነቲ ኤርትራ ዘለዋ ኣኺሉ ዚተርፍ ባህርያዊ ትዕድልቲ ናይ ጸሓይ፡ ንፋስን ፈልፋሊ ውዑይ ማይን ብምጥቃም ጽሩይ ጸዓት ዘመንጩ ወፍሪ ኣዝዩ ልዑል መኽሰብ ኪወልድ ይኽእል።

ኣገልግሎታት ካልእ መዳይ ናይ ሰፋሕቲ ዕድላት ንቅልጡፍን ልዑልን ምምላስ ናይ ዋጋ ወፍሪ ዚህሉዎ ጽላት ኢዩ። ከም ኣዝዩ ኣድላዪ ረቛሒ ናይ ሓደ ዚምዕብል ቍጠባ መጠን፡ ስሉጥን ሰራርን ስርዓት መጐዓዝያ ምድሪ፡ ኣየርን ባሕርን፣ መራኸቢታት፣ ሰፊሕ ቅናት ምትእስሳር ኢንተርነት (broadband Internet)፣ ዘዋሪ ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ስልኪ (roaming cellphone service) ምዝርጋሕ ጭቡጥ ጠለብ ኣለዎ። ዳግመ-ሕውየት ናይ ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን፡ ምዝማን ናይቲ ኣብ ትሑት ደረጃ ዚርከብ ኵነት ናይ ንግዳውን ልምዓታውን ስራሓት ባንክ፡ ምትእትታው መሳለጥያታት ናይ ልቓሕ ካርድ፡ ካብ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኪጥቀምን ንግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኪጠቅምን ይኽእል። እቲ ናይ ኤርትራ ዚተፈላለየን መሳጥን ቶፖግራፊ ወይ ቅርጸ-መሬት፡ ታሪኻዊ ቦታታትን ማራኺ ብጽቡቕ ሑጻ ዚተጐልበበ ገማግም ባሕርን ንወፍሪ ኣብ ኤኮቱሪዝም ኣዝዮም ሰሓብቲ ኢዮም።

ኤርትራ ከም ፖታሽ (1.1 ቢልዮን ቶን ዚግመት)፡ ዩራንዩም (8,000 ቶን)፡ ነሓሲ (1.6 ቢልዮን ፓውንድ)፡ ወርቂ (ልዕሊ 3 ሚልዮን ኣውንስ)፡ ብሩር (41 ሚልዮን ኣውንስ)፡ ዚንጎ (4.2 ቢልዮን ፓውንድ) ዚኣመሰሉ ብዝሒ ዕቑራት ማዕድናት ኣለዉዋ። እዚ ግምታት ናይ ዕቑራት ማዕድናት’ዚ ኣብቲ ብኣጠቓላሊ 14,000 ኪሜ2፡ ኣስታት 11.3 % ናይ ስፍሓት መሬት ኤርትራ ዚሽፍን ቦታታት ዚተኻየደ ኣፈናዊ ዳህሳስን ዕደናዊ ንጥፈታትን ዚተመልከተ ኢዩ። 

ስርሒታት ዕደና ኣብ መንጎ’ቲ ብመንግስቲ ዚውነን ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደና ኤርትራን (ሃኮዕኤ) ኣህጕራዊ ኩባንያታትን ብሓባራዊ ዋንነት ዚካየድ ንግዳዊ ስራሕ ኢዩ። እተን ቀንዲ ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራ ዚተዋፈራ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት እዘን ዚስዕባ ኢየን፦ Nevsun Resources Ltd. (ካናዳ) ኣብ ቢሻ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ፡ Sunridge Gold Corporation (ካናዳ) ኣብ ከባቢ ኣስመራ፣ South Boulder Mines Ltd. (ኣውስትራልያ) ኣብ ኮሉሊ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኤርትራ፣ Shanghai Group Corporation for Foreign Economic and Technological Cooperation (ቻይና) ኣብ ዛራ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኤርትራ።  

እታ ናይ ኣውስትርልያ ሳውዝ ቦልደር ማይንስ ሊትድ. 50 % ናይቲ ናይ ኮሉሊ ማይንስ ብጽሒታ ነታ ናይ ቻይና Sichuan Road and Bridge Group (SRBG)) ሸይጣትላ። ሳውዝ ቦልደር ማይንስ፡ ነቲ ፍርቂ ናይቲ እጃም መሸጣ ናብታ ቻይናዊት ኩባንያ ኪትሸይጥ ዚተገደደት ብጠንቂ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተነብረ ፋይናንሳዊ እገዳታት፡ ነቲ ዘድሊ ልቓሕ ኪትረክብ ስለ ዘይከኣለት ምዃኑ ይንገር። እቲ ነተን ኣብ ኤርትራ ዘውፍራ ኩባንያታት ዘጋጥመን ኣህጕራዊ ልቓሕ ናይ ዘይምርካብ ጸገም፡ ሓደ ኣብነት ናይቲ ኣሉታዊ ስንብራት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዚተነብረ ዘይፍትሓዊ በይናዊ ፋይናንሳዊ እገዳታት ኢዩ።

ኣብ ጽላት ዕደና ድሮ’ኳ ብሽርክነት ምስ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደና ኤርትራ ብርክት ዚበለ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ እንተ ሃለወ፡ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ማዕድናዊ ሃብቲ ኤርትራ ኣብ ዚተፈላለየ ክፋላት ናይታ ሃገር ዝያዳ ዚበዝሐ ኣኽሳቢ ወፍሪ ከእንግድ ይኽእል ኢዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ነዳዲ፡ ባህርያዊ ጋዝ፡ ሲሚንቶ፡ ጂፕሱም፡ ጸሊም እምኒ ወይ ግራናይት፡ እምነ-በረድ ወይ ማርብል፡ ጥበበ-ካይላ ወይ ሰራሚክስ፡ እምኒ ኖራ ወይ ላይምስቶን፡ ጥረ ሓጺን፡ ካልኦት መዳያት ናይ ኣኽሳቢ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኢዮም።

ጽላት ህንጻ ካልእ ዓቢ ዕድል ንኣዝዩ ኣኽሳቢ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ የወፊ። ነቲ ህንጻዊ ውርሻ ናይቲ ወጅህኡ ዚተደወነ ኣርት ደኮ ህንጻታትን ኢጣልያዊ መልክዕ ዘንጸባርቕ ቅርጽታት ኣባይትን ናይተን ኣብ ኣዝዩ ዘጕሂ ኵነተ ዕንወት ዚርከባ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ታሪኻዊ ምርኩስ ዘለዎ ኢጣልያዊ ወፍሪ ብፍላይ ኣዝዩ ጠቓሚ ኪኸውን ኢዩ። እቲ ብመንጽር’ቲ ዚጸንሐ ኣዋጣሪ ሕጽረት ኣባይቲ ዳርጋ ንዕስራ ዓመታት ዚተነብረ ሓሳድ እገዳ ምስራሕ ኣባይቲ ኣዝዩ ዓቢ፡ ተጸቒጡ ዚጸንሐ ውህሉል ጠለብ ፈጢሩ ኢዩ። ነዚ ውህሉል ደርማስ ጠለብ ኣባይቲ’ዚ ንምምላእ ዚዓለመ ወፍሪ ዓበይቲ መኽሰባት ዚፈጥር ምዃኑ ኣየጠራጥርን። 

ግዝኣተ ሕጊ ንቐጻሊ ወፍሪ መሰረታዊ ኣድላዪ ረቛሒ ኢዩ። ኤርትራ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዚሰርሕ ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር ኢያ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ቅዋም ኣደ ኵሉ ሕግታት፡ ሕጋጋትን ቅጥዕታትን ኢዩ። ዘይምትግባር ናይቲ ዚጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ንብኵራት ግዝኣተ ሕጊ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ እንተላይ ኣብ ቍጠባዊ፡ ፋይናንሳውን ንግዳውን መዳያት፡ ይገልጽ። ብኵራት ግዝኣተ ሕጊ ዘይርግጽነት የስፍን፣ ስሩዕ ርጉጽ ስርሒታት ይዕንቅፍ፣ ተለዋዋጢ ግዝኣተ ሰብ ይድርኽ። እቲ ሓደገኛ ሳዕቤናት ዝውታረ ተቐያያሪ ግዝኣተ ሰብ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ጽልሙት ቍጠባዊ ኵነታትን ከርፋሕ ሰብኣዊ ኵነትን ርኡይ ኢዩ።

ስእነት ግዝኣተ ሕግን ብኵራት ሕጋዊ መቓንን ናብ ዊንታውን ቅጥዒ ኣልቦን ሃውራዊ ውሳኔታት ይደፋፍእ። ህላወ ናይ ኣስተውዓሊ መቓን ማክሮቍጠባዊ ሜላ ቍጠባዊ፡ ፋይናንሳውን ንግዳውን ስርሒታት ስርዓት ንምትሓዝን ነቲ ኣብ መንጎ ብሕታውን መንግስታውን ጽላታት ዚህሉ ተገባብሮ ንምሽምጋልን ኣድላዪ ኢዩ። ብመሰረት ዚምልከቶም ዓንቀጻት ናይቲ ሕጊ (ዕዮ፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ፍቓድ ስራሕ፡ ወዘተ.፡) ጕዳያት ዚፈርድ ናጻ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ዘይህልወሉ ኵነት፣ ምትእትታውን ጸቕጢ ጽልዋን ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ምምሕዳር ፍትሒ፡ ቅኑዕ ፍርዳዊ ኣፈታትሓ ግጭታት ኰነ ተፈጻምነት ውዕላት ይሓልኽ።     

ዘይምጽዳቕን ዘይምትግባርን ንድፊ ሕጊ ባንክ ኤርትራ ኰነ ንድፊ ድንጋገ ፋይናንሳዊ ትካላት ነቲ ናይታ ሃገር ዕቑር ወጻኢ ሸርፊ፡ ገንዘባዊ ሜላን (ፖሊሲ) ንግዳዊ ፋይናንስን ናይ ምምሕዳር ግቡእ መዝነት ኰነ ነቲ ፋይናንሳዊ ጽላት ናይ ምቍጽጻርን ፊስካላዊ ሜላ ናይ ምጽላውን ትካላዊ ስልጣን ማእከላይ ባንክ የዳኽም። እቲ ዚሰዓበ ምድኻም ትካላዊ መዝነትን ስልጣንን ድማ፡ ነቲ ማእከላይ ባንክ ብግብሪ ናብ መስኮት ዕደላ ጥረ ገንዘብን ወጻኢ ሸርፍን ኣውሪዱዎ ይርከብ። ስእነት ተግባራዊ ርእሰ-ምምሕዳር ንባንክ ኤርትራ ነቲ እቲ መንግስቲ ዘስገድዶ፡ ነቲ ወግዓዊ መጠነ ሸርፊ ናቕፋ ኣዝዩ ክብ ብምባል ልዕሊ ዋግኡ ዘቐይር ኰነ ነቲ ግንባር ነቲ መጠነ ሸርፊ ናይቲ ጸሊም ዕዳጋ ንምቍጽጻር ዘፍቅድ ሃውራዊ ስርዓት መጠነ ሸርፊ ከም ዚርዕም ገይሩዎ።

ንመጠነ ሸርፊ ናቕፋ ልዕሊ ዋግኡ ምትማን ኰነ ኵሉ-መዳያዊ ቍጽጽር ጸሊም ዕዳጋ በቲ ግንባር፡ ነቲ ሓቀኛ መጠነ ሸርፊ ክብ የብል፣ ግዳማዊ ተወዳዳርነት ናይቶም ትውጊታቶም በቲ ወግዓዊ መጠነ ሸርፊ ዚፍጸም ሰደዳት ይንኪ፣ ዓቐን ሰደዳት ናይታ ሃገር የውሕድ። ኣብ ልዕልዚ፡ መንግስቲ እቲ ማእከላይ ባንክ ኩባንያታት መኽሰበን ነናብ ሃገረን ንምምላስ ፍቓድ ወጻኢ ሸርፊ ምኽልካል፡ ንግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ዘተባብዕ ስጕምቲ ኣይኰነን። እዞም ረቛሒታት እዚኣቶም ገለ ካብቶም ቀንዲ ዕንቅፋታት ኣኽሳቢ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኢዮም።

ንኡስ ብዝሒ ህዝቢ፡ ዘይውሑስ ዕዳጋ ዕዮ፡ ድሩት ዘቤታዊ ዕዳጋ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን፣ ድሑርን ዘይብቑዕን ኣካላዊ ትሕተቅርጺ (ማይ፡ ጸዓት፡ መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ኢንተርነት)፣ ስእነት ናይ ዚተሓትመ ወግዓዊ ጸብጻባት ሃገራዊ እቶት ኰነ ቍጠባዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ገንዘባውን ንግዳውን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ወይ ስታቲስቲክስ፣ ዘይህላወ ናይ ኣገልግሎት ዘዋሪ ተንቀሳቓሲ ተለፎን ኣገደስቲ ስርዓታዊ ዕንቅፋታት ንግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኢዮም። ንግዳማዊ ዕንቅፋታት ብዚምልከት፡ እቲ ብጠንቅ’ቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዚተነብረ በይናዊ እገዳ ዘጋጠመ ምብታኽ ኤርትራ ካብቲ ምትእስሳር ምስቲ ኣህጕራዊ ፋይናንሳዊ ስርዓትን ካልኦት ኣገባባት ክፍሊታትን ንዅሎም ብሕታዊ ትውጊታትን ዘይመንግስታዊ-ንመንግስታዊ ምትሕልላፋትን የጠቓልል። 

እቲ በተን ኣብ ትሕቲ መምርሒታት ፕረዚደንት ዚዋፈራ ግቡእ ኣከያይዳ ዚጐድለን ሓውሲ-መንግስታዊ ኩባንያታት ህግደፍ ዚዕብለል ዕጹው ናይ ኩፖን ቍጠባ ነቶም ስርዓታውን ግዳማውን ዕንቅፋታት የጋድዶም። ተወሰኽቲ ዕንቅፋታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ ጥቡቕ መንግስታዊ ቍጽጽር ግዳማዊ ንግዲ (እታዋትን ሰደዳትን)፣ ጽኑዕ ቍጽጽር ወጻኢ ሸርፊ ብመንጽር’ቲ ዘይተቐያሪ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ፣ ምኽልካል ወጻኢ ሸርፊ ንምምላስ መኽሰባት፣ ብተዛማዲ ልዑል መጠናት ሕጽረት እዋናዊ ሕሳብ ኣብ ኣህጕራዊ ሚዛን ክፍሊታት፡ ግዳማዊ ተዓዳይነት፡ ንመንግስታዊ ፋይናንስ ኤርትራ ዘዳኸመ ተደጋጋሚ ባጀታዊ ሕጽረታት ንምሽፋን ዚተኣትወ ብናቕፋ ዚተሰየመ መንግስታዊ ዕዳ፣ ብኵራት ዚተሓትመ መንግስታዊ ባጀት፣ ብሰሪ እገዳታት ዚተፈጥረን በቲ ነብሰ-ነጻሊ ሜላታት ናይቲ መንግስቲ ዚተጋደደን ድሩት ተኽእሎ ምርካብ ግዳማዊ ልምዓታዊ ሓገዝ ኣህጕራዊ ልቓሕን የጠቓልሉ። 

ምስቲ ናይታ ሃገር ዓለምለኻዊ ምደባ ዚተኣሳሰረ ነባራዊ ስግኣታት ወፍሪ ኣብ ኤርትራ’ውን ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ግሎባል ኤጅ ናይ ንግዳዊ ኣገልግሎታት መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (2022)፡ ኣብቲ ኣመልካቲ ግንዛበታት ብልሽውና ኤርትራ መበል 158 ካብ 178 ሃገራት ትስራዕ፣ ኣብቲ ኣመልካቲ ናይ ቍጠባዊ ናጽነት መበል 171 ካብ 176 ሃገራት ትስራዕ፣ ኣብቲ ኣመልካቲ ኣህጕራዊ ሎጂስቲክስ ፐርፎርማንስ መበል 155 ካብ 16o ሃገራት ትስራዕ፣ ኣብቲ ኣመልካቲ ኮፍ ናይ ዓውላማውነት መበል 184 ካብ 185 ሃገራት ትስራዕ። ንገምጋም ሓደጋ ሃዋህው ዋኒን ብዚምልከት፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ኤርትራ ኣብ ምድብ E ይሽነን። ምድብ E ድማ ፍሽለት ኮርፖረሽናት ከስዕብ ዚኽእል ዚለዓለ ተኽእሎ ሓደጋን ኣዝዩ ዚጸንከረ ሃዋህው ዋኒንን የመልክት።

ዓለማዊ ባንክ ብወገኑ ንኤርትራ ብሃዋህው ዋኒን ኣብ ምድብ E ይሰርዕ፡ ብስሉጥነት ምክያድ ዋኒን ድማ መበል 188 ካብ 189 ሃገራት ይሰርዕ (ዓለማዊ ባንክ፡ 2020)። ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውጹእ ዓመታዊ ስደት ናይ 15,297ን (ዓለማዊ ባንክ፡ 2023) ርግኣትን ተነባይነትን ዕዳጋ ዕዮን ንውሓት ወይ ጸናሕነት ኣገልግሎት ሽቕለትን ይጸልዉ። እቲ ኣነጻጻሪ መስርዕ ደረጃታት ሃዋህው ዋኒንን ስሉጥነት ምክያድ ዋኒንን ኣብ ኤርትራ ኣብቲ ዚተሓተ ቦታ ናይቶም ዚተፈላለዩ ኣመልከትቲ ዘትሕዝ ኣሰራርዓ ንኤርትራ ከም ሓንቲ ካብተን ወፍሪ ንምግባርን ዋኒን ንምክያድን ኣዝዩ ዚለዓለ ሓደጋ ዘለወን ሃገራት ዓለም የቐምጥ። 

እቲ ሓፈሻዊ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሃዋህው፡ ብኵራት ግዝኣተ ሕጊ፡ ስእነት ሕጋዊ መቓን፡ ዕብለላ ግንባር ኣብ ልዕሊ መላእ ቍጠባዊ መልክዓምድሪ ናይታ ሃገር፡ ዝንባለ ፕረዚደንት ንሃውራዊ ምትእትታው ኣብቲ ቍጠባዊ ስርሒታት ናይቲ ብሕታዊ ጽላት ተደማሚሩ፣ ኣብ ኤርትራ ዋኒን ምክያድ ኣዝዩ ዘይትንበዮን ኣመና ኣሸጋርን ዚገብር ጽንኩር ኵነታት ይፈጥር። እቲ ዓቢ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዚነብሩን ዚሰርሑን ዕዉታት ኤርትራውያን ዋኒንተኛታትን ሰብ ዋኒንን ናይዚ ክዉንነት’ዚ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ

ጥቡቕ መንግስታዊ ቍጽጽር ግዳማዊ ንግዲ፡ ስርሒታት ወጻኢ ሸርፊ፡ ምኽልካል ወጻኢ ሸርፊ ንምምላስ መኽሰባት፡ እቲ ብተዛማዲ ዓቢ ብዝሒ ናይ ዘይምዱብ ስደት፡ ብሰሪ’ቲ ናይቲ ስርዓት ግብራዊ ምንእኣስ ትምህርትን ምዕጻው ናይታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ናይታ ሃገርን ዚተፈጥረ ሕጽረት ክኢላዊ ሓይሊሰብን ብቑዕ ምምሕዳራዊ ፐርሶነል ወይ ሰራሕተኛታትን፡ ስሉጥ ንጥፈታት ዋኒን ይዕንቅፍ፣ ዘቤታውን ግዳማውን ወፍሪ የጕድም። እቲ በዞም ዘቤታዊ ረቛሒታት እዚኦም ዚፍጠር ሓደጋ በቲ ተቐያያሪ ውሽጣዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን ኵነታት ግጭት፡ ምስቲ በብግዜኡ ዚኽሰት ተለዋዋጢ ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ንሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብቲ ጐድቦኡ ዚዀነ ሓውሲ ደሴት ዓረብን ባሕራዊ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብኣሉታ ይጸሉ። 

[:swvar:text:838:]

ኰይኑ ግን፡ እቲ በዞም ዕንቅፋታት እዚኦም ዚፍጠር ጸገማት ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣርባዕተ ፍሉጣት ኣብነታት ናይ ዕዉት ግዳማዊ ወፍሪ ምጥቃስ ይከኣል። ንሳቶም ድማ፦ (1) ናይ ደቡብ ኮርያ Keangnam Enterprises Ltd. (Daewoo Group)፡ መንበሪ ኣባይቲ ሰንበል (እንዳ ኮርያ) ኣብ ኣስመራን መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምጽዋዕን ዚሃነጸ፣ (2) ናይ ኢጣልያ ZaEr Plc. (StartAfrica Group)፡ ኣብ ኣስመራ ኩባንያ ዓለባ ዘካይድ፣ (3) Seawater Farming Project ኣብ ጉርጉሱም፡ ሰሜን ካብ ምጽዋዕ፡ ማይ ባሕሪ ብምጥቃም ዚተፈላለዩ ዓሳታት ንዘቤታዊ ሃልክን ሰደድን ዘፍሪ፣ ሳሊኮርንያ ቢገሎቪይ (Salicornia bigelovii) ዚበሃል ተኽሊ ንሓድሽ መግብን ባዮፊወልን ዚዘርእ፣ ኣብቲ ዚባደመ ሓውሲ-ምድረበዳዊ ናይ ገማግም ቦታታት ማይ ባሕሪ ብመስኖ ዚሰቲ ኣእዋም ማንግሮቭ እናተኸለ ዳግመ ምግራብ ዘሰላስል፣ (4) ብናይ ሓባር ስሉሳዊ ዋንነት ናይ ሓደ እስራኤላዊ ኣውፋሪ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራን ኣብ ወሰን ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቍሸት ዓዲ ንፋስን እትካየድ ሕርሻ ፍረታትን ዕንባባን።

[:swvar:text:838:]

ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዘየለወሉ፡ ከም ቅሉዕ መርኣያ ናይቲ ጐዳኢ ኣሰራርሓ ግዝኣተ ሰብን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን፡ እቶም ኣውፈርቲ-ኣካየድቲ ናይቲ ሕርሻ ማይ ባሕርን ሕርሻ ፍረታትን ዕንባባን ብውሳኔ ፕረዚደንት ጠርኒፎም ካብ ሃገር ንኪወጹ ተኣዚዞም። እቲ ሃውራዊ ውሳኔ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ክቡር፡ ብዘይ መጠን ኣኽሳብን ዓቢ ረብሓ ዘምጽእን ግዳማዊ ወፍርታት ብምዝራግ ኰሊፉ። ብድሕሪኡ፡ ሚስተር ኢላን፡ እቲ እስራኤላዊ ኣውፋሪ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ በቲ ዚወሰዶ ሃውራዊ ተግባር፡ ብምኽሳስ ረቲዑ ኣብ መወዳእትኡ ግቡእ ካሕሳ ናይ ክሳራ ወፍሩ ከም ዚተቐበለ ይፍለጥ።

ንምጥቕላል፡ ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ናይ ፍልጠት ቍጠባን ዋሕዚ ኣሃዛዊ ጭብጥታትን ሓበሬታን፡ ዚተሓትመ ጸብጻባት ሃገራዊ እቶት ኰነ ዘተኣማምን ቍጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ፊስካላውን ገንዘባውን ስታቲስቲክስ ዘይምህላው ንወፍሪ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘይርጉጽነት ሃዋህው ይፈጥር። 

ሽሕ’ኳ እቲ ብኵራት ናይ ውሕስነት ዚፈጥር ሕጋዊ መቓን፡ ድሩት ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ፡ ንዅሉ ዚትንክፍ ቍጽጽር ግንባር ናይ ብዙሕ መዳያት ናይቲ ሃገራዊ ቍጠባን ንግድን፡ ቀጻሊ ኣህጕራዊ ተነጽሎ ኰነ ፋይናንሳዊ እገዳታት ኣጸጋሚ ሃዋህው ዋኒን ዚፈጥሩ ብድሆታት እንተ ሃለዉ፣ እቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ፡ ጻዕረኛ ህዝቢ፡ ዘይተተንከፈ ቍጠባዊ ዕቑር ዓቕሚ፡ ሰፊሕ ባሕራውን ማዕድናውን ጸጋታት ኤርትራ ንኣኽሳቢ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ዓበይቲ ዕድላት ዘወፊ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዚግብኦ ዓቢ ሓደጋ’ውን ኣለዎ። 

እቲ ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት ዚተመዝገበ ታሪኽ ጕዕዞ ናይቲ መንግስቲ፡ ሃዋህው ወፍርን ምክያድ ዋኒንን ኣብ ኤርትራ ብሓቂ ኣጸጋሚ ምዃኑ የመልክት። ኣብቲ ዚበለጸ ኪሰኣል ዚከኣል ሲናርዮ፡ ተኽእሎ ለውጢ ወይ ሜላዊ ጽገና ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ኪተክል፣ ሕጋዊ መቓን ከዋድድ፣ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማዕጾ ኪኸፍት፣ ሃዋህው ዋኒን ከመሓይሽ፣ ወፍሪ ከውሕስ ይኽእል ይኸውን። ስለዚ ድማ፡ ንመላእ’ቲ ፕሮጀክት ወፍሪ ኣብ ተኽእሎ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘንጠልጥል መስማር ምሽካል ግቡእ ጻማ ዘፍሪ ኪኸውን ይኽእል። ኰይኑ ግን፡ ንወፍሪ ኣብ ውሕስነት ዘይብሉ ተስፋ ናይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጽገናታት ምሽካል ብርግጽ ልዑል ሓደጋ ከንጸላሉዎ’ውን ይኽእል ይኸውን።

ኣብ ዚዀነ ቦታን እዋንን ዚግበር ወፍሪ ባእታ ናይ ሓደጋ ኣለዎ። ንጕዳይ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክሊ ናይ ነዊሕ እዋን ጠመተ ኣእቲኻ ብምግምጋም፣ እቲ ህርኩት ውጥን ዋኒን ዚሓቍፍ፣ መደብ ስልጠና ንስነኪነታዊ ምትሕልላፍን ህንጸት ክእለታትን ዘጣምር ኰነ ነቲ ዚፈሪ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ውሑስ ዘቤታዊ፡ ዞባዊ ይዅን ኣህጕራዊ ዕዳጋ ኣጽኒዑ ዚብገስ ፕሮጀክት ወፍሪ፡ እቲ ብልጫታቱ ካብቲ መግዳዕትታቱ ኣጸቢቑ ዚዛይድ ይመስል። ኣብ ርእስዚ፡ እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ ተኽእሎታት ናይ ለውጥን ምስኡ ዚኽሰት ምኽፋት ናይቲ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ፡ ነቶም ኣውፈርቲ ምቹእ ኵነታት ኣጣጢሑ ዚጸንሕ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዚብገስ ወፍሮም ተኽእሎ ሓደጋ ዚንኪ ብልጫ ዚህብ ኪኸውን ይኽእል። 

ብቍጠባ ዚማዕበለት፣ መንእሰያታ ብግቡእ ስድራቤታዊ ኣተዓባብያን ትምህርትን እትምልምል፣ ህዝባ እትሕብሕብ፡ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዚሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዚተፈላለዩ ሜዳታት ሰብኣዊ ጻዕሪ ብዓለም ደረጃ ጸብለል ዚብሉ፣ ብዙሓት ሓበን ህዝቦምን ሃገሮምን ዚዀኑ፡ ከም ቢንያም ግርማይ፡ ኣለክሳንደር ኢሳቕን ሓያሎ ካልኦት ደቂ ሃገርን ዚኣመሰሉ ብሉጻት ከዋዅብቲ ከተፍሪ ከም እትኽእል ምሉእ ምትእምማን ኪህሉ ይከኣል።