All updates

ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ንዅንን

19/09/2018

ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ንዅንን

እዞም ክታምና ኣብ ታሕቲ ኣንቢርና ዘሎና ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ነቲ ትማሊ 17 መስከረም 2018 ብኣባላት ጸጥታ ምልካዊ ስርዓት ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዚተፈጸመ ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣጥቢቕና ንዅንን። ምኽንያት መእሰሪኡ ንምልኪ፡ ክድዓት፡ ብልሽውናን ዓመጽን ናይቲ ስርዓት ዘቃልዕ ክልተ ቅጺ ዚሓዘ መጽሓፍ ስለዝደረሰን ስልጣን ብስሩዕ ሰላማዊ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንኪሰጋገር ስለ ዝጸውዐን ኢዩ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሓደ ማዕከናት ዜና ዝውንን፡ ነቲ ዚመሓላለፍ መልእኽቲ ዝቈጻጸር፡ ንሜላታቱን ተግባራቱን ዝነቅፍ ርእይቶታት ንዘቕርቡ ዜጋታት ብሃውሪ ዝኣስርን ኣብ ደረት-ኣልቦ ጽምው ማሕቡስ መቊሑ ዘሳቕን ስርዓት ዘለዋ ውሑዳት ሃገራት ዓለም ኢያ።

ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ድሮ መበል 17 ዝክረ-ዓመት ማእሰርቲ ናይቶም ገለ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ታሪኻዊ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግሓኤ/ህግደፍ)ን ዝለዓሉ ሚኒስተራት ናይቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝቘመ መሰጋገሪ መንግስትን ዝነበሩ ጕጅለ-11 ኢዩ ተፈጺሙ። ንሳቶም ከካብ ገዝኦም ኣብ ወጋሕታ ናይ 18 መስከረም 2001፡ ጸላም መስከረም ኤርትራ፡  ተኣርዮም ምስ ተወስዱ፡ ብድሕሪኡ ካብኦም ይዅን ብዛዕብኦም ዝተሰምዐ የለን። ንሳቶም ነቲ ዝሩግ ኣመሓዳድራ ጕዳያት ሃገርን ነቲ እናበኣሰ ዚኸይድ ተገላባጥን ምልካውን መሪሕነትን ኣቶ ኢሳያስ ስለዝነቐፉን፡ ነቲ ጸገም ብምእላይ ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ህግደፍ ንክግበር ስለዝሓተቱን፡ ኢዮም ተኣሲሮም።

ዕላምኦም ንምውቃዕ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ንምርግጋጽ ስልጣን ኰነ ዕማማት ግንባርን መንግስትን ብንጹር ክፈላለ፣ ኣብ ዝውሰድ ሜላን ውሳኔታትን ኣድማዒ ተሳትፎ ማእከላይ ባይቶን ካቢነ ሚኒስተራትን ክህሉ፣ ገምጋም ናይቲ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነት ክግበር፣ ብዛዕባ ኣድላዪነት ኰነ ኣከያይዳ ዶባዊ ኲናትን መስርሕ ሰላምን ምስ ኢትዮጵያ ገምጋም ክግበር፣ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ክትግበር፣ እቲ እዋኑ ድሮ ሓሊፉዎ ዝነበረ ራብዓይ ጕባኤ ህግደፍ ክካየድ ጸዊዖም። ብሓጺሩ፡ እቲ ጠለባት ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ ንምድምዳምን ግዝኣተ ሕጊ ዘተግብር፡ ደሞክራስያዊ መትከላት ዝኽተል፡ ሲቪላዊ ናጽነታትን ሰብኣዊ መሰላትን ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካልን ዝዓለመ ነበረ።  

ንሃውራዊ ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ እናዀነንና፡ ኵሎም ፖለቲካዊ እሱራት፡ እንተላይ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ኵሎም ናይ ሕልና እሱራት፣ ኵሎም እሱራት ጋዜጠኛታት፣ ኵሎም ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ተራ ዜጋታት ብቕጽበትን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ክፍትሑ ንጽውዕ። ኵሉ በዓል ሰናይ ድሌት ኣብዚ ብጹእ ጻውዒት’ዚ ክሕወሰናን ነቲ ብህዝቢ ተመሪጹ ንህዝቢ ዘገልግል ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ምትካል ዝዕላምኡ ሕጋዊ ጠለብ ክድግፍን ምሕጽንታ ነቕርብ። ኣብ ልዕልዚ፡ ንዅሎም ናይ ብረታዊ ቃልሲ ብጾትናን መሳርሕትናን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ነቲ ምልኪ ንምእላይ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ንምምላስ፡ ነቲ ናይ ዘመናት ሃረርታ ህዝብና ንናጽነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ክዉን ንምግባር ዚሰላሰል ጻዕሪ ብምድጋፍ ንኪለዓል ንጽውዕ።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ

ኣቶ መስፍን ሓጎስ

ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ

ኣቶ መሑየዲን ኣቡበከር ሸንገብ