All updates

ማእኸል ስሕበት! - ቢንያም ተኽለ (ሽፍታ)

27/05/2022
[:swvar:text:838:]

ማእኸል ስሕበት!

ሃገር ኣላትኒ
ሃገር ኣላትኒ ወትሩ ልበይ ዝሰፈራ
ውቑብ ቒሔ ጽልሚ ትሽዓተ ዝሕብራ
ጉዑዞ 30 ዓመታት ሓሊፋ ብሰውራ
ብደም ደቓ ዝተገዝአት ሽማ ኤርትራ
ፈጣሪ ሂቡ ኣይከልኣን ብኹሉ ባሪኽዋ
ዕቑር ጸጋታት ኲምራ ማዕድናት ዓዲልዋ
ልዕሊን ንቅድምን ኩሉ ግን ወርቂ ህዝቢ ኣለዋ
ሃገረይ ሃገረ ብጹኣን  ኣድባር ዝኸበባ
ተቐበሊ ጋሻ ጭዋ ህዝቢ ልሳኑ መርሓባ
ታሪኽ ሕተቱ ታሪኽ መስጊድ ሳሕባ
ምስክር ሓድነት ህዝባ ውህደት ማይን ጸባ
መሬታን ጸጋታት ባሕራን ድንግል ዘይተሰግረ
ጋምግም ማያታ ጹሩይ ኣሎ ከይተበኸለ
ንደቀባት ምንጪ ዓይነታዊ መኽሰብ
ባጽዕን ዓሰብን ዓይኒ ኤርትራዊ ወደብ
ወናኒት ኣዱሊስን ዙላን ጥንታዊ ወደባት
ኬድኹም ብጽሕዎ ኣለኹም ኩምራ ታሪኻት
ሃብታም`ያ ብቕርሲ ካብ ጥንቲ ጥቕምቲ
እጹብ ድንቒ ሃገረይ ሃገረ ምድረ ፑንቲ
እዚ`ዩ ምስለን መሰረታ ብዓንተቦ ሃገረይ
ፍሉይ መለለይ ሕላገት ሕብሪ ዓይነይ
ዘዝተወልደ ብኹርዓት ብሽማ ዝዝምር
ዓደይ ዓዲ ጀጋኑ ኮታ ሰራሕቲ መስተንኽር
ቓል ድማ ይኣትወላ ክሓልፍ ክስየፍ በጅኣ
ጸወታን ዋዛን ዝብሃል ስለዘይፈልጥ ብእኣ
የሕሊፉ ዘይህብ ፍጹም ባህሉን ክብርታቱን
ዝምኻሕ ብጅግንነትን ቕያን ኩሎም ኣርኻናቱ
ኣጽኒዑ ምስ ሓዘ ዘይፍኑ ወራሲ ትውፊታቱ
ልዕሊ ሓበን ሕቡን`ዩ ህዝባ ብኤርትራውነቱ።

ቢንያም ተኽለ ሽፍታ
ዘ - ገዛ - ኸንሻ
ሆላንድ