All updates

ቢትወደድ ኣብርሃ (Poem)

11/10/2021
[:swvar:text:838:]

6 ጥቅምቲ 2021

 

ቢትወደድ ኣብርሃ

 

ሓርበኛ ቢተው ኣብርሃ

ኣርማ ጽንዓት፡ ኣርማ ሰላም፡ ንፍትሒ ጠማቲ

ናጽነት ዘምጻእካ  መኪትካ ንጸላእቲ

ቃልሲ ተሰጊሩ ተረኺቡ መዕለቢ ንሓለምቲ

እፎይታ ኮይኑ ኣኽቲሙ መግዛእቲ።

ራእይ ነይሩ፡ ሃገር ክትለምዕ ክንስነስ ሰቲ

ህዝቢ ክርህዎ፡ ክነብር ብሰላም ብሃብቲ

ኤርትራና ክትከውን ናይ ምዕባለ ሕምብርቲ።

እንተኾነ ተቘጽዩ ከይስስን ብሰብ ትምክሕቲ

ምድሪቤትና ተዘርኦ ኳዂቶ ታሕተ ታሕቲ።

እወ ሓመድ ከይተነግፈ እፎይ ከይተባህሎ

ከየብረዅካ ካብ ጕዕዞ ሰውራ፡ ምረት ዝዓሰሎ

ናፍቖት ከይወጸ ናይ ስድራ ሰለሎ

ኣብ እዋን ሆይሆይታ ዳንከራ ዝዓብለሎ

ፈንጠዝያ ነይሩ ክህረም ጓይላ ብከበሮ።

ዝበልኩኹም ግበሩ መጸ ብዘይ ሕቶ ርእይቶ

ኣየ’ወ መግዛእቲ ደምሲስካ ብምልኪ ክትትክኦ።

ንጓና ከፍትዉ ኣሕሊፎም ክህቡኻ

ግዳይ ተንኮሎም ክገብሩኻ

ያኢ ዕባራ ሽርሒ ፈሓሱልካ።

 

ጸለመ ፍሒሶም ከጸልሙኻ

ልብኻ ክሰብሩ ተጓይዮም ጸላእትኻ።

ንስኻ ግን ተበገስካሉ ዕላማ ከይዘንጋዕኻ

ሃገር ክትህነጽ ሞራል ሰኒቕካ

ኒሕ ዓጢቕካ ንህንጸትን ሕውየትን ሃገርካ

ኣይፋል ንምልኪ፡ ንዓመጽ፡ ክሕደት ንመስዋእቲ

ኣሕሊፈ  ኣይህብን፡ ዝፈሰሶ ደም ኣዕጽምቲ።

ተባዕ ኢኻ  ሰኣንካ’ዶ መላፍንቲ

እንታይ’ሞ ኢዶም ስሒቦም መጓዕዝቲ

ዋሕስ ሰኣንካ ዓጋቲ

ደርበዩካ ኣብ ማሕዩር ማእሰርቲ።

ዘይትርዕድ ብጥልመት መቓልስቲ

ቃልካ ዘይትዓጽፍ ንሓርነት ሰራቲ

ንፍትሕን ንመሰልን ተማጓቲ

ዘይትንብርከኽ ንሽመት ንሃብቲ

ሽደን ኢኻ ነቕ ዘይብል ሓወልቲ።

ኣዅሪዕካዮም  ባይቶ ዓደቦ’ኻ

ሓበን ኮይንካዮም ንኣሕዋትካ

ከይሓፍሩ ብታሪኽካ

ኣብነት ኢኻ ንመጻኢ ወለዶኻ

ክሕበኑ’ወ ክዀርዑ ብተወፋይነትካ።

ከይፈርሁ ብመላኺ ትዕቢተኛ

ኢልክዮም’ወ ንጹህ’የ፡ ዝጸናዕኩ ኣብ መትከል ከም ሓርበኛ።

ስንቂ’ዩ ኩሉ  ምዕዶኻ በብተርታ

ዓቢ’ዩ ምህሮኻ ዘይብሉ ኢንታ

ደንጕዩ ተሰዊጡና ሃገር ምስ ሰኣነት ረብሓታታ

ጭቈና ምስ ሳዕረረ ኣብ  ሃገር ብምልእታ

ካብ ዝኣቱ ዝስደድ በዝሐ፡ ስድራ ብምልእታ

ዝልምን በዚሑ ስኢኑ መመላእታ

እዚ’ዩ ናይ ሃገር ምልክት ውድቀታ ።

ረብሓ ሃገር ኣቐድሙ ነይሩ ምሕጽንታኻ

እወ ረብሓ ሃገር ኣቐድሙ ነይሩ ምሕጽንታኻ።

እቲ ምንታይ ኣእላፍ ከፊልና

ክንውፈ ንሓርነት ሸጥ ክብል መትከልና

ንፍትሒ ክንውፈ በለጽ ወጊድ ኢልና

ሰብ ዘይኮነ ሕጊ ክገዝኣና።

ፖሊስ የብሉ ማእሰርቲ የብሉ ሕጊ ክዳንየና።

ለበዋኻ ሓያል’ዩ ንሕድገት ምዕድካና

ልብኻ ብቝሱሉ ምሒርካና

ሓውና ከይንቐትል ተላቢኻና

ፈውሱ ዘተ’ዩ ኢልካና።

 

ምሕረት ዝገበርካሎም’ወ ርዒዶም

ብህይወቶም ቀቲልካዮም

ብራእይኻ ባህሪሮም

ብጽንዓትካ ደኒኖም

ብመትከል ተቓሊስካዮም

ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢልካ መጒትካዮም

ዝወደቑ  ብጾትካ ዘኪርካዮም

 

ካባኻ ንጓና ፈትዮም

እወ ካባኻ ንጓና ፈትዮም  ።

 

ክዉን ክኸውን’ዩ  ሕልምኻ

ኣብ ፍትሐዊት  ኤርትራ ክትግበር’ዩ  ራእይኻ ።

 

ምሕጽንታ ኣለኒ ንዘራኽሱ ዕላማኻ

ኣብ ዘይተኣምነሉ ክስቀል ምስልኻ

ንረብሓ ባዕዲ ኣይኮንካን ተበጂኻ

እወ ንረብሓ ባዕዲ ኣይኮንካን ተበጂኻ።

 

ፍትሒ ንቢትወደድ፡ ፍትሒ ንኩሎም እሱራት

ፍትሒ ንህዝብና።

 

የቐንየለይ