All updates

ቃል ሓዘን ብዕረፍቲ ኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ

10/02/2022

ቃል ሓዘን ብዕረፍቲ ኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ

ሎሚ 9 ለካቲት 2022፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብ መበል 94 ዕድሚኦም ከም ዝዓረፉ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ዕረፍቲ።

ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንመንግስታዊ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተቓወሙ፣ ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተጣበቑ፣ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንዚተኣስሩ ዜጋታት ምሕረት ኪግበረሎም ስለ ዝሓተቱ፣ በቲ ንዅሉ መዳያት ዓለማውን ሃይማኖታውን ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዚቈጻጸር: ንቡር ዘይፈልጥ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ብዘይ ኣገባብ፡ ክቡር መንፈሳዊ መዝነቶም ተሓዲጎም፣ ንኣስታት 16 ዓመታት ናይ ገዛ እሱር ኰይኖም ብምጽናሕ ዓሪፎም።

በዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዕረፍቲ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቦና ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንምእመናን ተዋህዶ ድማ ብፍላይ፡ ጽንዓት ይሃብ። ንብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንግተ ሰማይ የዋርስ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ በረኸት ራሕስን መንፈሳዊ ቅሳነትን ይግደፉ። ኣሜን።

[:swvar:text:838:]