All updates

ቃል ሓዘን ብሃንደበታዊ ዕረፍቲ ደሲት ኪዳነ

09/11/2021

ቃል ሓዘን ብሃንደበታዊ ዕረፍቲ ደሲት ኪዳነ

ኣዝዩ ዘሕዝን ዜና ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ፕሮፈሽናል ሳይክሊስት ደሲት ኪዳነ! እዛ ሓበን ስድራኣ፡ ህዝባን ሃገራን ዚዀነት፡ ገዚፍ ተኽእሎ ናይ ወርቃዊ ዕቤት ዚነበራ ዕውትቲ ስፖርተኛ ኣብ ንእስነታ ምቝጻያ፡ ንዅሉ ኤርትራዊ ዘሕዝን ክሳራ ኢዩ። መንእሰይ ደሲት ብሰላም ዕረፊ፡ ስድራቤትን ፈተውትን ደሲት ድማ ጽንዓት ይሃብኩም።