All updates

መልእኽቲ 1ይ ዝክረ-ዓመት ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ

31/03/2021

31 መጋቢት 2021

መልእኽቲ 1ይ ዝክረ-ዓመት ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ኣቐዲመ፡ ነዚ መልእኽቲ 1ይ ዝክረ-ዓመት’ዚ፡ ብስም ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ (ልህኤ) ከቕርብ ፍሉይ ሓበን እስምዓኒ። ኣስዒበ፡ ነቶም፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ዚተኻየዱ፡ ሰንሰለታዊ ሲምፖዝዩማትን ሰሚናራትን፡ ብቐጻሊ ክትዕን ዝርርብን ዚተዀስኰሰ ንጹር ሃገራዊ ራእይ፡ ዕላማን ፕሮግራምን ርዒሞም፣ ንኹሉ’ቲ ብየማነ-ጸጋም ዚላኻዕ ሕሱር ዘለፋን ጠቐነን ብዓወት መኪቶም ነዚ ምንቅስቓስና ናብዚ ጽንብል’ዚ ዘብጽሑ ውፉያት ኣባላት ልህኤ ምዉቕ ዮሃና አቕርብ። ውዳበ፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓት ሓይሊ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ኣድማዒ ኣበርክቶ ናይቲ ጥርኑፍ ውዳበ፡ ውሁድ ኣሰራርሓን ስጡም ሓድነትን ሓባራዊ መሪሕነት ልህኤ ብልቢ አመጕስ።

ኣብዘን ዚሓለፋ 5 ኣዋርሕ፡ ምስዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዚተወልዐ ኲናት ዚተተሓሓዘ፡ እዋናዊ መግለጺታት ከነውጽእ ጸኒሕና። ኵላትና ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ኵናት ኣብ ክልል ትግራይ ንዳያስፖራዊ ተቓውሞ ኤርትራ መቓቒሉ ኣብ ሓድሕዳዊ ቍርቍስ ከም ዚጥሕል ገይሩዎ። እቲ ረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዘቐድም መርገጺ ዘነጽር መግለጺታት ልህኤ ኣብ ህዝብና ኰነ ኣብ ሓያሎ መንግስታት፡ ኣህጕራዊ ትካላትን ጸለውቲ ውልቀሰባትን፡ ጽቡቕ ተቐባልነትን ኣወንታዊ መልሰ-ግብርን ኪረክብ ምጽንሑ ኣዝዩ ዘተባብዕ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ንጹር ሃገራዊ መርገጺና ኣብቲ ዳያስፖራዊ ፖለቲካ ዘይግባእ ተቓውሞ ኣስዒቡ፣ ከም መቐጸልትኡ፡ ኣብ ውሽጥና’ውን፡ በጨቕታ ኣርእዩ። 

ኣብቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዚተኻየደ ዋዕላና፡ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ተመኵሮና ገምጊምና፣ ግቡእ ዳግመ-ስርርዕን ኣወዳድባ ስራሕን ጌርና፣ ውሽጣዊ ሕግና ኣመሓይሽና፣ መሰረት ዕቤትን ኣድማዒ ኣሰራርሓን ዘዋድድ መኣዝን ሒዝና። ስጡም ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ምትሕልላይን ምሕዝነትን ተዓጢቕና፣ ንልህኤ ከነዕቢ፡ ከነስፍሕ፡ ከነደልድል፣ ነቲ ዝተበገስናሉ ቅዱስ ሃገራዊ ዕላማ ሸቶኡ ንምውቃዕ ብትግሃት ንምስራሕ ተበጊስና ኣለና።

ልህኤ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብቲ ኣብ ሃገርና ነቲ መላኺ ስርዓት ብምእላይ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ዚካየድ ጻዕሪ፡ ኵሉ ዚከኣሎ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ብቅሉዕን ብስቱርን ኣገባባት ዚቃለስ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተተኽለ ድማ፡ ብመሰረት ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ፡ ልህኤ ንነብሱ ናብ ገስጋሲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምምዕባል፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ፍትሒ፡ ሓርነት፡ ራህዋን ቅሳነትን ዘስፍን መንግስቲ ኰነ ግቡእ ኣገልግሎታት ዚህቡ ተግባራዊ ትካላት ንምስሳን ዚቃለስ ፖለቲካዊ ውድብ ንምዃን ይሕልን።

ኣብዚ ናይ 1ይ ዝክረ-ዓመት መልእኽቲ’ዚ፡ ሓንቲ ጥቕሲ ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ 1960ታትን ‘70ታትን፡ ንኣተሓሳስባ ናይ ብዙሓት መንእሰያትን ሓያሎ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን 3ይ ዓለም ዚጸለወ ውሩይ ደራሲ ከቕርብ እደሊ። ፍራንዝ ፋኖን ኣብ ሓንቲ ማርቲኒክ (Martinique) ዚተባህለት፡ ግዝኣት ፈረንሳ ዚዀነት ኣብ West Indies እትርከብ ደሴት ዚተወልደ ፍሉጥ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓኪምን (psychiatrist)፡ ፓን-ኣፍሪቃዊ ፖለቲካዊ ፈላስፋን ኢዩ። ጽሑፋቱ ኣንጻር መግዛእትን ሃጸይነትን ዚቐንዐ፡ ኣብ ንቅኒተ-ኣእምሮ ግዙኣት ሰባትን ህዝብታትን፡ ካብ ስንብራት ናይ መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ሓራ ምውጻእ ዘተኰረ፡ ዓሚቝ ሰውራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ፡ ፍራንዝ ፋኖን፡ ኣብ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኣልጀርያ (FNL) ብምስላፍ ኣብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ዚተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ተጋዲሉ።

እታ ዘይርስዓ ጥቕሲ ኣብታ ‘እቶም ተካላት ናይ ምድሪ’ ወይ The Wretched of the Earth ዘርእስታ መጽሓፉ ትርከብ። ናብ ትግርኛ ኪትርጐም እንከላ፡ "ነፍሲ ወከፍ ወለዶ፡ ኣብ ተዛማዲ ደልሃመት፡ ናቱ ተልእኾ ኪድህስስ፡ ኪፍጽሞ ወይ ኪጠልሞ ኣለዎ” ትብል። እቲ መበቈላዊ ድርሰት ብቋንቋ ፈረንሳ ዚተጻሕፈ ኰይኑ፡ ብእንግሊዝኛ ቃል ብቓሉ፡ “Each generation must, out of relative obscurity, discover its mission, fulfill it, or betray it” ትብል። እዛ ጥቕሲ’ዚኣ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ፍሉይ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣለዋ።

እቲ ናትና ወለዶ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓሊሱ ሃገራዊ ልዑላውነት ኣምጺኡ፤ ህዝባዊ ልዑላውነት፡ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ኣብ ምምጻእ ግን ተጐሪሱዎ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ድማ፡ ነቲ ዚተጐርሰ ንምምላእ፤ ተቓሊሱ ህዝባዊ ልዑላውነት ከምጽእ፣ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ከስፍን ታሪኻዊ ተልእኾ ኣለዎ። ስለዚ፡ እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ነቲ ዚጽበዮ ዘሎ ታሪኻዊ ተልእኾ ኪፍጽሞ ዲዩ ወይስ ኪጠልሞ፧ ባዕሉ ብግብሪ ኪውስን ኣለዎ። ነቲ ብጹእ ተልእኾኡ ኣብ ምፍጻም፡ እቲ ናጽነት ዘምጽአ ሽማግለ ወለዶ፡ ነዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ከማኽር፣ ኪኣሊ፣ ከማእዝን ይግባእ። ክንዮኡ ዚኸይድ ዓቕሚ የብሉን። እቲ ቀንዲ ተራን ወሳኒ ኣበርክቶን ናይቶም ፉሕፉሕ እትብሉ መንእሰያት ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚብኩም ኪትዕጠቑሉ ኣለኩም።

ቀንዲ ተልእኾ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ (EPS)፡ ንዕቑር ዓቕሚ መንእሰያት ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብምብርባር፣ ነቲ ኣብ ሃገርና ብኤርትራዊ ዋንነት ለውጢ ንምድራኽን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምምጻእን ዚካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት፣ ነዚ ሎሚ ኣብ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ዘሎ ወለዶ ሃገርና (1) ሰውራዊ ክብርታት ቃልሲ ህዝብና ምውራስ፣ (2) ተመኵሮ ጽንዓት ብረታዊ ቃልስና ምስናቕ፣ (3) ንቑሕ ሃገራዊ ኣረኣእያ ምዅስኳስ፣ (4) ፖለቲካዊ ዕዮኡ ምምእዛን ኢዩ። ድምር ውጽኢት ናይዚ ዅሉ ስራሕ ድማ፡ ሃልሃልታ ሽግ ሓርነት ብምዕታር፡ ቅልጡፍ ምእላይ ናይቲ መላኺ ስርዓት ኣብ ምምጻእ ኰነ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምርግጋጽ ወሳኒ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል።

ልህኤ በቲ ንህላወ ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገድን ንሕብርታት ሰንደቕ ዕላማ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራን ዚሓቍፍ ፍሉይ ኣርማኡ ዚልለ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። እቲ ፍሉይ ሕላገትን ዚዓበየ ፖለቲካዊ ርእሰማልን ልህኤ (EPS)፡ (1) እቲ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዚከላኸል፣ (2) ነቲ መላኺ ስርዓት ዘቃልዕን ዚቃወምን (3) እቲ ስርዓታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብኤርትራዊ ዋንነት፡ ብኤርትራዊ ዓቕሚ፡ ብጥቡቕ ምትሕግጋዝ ናይቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዚካየድ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኪድረኽ ኣለዎ ዚብል ጽኑዕ መርገጺኡ ኢዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ፡ ኣብ ህዝብና ኰነ ኣብ ፈተውቱ፡ ንሃገራዊ ዕላማታትን ቃልስን ልህኤ እናዓበየ ዚኸይድ ጽልዋን ተስፋን የንብረሉ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣበርቲዕና ንክንሰርሕ ዚብድህን ፋይዳ ዘለዎ ቁምነገር ከነፍሪ ዕድል ዚኸፍትን ዓቢ ፖለቲካዊ ጸጋ ኢዩ።

ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ፡ ብኣሳላጥነት ኤሪ-ፕላትፎርም፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ተነጣጠፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ፡ ብፍላይ መንእሰያት፡ ሓባራዊ ራእይ፡ ዕላማን ስራሕን ንምዅስኳስ ዚተኻየደ ሰሚናራትን ሲምፖዝዩማትን፡ ኣብ መጋቢት 2020 ተመስሪቱ፣ ነብሱ ብምልላይ ናብ ስራሕ ተበጊሱ።

ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ጕዕዞኡ፡ ልህኤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ነቲ ዓመጸኛ ስርዓት ምቕያርን ኣብ ቦትኡ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምህናጽን ዘሎ መጐታዊ ምትእስሳር ግቡእ ግንዛበ ዘስርጹ እዋናዊ መግለጺታት፡ ቃለ-መጠይቓት ኰነ ሓባራዊ ዝርርባት ከካይድ ጸኒሑ። ንኣብነት፡ ልህኤ፡ ብቕጽበት ድሕሪ ለውጢ፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ኲናት ብሓፈሻ፡ ኣብዘን ዚሓለፋ 30 ዓመታት ግዝኣት ኢሳያስ ድማ ብፍላይ፡ ዚዓነወ ሃገራዊ ቍጠባና፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ዘሕዊ፡ ነቲ ብሕታዊ ጽላት ዘተባብዕ፡ ንኣፍራዪ ዓቕሚ ህዝብና ዘበራብር፡ ውሕስነት መግብን ራህዋን ዚፈጥር፡ ቍጠባዊ ሜላ ናይ ስግግርን ሰሳኒ ሓምላይ ልምዓትን ዚዀነ ንድፊ ራእይ ኤርትራ 2030 (Eritrea Vision 2030) ኣዳልዩ ዘርጊሑ።

ብተወሳኺ፡ ልህኤ ፍትሓዊ ሰላም ቅድመ-ኵነት ንሰሳኒ ልምዓት፡ ርግኣትን ድሕነትን ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብናይ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ፡ ብመሰረት እቶም መግዛእታዊ ውዕላት ንኪኽለል ብተደጋጋሚ ጸዊዑ።  ምስቲ ናይቲ ዶብ ኮሚሽን መምርሒታት ምኽላል (Demarcation Directions) ዘሳኒ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰረት ናይ ነባሪ ሰላም፡ ጽቡቕ ጕርብትናን ምትሕግጋዛዊ ዝምድናታትን ዘንጽፍ፣ ብኣህጕራዊ ልምዳዊ ሕጊ ዚድገፍ፣ በቲ ኣብ ብጹእነት መግዛእታዊ ዶብ ዚኣምን ኣፍሪቃዊ መትከልን ልምዲን ዚባረኽ ምዃኑ ዘነጽር፣ ኣወንታዊ ኣህጕራዊ ተቐባልነት ዚረኸበ፡ ምህናጽ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚብል ሜላዊ ሰነድ ኣዳልዩ ዘርጊሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ልህኤ ኲናት ብዘይካ ዕንወትን መቕዘፍትን ካልእ ፋይዳ ከም ዘይብሉ፣ ኪውገድ ከም ዚግባእን ከም ዚከኣልን፣ ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዘሎ ህውከት፣ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዚካየድ ዘሎ ኲናት፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኰነ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዚወርድ ዘሎ ዘሐዝን ግፍዕታት፡ ስቓይን መከራን፣ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ግጭት፡ ብመሰረት ዘቤታውን ኣህጕራውን ሕግታት፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ፍትሓዊ መዕለቢ ንኪግበረሉ ደጊሙ ይጽውዕ።

ኤርትራ ጌና ኣብ ቃራና መንገዲ ኣላ። ሃገራዊ ልዑላውነታ ብቐጻሊ ኪድፈር፣ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ሰብ-መዝን ፖለቲካዊ ልሂቃንን ኢትዮጵያ ኪደጋገም ይስማዕ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ዚዀነ ወግዓዊ መልሰ-ግብሪ ዘይወሃቦ ምህላዉ፡ ኣብ ኵሉ ፈታው ሃገሩ ኤርትራዊ ዓቢ ሻቕሎትን ስግኣትን ዚፈጥር ተርእዮ ኢዩ። ኤርትራ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሓሳድ ምልኪ እናተዳህከት፡ ኣብ ሰልሚ ውሽጣዊ ግጭታት ኢትዮጵያ ተሸሚማ ብዝያዳ ኪትደምን ኪትደክን ዲያ፧ ወይስ ካብ ምልኪ ተገላጊላ፡ ናብ ጐደና ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ኪትምርሽ ኢያ፧ እቲ ምርጫ ኣብ ኢድና፡ ኣብ ኢድ ህዝብና፡ ኣብ ኢድ መንእሰያትና ኢዩ።

ሎሚ፡ እቲ መላኺ ኣገዛዝኣ ንኤርትራን ህዝባን እቲ ዚዓበየ ህላዌኣዊ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ። ስቓይን ሓሳረ-መከራን ህዝብና መታን ከብቅዕ፣ ኵሉ ሓርነት፡ ፍትሕን ደሞክራስን ዚደሊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ግዳም ይሃሉ ኣብ ውሽጢ፡ እቲ ዚጸንሐ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ፣ ጕዳይ ህዝቡን ሃገሩን ልዕሊ ኵሉ ካልእ ውራያት ሰሪዑ፡ ነቲ ዓመጸኛ ስርዓት ንምእላይ ብዚለዓለ ጥርናፈ ኪቃለስ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ አዘኻኽር። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ተልእኾኡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቂዑ፡ ናብቲ ኣህጕራዊ ዶብ ኪስሕብ፣ ልዑላውነት ሃገር እናተኸላኸለ፡ ዋልታ ህዝቡ ብምዃን፣ ነቲ ህላዌኣዊ ስግኣት ኣብ ምእላይን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምርግጋጽን እጃሙ ከበርክት እጽውዕ።   

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

 

ስለ’ቲ ምክትታልኩም አመስግን።