All updates

መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2022

31/12/2021

ዓርቢ 31 ታሕሳስ 2021

መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2022

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ሓይልታት ሃገራዊ ተቓውሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ኣቐዲመ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ኣብዚ ድሮ ሓድሽ ዓመት’ዚ፡ እንቋዕ ብደሓን ናብ ዓመተ 2022 ኣሰጋገረና እብል። ኣስዒበ፡ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ)፡ ንኣስፋሕፋሒ ጐበጣ ኣልዩ፡ ንዅሉ ግዳማዊ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን በዲሁ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገሩ ኣጽኒዑ ብምውሓሱ ምዉቕ ዮሃና አቕርብ።

ዓመተ 2021 እቲ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ቦታ ሃገርና ኣብ መላግቦ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን መፋስሶ ፈለግ ኒልን፡ ጀኦፖለቲካዊ ጠመተ ሓያላት ዓለምን ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ዞባዊ ሓይልታትን ስሒቡ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ሓደገኛ ስግኣት ዘንጸላለወላ ዓመት ኢያ። እቲ ምእንቲ ፍሉይ ጀኦቍጠባዊ ረብሓታት ዚእለም ባዕዳዊ ሽርሕታት፡ ዚተፈላለዩ ግጭታት ብምስዋር፡ ንዞባና ብኲናትን ግጭትን ንነዊሕ እዋን ኪሕምሶ ጸኒሑ። ህሉው ኵነታት የመን፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ፡ ህያው መርኣያ ናይዚ ህውከተኛ ክዉንነት’ዚ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ስራሓት ሃገራዊ ተቓውሞ ኣብ መንጎ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገረ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ኣለሊዩ ዚመሚ፣ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዚጣበቕ፣ ንባህርይን ተግባራትን ናይቲ ዓመጸኛ ስርዓት ዘቃልዕ ኪኸውን ይግባእ። ብዙሓት ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም፡ ሃገሮምን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ብጽንዓት ደው ምባሎም ዚምጐስ ተግባር ኪኸውን እንከሎ፣ እቲ ብስም ገለ ምሁራት ኰነ ደለይቲ ፍትሒ በሃልቲ ኪካየድ ዚጸንሐን ዘሎን ምስሳይ አጀንዳ ወያነ ዘሕፍር ክድዓት ኢዩ።

ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ይርከብ። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዚተወልዐ ኲናት ናብ ጐረባብቲ ክልላት ብምስፍሕፋሕ፡ ገዚፍ መቕዘፍትን ዕንወትን ኣስዒቡ። ኣብ ሓያሎ ክልላት ቀጻሊ ናዕብን ህውከትን ኣሎ። ኣብዚ፡ እቲ ቅሉዕ ዘይሚዛናዊ መርገጺ ኣመሪካን ሰዓብታን ብዘይካ ነቲ ኲናት ምንዋሕን ኵነታት ምትሕላልኽን፡ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ኣህጕራዊ ኮም ምዙን ዘይሻራዊ መርገጺ ብምሓዝ፡ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚተመርኰሰ፡ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ዚዓለመ፣ ንዅሎም ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ኢትዮጵያ ዘሳትፍ ሓቛፊ መጋባእያ ከዋድድ የድሊ። እቲ መስርሕ ተሓታትነት ዘረጋግጽን ፍትሒ ዘመሓድርን ኪኸውን ይጥለብ። እቲ ሓቛፊ መጋባእያ ብቐንዱ ኣብ (1) ታሪኻዊ ኣመዓባብላ፡ (2) መሰረታዊ ጠንቂ፡ (3) ወላዒ ጠንቂ ናይቲ ኲናት ኰነ ኣብ ዘላቒ ፍታሕ መዋቕራዊ ሽግራት ኢትዮጵያ፡ ማለት፡ ኣብ ሕቶ ፈደራላዊ ስርዓተ መንግስቲ፡ ሕቶ ቅዋም፡ ሕቶ ዶብ ምምሕዳራዊ ክልላት፡ ሕቶ ክልላዊ ፍሉይ ሓይሊ፡ ወዘተ.፡ ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ንምብጻሕ ዚሕግዝ ኪኸውን ይግባእ።

እዚ ኲናት’ዚ ብመሰረቱ ትርጉም-ኣልቦ ናይ ‘ባዶ-ድምር’ ኣዕናዊ ኲናት ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ኣውሪዱዎን ጌና ዘውርዶ ዘሎን ሞት፡ ዕንወትን ስቓይን ኣዝዩ ገዚፍ፣ እቲ ዚዘርኦ ሓድሕዳዊ ጽልኢ ኣመና ሰፊሕን ዓሚቝን፣ እቲ ጐዳኢ ስንብራቱ ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ኢዩ። እቲ ብዋጋ ዓቢ መቕዘፍቲ መንእሰያት፣ ጃምላዊ ሞት፡ ዕንወት፡ ምምዝባል፡ ስቓይን መከራን ህዝቢ ጸቢብ ጕጅላዊ ረብሓ ንምዕቃብ ዚተወልዐ ኲናት፡ ብዚዀነ መምዘኒ፡ ምኽኑይ ኣይኰነን፧

ልዕሊዅሉ ድማ፡ ወያነን ደገፍቶምን ዋላ ኣዲስ ኣበባ ኪሕዙ እንተ ዚኽእሉ፡ ከምቲ ናይ 27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ኪገዝኡ ወይ ድማ ካብ ኤርትራን ጐረባብቲ ክልላት ኢትዮጵያን መሬት እንዳማቶም ወሪሮም ናጻ ዓባይ ትግራይ ኪምስርቱ ከም ዘይክእሉ ኪርድኡ ይግባእ።

ኣብዚ ጕዳይ’ዚ፡ ቅኑዕነት ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ብውድዓዊ ስንብራት ትግባረ ዕላማታት ናይቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብ ልዕሊ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኪምዘን ይግባእ።

ክልቲኡ ተቐናቓኒ ወገናት፡ ማለት ሰልፊ ብልጽግናን ህወሓትን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዚግለጽ ግዝኣታዊ ህርፋን ኣለዎም፦ ብልጽግና፡ ህርፋን ናይ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ዓባይ ኢትዮጵያ፤ ወያነ ድማ፡ ህርፋን ናይ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ዓባይ ትግራይ! ስለዚ፡ ክልቲኡ ወገናት ንናጻ ህላዌ፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ዚጻባእ ህርፋን ኣለዎ። ነዚ ህርፋን’ዚ ምቅላዕን ምቅዋምን ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለና።

እቲ ቅኑዕ ኤርትራዊ መርገጺ፡ መሳርሒ ወይ ዕሱብ ናይ ሓደ ተጻባኢ ባዕዳዊ ሓይሊ ምዃን ዘይኰነስ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል፡ ፍትሒ ንምስፋን፡ ራህዋ ንምምጻእ ብስሙር ቅልጽም እናተቓለስና ኣብ ጐድኒ ህዝብና፡ ሃገርናን ሓይልታት ምክልኻልናን ብጽንዓት ደው ምባል ኢዩ።

ወያነ ካብ ፈለምኡ ማንታዊ ኣረኣእያ ሒዛ ኢያ ኪትጐዓዝ ጸኒሓ። እንተሰለጠ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በትረ-ስልጣን ምሓዝ፤ እንተ ዘይሰለጠ ድማ፡ ናጻ ትግራይ ምምስራት። ትግራይ ንበይና ከም ሃገር ቈይማ ኪትሰርር ስለ ዘይትኽእል ግን፡ ንህሉው ኣቀዋውማ ሃገራት ዞባና ዳግም ብምቕራጽ፣ ንገለ ክፋላት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘልሓቐት ናጻ ረፑብሊክ ትግራይ ምቛም። እዚ ኣብ ትረኻ ናይ ‘ዘመነ እንእኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ’ ዚምርኰስ ኦሪታዊ ኣምር ሃገርነት’ዚ ከንቱ ሕልሚ ኢዩ። እቲ ሕልሚ ምስ ክዉንነት ተራጺሙ ክሳብ ዚበንን ግን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘይካ ጠንቂ ናይ ቀጻሊ ኲናትን ህውከትን ብምዃን ዘየድሊ ዕንወት፡ መቕዘፍትን ቅርሕንትን ምስዓብ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ዓመተ 2021፡ ብጠንቂ’ቲ ሓሳድ ዘቤታዊ ሜላን ተግባርን ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝብና እኹል ወይ ብቑዕ ቀረብ ናይ ከም እኽለ-ማይ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ መብራህቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ወዘተ.፡ ዚኣመሰሉ መሰረታዊ ጠለባት መነባብሮ ስኢኑ፣ ብስቓይ ዚሓለፋ ናይ ክቱር ሓሳረ-መከራ ዓመት ኢያ።ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ኵሎም መራሕቲ ሃገራት ዓለም ህዝቦም ንምድሓን ኪጓየዩ ዚጸንሑሉ ሓደገኛ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እዚ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ንበይኑ፡ ንዅሉ ወፈያታት ኣህጕራዊ ሓገዝ ናይ ክታበት (ቫክሲን) ነጺጉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዕድል ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ብምሕራም፡ ንብዙሓት ዜጋታት፡ እንተላይ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ግንባርን መንግስትን፡ ግዳይ ሞትን ሕማምን ዚገበረላ ዓመት ኢያ። 

ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ራህዋ፡ ልዑላዊ ናጽነትን ድሕነትን ሃገር ዘውሕስ ለውጢ የድሊ ኣሎ። ሕቶ ለውጢ ጥንቁቕ ገምጋም፡ ብቑዕ ምቅርራብ፡ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ዘድልዮ ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ውድዓዊ ገምጋም ጀኦፖለቲካዊ ክዉንነት ዚምርኰስ፣ ኣሰላልፋን ሚዛን ሓይልታትን ዘቤታዊ፡ ዞባዊ ኰነ ኣህጕራዊ ሓይልታት ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ዘረጋግጽ ኣገባብ ኪውሰድ ኣለዎ። እቲ ህሞት ናይ ለውጢ በቶም ንለውጢ ዚድርኹ ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓይልታት ኪውሰን ይግባእ። 

ህዝብና ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ዘቤታዊ መድቈስቲ ይሳቐ ኣሎ። ሃገርና ድማ ብርቱዕ ደመና ኲናት የንጸላልዋ ኣሎ። ኣብዚ ንሃገርናን ህዝብናን ህላዌኣዊ ስግኣት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ሓደገኛ ህሞት’ዚ፦

1. ነቶም ከይተሓለሉ ምእንቲ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኪቃለሱ ዚጸንሑን ዚቃልሱ ዘለዉን ሃገራውያን ኤርትራውያን አመጕስ።

2. ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ግዳም፡ ደጋፊ ይዅን ተቓዋሚ፡ ኣንጻር ኵሉ ባዕዳዊ ተጻብኦታት ብሓባር ጸኒዑ ኪምክት ይግባእ።

3. ሃገረ ኤርትራ ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዓደቦ ስለ ዚዀነት፣ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኪጣበቕ፣ ኣብ ሃገርና ሰላም፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍትሕን ራህዋን ንምስፋን ኪቃለስ እላቦ።

4. ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ደጋፊ ይዅን ተቓዋሚ፡ በብዘለዎ፡ ኪኖ ደገፍ ወይ ተቓውሞ ንስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝያዳ ምስ ረብሓ ሃገሩን ህዝቡን፡ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደው ኪብል፣ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምእንቲ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ኪቃለስ ይግባእ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!