All updates

[Updated] መደረ ኣምባ. ዓንደብርሃን ብዛዕባ ቀንዲ ዕማማት መሰጋገሪ እዋን ኣብ ዋዕላ ሓንቲ ሃገር

13/06/2019

ሓባራዊ ራእይ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ፡- “ዜጋ መሰረት ሃገር ኢዩ፣ ብዘይ ዜጋ ሃገር የለን። ክብረት፡ መሰል፡ ናጽነት፡ ዕድል ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምስ ዚሕሎ፣ ክብረት፡ መሰል፡ ናጽነት፡ ዕድል ናይ ኵሉ ዜጋ ይሕሎ። ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋም እትምስረት፣ ብሕጊ እትግዛእ፣ ሰብኣዊ ክብረት ዜጋታት እትሕሉ፣ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል እተውሕስ፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ፍትሕን ራህዋን እተስፍን ሃገር።

______________________

ዋዕላ ‘ሓንቲ ሃገር’ (One Nation)
ፍራንክፉርት፡ ጀርመን
1 ሰነ 2019

 ቀንዲ ዕማማት መሰጋገሪ እዋን

 

ኣቐዲመ፡ ስለ’ቲ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ንምስታፍ ዝተገብረለይ ዕድመ ብልቢ አመስግን። ኣስዒበ፡ ምስ ሃገራዊ ዕላማታት ‘ሓንቲ ሃገር(One Nation) ዘለኒ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ብምርግጋጽ፣ እዚ ኣገዳሲ እዋናዊ ዋዕላ’ዚ ብዓወት ንኪዛዘም ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ።

ብዛዕባ ዕማማት መሰጋገሪ እዋን ክንዛረብ እንከሎና፡ ንለውጢ ከም ውሁብ ወሲድና ኢና። ኣብ ሃገርና ግን ለውጢ ጌና ብሕጂ ዚመጽእ ኢዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ዕማማት ጽባሕ ለውጢ ቅድሚ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነት ህዝብና፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ምድራኽን ለውጢ ኣብ ሃገርና፡ ዘለኒ ኣረኣእያ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርብ እየ።

1.     ህሉው ኵነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን

ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ፍረ ጻዕርን መስዋእትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ሃገራዊ ናጽነት ብመስዋእቲ ሰማእታትና፡ ብረሃጽን ደምን ኣዕጽምትን ናይ ተኸታተልቲ ወለዶታት ኤርትራውያን ዚተረኽበ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኵሉ ኤርትራዊ በቲ ቈራጽ ታሪኻዊ ቃልሲ ኪሕበን፤ ቀጻልነት ናይቲ ብኽቡር መስዋእቲታት ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰማእታት ዚተረኽበ ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ንምውሓስ ብምሉእ ዓቕሙ ኪሰርሕ ብጹእ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።

ህዝብና ኣብዚ ዚሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ኣብ ትሕቲ ኣደራዕ ናይ ሓደ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ዓቢ ታሪኻዊ ትራጀዲ ኣጋጢሙዎ። ትራጀዲ ብደረጃ ውልቀ ዜጋ፣ ብደረጃ ስድራቤት፣ ብደረጃ ሕብረተሰብ፣ ብደረጃ ሃገር። ኤርትራዊ ዜጋ ተረጊጹ፣ ስድራቤት ተበታቲና፣ ሕብረተሰብ ተዘሪጉ፣ ሓይሊሰብ ማህሚኑ፣ ሃገር ኣንቈልቍላ። ህዝብና ንሓርነት፡ ንደሞክራሲ፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ተቓሊሱ። ናይ ታሪኽ ግሪምቢጥ ኰይኑ ግን፣ ኣብ ክንዲ ሓርነት፡ ጊልያነት፣ ኣብ ክንዲ ደሞክራሲ፡ ምልኪ፣ ኣብ ክንዲ ፍትሒ፡ ግፍዒ፣ ኣብ ክንዲ ራህዋ፡ ጭንቅን ጸበባን ወሪዱዎ።

ሎሚ፡ 28 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ መነባብሮ ህዝቢና፡ ካብ ምዝዛም ባዕዳዊ ግዝኣት ኢጣልያ ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ዚኸፍአ ደረጃ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሐዝን ኢዩ። ኣብ ከተማታት ይዅን ኣብ ገጠራት፡ መባእታዊ ውሕስነት ህይወት ኰነ ብቑዕ ቀረብ መሰረታዊ ጠለባት የለን። ብኽቱር ሕጽረት መግቢ፡ ዚስተ ማይ፡ ኣባይቲ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ኣፋውስ፡ ወዘተ.፡ እናተሳቐየ፣ ኣብ ቅሉዕ ሓሳረ-መከራ ናይ ዘስካሕክሕ ድኽነት ተሸሚሙ ይርከብ።

መሸከል ህዝብና፡ ትርኢት ከተማታትናን ወደባትናን ተደዊኑ፣ ምስሊ ሕሰም ለቢሱ። ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተ-ቅርጺታትና ቈንቊኑ፤ ቍጠባና ዓንዩ፣ ሃገርና ብሃብታማ ደኽያ። ብልሹው ምሕደራን ፍጹም ብሕትውናን ህግደፍ ነቲ ብሕታዊ ጽላት ጨፍሊቑ ደቚሱዎ። ሕርሻ፡ ኢንዳስትሪን ኣገልግሎታትን ተረሚሱ። እቲ ገባቲ ስርዓት፡ ምስ ሕልና-ኣልቦ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ብምትሕብባር፡ ንእትዋት ናይቲ ልዑል መኽሰብ ዘለዎ ዕደናዊ ጽላት ኣብ ምዝማት ተዋፊሩ ይርከብ።

ኤርትራ ሎሚ ብስብርባር ናይ ዘይተማልአ ትጽቢታት፡ ናይ ዚተጠልመ መብጽዓታት፡ ናይ ዚበነነ ተስፋታት ሓርነት፡ ፍትሒን ግስጋሴን ጋዕዝያ ትርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ምልካዊ ስርዓት ይግረፍ፣ ብኣደራዕ ጭቈናን ዓመጽን ይሳቐ፣ መንእሰያትና ፈቐድኡ ይፈልሱን ይግፍዑን ኣለዉ።

እቲ ዚዀነ ጽቡቕ ናይ ኤርትራን ሰናይ ናይ ኤርትራውያንን ኪርኢ ዘይደሊ፤ መንእሰያትና ንምፍላስ፡ ህዝቢና ንምብራስ፡ ሃገርና ንምፍራስ ብግብሪ ዚሰርሕ ከይሲ ስርዓት፡ ንኤርትራ ሃገርና የዕኑ፣ ንዅሉ ኤርትራዊ ብኣልማማ ይደቍስ፡ ይጭፍልቕ፡ ይዕፍን ኣሎ። እዚ ዓመጸኛ ስርዓት’ዚ ብፍሉይ ዚውክሎ፣ ብፍሉይ ዚሕብሕቦ ወይ ብፍሉይ ዘጥቅዖ ክፋል ህዝብና ኰነ ሕብረተሰብና የለን። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ብሓባር ተቓሊሱ ኪኣልዮ ዘለዎ ኢዩ።

ሎሚ ውድዓዊ ኵነታት ሃገርና ንለውጢ ብሱል ኣሎ። ቀጻሊ ህላወ ሃገረ ኤርትራን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ድማ፡ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ይጠልብ። ይዅን’ምበር፡ ንሓደ ከምዚ ናትና ዓይነት ዝሩግ፡ ዓመጸኛን ከፋፋልን ምልካዊ ስርዓት ምልዋጥ ቀሊል ዕማም ከም ዘይኰነ፤ ኣብ ጽባሕ ለውጢ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ስግግር ናብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዚበርትዐን ዚጸንከረን ዕማም ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣድማዒ ኣፈጻጽማ ለውጥን ርጉእ ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ስግግርን፡ ለባም ኣተሓሕዛን ጥንቁቕ ምቅርራብን ዚሓትት ጕዳይ ኢዩ። እቲ ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ለውጥን ቀጻልነትን ዚሓቘፈ ኪኸውን ኣለዎ፤ ብሓደ መዳዩ፡ ለውጢ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዘበስር፣ በቲ ካልኣይ መዳዩ ድማ፡ ቀጻልነት ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ዘረጋግጽ።

ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብቐንዱ ውራይ ኤርትራውያን ኢዩ። ወነንቲ ሽግርና ንሕና ኢና፤ ወነንቲ ፍታሕ ናይ ሽግርና ድማ ንሕና ባዕላትና ኢና። ፍታሕ ካብ ካልእ ክንጽበ፡ ግጉይን ከንቱ ህውተታን ኢዩ። ኣህጕራዊ ደገፍን ምሕዝነትን ነቲ ምእንቲ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ዚካየድ ፍትሓዊ ቃልሲና ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ። ብቐንዱ ግን፡ ለውጢ ኣብ ከርሲ ኤርትራ ተወሊዱ ኪስስን፡ ብኤርትራዊ ዋንነትን ጸዓትን ኪፍጸም፤ ሃገራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ርግኣትን ከውሕስ ኣለዎ።

ተቓውሞ ሃገራውነት ከጕድል ወይ ከጕድም ኣይግባእን። ኣብቲ ምእንቲ ለውጢ እነካይዶ ቃልሲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ መሚና ከነለሊ፣ ኣብ ኵሉ ንሃገረ ኤርትራ ዚምልከት ዞባውን ኣህጕራውን ጕዳያት፣ ንጹር ሃገራዊ መርገጺ ሒዝና፡ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ክንጣበቕ፣ ነቲ ስርዓት ከነቃልዕ ይግባእ። ኣብዚ ሃገራዊ ቃልሲ’ዚ፡ እቲ ዚህሉ ፍልልያት ናይ ኣረኣእያን ኣወዳድባን ብዘየገድስ፡ ሓድነት ዕላማ ቀንዲ መሳርሒና ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ነቲ ውህደት መሳርዕ ቃልስና ዚዘርግ ጕጅላዊ፡ ወገናዊ፡ ሃሱሳዊ ተግባራት ኰነ ዋንነት ውሳኔናን ናጽነት ሜላናን ዚትንክፍ ውሽጣዊ ተጻብኦ ይዅን ግዳማዊ ምትእትታው ብትሪ ክንምክት ይግባእ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርና መሰል ሓሳብካ ወይ ርእይቶኻ ምግላጽ፣ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምቛም፣ ሲቪላዊ ወይ በርጌሳዊ ማሕበር ምምስራት ክልኩል ስለዚዀነ፤ ቅሉዕ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣብ ዳያስፖራ ኪሕጸር ተገዲዱ። ኰይኑ ግን፡ ግዳማዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ከም መተካእታ ዘይኰነስ፡ ከም መመላእታን ደራኽን ናይቲ ስቱር ዘቤታዊ ተቓውሞ ምስ ዚሰርሕ፡ ኣብቲ መስርሕ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ዓቢ ኣበርክቶ ከወፊ ይኽእል።  

ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ቅድሚ ምስጋረይ፡ ነዚ ናይ መእተዊ ዘረባይ ንምዝዛም፣ ብዛዕባ’ታ ብድሕሪ ለውጢ ክንሃንጻ እንደሊ ሃገረ ኤርትራ ኪህልወና ዚግባእ ናይ ሓባር ራእይ ብሰለስተ ምሉኣት ሓሳባት ክገልጽ እፈቱ። (1) ዜጋ መሰረት ሃገር ኢዩ፣ ብዘይ ዜጋ ሃገር የለን። (2) ክብረት፡ መሰል፡ ናጽነት፡ ዕድል ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምስ ዚሕሎ፣ ክብረት፡ መሰል፡ ናጽነት፡ ዕድል ናይ ኵሉ ዜጋ ይሕሎ። (3) እታ ክንሃንጻ እንቃለስ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋም እትምስረት፣ ብሕጊ እትግዛእ፣ ሰብኣዊ ክብረት ዜጋታት እትሕሉ፣ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል እተውሕስ፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ፍትሕን ራህዋን እተስፍን ኤርትራ ኪትከውን ኣለዋ።

2.     ቀንዲ ዕማማት መሰጋገሪ እዋን

2.1  ምእዋጅ ትግባረ ቅዋምን ምንጻፍ ሕጋዊ ሰረትን

እቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ተነዲፉ ኣብ 1997 ብቅዋማዊ ባይቶ ዚጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ እቲ እንኮ ሕጋዊነት ዚለበሰ ሃገራዊ ቅዋም ናይ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ እቲ ርኡይ ጕድለታቱትን መንቅባቱን ብሃገር ደረጃ ብዚቐውም ሓጋጊ ኣካል ንኪመሓየሽ ተወንዚፉ፣ ኣብቲ መሰጋገሪ እዋን ቅዋማዊ ስርዓት ከንጽፍ ይኽእል። ምስ ምዝዛም መሰጋገሪ እዋን ድማ፡ እቲ ብመሰረት ኣድማሳዊ ሕርያ ብዚካየድ ናጻን ርትዓውን ምርጫ ዚቐውም ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ነቲ ጕድለታትን መንቅባትን ናይቲ ቅዋም ዚእርም ምምሕያሽ ኪገብር፡ ወይ ነቲ ቅዋም ብመሰረቱ ኪቕይር፡ ምሉእ ሕጋዊ ስልጣን ኰነ ንጹር ሕጋዊ ኣገባብ ኣለዎ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ፈለማ ናይቲ መሰጋገሪ እዋን፡ ምስቲ ንጠለባት ጸጥታ፡ ድሕነት ኰነ ርግኣት ሃገር ንምውሓስ ኪወጽእ ዚኽእል ኣዋጅ ህጹጽ ኵነታት ዘሳኒ ግዝያዊ ምትዕርራይ ኪግበረሉ ይከኣል።

2.2  ቅጽበታዊ ምልቃቕ ኵሎም ፖለቲካዊ እሱራትን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዚተቐየዱ ዜጋታትን

ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ናይቲ ዚቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ንዅሎም ኣብ ማሕቡስ ዘለዉ ፖለቲካዊ እሱራት፡ እሱራት ሕልና፡ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዚተኣስሩ ተራ ዜጋታት፡ ወዘተ.፡ ብቕጽበት ሓራ ምልቃቕ ይኸውን።

2.3  ዕረያ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምትዕርራይ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምምሕያሽ ናይቲ ናይ 1995 ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤ ነቲ ኣብ ግዴታዊ ኣገልግሎት ዚጸንሐ ምስ ምሉእ ካሕሳ ምጥያስ፤ ግቡእ ሞያውን ተክኒካውን ስልጠና ብምሃብ ኣብቲ በርጌሳዊ ቍጠባ ተጸንቢሩ ኣፍራዪ ዕዮ ብምርካብ መነባብሮኡ ንምእላይ ምሕጋዝ። ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ግፋ፡ ኣብ ገዛገዛ ኰነ ፈቐዶ ጽርግያታት፡ ደው ምባል። ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኣካል ናይ ሓደ ብመሰረት ቀዳምነታት ዚተሰርዐ ሃገራዊ ውጥን ልምዓት፡ ኣብ ኣድማዒ ህንጸት ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተ-ቅርጽን ምምሕያሽ ኣከባብን ምውፋር።

2.4  መሰል ምምላስ ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ስደተኛ

ኵሉ’ቲ ብጠንቂ ኲናት፡ ህውከት፡ ዓመጽ፡ ጭቈና፡ ዓፈና፡ ወዘተ.፡ ካብ መፋርቕ 1960ታት ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ነታ ዘፍቅራ ሃገሩ ገዲፉ ኪስደድ ዚተገደደ ዜጋ ናብ ዓዱ ኪምለስ ናይ ዘለዎ ዘይንፈግ መሰል ምርግጋጽ። ነቲ መሰል ክዉን ንምግባር ሕጋዊ ባይታ ምጥጣሕ።

2.5  ምርግጋጽ ድሕነት፡ ሰላምን ርግኣትን ሃገር

ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ኣብ መለጋግቦ ናይቲ ተቐያያሪ ብኲናትን ግጭትን ዚልለ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን፣ ጀኦፖለቲካዊ ውድድርን ንጡፍ ወተሃደራዊ ህላወን ናይ ብዙሓት ሓያላት ሃገራት ኣብ ወሰናስን ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘይርጉጽ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ተቐያያሪ ዝንቕ ዞባውን ኣህጕራውን ኪዳናትን፣ ዘይርጉእ ውሽጣዊ ኵነታት ኰነ ኣስፋፋሒ ህርፋን ናይተን ቀጥታዊ መዳውብትና ሃገራት፣ ኣብ ግምት ዘእተወ፤ ቀጻሊ ልዑላውነት፡ ድሕነት፡ ሰላምን ርግኣትን ሃገር ዘውሕስ፡ ውሕሉል ዘቤታውን ግዳማውን ሜላ ምኽታል ወሳኒ ኪኸውን’ዩ።   

2.6  ኣሰጋጋሪ ፍትሕን ሃገራዊ ዕርቅን

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሃገርና፡ (1) ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ምሓኤን፣ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህሓሓኤ/ህግሓኤን ኰነ ኣብ ውሽጢ ተሓኤን ህሓሓኤ/ህግሓኤን፡ ብዙሕ ደም ዘፍሰሰን ናይ ብዙሓት ህይወት ዘህለቐን፡ ጌና መዕጸዊ ዘይተገብረሉ ሓድሕዳዊ ጐነጽ ተፈጺሙ ኢዩ።(2) ኣብ እዋን ናጽነት፡ ኣብ ውሽጢ ህግሓኤ/ህግደፍ ዓመጸኛ ጐነጽ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፡ ‘ስሩዕ፡ ሰፊሕን ጃምላውን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት’ በቲ ግዝያዊ ኰነ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ተፈጺሙ ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ካብ ብሕጂ ኣብቲ ጕዳይ እናተላዘብና ስትራተጅያዊ ምርጫ ክንገብር ኣሎና። ኣብቲ መሰጋገሪ እዋን፡ ፍዳዊ ፍትሒ (retributive justice) ዲና ወይስ ፈዋሲ ፍትሒ (restorative justice) ከነናዲ፧ ኣብ ሕነ ምፍድዳይ ዲና ክንጥሕል ወይስ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትዕራቕ ከነድህብ፧ ስምብራት ናይቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን ኣብ እዋን ናጽነትን ዚተፈጸመ ዓመጽን ጃምላዊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ንምሕዋይ፡ ኣየናይ መንገዲ ምኽታል ኢዩ ዘዋጽኣና ወይ ዘርብሓና፧

ኣሰጋጋሪ ፍትሒ ብሓፈሻኡ ግዳያት ገበን፡ ዓመጽ ወይ በደል፡ ካሕሳን ደበስን ዚረኽቡሉ፣ ፈጸምቲ ዓመጽ፡ ገበን ወይ በደል ድማ፡ ጣዕሳ ዘርእዩሉ፡ ካሕሳ ዚህብሉ ወይ ግቡእ መቕጻዕቲ ዚወስዱሉ መስርሕ ኢዩ። ዕላማኡ፡ ንዚሓለፉ ገበናት ወይ በደላት ኣዳቒሱ፣ ሓድሽ ንዅሉ ዚሓቍፍ፣ መሰል ዜጋታት ዜኽብር፣ ንግዝኣተ-ሕጊ ዚምእዘዝ፣ ብግሉጽነት ዚሰርሕ፣ ተሓታትነት ዘለዎ፣ ፖለቲካዊ ስርዓት ምትእትታው ኢዩ። ውጽኢቱ ድማ ሃገራዊ ዕርቅን ስኒትን ርግኣትን ዘደንፍዕ ይኸውን። 

2.7  ዳግመ-ስርርዕ ጸጥታዊ ጽላት

ጸጥታዊ ጽላት ንመሳርሒታት ጐነጽ፡ ማለት ሓይልታት ምክልኻል፡ ጸጥታ፡ ስለያ፡ ፖሊስ፡ ዱጓና፡ ስርዓተ ቀበሌ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ የጠቓልል። እቲ ስርዓት ብመንገዲ እዚ ጽላት’ዚ ገይሩ ኢዩ ካብ ህዝቢ ንዘጋጥሞ ተቓውሞ ብምድቋስ ስልጣኑ ዘናውሕ። ብሓፈሻኡ፡ ጸጥታዊ መሓውር ምልካዊ ስርዓታት፡ ብገበንን ብልሽውናን ዚተበከለ ኢዩ። ነዚ ግዕዘይ’ዚ ከየጽረኻ፡ ነቲ ጽላት ከየዐረኻ ውሕስነት ደሞክራስያዊ ስግግር ምርግጋጽ ዚከኣል ኣይኰነን።

ጸጥታዊ መሓውር ንምትዕርራይ፡ ሕጋዊ መዝነት ምምሕያሽ፡ ስርዓተ እዝን ቍጽጽርን ምትኽኻል፡ ዳግመ-ስርርዕ ዓቕሚ ሰብ ምግባር የድሊ። ዋሕስ ቅዋምን ዋልታ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዚኸውን፣ ብዘመናዊ ስልቲታት ስነ-ኲናት ዚሰልጠነ፣ ምዕቡል ኣጽዋር ዚዓጠቐ፣ ቅርጡው ሞያዊ ሃገራዊ ሰራዊት - ሓይሊ ምድሪ፡ ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕሪ - ምህናጽ።

2.8  ምህናጽ መንግስታዊ ትካላት

ኤርትራ ብዝሩግ ስርዓት፡ ብልሹው ምሕደራን ድኹም ትካላትን እትልለ ሃገር ኢያ። ዚበዝሕ ሞያዊ ዓቕሚ ኰነ ተክኒካዊ ክእለት ዘለዎ ዜጋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ድስካለ ወይ ኣብ ስደት ይርከብ። እቲ ዚተረፈ ኣብታ ሃገር ዚቕመጥ ኣፍራዪ ጕልበትን ኣእምሮን ዚውንን ዜጋ ኣብ ቀጻሊ ሽቕለተኣልቦነት ይነብር።  

ኣብዚ ህሉው ኵነታት ሃገርና ለውጢ ምምጻእ፣ ኣብቲ መሰጋገሪ እዋን ድልዱል ሰረት ኣንጺፉ ዚሰርሕ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል፣ መዝነታቱ ብብቕዓት ዚፍጽም፡ ግቡእ ኣገልግሎታት ዚህብ ሚኒስትሪታት፡ በዓል መዚታት፡ ትካላት፡ አጀንሲታት ምህናጽ ቀሊል ብድሆ ኣይኰነን።  

3. መደምደምታ

እቲ ዝርዝር ብዙሕ’ዩ። ከይነውሓና ግን፡ ዘረባይ ንምድምዳም፣ ምስ’ዚ ዅሉ ብድሆታት’ዚ፡ ግዜ ኣብ ጐድንና ከም ዘየለ ተገንዚብና፣ ቅኑዕ መኣዝን ሒዝና፡ ለውጢ ንምቅልጣፍ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ፣ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምርግጋጽ በብዓቕምና፡ በብሞያና እጃምና ከነበርክት፣ ክንቅረብ ይግባእ። ብፍላይ ድማ፡ መንእሰያት። ከምቲ ልዑላዊ ናጽነት ብመሪር ቃልስን ዓቢ መስዋእትን ተኸታተልቲ ወለዶታት መንእሰያት ዚመጸ፣ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትና’ውን፡ ብቃልስን መስዋእትን መንእሰያት ኢዩ ኪመጽእ። ኣብዚ ዕማም’ዚ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ከም ወረስትን ሃነጽትን ናይታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ መጠን፡ መሪሕ ተራ ከተበርክቱ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለኩም። 

ቀንዲ ዕጥቅኹም ንቕሓት፡ ተወፋይነት፡ ሓድነት ይዅን። ተመኵሮ ዚምህሮ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ፡- ተሃላላኺ ድምጺ ንሓድሕዱ ይዳቐስ፣ ምቑል ሓይሊ መፍቶ ጸላኢ ይኸውን፤ ስሙር ድምጺ ዓቢ መቓልሕ ይዝርግሕ፣ ጥሙር ሓይሊ ንጸላኢ የንበርክኽ። እቲ ቁምነገር፡ ከምቲ ምስላ ኣቦዋት ዚገልጾ፡ ‘ኣሕዋት ምስ ሓብሩ ጸላኢ የባርሩ’ ኢዩ።

ጽን ኢልኩም ስለ ዚሰማዕኩምኒ አመስግን።

 

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!