All updates

ቅዋም ክትግበር

21/09/2018
ቅዋም ክትግበር
ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ኤርትራ
ቅዋም ኤርትራ ናይ ህዝቢ'ምበር ናይ ኢሳያስ ኣይኮነን፡ ንሕና'ውን ንወንኖ
ደስበለ መሓሪ

መእተዊ

እዛ ንቅዋም ትምልከት ጽሕፍቲ'ዚኣ ከዳሉ ዝደፋፋኣኒ ምኽንያት፣ ኣብዚ እዋንዚ ተቓውሞና ገጢምዎ ዘሎ በዳሂ ኵነታት ንክስገር ናይ ሓባር ባይታ ምፍጣር ቀዳማይ ረቛሒ ቀጻልነትን ዓወትን ናይዚ ቃልሲ ምዃኑ ኩሉ ዝኣምነሉ ይመስለኒ። እዚ ሽቶ'ዚ ንምውቃዕ ትምኒት ጥራይ እኹል ክኸውን ከምዘይክእል ብሩህ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ውድብ፣ጉጅለ፣ውልቀስብ፡ ወዘተ.፡ ዓሚቝ ገምጋም ናይ ሕሉፍ ቃልሱ ከካይድን ኣብ ኣረዳድኣን ኣናብባን ናይ ቀረባን ርሑቕን ናይ ቃልሲ ጕዕዞና ክቕየር እንተዘይክኢሉ ብኵነታትን ብግዜን ተቐዲምና ኣብ ደውታ ክንነብር ንግደድ ምዃንና ምርዳእ የድሊ። እዛ ጽሕፍቲ'ዚኣ ብዝርዝር ከቕርባ ዝተገደድኩሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ከም ሰነድ መጠን ናይ ሓባር ቃልሲ ከነካይድ ከም መበገሲ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝኣምን፡ ናይ ዘተ ባይታ ከፊትና ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያቱ መሚና ክንርእዮ ብማለት ምዃኑ አዘኻኽር።  

ቅዋም መስረታዊ ሕጊ ናይ ሓደ ሕብረተ ኮይኑ፣ ዕማማትን ቅርጽን መንግስታዊ ትካላት ዝሕንጽጽን ዝቐርጽን፣ መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት ብምዝርዛር ምስ መንግስቲ ክህልዎም ዝግባእ ዝምድና ዘነጽር ዝለዓለ ሕጊ ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። ቅዋም ናይ ኵሎም እቶም ኣብቲ ሃገር ዝጸድቁ (ዝሕንጸጹ) ንዝተፈላለየ መዳያት ህይወት ናይቲ ሕብረተስብ ዘመሓድሩን ዝገዝኡን ሕግታት ምንጪ ኰይኑ ስለዘገልግል ኵሎም ዜጋታት ክፈልጥዎ፣ ክቕበልዎን ክምእዘዝዎን ዝግባእ መሰረታዊ ሕጊ ኢዩ። ናይ ሓንቲ ሃገር መጻኢ ኣተሃላልዋን፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊን ቍጠባዊ ህይወት ናይታ ሃገር ኣብ ምምራሕ ወሳኒ እጃም ስለዘለዎ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ዝዀነ ሕጋዊ ሰነድ ኰይኑ ይርከብ።

ቅዋም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብግዜን ብኵነታትን ዝውሰን፣ ኣብ ኣገባብ ምንዳፍን ምጽዳቕን፣ ኣብ ምብዛሕን ምውሓድን ዓንቀጻት ክፈላለ ይኽኣል'ምበር ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ግን ዝመሳሰል ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። ናይ ገለ ሃገራት ቅዋም ብዙሕ ዓንቀጻት ዝሓዘ ዝርዝርን (ንኩሉ ሕቶታት ክምልስ ስለዝድለ) ነዊሕን ክኸውን ከሎ፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ድማ ውሑዳት ዓንቀጻት ዝሓዘ ሓጺርን ፍዅስ ዝበለን ኰይኑ እቲ ዝርዝራት ብካልእ ተወሳኺ ሕግታት ክሕንጸጽ ይግደፍ። ብናይ ሕጊ ሞያውያን መሰረታዊ ፍልልይ ኰይኑ ዝርአ ኣብ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ዝዝውተር ኣገባብ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፎም ንኡስ ፍልልያት ክህልዎም ዝኽእሉ ክልተ ሞደላት ይጥቀሱ።


1. ካብ ናይ ወጻኢ ሕጋዊ ስርዓት ቀዲሕካ ምስ ኵነታትካ ከም ዝሰማማዕ ዝገብር ሞደል። እዚ

ሞደል'ዚ ብሕጽር ዝበለ፣ ወጻእተኛታትን ደቂ ሃገርን ዝካፈልዎ ክኢላታት ብምምዛዝ ነታ ሃገር ዝሰማማዕ መሲሉ ዝርአ ንድፊ ቅዋም ምድላው ምስ ተኸናወነ ናብቲ ከከም ኣድላይነቱ ዝቐውም ኣካል ቀሪቡ ይጸድቕን ኣብ ግብሪ ክወዕል ይውሰንን።ትሕዝቶን ኣቃውማን ናይ ምምዛዝ ክኢላታትን፣ ቅድሚ ምጽዳቑ ዝሰግሮ መድርኻትን ክፈላለ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣገዳሲ ሓባራዊ ረቛሒ ናይ ህዝቢ ቀጥታዊ ተዋሳእነትን ተሳታፍነትን ኣብ ግምት ዘየእቱ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ናይ ምንዳፍ ሞደል ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ ቅዋም ካብቲ መግዛእታዊ ስርዓት ተወሲዱ ውሑዳት ምሩጻት ደቂ ሃገር ዝተሓወስዎ ኮሚሽን ብምምስራት ዝተሓንጸጸ ቅዋማት ምዃኑ ብዙሕ መረዳእታት ኣሎ። ርሑቕ ከይከድና ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ምዃና ምጥቃስ ይከኣል። ብፍላይ'ውን ናይ ኣመሪካ ቅዋም ክጥቀስ ይከኣል።"Lancaster House" method of constitution-making, which involves foreign drafting and imposition of a constitution.'

     2. ብህዝባዊ ተሳታፍነትን ተዋሳእነትን ዝንደፍ ቅዋም ሞደል። እዚ ሞደል'ዚ ኣብ ገለ ካብ ፍሉይ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ-ቍጠባዊን ባህላዊን ድሕረ ባይታን ተመኵሮን ናይታ ሃገር ዝምንጭዉ ፍልልያት'ኳ እንተለዎ ብፈሽኡ ግን ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ህዝባዊ ተሳታፍነትን ተዋሳእነትን ዝርኣየሉ መስርሕ ዘንጸባርቕ ሞደል ኢዩ፡ ኣብዚ ሞደል'ዚ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ዝጥቀሳ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ኤርትራን ፑንትላድን (ሶማሊያ) ኢየን። (ንተወሳኺ ሓበሬታ – Patterns of African Constitution in the Making by Ugo Mattei ተመልከት፡)


1. ኵነታት ኤርትራ ኣብ እዋን ሓርነትን መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋምን (1991-1997)

መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ኣብ ሓደ ሃገር፣ ምምስራት ምምሕዳራዊ ስርዓት፣ ምህናጽ ቅርጺ መንግስቲን ትካላት መንግስትን፣ መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት ዝምልከት ዓቢ ዕማም ብምዃኑ፣ ካብ ደረጃ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ፣ ባህላዊ ድሕረባይታን ታሪኻዊ ጕዕዞን ናይቲ ሕብረተሰብ ተነጺሉ ዝርአ መስርሕ ስለ ዘይኰነ፡ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣተሃላልዋ ስእሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን።

ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ኲናት ኣብ 1991 ብወተሃደራዊ ስዕረት ኢትዮጵያ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተጋሃደሉ እዋን፣ ቍጠባዊን ትሕተ-ቅርጻዊ ትካላትን ሃገር ኩሉ ዓንዩ፣ ማህበራዊን ባህላውን ዝምድናታት ሕብረተሰብና ተበታቲኹ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ህይወቱ ተመዛቢሉ፣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእትን ምስንካልን ዓሰርታት ኣሽሓት ዜጋታት ምኽንያት፡ ሰባዊ ዓቕሚ ብዙሕ ተዳኺሙ ዝተራእየሉ፣ ካብ ናይ ብዙሕ ዓመታት መግዛእቲ ዝተበገሰ፣ ንምህናጽ ሃገር ዝሕግዙ ፖሊቲካዊን ሕጋዊን ትካላት ይኹን ቅዋማዊ ልምዲ ዘይተወርሰሉ ኵነታት ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ምህናጽ ሃገር ብኵሉ መዳያቱ ካብ ባዶ ክጅምር ስለዝነበሮ፡ እቲ ብደሆታት ብዙሕን ከቢድን ምንባሩ ምግንዛብ ዘይከኣል ኣይኰነን። እምበኣርከስ፡ ቅድሚ ኣብቲ ቀንዲ ናይ ምንዳፍ ቅዋም ሕቶ ምእታው፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ መስርሕ ክጸልዉ ዝኽእሉ ዝተወስዱ ስጕምትታት (ዝጸደቑ ኣዋጃትን ሰነዳትን) ምጥቃስ ነቲ ኵነታት ንምርዳእ ሓጋዚ ይኸውን። እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው'ውን ኣግሊልካ ዝሕለፍ ኣይኰነን፡

    ሀ. ኣብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጕባኤ ህግሓኤን ተሓኤ-ማእከላይ መሪሕነትን (መጋቢት 1987) ዝጸደቐ ሰነድን ኣብ ሳልሳይ ጕባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ለካቲት 1994) ዝተሓንጸጸ ሃገራዊ ቻርተርን ካብኡ ስዒቡ ዝተሓንጸጸ ማክሮቍጠባዊ ፖሊሲን (ሕዳር 1994)፤

    ለ. ኣብ 1993 ብተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መስርሕ ረፈረንደምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝተራእየ ተሳታፍነት ናይ ህዝብን፣ (99.8 ንናጽነት ምድማጹ)፤

    ሐ. ካብ 1991 ክሳብ 1994 ብመንግስቲ ዝወጸ ንዝተፈላለየ ሕቶታት ዝምልከት ኣዋጃት፣ ብፍላይ ድማ ኣዋጅ ቍ. 23/1992 ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝሕንጽጽ ኣዋጅ፣ ቍ. 37/1993ን ቍ. 52/1994 ንቅርጺ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘመሓይሽ ሰነድ፤

    መ. ኣዋጅ ቍ. 55/1994 ምምስራት ቅዋም ኮሚሽንን ዕማማቱን ዘነጽር ሕጋዊ ሰነድ፤

    ሰ. ናይ "ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን" ዝብል ውልቃዊ ውሳኔ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ፣ ብኣድማ ተጋደልቲ ምኽንያት ዝሰዓበ ማእሰርትን፣ ኣብ ማይ ሓባር ዝተፈጸመ ገበናዊ መቕተልቲ ስንኩላን ብረታዊ ቃልሲን፤

እዚ ኣዋጃትን ሰንዳትን'ዚ ፖለቲካዊ፣ ቍጠባዊን ሕጋዊን ተበግሶታት ዘጠቓለለ ምንባሩ ምግንዛብ ይከኣል።

ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካብተን ቅድሚኡ ንኤርትራ ዝገዝኣ ሃገራት ዝተወርሰ፣ ንኤርትራ ዝሰማማዕ ቅዋማዊን ሕጋዊ ተመኵሮን ሰነዳትን ኣይጸንሐን። እቲ ዝጸንሐ ናይ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሕግታት ድማ ቅቡል ኰይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ምጽዳቕ ናይዚ ሰነዳት'ዚ እምበኣር ነቲ ዝነበረ ባዶነት ንምፍዋስን፣ ቅዋማዊ ትካላትን ደምክራስያዊ ስርዓትን ንምእትታው ዝተኻየደ ጻዕርታት (ፈተነታት) ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።    

እዚ መድርኽ'ዚ ብካልእ ወገኑ ክርአ ከሎ ድማ ነቲ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ጉባኤታት ውድብን፣ ነቲ ብግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝጸድቕ ዝነበረ ሕጋዊ ኣዋጃትን ዝጻረር፣ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተወስደ ውልቃዊ ውሳኔታት ዝተራእየሉ ህሞት ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል። ናይ ውድባት ህላዌ ምጽራር (ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን)፣ ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ፣ ምምሕያሽ መነባብሮ ዝሓተተ ኣድማ ተጋደልቲ መሪሕኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ተጋደልቲ፣ ኣብ ማይ ሓባር ዝተረሸኑ ኣካለ ስንኩላንን፣ መርኣያ ናይቲ ዘይርጉእን ምልካውን ባህርይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ።

እዚ ክልተ ተጻራሪ ተርእዮታት'ዚ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ዘይደሞክራስያዊ መስመርን ብካልኦት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ደሞክራስያዊ መስመር ንምርግጋጽ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲን ኣጕሊሑ ዘርኢ ኢዩ። ብዝያዳ ድማ እቲ ቅዋም ምስ ጸደቐ ኢሳያስ ክፍርሞ ዘይምድላዩን፣"ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን" ኰነ “ንድፊ ኣዋጅ ምርጫ ኤርትራ" ተዳልዩ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዘርኣዮ ምሕንጋድን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዝወሰዶ ናይ ካብ ሓላፍነት ምግላልን ምእሳርን ስጕምትታት ነቲ ጐድኒ ንጐድኒ ዝካየድ ዝነበረ ናይ መስመር ቃልሲ ዝያዳ ዘብርህ ሓቅታት ኢዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ብጽሞና ክንበብ ዘለዎ፣ ብጃምላዊ ኣመዛዝናን ዕምቈት ዘይብሉ ገምጋምን ኰይኑ ክሕለፍ ዘይግበኦ ታሪኻዊ መድርኽ ኢዩ።

      2. ምምስራት ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ

ኮሚሽን ቅዋም፡ ብመሰረት ኣዋጅ 37/1993፣ ኣቃውማኣን ዕማማታን ዘነጽር ኣዋጅ 55/1994 ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ኣብ ሚያዝያ 1994 ብወግዒ ስራሓ ጀመረት። ብዶክተር በርኸት ሃብተስላሴ ትምራሕ ኰይና ብ50 ኣባላትን ብዓሰርተ ፈጻሚት ሽማግለን ዝቘመት፣ ህዝቢ ገጠርን ከተማን፣ ዝተፈላለያ ብሄራት፣ ሃይማኖታትን ማሕበራዊ ጕጅለታትን፣ ተጋደልቲ-ነበርን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታትን ዝተሳተፉዋ ነበረት። 21 ካብ ኣባላታ ድማ ደቂኣንስትዮ ክዀና ከለዋ፣ ብካብ 34 ክሳብ 82 ዕድመ ዘለዎም ዜጋታት ዝቘመት ምንባራ ይዝከር። ብተወሳኺ ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ እስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ብዝተዋጽኡ 14 ሞያውያን ዝቘመ ኣህጉራዊ ኣማኸሪ ቦርድ፣ 45 ኣማኸርቲ ዓበይቲ ዓዲ ካብ ኵለን ብሄራት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ፈላጣት ልምዳዊን ባህላውን ሕግ እንዳባ ኤርትራን ብምቛም ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተመኵሮ ምስ ሕጊ እንዳባ ንምውህሃድ ዝሕግዝ ባይታ ምንጻፋ ምዝካር የድሊ። ካብዚ ስእሊ'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ኮሚሽን ቅዋም እቲ ኩሉ "ባህርያዊ" ኣተሃላልዋ (ብዙሕነት) ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘማልአት፣ ነጻ ዝዀኑ ብብቕዓትን ተመኵሮን ዓቢ ሚዛን ዝወሃቦም ዜጋታትን ኣማኸርትን ዝሓዘት ኰይና ናብ ስራሓ ከምዝተበገሰት ምርግጋጽ ይከኣል።

ኣብ ሽማግለታት ተኸፋፊላ ዝተፈላለየ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ብምድላው ነዊሕ ክትዕን ሰፊሕ ዘተን ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ ጥሪ 1995 ናይ መጀመርታ ንድፊ ቅዋም ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንክትዕ ኣቕረበት። ድሕሪ ሰፊሕን ዓሚቝን ዘተ ድማ ናብ ህዝቢ ንክትዕ ዝወርድ ንድፊ ቅዋም መልክዑ ሓዘ።

ናብ ህዝቢ ወሪድካ ነቲ ዕማማት ንምስላጥ ዘድሊ ቍጠባዊ ዓቕሚ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ 7 ዞባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ቅዋም ኮሚሽን ብምኽፋት፣ 73 ንኡስ ሽማግለታት ብምቛምን፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤርትራ ዝዛረቡ 400 ዝኣኽሉ ዜጋታት ብምስልጣንን ነቲ መስርሕ ንምስልሳል ውድባዊ ቅርጽታት ሓንጸጸት፡ ዕማም ኮሚሽንን መሰረታዊ መትከላት ቅዋምን ዘብርህ ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ጽሑፋትን ስእላዊ መግለጺታትን ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤርትራ ብምትርጓም ተዳለወ። ካብኡ ሰጊሩ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ሰንዳትን ውዕላትን ከይተረፉ ናብ ትግሪኛን ዓረብኛን ተተርጒሞም ዝተዘርግሑ ከም “ሓፈሻዊ ሰብኣዊ መሰል ወዲሰብ”ን "ውዕል መሰል ህጻናት"ን ምጥቃስ ይከኣል። 

በዚ መሰረት፡ እቲ ኣፈናዊ ምቅርራብ ተወዲኡ ናብ ህዝቢ ወሪድካ ኣብ ፈቖዶ ገጠርን ከተማታትን ብትምህርቲን ብሰሚናርን መልክዕ ዕማማት ኮሚሽን እንታይ ምዃኑ ምግላጽን ሓፈሻዊን መባእታዊን መትከላት ቅዋም ንህዝቢ ምምሃርን መስርሕ ይጅመር። ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝርዝር ንድፊ ቅዋም ብምእታው ብረድዮ፣ ተለቪዥንን ብጋዜጣን ዝተሰነየ፣ ናይ ህዝቢ ርእይቶታት ምስማዕን ምእካብን ዝዕላምኡ ሰፊሕ ዘመተ ድሕሪ ምክያድ ገለ ምምሕያሻት ተገይርሉ ብሃገራዊ ባይቶ ንኽጸድቕ ፋልማዊ ንድፊ ይዳሎ። ኣብ ሓምለ 1996 ድማ ናብ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ገለ ውሑድ ምምሕያሻት ድሕሪ ምክያድ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ ንዘተ ይወርድ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ መጋቢት 1997 መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ተዛዚሙ ንምጽዳቕ ዘድሊ ምቅርራብ ይጅመር። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1997፣ 75 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ 398 ወከልቲ 6 ዞባታት ኤርትራ፡ 75 ወከልቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብድምር 548 (12 ካብ ሱዳን ክውክሉ ዝነበሮም ኣይተሳተፉን) ዜጋታት ዝተሳተፉዎ ቅዋማዊ ጕባኤ ጸደቐ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክፍርሞ ስለዘይደለየ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ ኣብ ከብሒ ተሰቒሉ ክበሊ ይርከብ።

መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ኤርትራ በብመድርኹ ክዝርዘር ዘድለየሉ ምኽንያት፣ ኣብ 80% መሃይምነት ዘየጥፈአ ህዝቢ ዝነብረሉ፣ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪርን ከቢድን ኲናት፣ ኵሉ መዳያት ህይወት ሕብረተሰብና ጨሪሱ ዓንዩ ኣብ ዝነበረሉን ኵነታት፣ ነቲ ዕማም ንምዕዋት ዝተኻየደ ጻዕርን ፈተነን ክሳብ ክንደይ በዳሂን ከቢድን ከምዝነበረ ምግንዛብ መታን ክከኣል ዝዓለመ ኢዩ። እቲ ኵሉ ብድሆታት ተሰጊሩ ዝተረኽበ ውጽኢት'ከ እንታይ ይመስል፧

ሓደ ቅዋም ክምዘን ዝግበኦ ብትሕዝቶኡ (ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ) ጥራይ ዘይኰነ፣ እቲ ኣብ ምጽዳቕ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ናይ ምንዳፍ መስርሕ'ውን ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ምንዳፍ መስርሕ ዝርአ ብዙሕነት ናይ ፖለቲካ ተዋሳእትን ተሳታፍነት ህዝቢን ካብቶም ኣገደስቲ ረቛሒታት ኰይኖም ዝውሰዱ ኢዮም።

ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ህላወ ብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት ኣይጸንሐን። እቲ ከም ፖለቲካዊ ህላወ ክቝጸር ዝኽእል እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበረ ናይ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ (ሰውራዊ ባይቶ) ሓደ ክፋል ኢዩ። እዚ ክፋል'ዚ ኣብቲ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ መስርሕ ክካፈል’ኳ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ዕድል ኣይተከፍተሉን። ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ግን ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝከየድ ዝነበረ ንጥፈታት ዝተሳተፉ ውልቀ ኣባላት ምንባሮም ይፍለጥ። ከም ውዱብ ኣካል መጠን ግን ተሳታፍነት ኣይነበሮን።

ብመንጽር እዚ ብኵራት'ዚ እቲ ኣብ ኣተሃላልዋ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርአ ዝተፈላለየ ብዙሕነት ግን ንጡፍ ተሳታፍነት ከምዘርኣየ ብዙሓት ወጻእተኛታት'ውን ዝምስክርዎ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም'ውን ጐሊሑ ይረአ ኢዩ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ ኵሉ ብዘይ ጕድለትን ሕጽረትን ተኻይዱ ዘስምዕ ክኸውን የብሉን። ኵሉ መዳያት ኣተሃላልዋን፣ ማሕበረ-ቍጠባውን ባህላዊን ኵነታት ሕብረተስብ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ንጡፍ ተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ኵሉ ክግበር ዝከኣል ጻዕሪ ከምዝተኻየደ ግን በዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓቅታት ምርግጋጽ ይከኣል።

እቲ በዚ ናይ ምንዳፍ መስርሕ ሓሊፉ ዝጸደቐ ቅዋም ትሕዝቶኡ ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ንሕጊ ዝምእዘዝ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትከል ዘፍቅድ፣ መሰረታዊ መሰልን ነጻነትን ዜጋታት ዘርጋግጽ፣ ቅርጺ፡ ስልጣንን ዝምድናን ኵሎም መንግስታዊ ትካላት ብንጹር ዝሕንጽጽን ዝፈላልን ኮይኑ፣ ንመትከላት ሰላም፣ ሃገራዊ ሓድነት፣ ቍጠባዊ ምዕባለ፣ ደሞክራሲ፣ ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ሓጺርን ኣብ ኣገደስቲ መትከላትን ዘተኰረን ኰይኑ ዝተረፉ ካልኦት ጕዳያት ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸድቁ ሕግታት ክድንገግ ይሕብር። ክማሓየሽ ንዝድለ ናይ ዓንቀጻት ኣገባብ'ውን ኣነጺሩ የስፍር።

ብሓፈሻ ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ዝተነድፈን ዝጸደቐን ታሪኻዊ ሰነድ ኢዩ። ብዙሕ ቍጠባዊ ሃብቲ ኤርትራ ዝተኸፍለሉን ሞያዊን ጕልበታዊን ዓቕሚ ኤርትራውያን ዝሃለኸሉን ዕማም ኢዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ቅድምን ድሕርን ምጽዳቑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ዝሰንከልሉን ዝተሰውእሉን ዝተኣሰሩሉን ውርሻ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ህሉው ቃልስና ካብ ሕሉፍ ቃልስና ነጻጺልና ክንሪኦ ኣይግባእን፤ መቐጸልታ ናይቲ ሕሉፍ ቃልስናን ታሪኽናን ምዃኑ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ኣወንታዊ ይዅን ኣሉታዊ ታሪኽ ኵሉ ናትና ኢዩ። ኣሉታዊ ወገኑ ኣሊና እቲ ኣወንታዊ ወገን ኣሪምናን ኣመሓይሽናን እንተዘይ ተጓዒዝና ታሪኽና ተበታቲኹ መኣዝን ክንስሕት ንኽእለሉ መገዲ ከይንወስድ ዘፍርሕ ኢዩ።

እቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክወቅዖ ዝደሊ ሸቶታት ምስቲ ኣብዚ ቅዋም'ዚ ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ጨሪሹ ዝፈላለ ኣይኰነን።ስለዚ፡ ካብ ቅርሕንትን ፖለቲካዊ ድርቅናን ርሒቕና ዳግመ-ግምት ክንገብርን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ብኣተሓሳስባ ክንራኸብን እዚ መድርኽ ዝጠልቦ ሕቶ ኮይኑ ይስመዓኒ።

References:

1.     The Eritrean Constitution – Making Process and Its Philosophy Eritrean Experience by Richard A. Rosen. (link)

2.     Constitution Making in Eritrea – A Process-Driven Approach by Dr. Bereket Habte Selassie. (link)

3.     Democracy and the Role of Parliament under the Eritrean Constitution by Dr. Bereket Habte Selassie. (link)

4.     Patterns of African Constitution in the Making by Ugo Mattei. (link)

5.     Eritrea at a Crossroads – A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope by Andebrhan Welde Giorgis.

6.     Legal Literature of Eritrea: A Bibliographic Essay by Thomas R. Frencht. (link)

7.     Forms of Constitution Making and Theories of Democracy by Andrew Arato. (link)

8.     ሰነዳት ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ = ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ግባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤ መሪሕነትን 19/03/87.

9.     ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ – ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ናቕፋ ዝጸደቐ – ለካቲት 16/1994.

10.  ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ - ኣስመራ ግንቦት 1997 ።

11.  ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ፖለቲካዊ ውድባትን – ብሸሪፎ ዝምራሕ ኮሚሽን ዝተነድፈ።

12.  ንድፊ ኣዋጅ ምርጫ ኤርትራ – ብኣስካሉ መንቀርዮስ ትምራሕ ኮሚሽን ዝተነድፈ።