31 ታሕሳስ 2025
ሰናይ ትምኒት ንርሑስ ሓድሽ ዓመት 2026
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ኣብዚ ዓመተ 2025 ኣብቂዑ ዓመተ 2026 ዚኣትወሉ ዘሎ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት’ዚ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ዘስፍን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ኪዀነልና ዘለኒ ሰናይ ትምኒት እገልጽ።
2026፡ ኣብታ ምጭውቲ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ ዚትከለላ፣ ብንቡር ምዕሩይ መንግስታዊ መሓውራት፡ ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዚቐውም፡ ግሉጽን ተሓታትን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዚምስረተላ፣ ንፈጠራዊ ዓቕምን ኣፍራዪ ክእለትን ህዝቢ ኤርትራ ዘበራብር ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓርነት ዚሰፍነላ፣ ባህርያዊ ሃብትን ጸጋታትን ሃገር፡ እንተላይ ኣገልግሎት ወደባትን ኣታዊታት ዕደናን፡ ኣብ መዓላ ቍጠባዊ ልምዓትን ዕቤት መነባብሮ ህዝብን ዚውዕለላ፣ ዓመተ መቐይሮ ኪትከውን ልባዊ ሃረርታይ እገልጽ።
ሕሰም ዘመነ ፖለቲካዊ ልምሰት፡ ቍጠባዊ ዕንወት፡ ማሕበራዊ ዝርገት፡ ሓፈሻዊ ድኽነት፡ ጃምላዊ ፍልሰት ኣብቂዑ፣ ዘመነ ጣዕሚ ፖለቲካዊ ሕዳሰ፡ ቍጠባዊ ምዕባለ፡ ማሕበራዊ ተሃድሶ፡ ባህላዊ ትንሳኤ፡ ሰላምን ቅሳነትን ኪትከውን ዘለኒ ሰናይ ትምኒት እገልጽ። ኤርትራ ሃገርና፡ ህዝባ ካብኣ ዚሃድም ዘይኰነስ ናብኣ ዚምለስ፡ ኣብኣ ቀሲኑ ዚነብር ሃገር ኪትከውን እትምነ።
ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዚተፈትሑ ገለ ዜጋታት እንኳዕ መዋጽኦ ረኸብኩም፡ ንስድራቤታቶም ድማ እንኳዕ ሓጐሰኩም እናበልኩ፣ ዓመተ 2026፡ እቲ መስርሕ ምፍታሕ ቀጺሉ፣ ኵሎም ፖለቲካውን ሕልናውን እሱራት፣ ጋዜጠኛታት ኰነ እቶም ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚማስኑ ዘለዉ ተራ ዜጋታት ዚፍትሑላ፣ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዚሰፍነላ፣ ዓመት ኪትከውን እትስፎ።
ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት ንምስፋን፣ ግሉጽን ተሓታትን ምምሕዳራዊ ስርዓት ንምትካል፣ ሃገር ዘማዕብልን መነባብሮ ህዝቢ ዘዐብን ቍጠባዊ ፖሊሲ ዚኽትልን ዚትግብርን ስርዓት ንምምጻእ ምቅላስ ሃገራዊ ሓላፍነት ብንቕሓት ምስካም ኢዩ። ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ዚሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምጻእ ምቅላስ ዜግነታዊ ግቡእ ምፍጻም ኢዩ።
መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሮም እናነበሩ ብዘመናዊ ስነፍልጠትን ስነኪነትን ዚዅስኵስ ምዕቡል ስርዓተ ትምህርቲ ንምትእትታው፣ ምስ ሞያዊ ዓቕሞም ዚመጣጠን ስራሕ ዘጣጥሕ ቍጠባዊ ልምዓት ንምድራኽ ምቅላስ ሃገራዊ ግቡእ ኢዩ። ዋኒንተኛታት ኤርትራ፡ እንተላይ እተን ብህግደፍ ዚዋፈራ ዋኒነ-ትካላት፡ ርእሰማሎምን ሞያዊ ክእለቶምን ኣብ ሃገሮም ብምውፋር፡ ሃብትን ሽቕለትን ኪፈጥሩ፡ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ምምጻእ ከበርክቱ ዘፍቅድ ቍጠባዊ ሓርነት ንምስፋን ምቅላስ ሃገራዊ ግቡእ ኢዩ።
ማዕረ-ማዕሪኡ፡ ኣብዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንልዑላዊ ናጽነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገርና ዚህድድ ተርእዮ ተኸሲቱሉ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ጀኦፖለቲካዊ ሃዋህው’ዚ፣ ኵሉ ኤርትራዊ ኣብ ጐድኒ ህዝቡን ሃገሩን ብምስላፍ፡ ንኣስፋሕፋሒ ህርፋን፡ ፈጠራዊ ትረኻን ጐባጢ ውጥናትን ስርዓት ብልጽግና ብትሪ ኪብድህ ይግባእ።
ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ብትኳቦ ወይ ብፍታው ናይ ዚዀነ ሓይሊ ዚተረኽበ ተርእዮ ዘይኰነስ፣ ውጽኢት ፍጹም ወተሃደራዊ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ኢዩ። ብብርቱዕ ቃልስን ገዚፍ መስዋእትን ተኸታተልቲ ኤርትራውያን ወለዶታት ዚተረጋገጸ ብጹእ ህያብ ደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ሰማእታትና ኢዩ። ዚዀነ ብኣስፋሕፋሒ ህርፋን ዚድረኽ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኰነ ናይ ፈጠራ ትረኻ፡ ነዚ ህያው ሓቂ’ዚ ኪብልል ከቶ ኣይክእልን ኢዩ።
ኣብዚ ዘለናዮ፡ ምኽባር ሕጊ ዘስገድድ ዚለዓለ ዓለማዊ ስልጣን ዘይብሉ፡ ብሕንፍሽፍሽ ዚልለ ኣህጕራዊ ስርዓት’ዚ፡ ህላወን ረብሓታትን ሓንቲ ሃገር ብናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ምግባር ዓቕሚ ጥራይ ኪረጋገጽ ከም ዚኽእል ህሉው ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት ዓለምና ህያው ምስክር ኢዩ። ምዅስኳስ ፖለቲካዊ ምሕዝነትን ምምስራት ወተሃደራዊ ኪዳንን ጠቓሚ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል ይኸውን። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መወዳእታ ትንታነ፡ እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኢዩ ብመሰረቱ ቀጻሊ ህላወን ዘይህላወን ናይ ሓንቲ ሃገር ዚውስን።
ስለዚ፡ ኤርትራ ብቑዕ ዓቕሚ ርእሰ-ምክልኻል ብምህናጽ፡ ህዝባ ብምሕብሓብ፡ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ብምርግጋጽ ኢያ ቀጻሊ ህላወኣን ሃገራዊ ረብሓኣን ብዘተኣማምን ደረጃ ከተውሕስ እትኽእል።
ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካል። ግዝኣተ ሕጊ ብምስፋን መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ህዝቢ ምውሓስ፣ ሓድነት ህዝቢ ምድልዳል፤ ብዓመታዊ ባጀት ዚግለጽ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ዚሓቍፍ ተሓታትን ግሉጽን ርትዓዊ ኣተሓሕዛ መንግስታዊ ፋይናንስ ምትእትታው። ኣብ ኵሉ-መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳርን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ኣብ መዝነተ-ብቕዓት (meritocracy) ዚተመስረተ፣ ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽ፣ ህዝባዊ መሳለጥያታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘደንፍዕ፣ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዘዐቢ፡ ስሉጥ ኣቕርቦት መሰረታዊ ጠለባትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምርግጋጽ።
ሕጋዊ መቓን ብምውዳድ፡ ስሉጥ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ ብምህናጽ፡ ዘቤታውን ግዳማውን ወፍሪ ምትብባዕ። ብቑዕ ኣመሓዳድራ ዘለዎም ኣድማዕቲ መንግስታዊ ዋኒነ-ትካላት ምምስራት፤ ሓያል ሽርክነትን ኣድማዒ ምትሕብባርን መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት ዘሳልጥ ሃገራዊ ቍጠባ ምህናጽ።
ብጽላታት ‘ልዑል ስነኪነት’ ዚድረኽ ዘመናዊ ቍጠባ ንምምዕባል ዘድሊ ፍልጠትን ክእለታትን ዘፍሪ ብቑዕ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ተክኒካዊ ኣብያተ ትምህርትን ምህናጽን ምስፋሕን።
ዚባደመ ገጠራትና ንምሕዋይ፣ ብጃምላዊ ፍልሰት ንዚማሰነ ደሞግራፍያዊ ኣቀዋውማ ህዝብና ንምስሳን፣ ሃገራዊ ረብሓ ዘቐድም፡ ንቑሕን ስልጡንን መሪሕነት ዘለዎ፡ ብቅዋም ዚምራሕ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ብምትካል ልዑላዊ ህላወን ሃገራዊ ድሕነትን ምውሓስ።
ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ከም ዋልታ ልዑላዊ ህላወን ሃገራዊ ድሕነትን፡ ሞያዊ ትሕዝቶን ቅርጽን ምትሓዝ፤ ስርዓተ እዙን ቍጽጽሩን ምዝማን፤ ምስዚ እዋንና ዚኸይድ ዘመናዊ ኣጽዋርን ስነፍልጠት ቅዲ ኲናትን ምዕጣቕ።
ደጊመ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2025 እትምነ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!
