All updates

መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2025

31/08/2025
[:swvar:text:838:]

መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2025

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

 

እታ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ዚተኰሱዋ ናይ መጀመርያ ጥይት ኣብ መላእ ኤርትራ መቓልሕ ዘርጊሓ። ሎሚ ሓደ መስከረም 2025 ድማ፡ መበል 64 ዝክረ-ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት ኢዩ። ባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዓይነታዊ መቐይሮ ዘበሰረት፣ ሰረት ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ዘንበረት፣ ብዓቢ ሓበን እትዝከር ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ብብዙሕ ሓጐጽጐጽ፡ ክብ-ለጠቕ፡ ገስጋስን ቅልበሳን ሓሊፉ ታሪኻዊ ዓወት ብምጭባጥ ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣምጺኡ። 

ይዅን’ምበር፡ ልዑላዊ ናጽነት ሃረርታ ህዝብና ንሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን፣ ንቅዋማዊ ስርዓትን ደሞክራስያዊ ምሕደራን፣ ንማሕበረ-ቍጠባዊ ልምዓትን ባህላዊ ትንሳኤን ኣየማልአን። ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ኣየመሓየሸን፤ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ቅሳነትን ኣየስፈነን። ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብር፣ ንህዝብና ዚውክል ኰነ ንድሌቱ ዘማልእ፣ ፍትሒ ዘመሓድር፣ ተሓታትን ግሉጽን ቅዋማዊ መንግስቲ ኣይተኸለን። 

ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ኣብዘን ዚሓለፋ ዳሕረዎት ዕስራን ሓሙሽተን (25) ዓመታት፣ ግዝኣተ ሕጊ ተረጊጹ፡ ግዝኣተ ሰብ ነጊሱ፣ ዘቤታዊ ጭቈናን መድቈስትን ሳዕሪሩ፣ ብሒም ዚበለ ይተሓጐም ኰይኑ። ኣብ ክንዲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲታት፡ ሆስፒታላት፣ ኣብያተ ማእሰርቲ በዚሑ። ዓድታትና ባዲሙ፣ ከተማታትናን ወደባትናን ዓንየን። ብመደብ፡   ኰነ ተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ድሕረት፡ ድንቍርና፡ ድኽነት ተዀስኲሱ፤ ጃምላዊ ፍልሰት ተደሪኹ፤ ብዝሒ ህዝብና ነክዩ፣ መጠነ-ዕቤቱ ኣንቈልቊሉ፤ ደሞግራፍያዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብና ተዘሪጉ። ኮታ፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ ንድሕሪት ተጐቲታ፣ ኣብቲ ዚተሓተ ደረጃ ምዕባለ ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ። 

ኵሉ’ቲ ደድሕሪ ናጽነት፡ ኣብቲ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ 1990ታት፡ ዚተበገሰ መደባት ቍጠባዊ ልምዓት ኰነ ዚተጀመረ ግዳማዊ ወፍሪ ተዀሊፉ፤ በብሓደ ተቛሪጹ፤ ተባሪሩ። መንግስታዊ ርእሰማል ኤርትራ፡ ብማፍያዊ ኣተሓሕዛ፡ ብስም ውልቀሰባት፡ ኣብ ምምዕባል ካልኦት ሃገራት ተዋፊሩ። 

ኣብ ክሊ’ቲ ዚሰዓበ ሓሳድ ቍጠባዊ ሜላ፡ ኵሉ-መዳያዊ ማሕበራዊ ቍጽጽር ንምርግጋጽ፣ ሰብ ብሕጽረት መግቢ ከም ዚሻቐልን ብኸብዱ ጥራይ ከም ዚሓስብ ንምስግዳድ፣ ስርዓተ መቝነን ተኣታትዩ። እቲ ኣቕርቦት ናይ ከም መግቢ፡ ማይ፡ ሓለዋ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ጸዓት፡ መብራህቲ፡ መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ወዘተ.፣ ዚኣመሰሉ መሰረታዊ ጠለባት ህዝብን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከዋድድ ዘይክእል ብልሽታዊ ናይ ኩፖን ቍጠባ፡ ክቱር ድኽነት ፈጢሩ። ህዝቢ ኣባይቱ ከየዕሪ፡ ከይጽግን፡ ከየሐድስ፡ ከይሃንጽ ንዝያዳ 20 ዓመታት ተኣጊዱ። ዚተሃንጸ ኣባይቲ ፈሪሱ። ህዝቢ ንምስቓይ፡ ብመደብ፡ ኣዋጣሪ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ተፈጢሩ። 

እቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ብረታዊ ቃልሲ ዚተዋደደ ትሕተ-ቅርጺ ምህናጽ ሃገር፡ ህንጸት መንግስትን ቍጠባዊ ልምዓትን ተዀሊፉ፤ ንቡር መንግስታዊ መዋቕር፡ ዚሰርሕ መንግስታዊ ትካላት ኰነ ልምዓት ዚድርኽ ቍጠባዊ ሜላ ዘይብሉ ማፍያዊ ስርዓት ሳዕሪሩ። ንሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ረጊጹ፡ ዓመጸኛ ግዝኣተ ሰብ ተኺሉ። 

ኣብ መቓን ሕጊ-ኣልቦ ኣመሓዳድራ፣ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ቀይዲ፡ ሕጋዊ ቅጥዑ ዚጠሓሰ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ክቱር ድኽነት፡ ሓፈሻዊ ሽቕለተ-ኣልቦነት፡ ወዘተ.፡ ጃምላዊ ፍልሰት ደሪኹ። ኣብ ስደት፡ ብዙሕ ኤርትራዊ መኣዝኑ ኣጥፊኡ፡ ግዳይ መቓቓሊ ሜላታት ናይቲ ስርዓትን ተጻባኢ ባዕዳዊ ሽርሕታትን ብምዃን፣ ተጐጃጂሉ፤ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትፍናንን ቍርቍስን ወዲቑ። 

ኣብዚ መበል 64 ዝክረ-ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነትና ብዓቢ ሓበን እንጽንብለሉ ዘለና ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ፣ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዚተበገሰሉን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ዚተሰውኡሉን ዕላማ ክዉን ንምግባር፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘሰላስል ግሉጽን ተሓታትን ሃገራዊ መንግስቲ ንምትካል ቃልስና ከነሕድስን ከነበርትዕን ይግባእ። 

ኤርትራ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚምስረት፣ መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ ሰብኣዊ ርእሰማል ብዘመናዊ ስነፍልጠት፡ ስነኪነትን ግብራዊ ክእለትን ዚሃንጽ፣ መንግስታዊ ፋይናንስ፡ ሃገራዊ ሃብትን ባህርያዊ ጸጋታትን ብትካላዊ ኣገባብ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘመሓድር፣ ኣብ መዓላ ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ዘውዕል፣ መነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽ፣ ሰብኣዊ ድሕነት ዘረጋግጽ፣ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ዘስፍን፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ምምስራት የድሊ። 

ሎሚ ባሕቲ መስከረም 2025 ብሓበን እንዝክረሉ ኣብ ዘለና ኣጋጣሚ፣ ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ታህዲድ ባዕዳዊ ወራር ብትሪ ብምቅዋም፣ ኣብ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ሃረርታ ህዝብና ንግዝኣተ ሕጊ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንሰብኣዊ ድሕነት፡ ንራህዋ ክዉን ንምግባር ቃለስና ነሐድስ።

ዕድመ ንባሕቲ መስከረም፡ መበገሲት ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ! 

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!