All updates

መግለጺ ደገፍ ንሚኒስተር ፋይናንስ-ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ

14/09/2018
መግለጺ ደገፍ ንሚኒስተር ፋይናንስ-ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ
ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ

እዞም ክታምና ኣብ ታሕቲ ኣንቢርና ዘሎና ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ነቲ ብመሳርሕትና ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ፡ ሚኒስተር-ነበር ፋይናንስ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ተወሲዱ ዘሎ ኣዝዩ ተባዕ ተግባር ዘሎና ጽኑዕ ደገፍ ክንገልጽ ንደሊ።

ኣብ‘ዚ ቐረባ እዋን፡ አቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መልእኽቱ፡ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ “ብሰላማውን ሕጋውን ዚዀነ ስልጡን ኤርትራዊ ኣገባብ” ስልጣኑ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ዘረክበሉ መስርሕ ኣሚሙ ኣሎ። ነዚ ናይ ምልኪ ንግስነት ኣብቂዑ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ተረኪቡ፡ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ መንግስቲ ንኽትከል ዝቐረበ ጻውዒት ድማ ኣጥቢቕና ንድግፍ።

ኣብ‘ዚ ንመበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ዝኾነ “ባሕቲ መስከረም” እንዝክረሉ ዘሎና እዋን፡ ሕድርታትና ኣሐዲስና ነቶም ካብ ነዊሕ እዋን ሓርነትና ንምርግጋጽ ምኽንያት ኮይኖም ንኽንቃለስ ዝደረኹና ክልተ ውድዓውያን መትከላት፡ ሓላፍነት ወሲድና ዳግማይ ንኽንቃለስ ንድረኽ ኣሎና። እቲ ቀዳማይ፡ ኣዝዩ ገዚፍ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናዮ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ናጻ ምግባር ዩ ነይሩ።

እቲ ካልኣይን ገና ዘይተወድአን ከነሰላስሎ ዘሎና ዕማም ድማ፡ ብህዝቢ ተመሪጹ ንህዝቢ ዘገልግል ህዝባዊ ስልጣን ንምምስራት‘ዩ።  ነዚ ካልኣይ ሸቶ ክንወቅዕ ብዘይምብቃዕና፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዘይተጸበዮ ዓርሞሸሻዊ ስቅያት ተቘሪኑ ይርከብ። ኣቶ ብርሃነ “ዝሓለፉ 17 ዓመታት፡ ኣብ ውሽጢ ይዅን ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ኵሉ፡ ብሰንኪ‘ዚ ደሃኺ ዚዀነ ምልካዊ ስርዓተ ኢሳያስ፡ ህይወት ኤርትራውያን ኣብ ስቅያትን ውርደትን መከራን ተሳጢሑ ምህላዉ” ብብሩህ ኣቐሚጡዎ አሎ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ክታምና ኣንቢርና ዘሎና ገዳይም ተቓለስቲ እምበኣር፡ ነቲ ቅድሚ 57 ዓመት ዝጀመርናዮ መብጽዓ ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ዝግብኣና ምዃኑ ብቐረባ እንፈልጦን ክንሰርሓሉ ዘሎና ምዃኑን ተገንዚብናዮ ኣሎና። ስለ‘ዚ፡ ነዚ ንኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪድካ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ብዘይ ዚዀነ ጥርጥር ኢና እንድግፎ። ካብ‘ዚ ሓሊፉ‘ውን ንዅሎም ናይ ብረታዊ ቃልሲ ብጾትናን መሳርሕትናን ኵሉም ኤርትራውያንን ንጻውዒት ብርሃነ ኣብርሀ ተቐቢሎም ክትንስኡን ክድግፍዎን ንጽውዕ።

ንብርሃነ ኣብርሀ ምድጋፍ ማለት፡ ናይ‘ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዕሸል ዕድሚኡ ኣወፍዩ ናብ‘ቲ ዝደልዮ ሸቶ ንክንበጽሕ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ ብሉጽ መርኣያን ኣብ ልዕሊ ሰማእታትና ዘለዎ ረዚን ክብረትን ዘመልክት‘ዩ።

ንብርሃነ ኣብርሀ ምድጋፍ ንህዝባዊ ቃልስን ንልዕልነት ደሞክራስን ምድጋፍ‘ዩ።

ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ካብ ስልጣን ምልጋስ፡ መፈለምታ ናይ‘ቲ ጭፍለቓ ንምብቃዕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ክንጽበዮ ዝጸናሕና ውሕሉል ኣገባብ‘ዩ።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ

ኣቶ መስፍን ሓጎስ

ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ

ኣቶ መሑየዲን ኣቡበከር ሸንገብ

13 መስከረም 2018