All updates

መበል 29 ዓመት ዝኽሪ፡ ቅያ ስርሒት ፈንቅል

11/02/2019

መበል 29 ዓመት ዝኽሪ፡ ቅያ ስርሒት ፈንቅል፡

ኣብ ትሕቲ ረዚን እዋናዊ ሃገራዊ ዜጋዊ ሓላፍነት።

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ዓባይ ብሪጣንያ)

ጽባሕ 10 ለካቲት 2019፡ መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል ኢዩ። ንዝኽሪ ፈንቅል፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነትት ኢና ነብዕላ ዘሎና ዝብል ሕቶ ግን ኩልና ኤርትራውያን ከነስተብህለሉ ዝግባእ ኩነታት ኣሎ። ገና ልዑላዊ መረትና ብሕጊ ተበይኑልና ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ኣብዘይተገብረሉን ዘይተሓንጸጸሉን እዋን፡ ብድሕሪኡ ክምዕብል ዝነበሮ ጉዳያት ጉያ ጉያ ክበሃል ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሃገራዊ መድርኽ፡ ደጋሲ ሕልሚ ምስፍሕፋሕ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ጀነራላቶም-ነበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ እናወጽኡ፡ ከይሓፈሩ፡ "ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ክትቆጻጸሮ ኣለዋ!" እናበሉ ክጭድሩ ንሰምዓሉ ዘሎና እዋን ኢዩ። እቲ መንግስቶም እውን ደስ ዝበሎ ክመስል፡ ዓገብ ክብል ኣይተሰምዐን። እቲ መሪሕነት ናይታ ናይ ምጉባጥ ሕልሚ ዝስንዘረላ ዘሎ ሃገርና ኤርትራ እውን፡ ብተማሳሳሊ፡ ድምጾም ኣይተሰምዐን። "እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ!" ኢዩ ነገሩ። ናይ "ተደምረናል" ማለት "ተደሚርና ኢና" መዝሙር ኣብ ሕመረት ጽርግያታት ከተማና ኣስመራ ከይተረፈ ኣብ እዋን ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ሰሚዕናዮን ርኢናዮን። ኮነ ኢልካ ተቓናቢሩ ዝተወደበ ኢዩ ዝመስል። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሃገራዊ ባይቶኡ ኣቢሉ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ናይ 1997፡ ውልቀ-መላኺ ኤርትራ፡ "ከይተበገሰ ሞይቱ ኢዩ" ክብል ኣባጭዩሉ ኢዩ። ካልእ ቅዋም ክነድፍ ኢየ እውን ኢሉና ቅድሚ 3-4 ዓመታት። ሕጂ ድማ ነዴኺ ማይ ውረድላ ኮይኑ ጉዳይ ቅዋም። ኣብዚ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ባይቶን እትጎዓዘሎ ዘላ ናይ ልዕሊ ርብዒ-ዘመን መዋእል፡ ሕጂ ብስም "ሰላም"፡ ናብ ማእዝኑ ዘይፍለጥን ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትና ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእልን ኣተሓሕዛ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ብዓቢ ሕምባበ ክኸይድ ንርኢ ኣሎና። እቲ ረዚን ዋጋ ከፊሉ ናጽነቱን ልዑላውነቱን ዘረጋገጸ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩነታቱ ኣርሚሙዎ፡ ነዚ ሓደገኛ ኩነታት ደው ንምባልን ዋና ጉዳዩ ንምዃንን፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገን ክዛተን ኢሂን ምሂን ክበሃሃልን፡ ካብ ዝሓለፈ እዋን ዝያዳ ኣብዚ እዋንዚ ክነጥፍ ይርአ ኣሎ። ጽምብል ቅያ ስርሒት ፈንቅል እምበኣር፡ ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ፡ ንኹሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዋጋ-ኣልቦ ዝገብር ፈተነታት፡ ሎሚ'ውን ከም ትማሊ፡ በቲ ዝሓበረ ቅልጽሙ በዲሁ ክወጽእ ከምዘለዎ እተዘኻኽረና ዕለት ኢያ።

ከምቲ ብሓበን እንዝክሮ፡ ኣብዛ ዕለት'ዚኣ፡ ወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ (ባጽዕ)ን መላእ ከባቢኣን ካብ መግዛእቲ ሓራ ኮይና። እዚ ብስርሒት ፈንቅል ዝተሰምየ ስርሒት'ዚ፡ ውሕሉልን ደቂቕን መጽናዕቲ ተገይሩሉ፡ ምዑት ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ድማ ንክትኣምኖ ዘጸግም ቅያ ጅግንነት ዝፈጸመሉን ስርሒት ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ስርሒት'ዚ፡ እቲ ስርዓት ደርግ ዝምካሓሉ ዝነበረ ናይ ኣጋር፡ መካናይዝድን ናይ ሓይሊ-ባሕሪን ሰራዊቱ፡ ፍጹም ተሓምሺሹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት መግዛእቲ ድማ ተማሪኾም። እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሃነጾን ዝዓለሞን ከምኡ'ውን ዝምካሓኣሉን ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ፡ ፍጹም ተሳዒሩ። እዚ ስርሒት'ዚ፡ ግብኣተ-መሬት መግዛእታዊ ስርዓት ቀረባ ምዃኑ ዘግሃደ፡ ፍናን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣዝዮ ዘበረኸን ዓወት ኢዩ ነይሩ። ሓይሊ መግዛእቲ ሞራሉን ፍናኑን ባይታ ዘቢጡ፡ ዕረ እናጠዓሞ፡ ስዕረቱ ክእመን ተገዲዱ። ህዝባዊ ሰራዊት (ተጋዳላይ) ግን መረሸ ደኣ። እታ ኣብ ባጽዕ ዝተበሰረት ጽምብል፡ ኣብ ዓመታ፡ ኩሉ ዝተኸፍለ ጅግንነትን መስዋእቲን በሊዓ ሽግ ናጽነት ኣዕቲራትና ኢያ።

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላዩን፡ ነዚ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ እናጨደረ ክውፈየሉ ኸሎ፡ ኣብ ሕልሙ ሓንቲ ተስፋ ስለዝነበረቶ ኢያ። ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር። ድሕሪ ናጽነትና ድሮ 28 ዓመታት ሓሊፈን። ኩሉ መብጽዓ ናይ ሰማእታት ተጠሊሙ፡ ቅዋምና ተቐቢሩ፡ ሃገርና ብስርዓተ ምልኪን ራዕዲን ትግዛእ ኣላ። ባዕዳዊ ገዛኢ ደኣ ሰጒግና'ምበር፡ መግዛእቲ ወዲ-ዓዲ ኢዩ ተተኪኡና። ኤርትራዊ፡ ከም ሕሱም ካብ ሃገሩ ነፊጹ። ዳርጋ ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ኣሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ናህሪ ስደት ኤርትራውያን፡ ከም ዘይነጽፍ ውሕጅ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። እቲ ዝኽፍአ ድማ፡ ኣብ ሃገረ ስደት ክሳብ እትበጽሕ ዘጋጥም ዘሎ መዓልታዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኢዩ። እዚ መቕዘፍቲ'ዚ፡ ዶብ ሃገርካ ክትሰግር ከሎኻ፡ ብጥይት ኣሕዋትካ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃገረ ስደት ትኣቱ ይስዕበካ። ደቅናን ኣዋልድናን ብራሻይዳን በደዊንን ተደፊረን፡ ህዝብና ሓሲሩ! ኩሉ ሓሳረ-መከራ ዘይንቡር ክንሱ ህዝብና ክለምዶ ተገዲዱ። እወ፡ እቲ ንቡር ዝበሃል ህይወት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘዳናግሮ ኾይኑ። ኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ሓርበኛታትና ብሞራኩስን ብዓረብያን ከይተረፈ፡ ካብ ሃገር ነፊጾም ንስደት ኣምሪሖም፡ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ከርፋሕ ህይወትን ጭንቀትን ክነብሩ ተገዲዶም።

ደቂ ስዉኣት ጀጋኑ ከይተረፉ ግዳያት ስደት ክኾኑ ምርኣይ ድማ ማዕረ ክንደይ ጥልመት ከምዘጋጠመ መርኣያ ኢዩ። ኤርትራ ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ እቶም ብጅግንነት ዝተጋደሉ ደቃ፡ ብዘይ ሓደ ፍትሒ፡ ንልዕሊ ንልዕሊ 16 ዓመታት፡ አረ ንልዕሊ 27 ዓመታት፡ ኣብ ማሕዩር ዝበልዩላ ዘለዉ ሃገር ኢያ። እቶም ነዚ ሎሚ ንዝክሮን ንጽምብሎን ዘሎና ቅያ ስርሒት ፈንቅል፡ ብውሕልነትን ጽፈት ብዝመልኦን ወተሃደራዊን ስለያዊን መጽናዕቲን፡ ዕዉት ንክኸውን ልዑል ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም ጀጋኑ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ውዑይን ውዕዉዕ ስርሒትን ምስ ካሜራታቶም ኣብ ማእከል ዓውደ ውግእ ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ጋዜጠኛታትን፡ ኣበይ ኣለዉ? ብዘይ ፍትሒ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒላዒሮን ካልእን ዘይፍሉጥ ኣብያተ-ማእሰርቲን ይበልዩ ኣለዉ። ሃለዋቶም እውን ኣይፍለጥን።

እምበኣር፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ክቡር ዕለት ስርሒት-ፈንቅል፡ ነቶም ኣብዚ ሓያል ጥምጥም ብጅግንነት ብመስዋእቲ ዝሓለፉን ዝሰንከሉን ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን፡ ብሓበን እናዘከርና፡ መብጽዓኦም ንምትግባር፡ ሓላፍነትና መሊስና እነሐድሰላን እነሓይለላን መዓልቲ ክትከውን ይግባእ። ከመይሲ፡ ነፍሲወከፍ ትርብዒት ሜትሮ መሬት ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝተዓደገን ዘውሓስናዮን ስለዝኾነ። ነዚ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተረኽብናዮ ናጽነት፡ ብጉጅለ ምልኪ እናዓነወ ከሎ፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ሱቕ ክንብል ገበን ኢዩ። ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎኩም።

ንኹሎም'ቶም ብዘይ ሓደ ፍትሒ ተሓይሮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትና ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክቐውምን፡ ኩልና ብዓውታ ከነድምጽን ብሓድነት ክንሰርሕን ኣሎና።

መበል 29 ዓመት ዝኽሪ፡ ቅያ ስርሒት ፈንቅል፡ እምበኣር፡ ኣብ ትሕቲ ረዚን እዋናዊ ሃገራዊ ዜጋዊ ሓላፍነት ኢና እንዝክራ ዘሎና'ሞ፡ ኩልና ሃገራዊያን ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ዘየላቡ ኩነታት፡ አእጃምና ንምብርካት ሓቢርና ክንሰርሕ ብህጹጽ ንሕተት ኢና ዘሎና።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ከም ትማሊ ንናጽነት፡ ሎሚ'ውን ንሓርነት፡ መዓንጣና ሸጥ!

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን) 09/02/2019