All updates

ቃል ሓዘን

28/02/2021
[:swvar:text:838:]
Waterloo, Belgium
ቀዳም 27 ለካቲት 2021

 

ቃል ሓዘን

  

እዚ ቃል ሓዘን እዚ፡ ኣብቲ ትማሊ ቀዳም 27 ለካቲት 2021 ኣብ ኒው ዮርክ ዚተፈጸመ ስነስርዓት ቀብሪ ናይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ንኪንበብ ተዳልዩ ዚተላእከ ኢዩ።


ክቡር ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፦

እዚ ስነስርዓት ምፍናው’ዚ ኣብታ ምእንቲ ናጽነታ ንእስነትካ ዘወፈኻላ፡ ካብ ነብስኻ ኣሕሊፍካ እትፈትዋ ኤርትራ ሃገርካ ኪፍጸም ነይሩዎ። ብሰሪ’ቲ ንሃገርናን ህዝብናን ረጊጹ ዘሳቒ ዘሎ ጠላም ውልቀ-መላኺ ግን፡ ኣይተኻእለን። ምእንቲ ህዝቢ፡ ምእንቲ ሃገር፡ ምእንቲ መሬት ተቓሊስና፣ ከም ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾትካ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ብድሕነት ምንባር፣ ኣብ ገዛእ መሬት ዓደቦኻ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ምድባይ ተነፊግካ።

ዕረፍትኻ ንብዙሕ ነገራት፡ ናብ ብዙሕ ቦታታት ንድሕሪት ይመልሰኒ። ኣድሓኖም ኣብ ኣፈለ ንእስነትካ፡ ምስ ብዙሓት መዛኑኻ ብርሱን ሃገራዊ ስምዒት ንሜዳ ክትስለፍ፣ እቲ ሽዑ ኣብቲ መንእሰይ ወለዶና ዚነበረ ወኒ፡ መንፈስ ተወፋይነት ኰነ ርእሰ-ተኣማንነት ይዝከረኒ። እቲ ከም መቓልስቲ፡ ኣብ ዘዝነበርናዮ መሳርዕ ቃልሲ በብመዳይና፣ ኣብ ሜዳ ኣብ ዚተፈላለዩ ፍጻመታትን ኣጋጣሚታትን፣ ድሕሪ ናጽነት ከም ጐረባብቲ ኣብ መዓስከር ደንደን ኰነ ከም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ኤውሮጳ፣ ዝሓለፍናዮ መስርሕ ቃልሲ ኰነ ናይ ሓባር ዕላል፡ ትምኒትን ባህግን ኣብ ዓይኒ ኣእምሮይ ሰፊሩ ከምዚ ሎሚ ኰይኑ ቅጅል ይብለኒ። ቃልሲ ኪበሃል እንከሎ ብድብድቡ፡ ብሓጺር ቃል ዚውከል ይኹን’ምበር፡ ብግብሪ ኣብ ውሽጢ’ቲ መስርሕ፡ ንዅሉ’ቲ ዘጋጥም ብድሆታት እናመከትካ ምምራሽ ቀሊል ጕዕዞ ኣይነበረን።

ኣድሓኖም ኣብነታዊ መርኣያ ናይቲ ተጋዲሉ ናጽነት ሃገር ዘዕተረ ወርቃዊ ወለዶ ኤርትራዊ መንእሰይ ኢኻ። ኣድሓኖም ዘሐብን ብጻይ ናይቶም ኵሉ ገዲፎም ምእንቲ ናጽነት ሃገሮምን ሓርነት ህዝቦምን ህይወቶም ንምብጃው ዚተወፈዩ፣ ንእስነቶምን ብሕታዊ ረብሐኦምን ዚሰውኡ ብርቂ ወለዶታት ናይ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኢኻ። ሓርበኛ ኣድሓኖም፡ ከም ጅግና ተጋዳላይ፡ ኣብቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዚተኻየደ ብርቱዕ ጥምጥም ተቓሊስካ ዘቃለስካ፣ ንዅሉ’ቲ ኣብቲ ጽንኩር ኵነታት ናይ ‘ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ’ ዘጋጠመ መሰናኽላት ተጻዊርካ ዚሰገርካ ውፉይ ሰውራዊ ኢኻ። ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት ኣብ ዚተፈላለዩ ጽፍሕታት መዝነት ብዘይሕለል ሓቦ ተቓሊስካ መብጽዓ ናጽነት ክዉን ኣብ ምግባር ንኡድ እጃም ዘበርከትካ ኣብነታዊ ተጋዳላይን መራሕን ኢኻ። ኣድሓኖም፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ከም ኣኽባር ሕግን ኣመሓዳሪ ዞባን፡ ኣብቲ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚተመሰረተ ምምሕዳር ፍትሒ ንምርግጋጽ፣ ከም ኣምባሳደር፡ ረብሓ ሃገርካን ህዝብኻን ንምድንፋዕ ዚሰራሕካ ኣብነታዊ ተጋዳላይን ኣገልጋሊ ህዝብኻን ኢኻ።

ናይ ታሪኽ ግሪምቢጥ ኣጋጢሙ፡ እቲ ንጽቡቕ ዚተሓስበ ናጽነት ሃገርና ኣብ ህዝቢና፡ ሕብረተሰብና፡ ስድራቤታትና ኰነ ዜጋታትና ዘሐዝን ትራጀዲታት ኣስዒቡ። ኣድሓኖም ንእስነትካ ንናጽነት ሃገርካን ሓርነት ህዝብኻን ዘወፈኻ፡ ኣብ ዕቤትካ ካብ እተፍቅሮም ስድራኻ ተፈሊኻ፡ ካብታ እትፈትዋ ሃገርካ ተሓይርካ ከርፋሕ ናብራ ስደት ንምንባር ኣይነበረን። ኣድሓኖም፡ ከም ኵሎም ናይ ቃልሲ ብጾትካን መላእ ህዝብኻን፡ ግዳይ ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲናን መብጽዓ ሰማእታትናን ኢኻ። ከም ህዝብኻ፡ ግዳይ ናይቲ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚወርድ ዘሎ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ኢኻ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ኣድሓኖም ከም ሓያሎ መቓልስትኻ፡ ብውጽኢት ናይቲ ንእስነትካ ዘወፈኻሉ ሃገራዊ ቃልሲ ከይተሓጐስካ፣ ብህሉው ስቓይን መከራን ህዝብኻ እናጐሃኻ፣ ንዕኡ ንምቕያር ብዚመስለካ እናተቓለስካ፣ ዓለም ኣርኪባትካ። እዛ ዓለም’ዚኣ’ሞ ንመን ዘይተርክቦ!

ክቡር ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም፡ ነቲ ዚዓበየ ክፋል ናይ ዓቕመ ኣዳም ህይወትና ዘወፈናሉ ዕላማ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝብና ክዉን ብምግባር ክንድብሰካ ኢና። ሓርበኛ ኣድሓኖም ብሰላም ዕረፍ። ጽንዓት ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ዮዲት ፍስሃየን፡ ደቅን ምሉኣት ስድራቤትን ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም።

መቓልስትኻ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

[:swvar:text:838:]