All updates

ኤርትራ፡ ሓደ ብእምነቱ ዝተኣሰረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ሓሊፉ

05/09/2019
[:swvar:text:838:]

ኤርትራ፡ ሓደ ብእምነቱ ዝተኣሰረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ሓሊፉ

ተኪኤ ተስፋዮውሃንስ ዝተብሃለ ኣማኒ ጴንጠቆስጣል ብእምነቱ ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ምሕላፉ፡ ዳይሬክተር ንናይ እምነት እሱራት ዝማጎት ማሕበር 'ረሊዝ ኤርትራ'፡ ዶክተር ብርሃነ ኣስመላሽ ሓቢሩ።

ብ 10 ግንቦት፡ 14 ቆልዑት ዝርከብዎም 104 ደቂ ኣንስትዮን 23 ሰብኡትን ብሓፈሻ 141 ዝኾኑ ምእመን ጴንጠቆስጣል ኣብ ኣስመራ፡ ማይተመናይ ኣብ መንበሪ ገዛ መንፈሳዊ ኣኼባ ክገብሩ ተረኺቦም ምእሳሮም ዝገለጸ ዶክተር ብርሃነ፡ ተኪኤ ሓደ ካብ መንጎኦም ምንባሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም እሱራት ብምልኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዓቤቶ ተወሲዶም እኳ እንተነበሩ፡ ፍርቆም ጸኒሖም ከም ዝተፈትሑ ዶክተር ብርሃነ ገሊጹ።

ተኢኤ ኣስታት 55 ዝዕድሚኡ በዓል ሓዳር፡ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ኣካላዊ ስንክልና ዝነበሮን እዩ ነይሩ።

ንተኪኤ ብውልቂ ከም ዝፈልጦ ዝሓበረ ተጣባቒ መሰላት ኣቶ ሃኒባል ዳንኤል፡ "ተኪኤ ብስንክልንኡ ከይተታሕዘ" ክልተ ስራሕ ሰሪሑ ስድርኡ ይናቢይ ምንባሩ ገሊጹ።

"ካብ ንፈላለ ነዊሕ እኳ እንተኾነ፡ ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ተኪኤ ጻዕረኛን፡ ብስንክልንኡ ምኽንያት ከማርር ሰሚዐዮ ዘይፈልጥን እዩ" ኢሉ።

ኣቶ ሃኒባል፡ ካብ ኤርትራ ሓበሬታ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብልክዕ መዓስ ሞይቱ፡ ግቡእ ሕክምናዊ ረድኤት ረኺቡ ነይሩ ደዩ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ'ውን ፍጹም ዝተብሃለ ሰብን ካልእ ኣቦን ብእምነቶም ካብ ባጽዕ ምስ ተኣስሩ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዳህላክ ከም ዝሞቱ ሓደ መንነቱ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ውልቀሰብ ሓቢሩ።

(Original Source: BBC Tigrinya)