All updates

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መሻርኽቱ፣ ንዜጋታቱ ህጽጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ክገብር፣ ፍልይቲ ጸብጻቢት ሰብኣዊ መሰላት ተማሕጺና

05/07/2020

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምዃን፣ ብስእነት መግቢ ንዝተጠቕዑ ዜጋታቱ ህጹጽ ሓገዝ ክገብር፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻባ ዘቕረበት፣ ዳኒኤላ ክራፍትዝ ተማሕጺና።

ንሳ፣ ኣብ መበል 44 ስሩዕ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብ30 ሰነ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ዶባት ስለዝተዓጽወ፣ ብፍላይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዋሰንን ህዝቢ ኤርትራ፣ ናይ መግቢ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምትኳር ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጢ ከምዘየለ ብምንጻር፣ ንምምሕያሹ ክውሰዱ ዘለዎም ሰለስተ ግብራውያን ስጉምታት ዘርዚራ።

እቲ ቀዳማይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመን፣ ብፖለቲካ ይኹን ሃይማኖት ኣሳቢቡ፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ንዓመታት ዝኣሰሮም ዜጋታቱ ከምዘለዉን ክእመን ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

እቲ ካልኣይ፣ ትርጉም ዘለዎን ነባርን ምዕባለ ንምውሓስ፣ መንእሰያት ናብ ስደት ዘንፍጽ ዘሎ ኣካይዳ ክቕየርን፣ ኣብ መንእሰያት ወፍሪ ክግበርን ይጠልብ።

እቲ ሳልሳይ ድማ፣ መሰል ዜጋታት ይኽበር ምህላዉ ዝከታተላ በርጌሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤርትራ ክነጥፋ ክፈቕድን ዝብል ነጥቢ’ዩ።

(Original Source: Radio Erena)