All updates

መርኣያታት ፍሽለት፦ ውርሻ ግዝኣት ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ

25/07/2025
[:swvar:text:838:]

 

25 ሓምለ 2025 

መርኣያታት ፍሽለት፦ ውርሻ ግዝኣት ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ
ርእይቶ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ 

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይታ ቃልሰይ ምእንቲ ኤርትራን ኣፍሪቃን፦ ዝርርብ ምስ ሚሸል ኮሎን፡ እትብል ሓዳስ መጽሓፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ርእይቶ ብምቕራብ፣ ሓያሎ ጕድኣተኛ ፍሽለታት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ወይ ውጽኢታት ናይቶም ንቍጠባ ኤርትራ ንድሕሪት ዚጐተቱ፣ ንኣካላዊ፡ ማሕበራውን ትካላውን ትሕተቅርጺ ኤርትራ ዘዕነዉ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ናይ ክቱር ድኽነት ዚሸመሙ፣ ደሞግራፍያዊ ምንቍልቋል ህዝቢ ኤርትራ ዘስዓቡ ሓድሓደ ሓሳዳት ፖሊሲታትን ተግባራትን ኢሳያስ ኣፍወርቂ ጠቒሰ ነይረ። ነታ እኩብ ቃለመጠይቓት ኢሳያስ ምስ ሚሸል ኮሎንን ደምዳሚ ክፋል ብመሓመድ ሓሰንን ዚሓቘፈት መጽሓፍ ድሕሪ ምንባብ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ርእይቶይ ነቶም ዝርዝር ፍሽለታት ከነጽሮምን ከስፍሖምን እየ። 

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብርግጽ ኣብቲ ዚተኻየደ ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ምእንቲ ኤርትራ ተቓሊሱን፡ ዓበይቲ ዘይተመዛዘንቲ ተጻብኦታት ብምብዳህ፡ ንህግሓኤ ናብ ድሙቕ ዓወት መሪሑን። ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወድዓዊ ክዉንነት፡ ብፍላይ ድማ እቲ ካብ 2000 ኣትሒዙ ዚተኸስተ ኰነ እቲ ሎሚ ሰፊኑ ዘሎ ጽልሙት ሰብኣዊ ኵነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቐዳምነት ብዋጋ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ስልጣኑ ንምዕቃብን ነብሱ ንምትዕብባይን ከም ዚተቓለሰ የረድእ። እቲ ዅሉ ናይ ፍሽለት ውርሻ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክንዮ’ቲ ግዝኣቱ ንምዕቃብ ዘስገድዶ ጨካን ምልክን ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ ኰነ ጸጥታዊ ቍጽጽርን ዚኸይድ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ይዅን ንሃገረ ኤርትራ ዚጠቅም ራእይ ኰነ ልምዓታዊ ፕሮጀክት ከም ዘይብሉ የመልክት።

ድሕሪ ናጽነት፡ እቶም ንኣፍሪቃ ዘበርከቶም “ክቡራት ምህሮታት” ህልም ዚበሉ ኣሉታዊ ኢዮም። እቶም ኣዝዮም ጕሉሓት ፍሽለታት ቃልሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንኤርትራ ነዞም ዚስዕቡ ይሓቍፍ፦

ምፍንጣሕ ኤርትራዊ መንግስቲ። ሃገራዊ ምርጫታት ኣጊዱ፤ ቅዋም ኤርትራ ኣወንዚፉ፤ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣፍሪሱ፤ ፍርዳዊ ኣካል ኣማህሚኑ፤ ካቢነ ሚኒስተራትን ርእሰ-ምምሕዳራዊ መንግስታዊ ትካላትን ኣልሚሱ፤ ነባራት ትካላት ኣፍሪሱ፣ ህንጸት ሓደስቲ ትካላት ኰሊፉ፤ መንግስታዊ ስልጣን ገቢቱ፡ ንኤርትራ ናብ ምርኢት ናይ ሓንቲ ንቡር መንግስታዊ መዋቕር ዘይብላ፡ ሓደ ገባርን ሓዳግን መላኺ ዘሽካዕልለላ ሃገር ኣውሪዱዋ!  

ምስያፍ ርእሲ ህግሓኤ/ህግደፍ። ማእከላይ ቤት ምኽርን ፈጻሚ ኣካልን ናይቲ ግንባር ኣደስኪሉ፣ ዓሰርተታት ናይቶም ኣዝዮም ጕሉሓት መራሕቲ ኰነ ላዕለዎትን ማእከሎትን ካድራት ናይቲ ግንባር ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ መቊሑ፣ ብዘይ ፍርድን ክስን፡ ኣብ ደረትኣልቦ ቀይዲ ኪማስኑ ኰኒኑ፣ ንብዙሓት ኣደስኪሉ ወይ ንኪስደዱ ኣገዲዱ። 

ዝርገት ዳግመ-ህንጸትን ልምዓታዊ ፕሮግራምን ቍጠባ ኤርትራ። ነቲ ንኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ናብ ሓደ ደረጃ መነባብሮን ዓይነት ህይወትን ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓይሽ “ዘመናዊ፡ ብተክኖሎጂ ዚማዕበለ፡ ብኣህጕራዊ ደረጃ ዚወዳደር ቍጠባ” ከም ዚህሉዋ ንምግባር ዚተዋደደ ማክሮቍጠባዊ ሜላዊ መቓን ሰንዲዉ፣ ሓደ ዘቤታዊ ይዅን ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ ዚዓግት፡ ቀጻሊ ቍጠባዊ ምንቍልቋል፡ ጃምላዊ ሽቕለተልቦነትን ክቱር ድኽነትን ዘስዓበ፡ ዕጹው ብልሽታዊ ናይ ኩፖን ቍጠባ ኣስገዲዱ። 

ስነ-ህዝባዊ (ደሞግራፍያዊ) ምንካይ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ። ጨካን መድቈስቲ ምስቲ ዕጽዋ ናይቲ ቍጠባ ኰነ እቲ ናይ 18 ኣዋርሕ ሕጋዊ ደረቱ ዚጠሓሰ፡ ብመሰረቱ ግቡእ ደሞዝ ዘይክፈለሉ ደረትኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወለዶታት ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት፡ ዋኒንተኛታትን ሞያውያንን ናብ ዘይምዱብ ስደት ንኪውሕዙ ደሪኹ፤ ነታ ኑክለሳዊት ስድራቤት ዘሪጉ፣ ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ዓንቂጹን ዓቢ ደሞግራፍያዊ ምንቍልቋል ኣስዒቡን።

ክቱር ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ፈጢሩ። እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዚጸንሐ ቀጻሊ እገዳ ምህናጽ፡ ምሕዳስ ኰነ ምጽጋን መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን፡ ኣዋጣሪ ሕጽረት ኣባይቲ ፈጢሩ፡ ዋጋን ክራይን መንበሪ ኣባይቲ ሰማይ ሰቒሉ፣ ምስሊ ከተማታት ኤርትራ ደዊኑን ህንጻታተን ኣዕኒዩን። 

ሕርመት መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባትን ኣድለይቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብሰሪ ጕድለትን እርጋንን ናይ ኣካላዊ፡ ማሕበራውን ትካላውን ትሕተቅርጺ። እቲ ዓቢ ኣብዝሓ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብክቱር ስእነት ብቑዕ መዕቈቢ፡ ክንክን ጥዕና፡ ዚስተ ማይ፡ ኤለክትሪሲቲ፡ መብራህቲ፡ ቀረብ ጸዓት፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ኣብ ምስቓይ ይርከብ። 

ዕጽዋ ናይታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኰነ ምምስራት ናይተን ኣህጕራዊ ኣካደምያዊ ተፈላጥነት ኰነ ቍመና ዘይብለን ሓውሲ-ውትህድርናዊ ኮለጃትን ተክኒካዊ ኣብያተ ትምህርትን፣ ደረጃን ዓይነትን ትምህርቲ ኣንቈልቊሉ፡ ክብሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣሕሲሩ፡ ነቲ ንፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ናይታ ሃገር ኣድላዪ ዚዀነ ህንጸት ክኢላ ሰብኣዊ ርእሰማል ኣዳኺሙ። ብርግጽ፡ እቲ ዚተስገደደ ጃምላዊ ፍልሰት ምምሳን ሓንጐላዊ ዓቕምን ምጽንቃቕ ጕልበታዊ ሓይሊ ዕዮን ሃገር ኣስዒቡ። 

ፍሽለት ምጥቃም ጸጋታት፡ ባህርያዊ ሃብትን ሰብኣዊ ጕልበትን ኤርትራ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን። ማለት፡ ነቲ ኣዝዩ ዓቢ ዕቑር ልምዓታዊ ዓቕሚ ናይታ ሃገር ክዉን ብምግባር፡ ኣብ መዓላ ሰብኣዊ ኵነት ህዝቢ ኤርትራ ምምሕያሽ ዘይምውዓል። ግዱድ ጃምላዊ ፍልሰት ኣእምሮኣውን ጕልበታውን ዓቕሚ ሃገር የማስን፡ ዓያዪ ሓይሊሰብ ይጽንቅቕ። እተን ብደረጃ ዓለም ማእከላት ዓለምለኻዊ ልውውጥን ዞባዊ ንግድን ንምዃን ዕቑር ተኽእሎ ዘለወን ስትራተጅያዊ ወደባት ኤርትራ ከይማዕበላ ባኺነን ተሪፈን። 

ድረታ ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት፡ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ናጻ ተንቀሳቐስነት ይዓግት፣ ዘቤታዊ ንግዲ ይዕንቅፍ፣ ዘቤታውን ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ ይገትእ፣ ምፍልፋል እቶትን ምፍጣር ሃብትን ይኸልእ። እቲ፡ ከምቲ ንቡር፡ ንሚኒትሪ ፋይናንስ ኰነ ንባንክ ኤርትራ ጸብጻብ ኪቐርበሉን ብዝርዝር ኪፍለጥን ዚግባእ፣ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዚቍጸር ዓመታዊ ኣታዊታት ናይቲ ዓቢ መኽሰብ ዘለዎ ጽላት ዕደና፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ ኤርትራ ትሕጃ ወጻኢ ሸርፊ ኰነ ዕቑር ትሕጃ ወርቂ ኣብ ምዕባይ፣ ኣካላዊ፡ ማሕበራውን ትካላውን ትሕተቅርጺ ኣብ ምህናጽ፣ ጸጋታት ህይወትን ደረጃ መነባብሮን ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽ ዚውዕል፣ ኣበይ ከም ዚኣቱ ኣይፍለጥን።

ብዛዕባ’ቲ ዚበሃል ቃልሲ ኢሳያስ ምእንቲ ኣፍሪቃ፡ እቲ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን (ውሓኣ) መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብቲ ኣብ 1993 ኣብ ካይሮ ዚተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ከም ዚገሰጸ ይዝከር። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ፕረዚደንት ሞቡቱ፡ “ቍሩብ ግዜ ንሃቦ፡ ጽንሕ ኢሉ ከማና ኪኸውን ኢዩ” ኪብል ከም ዚመለሰ ይንገር። ብሓቂ ድማ፡ ኢሳያስ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንገዛእ ርእሱ፡ ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዚኸፍአ ታሪኽ ናይ መድቈስትን ፍሽለትን ዘመዝገቡ፡ ኣዝዮም ዚጨከኑ ውልቀመለኽቲ ናይ ኣፍሪቃ ተቐይሩ። 

ሓደ ንናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ብዘየናሕሲ ኣገባብ ዚጭቍን፡ ዚደቍስ፡ ዘድኪ ኰነ ንገዛእ ሃገሩ ንድሕሪት ዚጐትት ኣረሜናዊ ውልቀመላኺ፣ ምእንቲ ኣፍሪቃ ኪቃለስ ትጽቢት ኪንበረሉ ፍጹም ኣይከኣልን። ክንየው ኣፍሪቃ፡ እቲ ናይ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ውልቀምልካዊ ኣገዛዝእኡ ኣብ ኤርትራ፣ ኣዝዩ ዚሓመቐ ክዉንነት ናይ ደልሃመታዊ ፍሽለት፡ ጽልሙት ውርሻ ናይ ምንቍልቋል፡ መድቈስትን ሕሱም ድኽነትን ብግብሪ ኣረጋጊጹ። 

ነቲ ጸረ-ሃጸይነታዊ ምስክርነት ወይ መርኣያ ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዚምልከት፡ ክልተ ኣረዳእቲ ኣብነታት ምጥቃስ ይኣክል። ቀዳማይ፡ ኢሳያስ ኣብ ሓደ እዋን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ንወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ሓደ ኣረጋጋኢ ህላወ ኣብቲ ዞባ ኢዩ ኪብል ብምምጓስ፡ ፈረንሳ ኣብቲ ዘላቶ ዓስኪራ ኪትጸንሕ ኣማሕጺኑ። ካልኣይ፡ ኢሳያስ ሓደ ካብቶም ነቲ ዘይሕጋውን ጕድኣታውን ወራር ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ብቕሉዕ ዚደገፉ ክልተ ጥራይ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባሩን፤ ኣመሪካ ኣብቲ ኣንጻር ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እተካይዶ ኲናታት እትጥቀመሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ኰነ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኪትምስርት ተደጋጋሚ ልመና ምቕራቡን። 

ብዛዕባ ትሕዝቶ’ቲ መጽሓፉ ኸ፧ ካብቲ ብቐጻሊ ብስም ቃለመጠይቕ ዘቕርቦ ወቕታዊ ውልቀ-ዘረባታት፣ እንተላይ እቲ ለንቅነ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዘካየዶ መብዛሕትኡ ዓጀውጀዋዊ ክልተ-ክፋል ውልቀ-ዘረባ፣ ብዙሕ ዚፍለ ሓድሽ ትሕዝቶ ስለዘይብሉ፣ ርእይቶይ ኣብ ክልተ ካብተን ተደጋገምቲ ቴማታት፡ ማለት፡ (1) ኣብታ ናይ “ስደት ኲናት”፡ (2) ኣብታ ናይ “ማዕከናት ዜና ስነኲናት” ዚተባህላ ከም ኣዝየን ኣረዳእቲ ኣብነታት ናይ ሕላገት መሪሕነቱ ወሲደ ኣብ ምግምጋም ክድርት እየ። ብሓፈሽኡ፡ ኣብቲ ምስ ሚሸል ኮሎን ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ኢሳያስ ሓላፍነት ሳዕቤናት ናይቶም ዚኽተሎም ሜላታትን (ፖሊሲታት) ዚወስዶም ስጕምትታትን ኪወስድ ድሌት ይዅን ክእለት ከም ዘይብሉ፣ ነቶም ሳዕቤናት ግዳማዊ ምኽንያታት ኪፈጥረሎም ህልኸኛ ፈተነታት ኪገብር ኰነ ኪኽሕድ ከም ዚሕልን የመልክት። 

ብዛዕባ’ቲ ዚተባህለ ናይ ስደት ኲናት ዚምልከት፡ ኢሳያስ CIA ንመንእሰያት ኤርትራ ናብቶም ሰኪዐታት ናይቶም ብስደተኛታት ዚነግዱ ማፍያታት ንምስዳዕ ማሕበራዊ መርበባት ብምጥቃም ከም ዚሰርሕ ይኸስስ። ብዛዕባ’ቲ ናይ ማዕከናት ዜና ስነኲናት ዚምልከት፡ ኢሳያስ፡ ንረብሓታት ናይ ምዕራባውያን ሕብረ-ሃገራውያን ብጥንቃቐ እናኸወሉ፡ ኵሉ ዓይነታት ጽውጽዋያትን ትምዩን ዜናታትን ብምጥቃም ንመንግስቱ ንምስይጣን ከም ዚሰርሑ ይኸስስ። 

ዘይምዱብ ስደት ብሓፈሽኡ ብደፋእትን ሰሓብትን ረቛሒታት ኢዩ ዚድረኽ። እቲ መንእሰያት፡ ሞያውያንን ዋኒንተኛታትን ኤርትራ ናብ ጃምላዊ ስደት ዚድርኽ ቀንዲ ረቛሒ እቲ CIA ናብ ሰኪዐታት ናይቶም ማፍያታት ነጋዶ ስደተኛታት ንምስዳዕ ዚጥቀመሉ ዚበሃል ማሕበራዊ መርበባት ዘይኰነስ፣ እቲ ናይቲ ብኢሳያስ ብፍላጥ ዚውሰድ ፖሊሲታትን ተግባራትን ኢዩ። እቲ ንኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ብጃምላ ንኪሃድሙ ዚድርኽ መሰረታዊ ደፋኢ ረቛሒ፡ እቲ ዝንቕ ናይቲ ብዘይ ግቡእ ጻማ ዚሰላሰል፡ ሕጋዊ ገደቡ ዚጠሓሰ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መሪር መድቈስቲ፡ ዕጹው ቍጠባ፡ ክቱር ድኽነት፡ ስእነት ዚጠቅም ሽቕለት፡ ሕጽረት መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባት ኰነ ከም መዕቈቢ፡ ክንክን ጥዕና፡ ማይ፡ አለክትሪሲቲ፡ ጸዓት፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት ዚኣመሰሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኢዩ።     

ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ከም መተንፍሶ ነቲ ጃምላዊ ሽቕለተኣልቦነትን ተኽእሎ ተቓውሞ ኣንጻር’ቲ ሕጊ-ኣልቦ መላኺ ግዝኣቱን፡ ቀጻሊ ህድማ መንእሰያት ከም ዘሳሲ፣ ኰነ ኢሉ ንኤርትራ ህዝባ ኪንብረላ ከም ዘይክእል ከም ዚገብርን ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ንምኽራር ከም ዚሰርሕን ዚዀነ ሕቶ የብሉን። ብዚተርፈ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ብሓቂ ውጽኢት ውሽጣዊ ሽግር ናይ ምሕደራ ዚዀነ ግዳማዊ ጠንቂ ምንዳይ ምፍታን፣ ነቲ ርኡይ ዘቤታዊ ጠንቂ ብቐሊሉ ኪኣልዮን ነቲ ኵነታት ከመዓራርዮን ምኸኣለ። 

ብዛዕባ’ቲ ምእንቲ ሕቡእ ረብሓ ናይተን ምዕራባውያን ሕብረ-ሃገራውያን ንመንግስቱ ዘሰይጥን ናይ ማዕከናት ዜና ስነኲናት ዚበሃል ብዚምልከት፡ ኣብቲ ዘቤታዊ ኰነ ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ ንምስልሳል ዘድሊ፡ እቲ ዚወሓደ ሕጋዊ መቓን’ኳ ዘይብሉ ዕጹው ብልሽታዊ ናይ ኩፖን ቍጠባ ንምውፋር ዚተራየ ተገዳስነት ምዕራባውያን ሕብረ-ሃገራውያን ከም ዘየለ ምዕዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን፡ እንተላይ እቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንኤርትራ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብዘይ ምርጫታት፡ ብዘይ እዉጅ ባጀት፡ ወዘተ.፡ ከም ሓንቲ ብሕታዊት ጕልቱ በይኑ ከም ዚገዝኣ፡ ነቲ መሪር ሓቂ ክንቅበሎን ክንቃወሞን ይግባእ። 

ኢሳያስ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ሃውራዊ ማእሰርትን ግዱድ ምስዋርን ናይ ተራ ዜጋታት፡ ጋዜጠኛታት ኰነ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ወተሃደራዊ መኰነናትን ከም ዚእዝዝን፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ንደረት-እልቦ ቀይዲ ከም ዚዅንኖምን፡ ኵላህና ንፈልጥ ኢና። ቃል ብቓሉ ነቶም ንገደብ-ኣልቦ ቀይዲ ዚዀነኖም ብህይወቶም ከለዉ ቀቢሩዎም ይርከብ! እዚ ድማ ሳዕቤናት ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብኵራት ግዝኣተ ሕግን ዝውታረ ናይቲ ሓደገኛ ግዝኣተ ሰብን ምዃኑ ክንእመንን ክንቅበሎን ይግባእ። ዚዀነ ምኽሓድ ወይ ንኻልኦት ሓላፍነት ንምስካም ምፍታን ነቲ ክፉእ ክዉንነት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚፍጸም ጃምላዊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ስርዓታዊ ዓመጻትን ኪሓብእ ኰነ ምኽኑይ ኪገብር ከቶ ኣይክእልን።

እዞም መርኣያታት ፍሽለት እዚኣቶም ካብቶም ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብቲ ናይ ሳላስን ኣርባዕተን ዓመታት ዘይተሓታትነታዊ፡ ዘይግሉጽ፡ ደቛስን ኣዕናውን ውልቀ-ምልካዊ ዘመነ ግዝኣቱ፡ ዘመዝገቦም ፈጢጦም ዚርኣዩ ውሑዳት ኣብነታት ናይቲ ጽልሙት ውርሻኡ ጥራይ ኢዮም። ከም ሳዕቤኑ፡ ኤርትራ ሃብታም ሰብኣዊ፡ ንዋታዊ፡ ባህርያዊ ጸጋታትን ደርማስ ተኽእሎ ልምዓትን ዘለዋ ክነሳ፣ ኣመና ድኻ፡ ድሕርቲ፡ ዕድላ ብጥልመት ዚተዀልፈ ሃገር ኰይና ትርከብ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ተጨቊና፡ ተዘሚታ፡ ደኽያ፡ ተዳኺማ፡ ተነጺላ ትርከብ!

እምበኣርከስ፡ እዚኣቶም ገለ ካብቶም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብቲ ናይ 34 ዓመታት ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤርትራ “ኣዝያ ሃብታም ክነሳ” ብዚኸፍአ ደረጃ “ኣዝያ ደኽያ”። ዕንወት እምበር ህንጸት ከይረኣየት፣ ከም ሕሱም ተጨቊና፡ ተዘሚታ፡ ደኽያ፡ ተነጺላ፡ ተዳኺማ ትርከብ።

ኣብዚ ህሉው መድረኽ’ዚ፡ ንሓደ ብዕድመ ዚደፍአ፡ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ ዕምሩ ዚበጽሐ ውልቀመላኺ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጽገናታት ከተኣታቱ ኰነ ኣከያይድኡ ኪቕይር ምጽባይ ኣዝዩ ዘይኵነታዊ ኢዩ። ነዚስ ኣመና ደንጕዩ! ስለዚ’ምበኣርከስ፡ ሃገራውያን ፕሮደሞክራሲ ኤርትራውያን፡ ብኣምሳያ ብረትለበስ ውሕስነት ብያነ ድሕነት ንነብሱን ንስድርኡን፡ መንገዲ ርጉእ ስግግር ናብ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ኣከያይዳ ንምምድማድ፡ ስልጣኑ ከረክብ ክንጠልብን ንምቅልጣፉ ክንጽዕርን ይግባእ።