All updates

መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ስለ 20 ሰነ

20 June 2024

20 ሰነ 2024


ክብርን መጐስን ንሰማእታትና!
 

ሎሚ መዓልቲ 20 ሰነ 2024፡ ነቶም ንኤርትራ ናጻ ንምውጻእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንምግባር፡ ናጽነት ኤርትራ ንምዕቃብ፣ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታት ብዓቢ ኣኽብሮት እንዝክረላ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ። 

ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ዚተመልአ ታሪኽ ቃልሲ ኢዩ። ቃልስን መስዋእትን ንምንታይ ዕላማ፧ ብቐንዱ፡ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዚሰፈና ናጻ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት። መሰረታዊ ዕላማ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ጕባኤ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ/ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዚጸደቐ፡ 11 ነጥብታት ዚሓዘ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ተዘርዚሩ ይርከብ። ንምዝኽኻር ዚኣክል፡ እቲ ዕላማታት፦

  1. ምምስራት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ፣
  2. ምህናጽ ናጻ፡ ርእሰ-ምርኰሳውን ብውጥን ዚምራሕን ሃገራዊ ቊጠባ፣
  3. ምምዕባል ባህሊ፡ ትምህርቲ፡ ተክኖሎጂን ክንክን ጥዕናን፣
  4. ምውሓስ ማሕበራዊ መሰላት (ብፍላይ መሰላት ሸቃሎን ደቀንስትዮን)
  5. ምርግጋጽ ማዕርነትን ምድልዳል ሓድነትን ብሄራት፣
  6. ምህናጽ ሓያል ህዝባዊ ሰራዊት፣
  7. ምኽባር ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን፣
  8. ምዝውታር ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ኲናት፣
  9. ምክልኻል መሰላት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፣
  10. ምኽባር መሰላት ወጻእተኛታት ነበርቲ ኤርትራ፣
  11. ምኽታል ግዳማዊ ሜላ ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን። 

ተኸታታሊ ወለዶታት ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ንእስነቶም ዘውፈሩ፣ ሰማእታትና ህይወቶም ዚኸፈሉ፣ ስንኩላንና ኣካላቶም ዚጐደሉ ነዚ ብጹእ ዕላማ’ዚ ክዉን ንምግባር ኢዩ። ብመስዋእቶም ናጽነት ሃገር ኣረጋጊጾም፤ ደግሲ ወራር መኪቶም። ብደሞም ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ ጽሒፎም። ክንድ ዚዀነ፡ 20 ሰነ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ነቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዚተሰውኡ ሰማእታት ብልዑል ኣኽብሮት ዚዝክረላ ዕለት ኢያ። 

20 ሰነ 1982፡ ከም ፈጽሚ ናይቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዚበዝሐ መስዋእቲ ከፊሉ ዘፍሸሎ፣ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንምድምሳስ ዚዓለመ 6ይ ወራር ኢትዮጵያ መጠን፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ሕላገት ኣለዋ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ዘለዉዎ ዕዉት ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ኣሰላሲሉ፣ ብቃልሱን መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁን ሃገራዊ ናጽነት ጨቢጡ። 

ናጽነት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣላቒቑ፣ ፖለቲካዊ ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀይሩ፣ ንኤርትራ ኣብ መሳርዕ ኣህጕራዊ ኮም ናጻ ሃገራት ግቡእ ቦትኣ ኣትሒዙ። ኪኖ ኤርትራ፡ እቲ ንሃገራዊ ደሞክራስያዊ ሸቶ ዚተቓለሰ ሰውራ ኤርትራ፡ ብደረጃ መትከል፡ ሃረርታ ህዝብና ንፖለቲካዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ብምጥማር፡ ንቃልሲ ጭቁን ህዝቢ ዓለም ዘተባብዕ ታሪኽ ቈራጽነት፡ ዓወትን ተስፋን ኣስኒቑ።

ብደረጃ ግብሪ ግን ኣይግድን። ህዝቢ ኤርትራ መስተንክራዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ከብቅዕ፣ ኤርትራ ሎሚ ብስብርባር ናይ ዘይተማልአ ትጽቢታት፡ ዚተጠልመ መብጽዓታት፡ ዚበነነ ተስፋታት ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን መሊኣ ትርከብ። ሳላሳን ሰለስተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ምልካዊ ጭቈና እናተገርፈ፡ ብክቱር ድኽነትን ሃውራዊ ማእሰርትን ኪሳቐ ጸኒሑ። መንእሰይ ካብ ኣደራዕ ሕጋዊ ደረቱ ዚጠሓሰ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰነ ሽቕለተልቦነት ንምድሓን ብጃምላ ኪሃድም ተራእዩ። ግጉይ ፖሊሲታትን ዚባኸነ ዕድላትን፡ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ራህዋ ዚሰፈና ብልጽግቲ ሃገር እትምዕብል፣ ኣብ ታኼላ ናይ ርኡይ ድሕረትን ድኽነትን ተሺኺላ። 

ሃገራዊ ናጽነት ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ይዅን’ምበር፡ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይቲ ህዝብና ዚተጋደለሉን ሰማእታትና ዚተሰውኡሉን ቃልሲ ኣይነበረን። ኣብ ናጽነት፡ እቲ ዕላማ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን መሰረታዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ መቐይሮ ብምስልሳል ሓድሽ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ኮታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ወናኒ ምሉእ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወቱ ከም ዚኸውን ንምግባር ዚዓለመ ነይሩ። 

ብግብሪ ግን፡ ብሰሪ’ቲ ዘጋጠመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ቃልስና፡ መስርሕ ደሞክራስያዊ ምዕባለ ተዀሊፉ። ምግባት ፍጹም ስልጣን ፍጹም ምልኪ ፈጢሩ፣ ሕጋዊ መግትኢ ኰነ ትካላዊ ቀይዲ ዘይብሉ መድቈስትን ዓመጽን ኣስዒቡ፣ ጃምላዊ ስደት ደሪኹ፣ ሃገር ንድሕሪት ጐቲቱ፣ ህዝቢ ኣብ ሓሳረ-መከራ ናይ ክቱር ድኽነት ሸሚሙ። ቅዋም ዚረግጽ፣ ሃገራዊ ባይቶ ዘፍርስ፣ ብዊንታ ዚገዝእ ገባርን ሓዳግን ፍጹም ስልጣን ጨቢጡ ፍጹም ብዕልግና ኣስፊኑ።   

ኣብዚ ኣብ ዓለምና ቍጠባዊ ሃብቲ፡ ወተሃደራዊ ዓቕምን ዘመናዊ ትምህርቲ ዚቐሰመ ሰሳኒ ህዝብን ቀንዲ ረቛሒታት ውሕስነት መጻኢ ናጻ ህላወ ሃገራት ኰይኑሉ ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ ዘመነ ውርውራ’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጢ ብምትእትታው ህዝቢ ኪሕብሕብ፣ ሃገራዊ ጸጋታት ከበራብር፣ ሰብኣዊ ርእሰማል ኪሃንጽ፣ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ ኪዝርግሕ፣ ንግድን ወፍርን ከተባብዕ፣ ኣገግሎታት ሓለዋ ጥዕናን ትምህርትን ከስፍሕ ምተገብአ። ኮታ፡ ሃገራዊ ልምዓት ዚድርኽን ደረጃ መነባብሮ ዘደንፍዕን ስራሕ ንምዕባይ ኪብገስ ምተገብአ። 

ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ዚፈሸለ ሜልኡ ብምቕጻል፡ ዘቤታዊ ማዕከናት ዜናን ዚተፈላለያ መርበባት ማሕበራዊ ሜድያን፡ ኣብ ኤርትራ ኵሉ ነገራት ጽቡቕ ከም ዘሎ ብዘምስል፣ ንውልቀ-መላኺ ኣብ ምውዳስን ዝንኡ ኣብ ምዕባይን ኣዋፊሩ። ብዝኽሪ ስዉኣት ዚመጻደቕ ምስሉይ መደረታት ንመስዋእቲ ህዝብናን ሰማእታትናን ደበስ ኣይከውንን ኢዩ። እንታይ ደኣ፡ መባእታዊ ሓርነታትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ ሃገራዊ ቍጠባ ዘበራብር፣ መነባብሮ ዘመሓይሽ፣ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን፣ ተሓታትን ግሉጽን ቅዋማዊ ምሕደራ ብምትካል ነቲ ዚተሰውኡሉ ዕላማ ምትግባር። 

ስለዚ፡ ኵሉ ህዝቡን ሃገሩን ዚፈቱ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፡ ፕሮግራማዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና ብምትግባር፡ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምጻእን መስዋእቲ ሰማእታትና ንምድባስን መትከል፡ ትብዓት፡ እምነት ኪህሉዎ ይግባእ። ኤርትራዊ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ቀሲኑ፣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ተመሊሱ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገሩ ሓሪሱ፡ ሰሪሑ፡ ነጊዱ፡ ኣውፊሩ ንነብሱን ስድርኡን ኰይኑ ንልምዓት ሃገር ከበርክት ምኸኣለ።

ሎሚ፡ 20 ሰነ 2024፡ ሰማእታትና ብኣኽብሮት ኣብ እንዝክረሉ ህሞት፡ ነቲ ዚተሰውኡሉ ብጹእ ዕላማ ብምትግባር መስዋእቶም ንምድባስ ንሓልን። ደበስ ሰማእታትና ኰነ ጻማ ህዝብና ዚረጋገጽ፡ ነቲ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ተገላጊላ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ኰይኑ መታን ብሰላም፡ ብድሕነት፡ ብራህዋ ኪነብር፡ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩሉ ዕላማ ክዉን ብምግባር ኢዩ። ኮታ፡ (1) ግዝኣተ-ሕጊ ዘኽብር፣ (2) ፍትሒ ዘስፍን፤ (3) ባህርያዊ ሃብቲ፡ ሰብኣዊ ጸጋታትን ንዋታዊ ዓቕምን ሃገርና፣ እንተላይ ጸጋታት ሓይሊሰብና፡ ባሕርና፡ ወደባትና፡ ማዕድናትና፣ ኣብ መዓላ ሃገራዊ ልምዓትን ዕርገት መነባብሮ ህዝብን ዘውዕል፤ ግሉጽን ተሓታትን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ምቅላስ የድሊ። 

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!