All updates

ስዉኣት ኣብ ልብና ኢዮም! ኣይረሳዕናኩምን።

19/06/2019
[:swvar:text:838:]

ስዉኣት ኣብ ልብና ኢዮም! ኣይረሳዕናኩምን።

መተዓበይትን ኣዕሩኹን መማህርቲን ኮይና ንነዊሕ ዓመታት ክይተፋላለና ብሓደ ተጓዒዝና። ኣብ 1972 ዓም  ሃገራዊ ስሚዒትና ምስ ግዜ  እናዓበየ ምስ ከደ  ዕላልናን ስሚዕትናን ኣብ ጉዳይ ሃገርናን፡ ቅያ ተጋደልቲ'ዩ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ 1974  ብዋህዮ  ደረጃ  ኣብ ህ ግ ሓ ኤ  (ህ ሓ ሓ ኤ)  ተወዲብና  ሚስጢራዊ ስርሓት  ከነካይድ  ጀሚርና።  ከም መድብ ዝሓዝናዮ  ጽሑፋት  ምዝርጋሕን፡ ምዉዳብ፡ ገንዘብ ምዉጻእ፡  ንሜዳ  ዘድልዩ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸዉን መንዲል ንጽህና (ሞደስ)፡ ንረድዮ ርኽብ  ዝኸዉን  ባተሪ፡ መድሃኔ ጸረ ረኽሲን  ወዘተ ተሰኪምና  ንድርፎን ማይ ድምነት ዳርጋ መዓልታዊ  መገዲ ማይ ገርናያ ነርና።  ርኽብና  ምስ  እባላት 06  ዝነበሩ  ተጋደልቲ  ፍስሃየ ኣፍሮ፡  ወልደንኬል  ኣብርሃ ነይሩ፡፡  ፍረወይኒ መንገሻ  ስዉእቲ መተዓብይትይ፡ ብወገን ዓዲ ሓበሻ  ኤርሚያስ ደበሳይ (ፓፓዮን) ኣብ ማእስርቲ ዘሎ፡  ኣብ ዓዲ ሃብትስሉስ ተጋ/ሃብተኣብ  ነይሮም ከከም ኩነታቱ ንራኸብ ነርና። ምስቲ ዝነበረ  ምንቅስቃስ  ሓያል ተፍቲሽን   ምቁጽጻር ኣብ ኩሉ ብሎኮታት ኣስመራ  ብብረት ዝዓጠቁ  ትግራዎት (ነጪ ለባሽ) ሓሓሊፉ  ድብያ የካይዱ  ነይሮም።   ኣብ  ትሕቲ  ጸላኢ ኮይንካ  ተወዲብካ  ምስራሕ  ኣዝዩ ከቢድ`ዩ፡ ከም ኩሉ ዜጋ  ብረት ዓጢካ ጎቦን ስንጭሮን ሰጊርካ  መስዋእቲን መዉጋእቲ  ክትቅበል ድልየት ናይ ኩሉና'ነይሩ። ተወዲብና ኣብ ንጡፍ ስራሕ እንተነበረና ናይ ብረት ምዕጣቅ ድልየታ ግን ኣብ ቦትኡ`ዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ  ብተደጋጋሚ ዝንገረና  ዝነበረ  ተቓላሳይ  ቦታ ኣይመርጽንዩ፡ መስዋእቲ ኣብ ኩሉዩ? ኤርትራ  መሬታን ህዝባን  ብጸላኢ ተወሪራያ አሎ፡ ኣብ  ከተማን ገጠርን  ህዝብና ይቕተልን  ዓዱ ይነደድ ኣሎ። ስለዚ ንዝተዋሃበና ስራሕ ብኸመይ ነድምዕዩ ኽንዛረብ ዘለና እምበር  መስዋእቲ ቦታን ግዜ ኣይምረጽን`ዩ፡ ዝብል ሪዒምና ጉዕዞና ቀጺልና።'  ጽሑፋት ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕን ንፖለቲካዊ  ፍልጠትና  ዘዕቢ  ሰዉራዊ ትምህርቲ ብዉልቅን እኩብን ክንወስድ ጀሚርና።   ኣብ ገዛ ስዉእ ገብርእብ ጌታህንን፡ ስዉእ ብርሃነ ገብረመስቀል ደቂ ኣርባዕተ ኣስመራ ኢዮም፡  ስቱር ሰፊሕ ቦታ ሰለ ዝነበሮም፡ ንበረኻ ክትወጽእን፡ ንብረት ሰዉራ ክትዕቅበሉ ዝተአማምን ስለ ዝነበረ መበገሲ ቦታናዩ ነይሩ ።

 ሰዉራ ኤርትራ ኣብ 1977 ዓም ጎብለል ኮይኑ  ገጠራት ሓሊፉ ከተማታት ሓራ ኽገብር ምስ ጀመረ። ደርጊ ካብ ኩቱር ፍርሒ   ንከተማ ኣስመራ  ብኹሉ ኩርንዓት ኬላታት ሰሪሑ ጽዑቅ ተፍታሽ የካይድ ነይሩ,። ብፍላይ  ብወገን ኣኽርያን  ማይተመናይ፡  ንዓዲ ንፋስ ንእምባ ደርሆ  ዘሕዉስ መንገዲ በርቦረላ፡  ብዑስባት ደርጊ  ቀጻሊ ድብያ ዝካየደሉ ሓደገኛ  ቦታ ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣንተኾነ  ብዙሕ ግዜ ዝተመላለስናሉ መንገዲ ስለዝነበረ  ከም ኣጻብዕቲ ኢድና ንፈልጦ  እኳ እንተነበረ  ኣብ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት 1976 ዓም  ርክብና ወዲእና  ኽንምለስ ከለና፡ ምስቲ  ዝነበረ ቁሪን ኣሳሒታን   ጽሑፋት ሒዝና  ቦርበሮላ  በጻሕና፡፡   ሃንደበት  ኣብ ድብያ ጸላኢ ክንእቱ  ቁሩብ ምስ ተረፈና፡  ብማዕዶ መስመስ ዝብል ከም  መስትያት  ዘንጸባርቕ  ካብ ኣፈ ሙዝ ብረት  ዝወጽእ ጭራ ብርሃን ድጉል ኢሉና፡፡   ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቕና ተረዲኡና ፡ እግርና ዝሃበና  ኣንፈትና  ሲሒትና  ብጉያ ናብ ጸላኢ ዝቆጻጻሮ  ከባቢ በጺሕና፡ እንተኾነ  ብማዕዶ ኣደጊ  እንዳ ከብከቡ  ንዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ ኣቦ  ዓዉ ኢሎም   ተመለሱ ኣዞም  ደቀይ ካብ በላዒ  ወጺእኩም ናብ በላዒ ከይትአትዉ  ኢሎምና፡  መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ  ዝባሃል  መሪሖምና   ኣምባ ደርሆ ኣቲና። ኩነታት  መንገዲ  ሓበረታ  ረኺብና  ንማይ ተመናይ ከይተፈተሸ  ብሰላም  ኣቲና።  ነዞም ኣቦ  ብልቢ ኣመስጊናዮም ፡ እቲ መንገዲ ሓደገኛ  ምዃኑን ሓሓሎፎም ነጭ ለባሽ  ድብያ ከምዝገብሩ ኣረጋጊጾምልና። 

ኣብ ክረምቲ 1976  ኣብ ተዘክሮይ  ወትሪ ዘይርስዖ ብርቱዕ ማይ ይሃርም ነይሩ፡  ኣብ  መርካቶ ኣንዳ ዓሳ (ፊት ማዛጋጃ ቤት)  ብዙሕ ምንቅስቃስ ዘለዎ  ፍሉጥ ዕዳጋ ኢዩ። (ቤት ሻሂ ኣዱልስ፡ ኣንዳ ጃብር ማሕሙድ) ከም መራኸቢ ቦታና ንዘዉትሮ ኔርና። ብእጋጣሚ  ሰዓት 10  ክሳብ 11፥00   ኣቢሉ ይኸዉን ሓደ ጃሲስ  ብፈዳይን ተቀንጺሉ። ወትሃደራት ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሩ ፋሕ ኢሎም  ጽዑቕ ተፍታሽ ይገብሩ ነይሮም፡፡  መደብና ኣቋሪጽና እንታይ ንግበር ምስ ተባሃልና  ቀልጢፎም፡ የማነን ብርሃነን ነተን ምስኦም ዝነበራ ቅብሊት፡  ሓይኾም  ዉሒጠሞ።  ገብርእብ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ፋንፍለት ናብ ዓይኒ ምድሪ ዘውርድ ቱቦ ማይ ብሓይሊ ከፊቱ ብምእታዉ፡  ከምዛ ዘይንፋለጥ ፋሕፋሕ ኢልና  ነቲ ኣብ ቅድመና ዝነበረ  ተፍቲሽ ሓሊፍና ። ኣቲ ዘገረመኒ  ኣብ ሓንቲ ጸባብ ህሞት፡  ኣቲ  ሓሳብ ከመይ ኢሉ መጺኡና !!!  ከምቲ *ተባዕን ትኪን መዉጽኢ ኣይስእንዩ* ዝብል ምስላ  ኣቦታትና  የዛኻኽሩኒ። ነቲ  ዘጋጠመ  ኩነት ከተዘንትወሉ  ቀሊል እኳ  እንተኾነ ፡ ተፍቲሽ  ኣዝዩ ከቢድዩ ነይሩ፡ ብዙሓት ተሃሪሞም  ገለ ተኣሲሮም  ንብረት'ዉን ተዘሪፉዩ።

ኣብ መፋርቕ 1976 - 1977 ዓም  ኣብ መንጎ ተሓኤን  ህግሐኤ  ብዝነበረ  ዘይርጉእ ኩነታት  ንስሩዓት  ክልቲኡ ዉድባት  ፈታኒ`ዩ ነይሩ።  ብመኽንያት ቆጸራ  ምስ ገብርእብ  ጌታሁን  ንግሆ  ተበጊስና ሰዓት 09፥30 ኣቢሉ  ዓዱ ሰጉዶ ኣቲና፡  ከም ቆጸራና ምስ  ሰዉእ ኣስገዶም የዉሃንስ ወዲ ዓዲ ሰጉዶ ተራኺብና፡ ናብ ወኪ ድባ  ኣምሪሕና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ቀጽሪ ቤት ክርስትያን ኣቡነ ፊሊጳስ  ሰባት ተኣከቦም  ሪኢና፡  መንገድና ክንቅጽል ወሲና፡ ሓደ ብረት ዝሓዘ ተጋዳላይ ብድሕረና  መጺኡ  ደዉ በል ዝብል ድምጺ ሰሚዕና ደዉ ኢልና። ካበይ መጺእና ናይ ከም ንኸይድ ሓቢርናዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም  ኣርባዕተ ተጋደልቲ ተወሲኾም። ኣባላት ጸጥታ ተሐኤ ምኳኖ ኣረጋጊጽና።  እዋኑ *ዋህዮ ንዮ በላ፡ ዋህዮ ንዮ በላ ሕሹኽሹ ዝኣመላ `ዝድረፈለ ናይ ሰላም ኣንፈት ዝዐረበሉ ግዜ ነይሩ።  ንስኻትኩም ዋህዮ ሻዕብያ ኢኹም፡   ጸረ ተሓኤ   ሕማቕ ወረ  ትነዝሑ   ኢሎም  ንክልተ ሰዓት  ደዉ ኣበሉና።  ንሕና ኣንጻር ተሓኤ ዝገበርናዪ ሕማቅ የለን፡ ዉድባት ህግ ኢና፡ ቆጸራ ሰለ ዘለና  ንዓዲ ሃብተስልስ ኽንከይድ ኣለና  እንተበልና  ሰማዒ ኣይረኸብናን፡፡  ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ፡ ኩነታትና ዝራኣዩና  ደቂ  ዓዲ (ወኪዱባ)  ናብ ክፍሊ ርክብ ህግ ከይዶም  ሓቢሮም።   ብስራት ዝተባሃለ  ተጋዳላይ ኣባል ክፍሊ ርክብ  ብጉያ  መጺኡ ምስ ተጋደልቲ  ተሓኤ፡ ኣብ ምንህሃር ኣትዩ፡   ሰለምንታይ ትሕዝዎም  ስሩዓትና ምዃኖም ኣንዳ ፈለጥኩም  ኢልዎም፡ ንሳቶም  ብወገኖም  ህዝባዊ ግንባር  ሱሩዓትና ትጨዉ ኣለኹም  ብምባል  ኣብ ምኽሳስን  ምንህሃር  ኣትዮም፡  እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለ ዝነበረ ልቢ የዕብዮም ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ተገላጊልና።  ንሕና ናይ ብሓቂ  ሰንቢድና፡  ብኽንደይ ሽግር ካብ ተፍቲሽ  ጸላኢ ወጺእና፡ ብተጋደልቲ ከምዚ ክጽንሓና  ትጽቢትና ኣይነበረናን። ብዝኾነ  ምስ ሃብትአብ ተራኺብና ዘምጽአና ጉዳይ  ወዲእና  ብሰላም ተመሊስና።

 ካብ 1974 ኽሳብ  መወዳእታ 1977 ዓም ኣብ ኩሉ ከባቢታት  ኣስመራ ብዓፋኝ ጓድን፡ ዝዓጠቑ ነጭ ለባሽ ብምዉፋር፡ መዓልታዊ ምእሳርን ምቅታልን ልሙድዩ  ተርእዮ ነይሩ። ኣብ ገዛ ከኒሻ ብተዛማዲ  ዝሓሸ ሰላም ነይሩ ክባሃል ይካኣል። ካብ ምኽትታልን ምፍርራሕን ሃሱሳት  ቀሲኑ ዝሓድር  ኣይነበረን፡፡  ስለዚ ኢየን ኣደታትና ዝኾነ ድምጺ መኪና ወይ ፉሉይ ምንቅስቃስ  እንተ ሰሚዔን  ኣብ ቅድሚኤን  ዝጸንሐን ጽሑፋት የንድዳ  ወይ  ኣብ ሱቱር  ይሓብአ ነይረን። ንሕናዉን ክዳና ከየዉጻእና ኣብ ተጠንቀቅ  ንሓድረሉ ዘየቕስን ኩነት ነይሩዩ።  ኣቲ ቀንዲ  ዘስኽፈና ምሳና ዝነበረ  ሃሱስ የማነ  ዝተባሃለ  ዕባይ ኣስመራ፡ ጽሓፊ  ምምሕዳር ገዛ ከኒሻ (ንግሰተ ሳባ) ዝሰርሕ  ዝነበረ` ትምኽተኛ ኢትዮጵያዊ ኢዩ፡፡ መንእሰያት  ገዛ ከኒሻ  እኩብን ብዉልቂን  ከምኡ ዉን  ትሕቲ ዕድመ  ቆልዑት  ብብግዚኡ   ንሳሕልን ባርካን  ወፊሮም ኢዮም። ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን  ብፈዳይን  ተጋደልቲን ዝካየድ ዝነበረ  ስሪሒታትን  ንዑሱባት ደርጊ ተሓባበርቱን  ዘሰንበደ ነይሩ፡ ጸሓፊ ቀበል  የማነ ብተግባሩ ተረቢሹ  ቀባሕባሕ እንዳበለ፡ ካብ  ጽላለቱ ይፈርሕ ስለ ዝነበረ፡  ነቶም ብቀረባ ዝፈልጦም  ዝነበሩ  ተጋደልቲ ኣስማት  ኣንዳ ጠቀሰ  * ኣዞም  እራይ ምራይ ናጽነት ከምጽኡ ዘይኮነ  ኣብ ሓዊ ክጥጠቁ ኢዮም*  ንኢትዮጵያ ዓደይ መንዩ ዝደፍራ''።  እንዳበለ ኣብ ቅድሚ ወለዶምን  ሰላማዊያን ሰባት  የፋራርሕን የሳቅይን ነይሩ።  ኢትዮጵያ ትቅደም  ኣንዳ በለ ኣብ ቅድሜና ይፍኽር፡፡ ኣብታ  ዉዳባዊን  ንጥፈታት ነካይደላ  ንራኸበላን ዱኳን  (ኣንዳ  ገብሩ)፡  ድሕሪ ሰዓት 18 '00  (ኮፕሪፎኮ)  ክሳብ ዓንቀሩ ጸጊቡ፡  ኣብዚ ዘለዉ  ወንበዴ ከይጠፍኡ ሰላም የለን፡ ኣዚ  ገዛ  መኣከቢ  ወንበዴ፡  ጸረ ኣብዮት`ዩ እንዳበለ ንሓዋሩ ከጥፍአና  ወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ  ቀጻሊ ምክትታል ይገበረሉ እንተ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤትናን፡ ተሓባርትናን  ሓደጋ  የንጸላልዎና  ነይሩ'ዩ።   ጉጅለና ተኣኪባ ነዚ ስብዚ ንቕተሎ  ወይ ጨዊና  ነዉጽእዮ  ኣብ ዝብል  ናይ ሓባር  መረዳእታ በጺሓ ነይራ።  ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለና  ኣብ ልዕሊ  ኣርአያ በላይ  ስጉምቲ ምስ ተወሰደ፡  ኣዚዩ ሰለ ዝሰንበደ  ንኩላትና  ከጥፋኣና  ክፍኽር  ከም ዝነብረ ሓበሬታ ይበጽሓና ነይሩ። ንጽባሒቱ ምሸት ኣብ ገዛ ከኒሻ  (ብወገን ደፐዚቶ) ሰዓት 19`00  ኣቢሉ ናይ  ምቅንጻል   ስጉምቲ ተወሲዱሉ።  ኣንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ቆልዑት ይጻወቱን ይጏየዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣቲ ፈተነ ዕዉት  ኣይነበረን።  የማነ ልቡ ስለዝመሎቐ  ከይዉዓለ ከይሓደረ  ንአዲስ ኣበባ  ከም ዝሃደመ ምስ ኣረጋገጽና፡  ዝነበረ  ስኽፍታ  ተቐንጢጡ  ርክባትና  ኣብ ንቡር ተመሊሱ። 
  ካብ  መጀመርያ 1975  ክሳብ መወዳእታ  ሕዳር 1977 ዓም ጉጅለና ኣብ  ንጡፍ  ወድባዊ ምንቅስቓስ ነይራ። ኣብ ጉዕዞ ብዙሕ  ማሕለኻታት ኣጋጢሙና እኳ ኣንተነበረ፡  ጽኑዓትን  ዉፍያት  ኣባላት ሰለ ዝነበሩ ተልእኾኣ  ብጉብእ ፈጺማ ኢያ። ነቲ መድረኸ ዝበቅዕ መሪሕ ኮይኑ ንዓበይቲ  ዉድባዊ  ዕማማት  ክተግብር  ዝተመረጸ  ገብርአብ  ገታሁን ( ጋሮይ)  ወዲ ኣርባዕተ ኣስመራ ነይሩ። ጋሮይ (ገብርአብ) ቀጢን፡ነዉሕ  ፍሺክ ኣምበር ዓዉ ኢሉ ዘይዛረብ  ናይ ምምስሳል  ክእለት ዝነበሮ ቆራጽ ነይሩ፡  ኣብ ዓበይቲ  ምስጢራዊ ስርሓት ብቆራጽነት ዝሰርሓ  ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረዩ፡ ገብርአብ ተቓሊሱ ዘቓተሰ  ተጋዳሉ ዝጋደለ  ጅግና`ዩ ነይሩ። ኣብ  መጀመርያ 1977 ዓም ኣብ ሓዘን ናይ ኣብኡ እንከሎ   ንዉድባዊ   ስርሓት  ድርፎ በጺሑ ይምለስ ነይሩ። ኣብቲ  ጽንኩር  ኩነታት  መዉጺእን መእተዊን ቆዉጢ  ዝነበረሉ  ኣድጊ ኮብኪቡ፡  ሓረስታይ  ተመሲሉ፡  ድርፎን ባሕሪ ባራን  መገዲ መዓልቲ  ገይርዎ  ነይሩ።  ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ይኹን ለይቲ  እንዳ ኣያይ (ሓወብኡ)  ክሓድር`ዩ  ኣንዳበለ ዉድባዊ ስርሓት የካይድ  ከም ዝነበረ ኣዲኡ ወላዲዩ  የፍልጣ ከም ዝንበራ ይምስኽራ ኢየን።  ገብርአብ ኣብ ኩሉ ዘካይዶ ንጥፈታት ሙሉእ ምትሕብባር ብጸቱ ኣይፍለዮን ነይሩ።

 ኣብ መፋርቕ  ወርሒ ሕዳር 1977 ዓም ጋሮይ  ኣብ ዉድባዊ ዕማማት ምስልጥ ከሎ ሃንደበት ኣብ ማእከል ከተማ  *ብዓፋኝ ጓድ* ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝኣትወ።  ኣብ ገዛኡ ኮይዶም  ፈትሾም ገለገለ ጽሕፋት ኣንተረኸቡ፡ ሐፍቱ ካብ ዓዲ  ጥልያን (ቦሎኛ)  ዝሰደትሉ 700 ብር ረኾቦም  ንወንበዴ  ዘተዋጽኤዩ ብምባል ካልእ  ዝሓባካዮ  ብረት ኣዉጽአዮ ብምባል ኣብ ቅድሚ ወላዲቱ  ከም ሕሱም  ቀጥቂጦሞ ይብላ ወላዲቱ  ኣደይ ግደይ።  እንተኾነ ከብዲ ገብርእብ  ግን መሊሱ ጨኪኑ፡ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ይብላ።  ድሕሪ ናይ ገብርእብ  ምእሳር  ከይ ደንጎዩ  ንየማነ ፍስሃየ  ኣሲሮሞ ።  የማነ ኣብ ሆስፒታል ኢተገ መነን  (ኦሮታ)  ከም ጸሓፊ  ይሰርሕ ነይሩ።  ብርሃነ ገብረመስቀል ወዲ  ኣርባዕተ ኣስመራ  ኣብ  ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም መምህርዩ ተቖጺሩ  ነይሩ። ኩሎም ሓያል ሃገራዊ ወኒ ዝነበሮም፡ ኣብ ጉዕዞ  ከቢድ ሓደጋ ከጋጥመና ከም ዝኾነ ኣጸቢቕም  ይፈልጡን  ብቆራጽነቶም ዝልለየ ዉፍያት ሓርበኛታት ነይሮም።  ድሕሪ ምእሳሩ ብርሃነ ገብረመስቀል፡ ቀልቲፈ ክወጽእ ተሓቢረ ፡ ብመንገዲ  ሳሓርቲ ኣቢለ ንደቀምሓረ ፡ ካብኡ  ንዓላ  ወሪደ፡ ንገድሊ  ተጋድሎም  ከም ኩሉ ኤርትራዊ   ኢለ  ጀሚሮየ።  ሓደ ካብ ኣባልና  ዝነበረ  ስዉእ የሴፍ ተስፋይ ኣብ መፋርቕ 1976 / 77 ዕድል ብትምህርቲ ረኺቡ ንሶቭየት ሕብረት ከይዱ ዝነበረ፡ ኣብ 1984 ዓም  ንሜዳ  ኣትዩ  ኣብ  ኽፍሊ ታዓሊም ከሎ  ኣብ ሕሽክብ ተራኺብና ኩነታት ብጾትና ዘጋጠመና ሽግራት  ኩነታት መስዋቶም ብሰፊሑ የዕሊልና  ነርና፡፡ ብሕርሻ ተማሂሩ ዝተመረቐ ምኻኑ የዕሊልና  ኣብኡ ክፍሊ ሕርሻ  ዝተወዚዑ ሓቢሩኒ ንካልእይ ግዜ ከይተራኸብና ተፋላሊና፡፡

 ድሕሪ 30 ዓመት ቃልሲ  ሕሱም ጸላኢና  ተደምሲሱ፡ ምስ ስድራ ቤት ስዉኣት ብጾተይ ክራከብ ዕድል ስለ ዝረኸብኩ ንልዑል ፈጣሪ እንዳ ኣመስገንኩ፡ ማዕጾ ኳሕኲሓ ኣትዉ ምስ በልኩ ዓቢ ስእሊ  ናይ ብርሃነ ገብረመስቀል "ቁሰኑ ብመስዋእቱኹም ተሓበኑ ዕላማና  ኣብ ምዕራፉ በጺሑ'ዩ፡ ዝብል  ጽሑፍ  ምስ ኣንበብኩ ሓበን  ተስሚዑኒ። ኣደይ ለተዝጊ ኣጆኻ ዝወደያ ኣዞም ጀጋኑ ደቅና  ኣብ ዕላምኦም  ተሰዊኦም፡ ብመስዋእቶም  ኣዚ ብርሃን  ናጽነት  ረኺብና በላኒ።  በቲ ዘጋጠመ  ማእሰርቲ  ኣዝዮም ከም  ዝተሳናበዱ፡ ንምዉጽኦም ኩሉ ዝካኣሎም ከም  ዝፈተኑ የዕሊልና።    ኣደይ ግደይ  ንገብርአብ ሓዉ ፡ንመዉጺኢ  እንተሓገዘ  500 ብር  ምስ ሓደ እሙን ዓርኩ  ኤርትራዊ  ሓኪም  ሰዲዱሉ ነይሩ ይብላ።  ኣንተኾነ  ገብርአብ ኣብ መወዳእታ ዝጻሓፎ  ደብደቤ፡ ነተን 200 ብር  መሊሱወን  ብዛዕባ ኣቲ ዝተረፈ ገንዘብ ግን ""ገንዘብና በሊዖም፡ ንዓና ክበልዑና"" ቀሪቦም ኣለዉ፡''' ኣቲ ነገር ተወዲኡ'ኣይትድከሙ" ኢሉ።  ወለዲ ኡስራት ደቆም  ንምፍትሖም  ዘይገበርዎን ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን።  ዝነበረና ገንዘብን ወርቂን ሸጥና  ዘይበጻሕናዮ  ብዓል ስልጣን የለን ይብሉ ኣቦይ ፍስሃየ።  "ኣደይ ለተዝጊ ገንዘብና በሊዖም  ደቅና ቀቲሎም፡ እንተኾነ  ደቅና ብመስዋእቶም  ሰላምን ራሕዋን ኣምጺኦምልና" ይብላ። ኤርትራዉያን ኣብ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ንዘለዎም ጽንዓት  ወትሩ  ምስ ኣረጋጊጸ ኢዮም። ኣቲ ንሕልናይ ዝተንከፈኒ ግን ኣደይ ግደይ ( ኣደ ገብርአብ) " መስዋኣቲ   ገብርእብ ወደይ ምስ  ተነገረኒ ኣብ ጽምዋ ገዛ ንበይነይ ብሓዘን ተዋሒጠ፡   ገዛይ ዓጽየ ብሓዘንን ንብዓትን ንስደት ዓዲ ጓና (ዓዲ ጥልያን ቦሎኛ)  ምስ ጓለይ ከይደ" ድሕሪ ትሽዓት ዓመት ጀጋኑ ደቅና  ንስርዓት ደርጊ ደምሲሶም ኣስመራ ምስ ኣተዉ።  ነታ ብሓዘንን  ንብዓት ዝገደፍኩዋ ዓደይ ኣስመራ ብሓጎስን ደስታን ተመሊሰያ" ምስ በላኒ ። እቶም ናብዚ ዘብጽሑና በጃ ህዝቦም ዝተሰዉኡ ጀጋኑ  ነባሪ ሰላም  ዘረከቡና ሰማእታትና  ታሪኾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዉ ህያዉ ኮይኑ ተርፉ ኣሎ። መስዋእቶም ድማ መግለጺ ጅግንነቶም ኣዩ ነይሩ። ኣዚ ብኽትአምኖ ዘሸግር ብፋሺሽታዊ ኣገባብ ኣመራመራ ከይዓጀቦም  ንማህረምቲን  ስቅያትን  ተጻዊሮም፡  ንመስዋእቲ  ፈሊጦም ብዓቅሊ ተጸቢዮም ናጽነትን ራህዋን ብቡርቱዕ ቃልሲ ከም ዝመጽእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ዉን ንጸላእትና  ከይተረፈ  ብግብሪ ኣመስኪሮም ኢዮም። ስርዓት  ደርጊ ኣብ 1977 ዓም ብቀይ ሽብር ዝወጼ ኣዋጅ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ደም ንጹሃት  ኣፍሲሱ`ዩ፡፡ ወርሒ ሰነ 1978 ዓም  በጃ ህዝቦን ሃገሮምን ዝተወፈዩ ጀጋኑ ሚስጢር  ዉድቦም  ዓቂቦም  ዓወት ንሓፋሽ ኣንዳበሉ  ኣብ ቀጽሪ ኤኽስፖ  ኣስመራ ንሞት  ዝተፈረዱ ጀጋኑ 1) ብርሃነ ገብረመስቀል   4ተ ኣስመራ  2) የማነ ፍስሃየ  ገዛ ከኒሻ  3) ገብርእብ ጌታሁን 4ተ ኣስመራ 4) ተስፋዝጊ  መብራህቱ 

5) የማነ ሰጊድ   6) ዮዉሃንስ  ገብርአብ  7)  ተክለ ሓጎስ      8)  ኣበባ ሰለሙን  ኢዮም።

መተሓሳሰቢ፡ እዛ ጽሕፍቲ ብ1991 ~ 97 ዓም ርአይዋ፡ ኣቲ ዘመን ክምለስ`። 

ዘልዓለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት

ሃብተማርያም ዑቑባይ (ወዲ ልጃም)

ሚላኖ

መዘከርታ ንሰማእታትናናይ ሎሚ 20 ስነ ረዚን ዕለትዩ!!!   

ንኩሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ስርዓት ደርጊ በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑን ብስርዓት ኢሰያስ  ኣብ ሚስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ  ዝሳቐዩ ዘለዉን፡  ሃለዋቶም ዘይተፈለጠን ጀጋኑ፡ ንኩሎም  ዘይተነገረሎም ደቂ ኤረ፡  ኣብ ባሕሪን ምድረበዳ ዝወደቑ  ሰማእታትና ብምዝካር፡ ስቅያት ሕዝብና ከብቅዕ ይአኽል ኢልና!!!  ኩሉ ደላይ ፍትሒ  ካብ ዕላማኡ  ፈልከት ከይበልና መብጽዓና ነረጋግጸሉን፡ ንምትግባሩ እንጎየሉ  ሕድሮም እንሐድሰሉን ስደትን ፍርሒን ዘብቅዓሉዩ ታሪኻዊ መዓልቲዩ ፡፡