All updates

በሃር ሓርበኛ ስነጥበባዊ ተኽለንክኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)፡ መንግስተ ሰማይ የዋርስካ።

27/08/2021

ኣዝዩ ዘሐዝን ዕረፍቲ በሃር ሓርበኛ ስነጥበባዊ ተኽለንክኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)! ክምህ ዘይብል ወትሩ ጽኑዕ ሃገራዊ። ንሙዚቃ ኣብ ኣገልግሎት ሃገራዊ ቃልስን ረብሓ ህዝብን ብኣብነታዊ ትብዓት ዘዋፈረ ጅግና ተቓላሳይ። ኣብ ዓራርብ፡ ሳሕል፣ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ዚተፈላለየ ኣጋጣሚታት፣ እቲ ምቁር ዕላልካ፡ ወናም ክራርካ፡ መሳጢ ድምጽኻ፡ ሕጂ ኰይኑ እስምዓኒ። ዕረፍትኻ ንህዝብን ሃገርን ናይታ ብልቢ እተፍቅራ ኤርትራ ዓቢ ጸጋ ኣስኢኑ። እቲ ዝተቓለስካሉ ዕላማ ሸቶኡ ወቒዑ ከይረኣኻ፣ እቲ ብዜማታትካ ከተማእዝኖ ዝሓለንካ ቅኑዕ ፖለቲካ ሃገር ፍረ ዓወቱ ከይረኣኻ፣ ሰናይ ሃረርታኻ ንህዝቢ ኤርትራ ከይተጨበጠ፣ እዛ ዓለም ኣርኪባትካ። ስነጥበባዊ ኣበርክቶኻ ንሰውራዊ ባህሊ ኤርትራ ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረኒ። ንስድራቤትን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብ፡ ንዓኻ ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርስካ።

[:swvar:text:838:]